ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ሓደ ንጉስ ይፈርህ፥ ሓደ ነቢይ ድማ ይፅዋዕ

እስራኤል ንኣሞራውያን በቲ ዝገበሮ ፈሪሖም፥ ሞኣብ ንበለዓም ክርግሞም ተኻረዮ። ንሱ ኸዓ ነቲ ኣቦና ዝብሎ ጥራሕ ክደግም ይኽእል፤ እቲ ነገር ድማ በታ ኣድጊ ተገልፀ፥ ንሳ እቲ ስሙይ ሰብ ራእይ ክርኢ ኣብ ዘይከኣለሉ፥ ነቲ ኣብ መንገዲ ተሲሉ ደው ዝበለ ሰይፊ ረአየቶ።

ምዕራፍ 22።

ደቂ እስራኤል ድማ ተሲኦም፥ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፥ መንፅር ኢያሪኮ ሰፈሩ። ባላቅ ወዲ ሴፎር ከዓ ኵሉ እቲ እስራኤል ንኣሞራውያን ዝገበሮ ረአየ። ሞኣብ ነቲ ህዝቢ ብዙሓት ስለ ዝነበሩ የመና ፈርሖ፤ ሞኣብ ከዓ ብደቂ እስራኤል ተሰከፈ። ሞኣብ ድማ ንሹማግልቲ ምድያም “እዝ ህዝቢ፥ ከምቲ ብዕራይ ሳዕሪ መሮር ዝልሕስ፥ ኣብ ዙርያና ዘሎ ኵሉ ኽልሕሶ እዩ” በሉ። በቲ ጊዜ እቲ ድማ ባላቅ ወዲ ሴፎር ንጉስ ሞኣብ ነበረ።

ናብ በለዓም ወዲ ቢዖር፥ ኣብ ጴቶር፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ኤፍራጥስ፥ ኣብ ምድሪ ህዝቡ ናብ ዝነበረ፥ ክፅውዖ ልኡኻት ለኣኸ። ከምዙይ ድማ በለ፦ “እንሆ፥ ሓደ ህዝቢ ኻብ ግብፂ ወፂኡ ኣሎ። እንሆ፥ ገፅ ምድሪ ሸፊኖም፥ ኣብ መንፅረይ ድማ ሰፊሮም ኣለዉ። ሕዚ ነዓ፥ ካባይ ስለ ዝሕይሉ፥ በይዛኻ ነዝ ህዝቢ እዙይ ርገመለይ። ምናልባሽ ክወቕዖም፥ ካብ ምድሪ ድማ ክሰጎም ይኽእል ይኸውን፤ እቲ ንስኻ እትምርቖ ምሩቕ፥ እቲ እትርግሞ ድማ ርጉም ምዃኑ እፈልጥ እየ እሞ።”

ሹማግልቲ ሞኣብን ሹማግልቲ ምድያምን ድማ፥ ዋጋ ጥንቈላ ሒዞም ተበገሱ፤ ናብ በለዓም በፂሖም ከዓ ዘረባ ባላቅ ነገርዎ።

ንሱ ኸዓ “ኣብዙይ ሎሚ ለይቲ ሕደሩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝዛረበኒ ድማ ቃል ክመልሰልኩም እየ” በሎም። ሹመኛታት ሞኣብ ከዓ ምስ በለዓም ሓደሩ።

ኣቦና ድማ ናብ በለዓም ቀሪቡ “ምሳኻ ዘለዉ እዚኦም ሰባት መን እዮም?” በሎ።

በለዓም ድማ ንኣቦና ከምዙይ በሎ፦ “ባላቅ ወዲ ሴፎር፥ ንጉስ ሞኣብ፥ ከምዙይ ኢሉ ቃል ልኢኹለይ፦ ‘እንሆ፥ እቲ ኻብ ግብፂ ዝወፀ ህዝቢ ንገፅ ምድሪ ሸፊንዎ ኣሎ። ሕዚ ነዓ፥ ርገመለይ፤ ምናልባሽ ክዋግኦም፥ ክሰጎም ድማ ይኽእል ይኸውን’።”

