ኢየሱስ ንኣርባዕተ ሽሕ ሰብ መገበ
ኢየሱስ ንኣርባዕተ ሽሕ መገበ፥ ምልክት ክህብ ኣበየ፥ ብዛዕባ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያን ከዓ ኣጠንቀቐ። ሓደ ዕዉር ሰብኣይ ብኽልተ ደረጃ ረአየ። ጴጥሮስ ክርስቶስ በሎ፥ ሽዑ ግና ክመውት ከም ዘለዎ ስለ ዝበለ ገሰፆ፥ ናይ ኣቦና ዘይኮነ ናይ ሰብ ነገር ስለ ዝሓሰበ ኸዓ ሰይጣን ተብሃለ።
8 1በቲ መዓልቲታት እቲ፥ ከም ብሓድሽ ብዙሕ ህዝቢ ተኣከበ፤ ዝበልዕዎ ድማ ኣይነበሮምን። ኢየሱስ ከዓ ንደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ ከምዙይ በሎም፦
2“ነዝ ህዝቢ እዙይ ይርህርሀኒ ኣሎ፤ ሕዚ ሰለስተ መዓልቲ ኾይኑ ምሳይ ኣለዉ፤ ዝበልዕዎ ድማ የብሎምን። 3ጥሙዮም ናብ ገዛኦም እንተ ሰዲደዮም፥ ኣብ መንገዲ ክሕለሉ እዮም፤ ገሊኣቶም ከዓ ካብ ርሑቕ መፂኦም እዮም።”
4ደቀ መዛሙርቱ ድማ “ኣብዝ በረኻ እዙይ ነዞም ሰባት እዚኣቶም መን ብእንጀራ ከፅግቦም ይኽእል?” ኢሎም መለሱሉ።
5ንሱ ድማ “ክንደይ እንጀራ ኣለኩም?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ “ሸውዓተ” በሉ።
6ነቲ ህዝቢ ኣብ ምድሪ ክቕመጡ ኣዘዞም፤ ነቲ ሸውዓተ እንጀራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቆረሶ፤ ነቲ ህዝቢ ኸቕርቡሎም ከዓ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ንሳቶም ድማ ነቲ ህዝቢ ኣቕረቡሎም። 7ቁሩብ ኣናእሽቱ ዓሳ ድማ ነበሮም፤ ባሪኹ ኸዓ ነዚኣቶም ነቲ ህዝቢ ኸቕርቡሎም ንደቀ መዛሙርቱ ኣዘዞም። 8በሊዖም ድማ ፀገቡ፤ ካብቲ ዝተረፈ ቍርስራስ ከዓ ሸውዓተ መሶብ ኣልዓሉ። 9እቶም ዝበልዑ ኸዓ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ሰብ ነበሩ፤ ንሱ ድማ ሰደዶም።
10ሽዑ ንሽዑ ድማ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዩ ናብ ሃገር ዳልማኑታ ኸደ።
ምልክት ዝደሊ ትውልዲ
11ፈሪሳውያን መፂኦም ድማ፥ ክፍትንዎ፥ ካብ ሰማይ ምልክት እናደለዩ ኽማጐትዎ ጀመሩ።
12ብመንፈሱ ዓሚቑ እናስተንፈሰ ድማ “እዝ ትውልዲ እዙይ ስለ ምንታይ ምልክት ይደሊ? ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ነዝ ትውልዲ እዙይ ምልክት ኣይወሃቦን እዩ” በለ።
13ሓዲግዎም ድማ መሊሱ ናብ ጃልባ ኣትዩ ናብ ማዕዶ ኸደ።
ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያን ተጠንቀቑ
14እንጀራ ምሓዝ ረሲዖም ነበሩ፤ ኣብ ጃልባ ሓንቲ እንጀራ ጥራሕ ነበረቶም።
15ንሱ ድማ “ተጠንቀቑ፤ ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያንን ካብ ማይ ብሒቝ ሄሮድስን ተዓቀቡ” ኢሉ ኣጠንቀቖም።
16ንሳቶም ድማ እንጀራ ስለ ዘይብሎም ንስንሳቶም ክዘራረቡ ጀመሩ።
17ኢየሱስ ከዓ እዙይ ፈሊጡ “ስለ ምንታይ እንጀራ ብዘይ ምሓዝኩም ትዘራረቡ? ገናዶ ኣይትርእዩን ኣይተስተውዕሉን ኢኹም? ልብኹም ተሪሩዶ? 18ኣዒንቲ እናሃለወኩም ኣይትርእዩንዶ? ኣእዛን እናሃለወኩም ኣይትሰምዑንዶ? ኣይትዝክሩንዶ? 19ነቲ ሓሙሽተ እንጀራ ንሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ምስ ቆረስኩ፥ ክንደይ መሶብ ዝመልአ ቁርስራስ ኣከብኩም?” ንሳቶም ድማ “ዓሰርተ ኽልተ” በሉ።
