ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ንወዱ ይገልፅ

ኣብ ከረን ክዳውንቱ ፀዓዱ ኾይኖም በረቑ፥ ድምፂ ኣቦኡ ኸዓ ዝፍቶ ወዱ ኢሉ ሰመዮ። ኣብ ታሕቲ፥ ሓደ ደቀ መዛሙርቲ ክሕግዝዎ ዘይከኣሉ ወዲ ዘለዎ ኣቦ፥ ከም ዝኣምን በለ፥ ነቲ ዘይእምነቱ ኸዓ ረድኤት ለመነ። እቶም ዓሰርተ ኽልተ ብዛዕባ ዕቤት ተኻትዑ፥ ኢየሱስ ድማ ኣብ ማእኸሎም ቈልዓ ኣቘመ።

ምዕራፍ 9።

ንሱ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ካብዞም ኣብዙይ ደው ኢሎም ዘለዉ፥ መንግስቲ ኣቦና ብሓይሊ ክትመፅእ ክሳዕ ዝሪእዎ፥ ንሞት ዘይጥዕሙ ከም ዘለዉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”

ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ኸዓ ኢየሱስ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ተማሊኡ፥ ናብ ሓደ ነዊሕ ከረን በይኖም ኣደየቦም፤ ኣብ ቅድሚኦም ድማ ተለወጠ። ክዳውንቱ ኸዓ ኣዝዮም ፀዓዱን የንፀባርቑን ኮኑ፤ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሓደ ሓፃቢ እኳ ኸምኡ ገይሩ ኸፅዕዶም ዘይኽእል፥ ካብኡ ንላዕሊ ፀዓዱ። ኤልያስ ድማ ምስ ሙሴ ተራእዮም፤ ምስ ኢየሱስ ከዓ ይዛረቡ ነበሩ።

ጴጥሮስ ድማ ንኢየሱስ “ረቢ፥ ኣብዙይ ምህላውና ፅቡቕ እዩ፤ ሰለስተ ዳሳት ንስራሕ፥ ሓደ ንኣኻ፥ ሓደ ንሙሴ፥ ሓደ ድማ ንኤልያስ” በሎ። ኣዝዮም ፈሪሖም ነበሩ እሞ፥ እንታይ ከም ዝብል ኣይፈለጠን።

ደበና ድማ መፂኡ ፀለሎም፤ ካብቲ ደበና ኸዓ “ዝፈትዎ ወደይ እዙይ እዩ። ንእኡ ስምዕዎ!” ዝብል ድምፂ መፀ።

ሃንደበት ድማ ዘወር ኢሎም ምስ ጠመቱ፥ ብዘይ ኢየሱስ ምስኣቶም ሓደ እኳ ኣይረአዩን።

ካብቲ ከረን እናወረዱ ኸዓ፥ ወዲ ሰብ ካብ ምዉታን ክሳዕ ዝትንስእ፥ ነቲ ዝረአይዎ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም። ነቲ ነገር ድማ ኣብ ነፍሶም ሓዝዎ፤ “ካብ ምዉታን ምትንሳእ” እንታይ ማለት ምዃኑ ኸዓ ንስንሳቶም ተጠያየቑ። “መምህራን ሕጊ ስለ ምንታይ ኤልያስ ቅድም ክመፅእ ኣለዎ ይብሉ?” ኢሎም ድማ ጠየቕዎ።

ንሱ ኸዓ ከምዙይ በሎም፦ “ኤልያስ ቅድም መፂኡ ንኵሉ ይመልሶ እዩ። ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ክቕበል፥ ክንዐቕውን ከም ዘለዎ ደኣ ስለ ምንታይ ተፂሒፉ? ኣነ ግና፥ ኤልያስ መፂኡ እዩ፤ ከምቲ ብዛዕባኡ ተፂሒፉ ዘሎ ኸዓ፥ ዝደለይዎ ዅሉ ገበሩሉ፥ እብለኩም ኣለኹ።” a a v13 ኢየሱስ ብዛዕባ እቲ ብመንፈስን ሓይልን ኤልያስ ዝመፀ ዮሃንስ መጥምቕ እዩ ዝዛረብ ዘሎ።

ናይ ሓደ ኣቦ ህርቂ እምነት

ናብቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ምስ መፁ ኸዓ፥ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዙርያ እቶም ደቀ መዛሙርቲ፥ መምህራን ሕጊ ድማ ምሳቶም ክካረኩ ረአዩ። እቶም ኵሎም ህዝቢ ንኢየሱስ ምስ ረአይዎ ኸዓ ተገረሙ፥ ናብኡ ጎዪዮም ድማ ሰላም በልዎ።