ኣቦና ግና ንበለዓም “ምሳታቶም ኣይትኺድ። እቲ ህዝቢ ምሩቕ እዩ እሞ፥ ኣይትርገሞም” በሎ።

በለዓም ድማ ንግሆ ተሲኡ ንሹመኛታት ባላቅ “እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ክኸይድ ኣብዩኒ እዩ እሞ፥ ናብ ምድሪኹም ተመለሱ” በሎም።

ሹመኛታት ሞኣብ ከዓ ተሲኦም፥ ናብ ባላቅ ከይዶም “በለዓም ምሳና ክመፅእ ኣብዩ” በሉ።

ባላቅ ድማ ካብቶም ቀዳሞት ዝበዝሑን ዝኸበሩን ካልኦት ሹመኛታት መሊሱ ለኣኸ። ናብ በለዓም መፂኦም ከዓ ከምዙይ በልዎ፦ “ባላቅ ወዲ ሴፎር ከምዙይ ይብል፦ ‘ናባይ ካብ ምምፃእ ዝኽልክለካ ነገር ኣይሃሉ፤ የመና ኸኽብረካ እየ፥ ዝበልካኒ ዅሉ ድማ ክገብር እየ እሞ፤ በይዛኻ ነዓ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ርገመለይ’።”

በለዓም ድማ ንኣገልገልቲ ባላቅ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ባላቅ ብሩርን ወርቅን ዝመልአ ገዛኡ እኳ እንተ ሃበኒ፥ ንእሽቶ ወይ ዓብዪ ነገር ንምግባር፥ ካብ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ክሓልፍ ኣይኽእልን እየ። ሕዚ በይዛኻትኩም፥ ንስኻትኩምውን ኣብዙይ ሎሚ ለይቲ ሕደሩ፤ ኣቦና ብዛዕባይ ደጊሙ እንታይ ከም ዝብለኒ ምእንቲ ኽፈልጥ።”

ኣቦና ድማ ብለይቲ ናብ በለዓም መፂኡ “እዞም ሰባት ክፅውዑኻ ስለ ዝመፁ፥ ተሲእካ ምሳታቶም ኪድ፤ ግና ነቲ ኣነ ዝነግረካ ጥራሕ ደኣ ግበር” በሎ።

በለዓም ድማ ንግሆ ተሲኡ፥ ኣድጉ ፅዒኑ፥ ምስ ሹመኛታት ሞኣብ ከደ።

ኣቦና ብኣድጊ ኣቢሉ ይዛረብ

ንሱ ስለ ዝኸደ ግና ቍጥዓ ኣቦና ነደደ፤ መልኣኽ ኣቦና ድማ ንበለዓም ክፃረሮ ኣብ መንገዲ ደው በለ። በለዓም ከዓ ኣብ ኣድጉ ተቐሚጡ፥ ክልተ ኣገልገልቱውን ምስኡ ነበሩ። እታ ኣድጊ ድማ ነቲ ሰይፉ መዚዙ ብኢዱ ሒዙ ኣብ መንገዲ ደው ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ኣቦና ረአየት እሞ፥ ካብ መንገዲ ኣግሊሳ ናብ ግራት ኣተወት። በለዓም ከዓ ነታ ኣድጊ ናብ መንገዲ ምእንቲ ኽመልሳ ወቕዓ። መልኣኽ ኣቦና ድማ ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ኣብ ፀቢብ መንገዲ፥ ኣብ ክልቲኡ ወገን መናድቕ ኣብ ዘለዎ ደው በለ። እታ ኣድጊ ድማ ንመልኣኽ ኣቦና ምስ ረአየት፥ ናብቲ መንደቕ ተፀጊዓ፥ ነእግሪ በለዓም ኣብቲ መንደቕ ኣፀጊዓ ኣቐፀዐቶ፤ ንሱ ድማ መሊሱ ወቕዓ።

መልኣኽ ኣቦና ድማ ናብ ቅድሚት ሓሊፉ፥ ናብ የማን ወይ ናብ ፀጋም ዝግልሰሉ ቦታ ኣብ ዘይብሉ ፀቢብ ቦታ ደው በለ። እታ ኣድጊ ንመልኣኽ ኣቦና ምስ ረአየት፥ ኣብ ትሕቲ በለዓም ፀጥ በለት፤ ቍጥዓ በለዓም ድማ ነደደ፥ በበትሩ ኸዓ ወቕዓ።

