መደብ ኣቦና ንሓዳር
ብዛዕባ ፍትሕ ኢየሱስ ናብ ፍጥረትን ናብቲ ኣቦና ዘጣመሮን ተመለሰ። ንቘልዑ ተቐበለ፥ ዘፍቀሮ ሃብታም ሰብኣይ ድማ እናጎሃየ ኸደ። ያእቆብን ዮሃንስን ዙፋን ለመኑ፥ ብዛዕባ ምግልጋልን በጃ ምዃንን ድማ ሰምዑ። ዕዉር በርጤሜዎስ ነቲ ህዝቢ ሓሊፉ ጨደረ፥ ብርሃን ዓይኑ ኸዓ ረኸበ።
10 1ካብኡ ተሲኡ ናብ ሃገር ይሁዳን ስግር ዮርዳኖስን ከደ፤ ብዙሓት ሰባት ከዓ ደጊሞም ናብኡ ተኣከቡ፥ ከምቲ ልማዱ ድማ መሊሱ መሃሮም።
2ገሊኦም ፈሪሳውያን ክፍትንዎ መፂኦም “ሰብኣይ ንሰበይቱ ክፈትሕ ተፈቒዱ ድዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
3ንሱ ድማ “ሙሴ እንታይ ኣዘዘኩም?” ኢሉ መለሰሎም።
4ንሳቶም ከዓ “ሙሴ ሰብኣይ መፍትሒኣ ዝነግር ፅሑፍ ፅሒፉ ኽሰዳ ፈቒዱ” በልዎ።
5ኢየሱስ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ልብኹም ስለ ዝተረረ፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ፀሓፈልኩም። 6ካብ መጀመርታ ፍጥረት ግና፥ ኣቦና ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም። 7ስለዙይ ሰብኣይ ንኣቦኡን ነዴኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይጠብቕ፥ 8እቶም ክልተ ድማ ሓደ ስጋ ይኾኑ።’ ስለዙይ ድሕሪ ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፥ ክልተ ኣይኮኑን። 9ስለዙይ ነቲ ኣቦና ዘጣመሮ፥ ሰብ ኣይፍለዮ።”
10ኣብ ገዛ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዙይ ደጊሞም ጠየቕዎ።
11ንሱ ድማ “ዝኾነ ንሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዘእቱ፥ ኣብ ልዕሊኣ ይዝሙ፥ 12ንሳ ድማ ንሰብኣያ ፈቲሓ ኻልእ እንተ ተመርዐወት፥ ትዝሙ” በሎም።
ኣቦ ንቘልዑ ይቕበሎም
13ኢዱ ምእንቲ ኽትንክፎም፥ ሰባት ንቘልዑ ናብኡ የምፅእዎም ነበሩ፤ ደቀ መዛሙርቱ ግና ገሰፅዎም።
14ኢየሱስ እዙይ ምስ ረአየ ተቖጥዐ፥ ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ቈልዑ ናባይ ይምፅኡ፤ ኣይትኸልክልዎም፤ መንግስቲ ኣቦና ናይ ከምዚኣቶም እያ እሞ። 15ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ መንግስቲ ኣቦና ኸም ቈልዓ ዘይተቐበለ ዝኾነ ሰብ፥ ከቶ ኣይኣትዋን እዩ።”
16ኣቑፊዱ ድማ ኢዱ ኣብ ልዕሊኦም ኣንቢሩ ባረኾም።
እቲ ብዙሕ ዝነበሮ ግና ሓደ ነገር ዝጎደሎ ሰብኣይ
17ንመንገዲ ክወፅእ እንተሎ ኸዓ፥ ሓደ ሰብ ጎይዩ መፂኡ ኣብ ቅድሚኡ ተንበርኪኹ፥ “ሰናይ መምህር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክወርስ እንታይ ክገብር ኣለኒ?” ኢሉ ጠየቖ።