ንሱ ኸዓ “ምስ መምህራን ሕጊ ብዛዕባ እንታይ ትካረኹ ኣለኹም?” ኢሉ ጠየቖም።

ካብቲ ህዝቢ ሓደ ኸዓ ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “መምህር፥ ክዛረብ ዘይገድፎ መንፈስ ዘለዎ ወደይ ናባኻ ኣምፂአ ነይረ። ኣብ ዝሓዞ ዅሉ ኸዓ ይጥሕኖ፤ ኣፉ ይዓፍርን ኣስናኑ ይሕርቅምን ይረግእን። ነቶም ደቀ መዛሙርትኻ ኸውፅእዎ ለሚነ፥ ንሳቶም ግና ኣይከኣሉን።”

ንሱ ኸዓ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ኣቱም ዘይኣምን ወለዶ፥ ክሳዕ መዓዝ ምሳኻትኩም እነብር? ክሳዕ መዓዝከ እዕገሰኩም? ናባይ ኣምፅእዎ።”

ነቲ ወዲ ድማ ናብኡ ኣምፅእዎ። እቲ መንፈስ ንኢየሱስ ምስ ረአየ፥ ሽዑ ንሽዑ ፈርፈር ኣበሎ፤ ናብ ምድሪ ወዲቑ ኸዓ እናተንከባለለ ኣፉ ዓፈረ።

ኢየሱስ ድማ ነቦ እቲ ወዲ “እዙይ ካብ መዓዝ ጀሚሩ ኾይንዎ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “ካብ ቁልዕነቱ” በለ።

“ከጥፍኦ ኢሉ ብዙሕ ጊዜ ናብ ሓውን ማይን ደርቢይዎ እዩ። ግና ገለ ኽትገብር እትኽእል እንተ ኾይንካ፥ ራሕርሓልናን ርዳኣናን።”

ኢየሱስ ድማ “‘ክትገብር እትኽእል እንተ ኾይንካ’ ትብል’ዶ? ነቲ ዝኣምን ኵሉ ይከኣሎ እዩ” በሎ።

ሽዑ ንሽዑ ኣቦ እቲ ወዲ “እኣምን እየ፤ ንዘይእምነተይ ርዳእ!” ኢሉ ኣእወየ።

ኢየሱስ ድማ ህዝቢ ተኣኻኺቡ ክጎዪ ምስ ረአየ፥ ነቲ ርኹስ መንፈስ ገሰፆ፦ “ኣታ በሃም ፀማም መንፈስ፥ ካብኡ ውፃእ፥ ደጊምካ ኸዓ ናብኡ ኣይትእቶ ኢለ እእዝዘካ ኣለኹ!” በሎ።

እናእወየ ብሓይሊ ኸዓ ፈርፈር ኣቢሉ ወፀ። ከም ምዉት ድማ ኮነ እሞ፥ ብዙሓት “ሞይቱ” በሉ። ኢየሱስ ግና ኢዱ ሒዙ ኣተስኦ እሞ፥ ንሱ ደው በለ።

ኢየሱስ ናብ ውሽጢ ገዛ ምስ ኣተወ ኸዓ፥ ደቀ መዛሙርቱ “ንሕናስ ስለ ምንታይ ከነውፅኦ ዘይከኣልና?” ኢሎም ብምስጢር ጠየቕዎ።

ንሱ ኸዓ “እዝ ዓይነት እዙይ ብፀሎት እንተ ዘይኮይኑ ኽወፅእ ኣይክእልን እዩ” በሎም።

ወዲ ሰብ ክመውት ኣለዎ

ካብኡ ተበጊሶም ድማ ብገሊላ ሓለፉ። ኢየሱስ ከዓ ኣበይ ከም ዘለዉ ሓደ እኳ ኽፈልጥ ኣይደለየን፤

ንደቀ መዛሙርቱ ይምህር ነበረ እሞ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ወዲ ሰብ ናብ ኢድ ሰባት ይውሃብ ኣሎ። ክቐትልዎ ኸዓ እዮም፤ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ክትንስእ እዩ።”

