ምስ ኢየሱስ ዝተጓዓዛ ኣንስቲ
ነተን ነቲ ስራሕ ዝድግፋ ኣንስቲ ይሰመያ። ብዛዕባ ምድሪ ዝኾነ ምሳሌ ድማ፥ ቃል ኣቦና ስለ ምንታይ ኣብ ገሊኦም ከም ዘይበቍል ይገልፅ። ነቲ ማዕበል ኣህደአ፥ ነቲ ሌጌዎን ዝተብሃለ ሰብ—ጐረባብቱ ኽኸይድ ዝለመንዎ—ናፃ ኣውፀኦ፥ ድሕሪኡ ኸዓ ንደም ዝፈሳ ሰበይቲ ኣሕወየ፥ ንጓል ኢያኢሮስ ድማ ኣተስአ።
8 1ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ድማ፥ እናሰበኸን ወንጌል መንግስቲ ኣቦና እናበሰረን፥ ብኸተማታትን ብዓድታትን ይዘዋወር ነበረ። እቶም ዓሰርተ ኽልተ ኸዓ ምስኡ ነበሩ፥ 2ካብ እኩያት መናፍስትን ሕማማትን ዝሓወያ ገለ ኣንስቲ ድማ ነበራ፦ ማርያም፥ መግደላዊት እትበሃል፥ ካብኣ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ዝወፁ፥ 3ዮሃናን፥ ሰበይቲ ኩዛ እቲ ናይ ሄሮድስ መጋቢ፥ ሱሳናን፥ ካልኦት ብዙሓትን ነበራ፤ እዚኣተን ካብ ጥሪተን ይሕግዝኦም ነበራ።
4ብዙሕ ህዝቢ ተኣኪቡ፥ ካብ ኵለን ከተማታት ድማ ሰባት ናብኡ እናመፁ እንተለዉ፥ ከምዙይ ኢሉ ብምሳሌ ተዛረቦም፦
5“ሓደ ዘራኢ ክዘርእ ወፀ። ክዘርእ እንተሎ ድማ፥ ገለ ዘርኢ ኣብ መንገዲ ወደቐ፤ ተረግፀ፥ ኣዕዋፍ ሰማይ ከዓ በልዓኦ። 6ካልእ ዘርኢ ኣብ ከውሒ ወደቐ፤ በቒሉ ድማ፥ ጠሊ ስለ ዝሰኣነ ነቐፀ። 7ገሊኡ ድማ ኣብ ማእኸል እሾዅ ወደቐ፤ እቲ እሾዅ ከዓ ምስኡ ዓብዩ ሓነቖ። 8ካልእ ዘርኢ ድማ ኣብ ፅቡቕ ምድሪ ወደቐ፤ ዓብዩ ኸዓ ሚእቲ ዕፅፊ ፈረየ።” ከምዙይ ኢሉ ድማ “ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” ኢሉ ዓው በለ።
9ደቀ መዛሙርቱ ድማ እዝ ምሳሌ እዙይ እንታይ ማለት ምዃኑ ጠየቕዎ።
10ንሱ ኸዓ “ንስኻትኩም ንምስጢራት መንግስቲ ኣቦና ኽትፈልጡ ተዋሂቡኩም እዩ፤ ንካልኦት ግና፥ ‘እናረአዩ ምእንቲ ኸይርእዩ፥ እናሰምዑ ድማ ምእንቲ ኸይርድኡ’ ብምሳሌ ይዋሃቦም” በሎም።
11“እቲ ምሳሌ ድማ እዙይ እዩ፦ እቲ ዘርኢ ቓል ኣቦና እዩ። 12እቶም ኣብ መንገዲ ዘለዉ፥ እቶም ዝሰምዑ እዮም፤ ሽዑ ድያብሎስ መፂኡ፥ ምእንቲ ኸይኣምኑን ከይድሕኑን፥ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ይወስዶ። 