18ኢየሱስ ድማ “ስለምንታይ ሰናይ ትብለኒ? ብዘይ ኣቦና በይኑ፥ ሰናይ ዝኾነ ሓደኳ የለን። 19ነቲ ትእዛዛት ትፈልጦ ኢኻ፦ ‘ኣይትቕተል፥ ኣይትዘሙ፥ ኣይትስረቕ፥ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ኣይትዓምፅ፤ ንኣቦኻን ነዴኻን ኣኽብር።’ ”
20ንሱ ድማ “መምህር፥ እዝ ኵሉ ኻብ ንእስነተይ ጀሚረ ሓልየዮ እየ” በሎ።
21ኢየሱስ ጠሚቱ ኣፍቀሮ፤ “ሓደ ነገር ይጎድለካ ኣሎ፤ ኺድ፥ ዘለካ ዅሉ ሸይጥካ ንድኻታት ሃብ፥ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክህልወካ እዩ፤ ሽዑ ነዓ ተኸተለኒ” በሎ።
22በዝ ቃል እዙይ ገፁ ፀልመተ፥ ብዙሕ ጥሪት ነይርዎ እዩ እሞ፥ እናጐሃየ ኸደ።
23ኢየሱስ ዘወር ኢሉ ጠሚቱ ንደቀ መዛሙርቱ “ሃብታማት ናብ መንግስቲ ኣቦና ክኣትዉ ኽንደይ ከቢድ እዩ!” በሎም።
24ደቀ መዛሙርቱ በቲ ቃሉ ተገረሙ። ኢየሱስ ድማ ደጊሙ “ኣቱም ደቀይ፥ ናብ መንግስቲ ኣቦና ምእታው ክንደይ ከቢድ እዩ! 25ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣቦና ኻብ ዝኣቱስ፥ ግመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል።”
26ንሳቶም ኣዝዮም ተገረሙ፥ ንስንሳቶም ድማ “እንተ ኸምኡስ መን ክድሕን ይኽእል?” ኢሎም ተበሃሃሉ።
27ኢየሱስ ጠሚትዎም ከዓ “ኣብ ሰብ እዙይ ዘይከኣል እዩ፥ ኣብ ኣቦና ግና ኣይኮነን፤ ኣብ ኣቦና ኵሉ ይከኣል እዩ እሞ” በሎም።
28ጴጥሮስ ድማ “እንሆ፥ ንሕና ዅሉ ሓዲግና ተኸቲልናካ ኣለና” ክብሎ ጀመረ።
29ኢየሱስ ድማ ከምዙይ በለ፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ፥ ገዛ ወይ ኣሕዋት ወይ ኣሓት ወይ ኣደ ወይ ኣቦ ወይ ውሉድ ወይ ግራት ዝሓደገ፥
30“ሕዚ በዝ ዘመን እዙይ ምስ መስጎጒ፥ ሚእቲ ዕፅፊ ኣባይትን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣዴታትን ውሉድን ግራትን ዘይቕበል፥ ኣብቲ ዝመፅእ ዓለም ከዓ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የለን። 31ብዙሓት ቀዳሞት ግና ዳሕሮት ክኾኑ እዮም፥ ዳሕሮትውን ቀዳሞት።”
ኢየሱስ ብዛዕባ ሞቱ ንሳልሳይ ጊዜ ተነበየ
32ናብ ኢየሩሳሌም ዝድይብ መንገዲ እንተለዉ፥ ኢየሱስ ቀዲሙ ይኸይድ ነበረ፤ ተገረሙ፥ እቶም ዝስዕቡ ዝነበሩ ድማ ፈርሑ። ነቶም ዓሰርተ ክልተ ኸዓ ደጊሙ ንበይኖም ወሲዱ፥ እቲ ዝበፅሖ ዘሎ ነገር ክነግሮም ጀመረ፦
33“እንሆ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና፤ ወዲ ሰብ ድማ ናብ ኢድ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ኣሕሊፉ ክውሃብ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ናብ ሞት ክፈርድዎ፥ ናብ ኣህዛብውን ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም። 34ከባጭዉሉ፥ ምራቕ ክተፍኡሉ፥ ክገርፍዎ፥ ክቐትልዎውን እዮም፤ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ክትንስእ እዩ።”