ነቲ ዝበሎ ግና ኣየስተውዓልዎን፤ ኽጥይቕዎ ኸዓ ፈርሑ።

እቲ ዝነኣሰ ዝዓበየ ክኸውን እዩ

ናብ ቅፍርናሆም ድማ መፁ። ኣብ ገዛ ኸዓ “ኣብ መንገዲ ብዛዕባ እንታይ ትካረኹ ኔርኩም?” ኢሉ ጠየቖም።

ንሳቶም ግና ኣብ መንገዲ “መን ይዓቢ” ኢሎም ተኻቲዖም ነበሩ እሞ፥ ስቕ በሉ።

ኮፍ ኢሉ ኸዓ ነቶም ዓሰርተ ክልተ ፀዊዑ ከምዙይ በሎም፦ “ቀዳማይ ክኸውን ዝደሊ ዅሉ፥ ካብ ኵሉ ዳሕራዋይን ኣገልጋሊ ዅሉን ይኹን።”

ሓደ ንእሽተይ ህፃን ወሲዱ ኸዓ ኣብ ማእኸሎም ኣቘሞ፤ ነቲ ህፃን ሓቚፉ ድማ ከምዙይ በሎም፦

“ካብዞም ናእሽቱ ህፃናት ነዝ ሓደ ብስመይ ዝቕበል ዅሉ፥ ንኣይ ይቕበለኒ፤ ንኣይ ዝቕበለኒ ኸዓ ነቲ ዝለኣኸኒ ደኣ ይቕበል እምበር ንኣይ ኣይኮነን።”

ምሳና እምበር ኣንፃርና ኣይኮነን

ዮሃንስ ድማ “መምህር፥ ብስምካ ኣጋንንቲ ዘውፅእ ሓደ ሰብ ረአና፤ ንሱ ኣይስዕበናን እዩ እሞ፥ ክንክልክሎ ፈተና” በሎ።

ኢየሱስ ግና ከምዙይ በለ፦ “ኣይትኽልክልዎ፤ ብስመይ ተኣምራት ዝገብር ሓደ እኳ፥ ቀልጢፉ ክፉእ ክዛረበለይ ዝኽእል የለን። ኣንፃርና ዘይኮነ ዅሉ፥ ምሳና እዩ እሞ። ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ናይ ክርስቶስ ስለ ዝኾንኩም ፅዋዕ ማይ ክትሰትዩ ዝህበኩም ዝኾነ ሰብ፥ ዓስቡ ከቶ ኣይስእንን እዩ።

ነቶም ናእሽቱ ኣይተስሕትዎም

ካብዞም ብኣይ ዝኣምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዘስሕት ዝኾነ ሰብ፥ ዓብዪ መዲድ ኣብ ክሳዱ ተሰቒሉ ናብ ባሕሪ እንተ ዝድርበ ምሓሾ። ኢድካ እንተ ኣስሓተትካ፥ ቘርፃ። ክልተ ኢድ ሒዝካ ናብ ገሃነም፥ ናብቲ ዘይጠፍእ ሓዊ ካብ ትኣቱስ፥ ቍሩፅ ኮይንካ ናብ ህይወት እንተ ኣተኻ ይሕሸካ። b b v43 እቶም ቀዳሞት ብራናታት ኣብዙይ ፍቕዲ 44 የብሎምን፤ ዳሕረዎት ቅዳሓት ግና ፦ “ኣብኡ ሓሰኻኦም ኣይመውትን፥ ሓዊ እውን ኣይጠፍእን” ኢሎም ይውስኹ።

እግርኻ እንተ ኣስሓተትካ፥ ቘርፃ። ክልተ እግሪ ሒዝካ ናብ ገሃነም ካብ ትድርበ፥ ሓንካስ ኮይንካ ናብ ህይወት እንተ ኣተኻ ይሕሸካ። c c v45 እቶም ቀዳሞት ብራናታት ኣብዙይ ፍቕዲ 46 የብሎምን፤ ዳሕረዎት ቅዳሓት ግና ፦ “ኣብኡ ሓሰኻኦም ኣይመውትን፥ ሓዊ እውን ኣይጠፍእን” ኢሎም ይውስኹ።

ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ፥ ደርብያ። ክልተ ዓይኒ ሒዝካ ናብ ገሃነም ካብ ትድርበ፥ ሓንቲ ዓይኒ ሒዝካ ናብ መንግስቲ ኣቦና እንተ ኣተኻ ይሕሸካ፥ ኣብኡ ‘ሓሰኻኦም ከቶ ኣይመውትን፥ ሓዊ እውን ከቶ ኣይጠፍእን።’

ኵሉ ሰብ ብሓዊ ክምቅር እዩ እሞ። ጨው ፅቡቕ እዩ፤ ጨው ግና መቐረቱ እንተ ጠፍአ፥ ብምንታይ ከ ተመቕርዎ? ጨው ኣብ ውሽጥኹም ይሃሉኹም፥ ንስንሳትኩም ድማ ብሰላም ንበሩ።”