20“ነቲ ሸውዓተ ድማ ነርባዕተ ሽሕ ሰብ ምስ ቆረስኩ፥ ክንደይ መሶብ ዝመልአ ስብርባር ኣከብኩም?” ንሳቶም ከዓ “ሸውዓተ” በሉ።
21ንሱ ድማ “ገናዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም?” በሎም።
ሓደ ዕዉር ምርኣይ ረኸበ
22ናብ ቤተ ሳይዳ ድማ መፁ፤ ሰባት ከዓ ሓደ ዕዉር ናብኡ ኣምፂኦም ክትንክፎ ንኢየሱስ ለመንዎ።
23ነቲ ዕዉር ኢዱ ሒዙ ድማ ናብ ወፃኢ እታ ዓዲ ኣውፅኦ፤ ኣብ ኣዒንቱ እንትፍ ኢሉ ኢዱ ኣንቢሩሉ “ገለ ትርኢዶ?” ኢሉ ጠየቖ።
24ንሱ ኸዓ ኣንቃዕሪሩ ጠሚቱ “ሰባት እርኢ ኣለኹ፤ ግና ከም ኣእዋም ኮይኖም እናኸዱ እርእዮም ኣለኹ” በለ።
25ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ ኣእዳዉ ኣብ ኣዒንቱ ኣንበረ፤ ንሱ ድማ ኣፅቢቑ ጠመተ፤ ሓወየ፤ ኵሉ ነገርውን ብንፁር ረአየ።
26ንሱ ድማ ናብ ገዛኡ ሰደዶ፤ “ናብ ዓዲ እኳ ኣይትእቶ” ድማ በሎ።
ኣነ መን ትብሉኒ?
27ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ዓድታት ናይ ፊልጶስ ቂሳርያ ከዱ፤ ኣብ መንገዲ ድማ “ሰባት ንኣይ መን ይብሉኒ?” ኢሉ ጠየቖም።
28ንሳቶም ድማ “መጥምቕ ዮሃንስ፤ ገሊኣቶም ከዓ ‘ኤልያስ’ ገሊኣቶም ድማ ‘ሓደ ኻብ ነቢያት’ ይብሉ” በልዎ።
29ንሱ ድማ “ንስኻትኩምከ ንኣይ መን ትብሉኒ?” ኢሉ ጠየቖም። ጴጥሮስ ከዓ “ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።
30ብዛዕባኡ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ድማ ኣጥቢቑ ኣጠንቀቖም።
ወዲ ሰብ መከራ ኽቕበል ይግብኦ
31ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኽቕበል፥ ብሽማግለታትን ብሊቃነ ካህናትን ብመምህራን ሕግን ክንፀግ፥ ክቕተል፥ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ክትስእ ከም ዝግብኦ ኽምህሮም ጀመረ። 32ነዝ ነገር እዙይ ድማ ኣግሂዱ ተዛረቦ። ጴጥሮስ ከዓ ንበይኑ ወሲዱ ኽገስፆ ጀመረ።
33ንሱ ግና ግልፅ ኢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ጠሚቱ ንጴጥሮስ ገሰፆ፤ “ኦ ሰይጣን፥ ናብ ድሕረይ ኺድ! ንስኻ ናይ ኣቦና ነገር ዘይኮነስ፥ ናይ ሰብ ነገር ኢኻ እትሓስብ ዘለኻ እሞ” በሎ።
34ነቲ ህዝብን ንደቀ መዛሙርቱን ፀዊዑ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ደድሕረይ ክስዕብ ዝደሊ ንነፍሱ ይኽሓድ፥ መስቀሉ ኣልዒሉ ድማ ይስዓበኒ። 35እቲ ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ ኸጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዘጥፍኣ ግና ኸድሕና እዩ። 36ሓደ ሰብ ንምሉእ ዓለም ረኺቡ፥ ነፍሱ ግና እንተ ኸሲሩ፥ እንታይ ይጠቕሞ? 37ሰብከ ቤዛ ነፍሱ እንታይ ምሃበ? 38እቲ ኣብዝ ዘማዊን ሓጥእን ትውልዲ ብኣይን ብቓላተይን ዝሓፍር፥ ወዲ ሰብ ድማ ምስ ቅዱሳን መላእኽቲ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መፀ፥ ብእኡ ኽሓፍር እዩ።”