ዕቤት ብግልጋል
35ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ፥ ናብኡ መፂኦም “መምህር፥ እንተለመንናካ ዅሉ ክትገብረልና ንደሊ ኣለና” በልዎ።
36ንሱ ድማ “እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ?” በሎም።
37ንሳቶም ከዓ “ኣብ ክብርኻ፥ ሓደ ብየማንካ ሓደ ድማ ብፀጋምካ ኽንቕመጥ ፍቐደልና” በልዎ።
38ኢየሱስ ድማ “እትልምንዎ ዘለኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም። ነታ ኣነ ዝሰትያ ፅዋዕዶ ክትሰትዩ፥ በቲ ኣነ ዝጥመቐሉ ጥምቀትከ ክትጥመቑ ትኽእሉ ኢኹም?” በሎም።
39ንሳቶም ድማ “ንኽእል ኢና” በልዎ። ኢየሱስ ከዓ ከምዙይ በሎም፦ “ነታ ኣነ ዝሰትያ ፅዋዕ ክትሰትይዋ ኢኹም፥ በቲ ኣነ ዝጥመቐሉ ጥምቀት ድማ ክትጥመቑ ኢኹም፤ 40ብየማነይ ወይ ብፀጋመይ ምቕማጥ ግና፥ ኣነ ዝህቦ ኣይኮነን፤ ነቶም እተዳለወሎም ደኣ እዩ።”
41እቶም ዓሰርተ ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ብያእቆብን ዮሃንስን ተቘጥዑ።
42ኢየሱስ ድማ ናብኡ ፀዊዑ ከምዙይ በሎም፦ “እቶም ገዛእቲ ኣህዛብ ዝብሃሉ ኸም ዝገዝእዎም፥ ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ስልጣን ከም ዝጭብጡ ትፈልጡ ኢኹም። 43ኣብ ማእኸልኩም ግና ከምኡ ኣይኮነን። ደኣ ኣብ ማእኸልኩም ዓብዪ ክኸውን ዝደሊ ኵሉ፥ ኣገልጋልኹም ይኹን፤ 44ኣብ ማእኸልኩም ቀዳማይ ክኸውን ዝደሊ ኵሉ ድማ፥ ናይ ኵሉ ባርያ ይኹን። 45ወዲ ሰብ እኳ ክግልገል ዘይኮነስ ክግልግል፥ ህይወቱ ድማ ቤዛ ንብዙሓት ክህብ መፀ እሞ።”
ባርጢሜዎስ ምርኣዩ ረኸበ
46ናብ ኢያሪኮ መፁ። ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ምስ ብዙሕ ህዝቢ ኻብኣ ክወፁ እንተለዉ፥ እቲ ዕዉር ባርጢሜዎስ ወዲ ጢሜዎስ ኣብ ጥቓ መንገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ። 47ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ምዃኑ ምስ ሰምዐ፥ “ኦ ኢየሱስ ወዲ ዳዊት፥ ራህርሀለይ!” እናበለ ክእውይ ጀመረ። 48ብዙሓት ስቕ ክብል ገሰፅዎ፥ ንሱ ግና “ወዲ ዳዊት፥ ራህርሀለይ!” እናበለ የመና ዓው ኢሉ ኣእወየ።
49ኢየሱስ ድማ ደው ኢሉ “ፀውዕዎ” በለ። ነቲ ዕዉር ከዓ “ኣይዞኻ! ተንስእ፥ ይፅውዓካ ኣሎ” እናበሉ ፀውዕዎ።
50ክዳኑ ደርቢዩ ኸዓ ዘሊሉ ተሲኡ ናብ ኢየሱስ መፀ።
51ኢየሱስ ድማ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?” በሎ። እቲ ዕዉር ከዓ “ረቡኒ፥ መሊሰ ክርኢ እደሊ” በሎ። a a v51 “ረቡኒ” ማለት ንኢየሱስ ካብ ልቢ ዝፅውዕ ውልቃዊ ኣገባብ እዩ — “መምህረይ” ማለት ኮይኑ፥ ብዓሚቕ ምትእምማን ዝንገር።
52ኢየሱስ ድማ “ኺድ፤ እምነትካ ኣሕውያትካ” በሎ። ብኡ ንብኡ ኸዓ ረአየ፥ በቲ መንገዲ ድማ ንኢየሱስ ተኸተሎ።