13እቶም ኣብ ከውሒ ዘለዉ ድማ፥ ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ ብሓጐስ ዝቕበልዎ፥ ግና ሱር ዘይብሎም እዮም፤ ንቑሩብ ጊዜ ይኣምኑ፥ ብጊዜ ፈተና ኸዓ ይወድቁ። 14እቲ ኣብ ማእኸል እሾዅ ዝወደቐ ድማ፥ እዚኣቶም እቶም ዝሰምዑ እዮም፤ ግና እናኸዱ እንተለዉ፥ ጭንቀት ህይወትን ሃብትን ተድላን ይሓንቕዎም፥ ፍሪኦም ድማ ፈፂሙ ኣይበስልን። 15እቲ ኣብ ፅቡቕ ምድሪ ዘሎ ግና፥ እዚኣቶም ነቲ ቓል ብቕኑዕ ፅቡቕ ልቢ ዝሰምዕዎ፥ ኣፅኒዖም ዝሕዝዎ፥ ብትዕግስቲ ኸዓ ፍረ ዝፈርዩ እዮም።”
ክኽወል ዘይኽእል ብርሃን
16“ዝኾነ ሰብ መብራህቲ ኣብሪሁ፥ ብኣቕሓ ኣይኽድኖን፥ ወይ ኣብ ትሕቲ ዓራት ኣየንብሮን፤ እቶም ዝኣትዉ ነቲ ብርሃን ምእንቲ ክርእዩ፥ ኣብ በሪኽ መቐመጢኡ የንብሮ ደኣ እምበር። 17ዘይግለፅ ዝተሰወረ፥ ዘይፍለጥን ናብ ብርሃን ዘይወፅእን ዝተኸወለ ነገር የለን እሞ። 18ስለዙይ ከመይ ከም እትሰምዑ ተጠንቀቑ፤ ንዘለዎ ኺውሰኾ እዩ እሞ፤ ንዘይብሉ ኸዓ፥ እቲ ዘለዎ ዝመስል እውን ኪውሰዶ እዩ።”
ስድራ ቤት ኣቦና
19ኣዲኡን ኣሕዋቱን ናብኡ መፁ፤ ብሰሪ እቲ ህዝቢ ግና ኪበፅሕዎ ኣይከኣሉን። 20“ኣዴኻን ኣሕዋትካን ክርኡኻ ደልዮም፥ ኣብ ደገ ደው ኢሎም ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።
21ንሱ ግና “ኣደይን ኣሕዋተይን እቶም ቃል ኣቦና ሰሚዖም ዝገብርዎ እዮም” ኢሉ መለሰሎም።
ኢየሱስ ነቲ ማዕበል ይእዝዝ
22ሓደ መዓልቲ ንሱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ጃልባ ኣተዉ። ንሳቶም ድማ “ናብ ማዕዶ እቲ ቓላይ ንሳገር” በሎም። ንሳቶም ከዓ ተበገሱ።
23ክጐዓዙ እንተለዉ ድማ ደቀሰ። ህቦብላ ንፋስ ከዓ ናብቲ ቓላይ ወረደ፤ እታ ጃልባ ብማይ መልአት እሞ ኣብ ሓደጋ ወደቑ። 24ኣተሲኦም ድማ “ኦ መምህር፥ ኦ መምህር፥ ንጠፍእ ኣለና!” በልዎ። ንሱ ኸዓ ተሲኡ ነቲ ንፋስን ነቲ ዝናወፅ ማይን ገሰፆ፤ ንሳቶም ደው በሉ፥ ህዱእ ድማ ኮነ። 25ንሳቶም ድማ “እምነትኩም ኣበይ ኣላ?” በሎም። ፈሪሖም ድማ ተገሪሞም “እዝ መን እዩ ደኣ? ንነፋሳትን ንማይን እኳ ይእዝዝ፥ ንሳቶም ድማ ይእዘዝዎ” ኢሎም ንስንሳቶም ተበሃሃሉ።
ካብ ለጌዎን ሓራ ዝወፀ ሰብኣይ