ኣቦና ድማ ኣፍ እታ ኣድጊ ኸፈተ፤ ንሳ ኸዓ ንበለዓም “እዚ ሰለስተ ሻዕ ክትወቕዓኒ፥ እንታይ ገይረልካ?” በለቶ።

በለዓም ድማ ነታ ኣድጊ “ኣላጊፅክለይ ኢኺ! ኣብ ኢደይ ሰይፊ እንተ ዝህልወኒ ነይሩ፥ ሕዚ ምቐተልኩኺ ነይረ” በላ።

እታ ኣድጊ ድማ ንበለዓም “ኣነዶ ኣድግኻ ኣይኮንኩን፥ እታ ኻብ ጥንቲ ኽሳዕ ሎሚ እትጋልባ ዝነበርካ? ቅድም ከምዙይ ዝበለ ገይረልካዶ እፈልጥ?” በለቶ። ንሱ ኸዓ “ኣይፋሉን” በለ።

ኣቦና ድማ ኣዒንቲ በለዓም ከፈተ፤ ንሱ ኸዓ ነቲ ዝተመዘዘ ሰይፊ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ መንገዲ ደው ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ኣቦና ረአዮ እሞ፥ ደኒኑ ብገፁ ተደፍአ።

መልኣኽ ኣቦና ድማ “ስለ ምንታይ ንኣድግኻ ሰለስተ ሻዕ ወቐዕካያ? መንገድኻ ኣብ ቅድመይ ዓመፀኛ ስለ ዝኾነ፥ ክፃረረካ ወፂአ መፂአ ኣለኹ። እዛ ኣድጊ ንኣይ ረአየት፥ እዚ ሰለስተ ሻዕ ከዓ ኻባይ ኣግለሰት። ንሳ እንተ ዘይተግልስ ነይራ፥ ንኣኻ ሕዚ ምቐተልኩኻ፥ ንዕኣ ግና ብህይወት ምሓደግኩዋ ነይረ” በሎ።

በለዓም ድማ ንመልኣኽ ኣቦና “ንስኻ ክትፃረረኒ ኣብ መንገዲ ደው ኢልካ ኸም ዘለኻ ኣይፈለጥኩን እሞ፥ ሓጢአ እየ። ሕዚ እዙይ ኣብ ኣዒንትኻ ዘይጥዑም እንተ ኾይኑ፥ ክምለስ እየ” በሎ።

መልኣኽ ኣቦና ድማ ንበለዓም “ምስቶም ሰባት ኪድ፤ ግና ነቲ ኣነ ዝነግረካ ጥራሕ ደኣ ተዛረብ” በሎ። በለዓም ከዓ ምስ ሹመኛታት ባላቅ ተጓዕዘ።

ባላቅ ድማ በለዓም ይመፅእ ከም ዘሎ ምስ ሰምዐ፥ ኣብ ወሰን ኣርኖን ኣብ እትርከብ፥ ኣብ ወሰን ግዝኣት ዘላ ኸተማ ሞኣብ ክቕበሎ ወፀ። ባላቅ ድማ ንበለዓም “ክፅውዓካዶ ኣበርቲዐ ኣይለኣኽኩን? ስለ ምንታይ ናባይ ዘይመፃእኻ? ብሓቂ ኸኽብረካዶ ኣይኽእልን እየ?” በሎ።

በለዓም ድማ ንባላቅ “እንሆ፥ ሕዚ ናባኻ መፂአ ኣለኹ፤ ግና ዝኾነ ነገር ክዛረብ ይኽእልዶ እየ? እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዝገብሮ ጥራሕ እየ ዝዛረብ” በሎ።

በለዓም ድማ ምስ ባላቅ ከደ፤ ናብ ቂርያትሑፆት ከዓ መፁ። ባላቅ ከዓ ኣብዑርን ኣባጊዕን ሰውአ፤ ንበለዓም ከምኡውን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹመኛታት ገግደኦም ሰደደሎም። ንግሆ ባላቅ ንበለዓም ሒዙ ናብ ባሞትበዓል ኣደየቦ፤ ካብኡ ድማ ንወሰን እቲ ህዝቢ ጠመተ።