26ናብታ መንፅር ገሊላ ዘላ ምድሪ ገረሴናውያን ድማ ተጓዓዙ። 27ኢየሱስ ናብ ምድሪ ምስ ረገፀ፥ ጋኔን ዝሓደሮ ሓደ ሰብኣይ ካብታ ኸተማ ተራኸቦ። ንሱ ነዊሕ ጊዜ ክዳን ኣይተኸድነን፥ ኣብ ቤት ዘይኮነስ ኣብ ማእኸል መቓብር ይነብር ነበረ። 28ንኢየሱስ ምስ ረአዮ ድማ ኣእወየ፥ ኣብ ቅድሚኡ ወደቐ፥ ዓው ኢሉ ኸዓ “ኦ ኢየሱስ ወዲ ልዑል እግዚኣብሄር፥ እንታይ ኣሎካ ምሳይ? ኣይተሳቕየኒ፥ እልምነካ ኣለኹ!” በለ። 29ኢየሱስ ነቲ ርኹስ መንፈስ ካብቲ ሰብኣይ ክወፅእ ኣዚዝዎ ነበረ እሞ፤ ብዙሕ ጊዜ ይሕዞ ነበረ፤ ተሓልዩ ብሰንሰለትን ብሞቕሕን እኳ እንተ ተኣሰረ፥ ነቲ እስራት በቲኹ ብቲ ጋኔን ናብ ምድረ በዳ ይድፋእ ነበረ።
30ኢየሱስ ድማ “ስምካ መን እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ ብዙሓት ኣጋንንቲ ስለ ዝኣተዉዎ “ለጌዎን” በለ።
31ናብ መዓሙቕ ክኸዱ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ።
32ኣብኡ ድማ ብዙሕ መጓሰ ሓሰማ ኣብ ጎቦ እቲ ኰረብታ ይቕለብ ነበረ። እቶም ኣጋንንቲ ኸዓ ናብ ሓሰማታት ክኣትዉ ኺፈቅደሎም ለመንዎ፤ ንሱ ድማ ፈቐደሎም። 33እቶም ኣጋንንቲ ኸዓ ካብቲ ሰብኣይ ወፂኦም ናብ ሓሰማታት ኣተዉ፤ እቲ መጓሰ ድማ ብገደል ናብ ቓላይ ተጓይዩ ወደቐ እሞ ሰጠመ።
34እቶም ጓሶት ነዙይ ምስ ረአዩ ሃደሙ፥ ኣብ ከተማን ኣብ ገጠርን ከዓ ነገሩ። 35እቶም ህዝቢ ድማ እቲ ዝኾነ ክርኢ ወፁ። ናብ ኢየሱስ ምስ መፁ ኸዓ፥ ነቲ ኣጋንንቲ ዝወፅእዎ ሰብኣይ፥ ክዳን ተኸዲኑን ኣእምሮኡ ተመሊሱን፥ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ተቐሚጡ ረኸብዎ እሞ ፈርሑ። 36እቶም ዝረአዩ ኸዓ፥ እቲ ጋኔን ዝሓደሮ ሰብኣይ ከመይ ኢሉ ኸም ዝሓወየ ነገርዎም። 37ኵሎም ህዝቢ ምድሪ ገረሴናውያን ድማ፥ ዓብዪ ፍርሓት ስለ ዝሓዞም፥ ካብኣቶም ክኸይድ ለመንዎ። ንሱ ኸዓ ናብ ጃልባ ደዪቡ ተመለሰ። 38እቲ ኣጋንንቲ ዝወፅእዎ ሰብኣይ ድማ ምስኡ ኽኸይድ ለመኖ፤ ኢየሱስ ግና ከምዙይ ኢሉ ኣፋነዎ፦
39“ናብ ቤትካ ተመለስ፥ ኣቦና ኽንደይ ከም ዝገበረልካ ኸዓ ንገር።” ንሱ ድማ ከይዱ፥ ኢየሱስ ክንደይ ከም ዝገበረሉ ኣብ ብዘላ እታ ኸተማ ሰበኸ።
ብእምነት ዝሓወዩን ዝተንስኡን
40ኢየሱስ ምስ ተመለሰ ድማ፥ ኵሎም ይፅበይዎ ስለ ዝነበሩ፥ እቶም ህዝቢ ተቐበልዎ። 41ኢያኢሮስ ዝበሃል ሰብ፥ ሓለቓ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፥ መፂኡ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ወደቐ፤ ናብ ቤቱ ክመፅእ ድማ ለመኖ፥ 42ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ዝዕድሚኣ ሓንቲ ጓል ጥራሕ ነበረቶ እሞ፥ ንሳ ኸዓ ክትመውት ቀሪባ ነበረት። ኢየሱስ ክኸይድ እንተሎ ድማ፥ እቶም ህዝቢ ኣፅበብዎ። 43ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ደም ዝፈሳ ሓንቲ ሰበይቲ ነበረት፤ ንሳ ኵሉ ዘለዋ ናብ ሓካይም ኣጥፊኣ ነበረት፥ ሓደኳ ከዓ ከሕውያ ኣይከኣለን። 44ብድሕሪኡ ቐሪባ ኸዓ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት፤ ምፍሳስ ደማ ድማ ብኡብኡ ደው በለ።
45ኢየሱስ ድማ “መን እዩ ዝተንከየኒ?” በለ። ኵላቶም ምስ ከሓዱ፥ ጴጥሮስ “መምህር፥ እቶም ህዝቢ ከቢቦም የፅብቡኻ ኣለዉ” በለ።
46ኢየሱስ ግና “ሓደ ሰብ ተንከየኒ፤ ሓይሊ ኻባይ ከም ዝወፀ ተሰሚዑኒ እዩ እሞ” በለ።
47እታ ሰበይቲ ኸም ዘይተሓብአት ምስ ረአየት፥ እናተንቀጥቀጠት መፂኣ ኣብ ቅድሚኡ ወደቐት፤ ስለምንታይ ከም ዝተንከየቶን ብኡብኡ ኸም ዝሓወየትን ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ነገረት።
48ንሳ ኸዓ “ጓለይ፥ እምነትኪ ኣሕውያትኪ፤ ብሰላም ኪዲ” በላ።
49ገና ክዛረብ እንተሎ፥ ካብ ቤት እቲ ሓለቓ ቤተ ፀሎት ሓደ ሰብ መፂኡ “ጓልካ ሞይታ እያ፤ ነቲ መምህር ደጊም ኣይተድክሞ” በለ።
50ኢየሱስ ግና ሰሚዑ “ኣይትፍራሕ፤ እመን ጥራሕ፥ ንሳ ኸዓ ክትድሕን እያ” ኢሉ መለሰሉ።
51ናብ ቤት ምስ በፅሐ ኸዓ፥ እንትርፊ ጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን ኣቦ እታ ቘልዓን እኖኣን፥ ሓደኳ ምስኡ ኽኣቱ ኣይፈቐደን።
52ኵላቶም ድማ ይበኽዩን ይሓዝኑላን ነበሩ፤ ንሱ ግና “ኣይትብከዩ፤ ንሳ ደቂሳ ደኣ እምበር ኣይሞተትን” በለ።
53ከም ዝሞተት ይፈልጡ ነበሩ እሞ፥ ሰሓቑሉ።
54ንሱ ግና ኢዳ ሒዙ፥ “ኣቲ ቘልዓ፥ ተንሺ” ኢሉ ፀውዐ።
55መንፈሳ ድማ ተመለሰ፥ ብኡብኡ ኸዓ ተንስአት። ዝብላዕ ድማ ክህብዋ ኣዘዞም። 56ወለዳ ድማ ተገረሙ፤ ንሱ ግና ነቲ ዝኾነ ንሓደኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም።