እስራኤል ይጠርዕ ኣቦናውን ይምልስ
በቲ መንገዲ ተፀሊኦም፥ እቶም ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ኣቦኦምን ኣብ ልዕሊ ሙሴን ተዛረቡ እሞ ብኣትማን ተነኸሱ፤ እቲ ፈውሲ ኸዓ ንኽጥምትዎ ኣብ ዓሞድ ዝተሰቕለ ናይ ነሃስ ተመን እዩ። ሽዑ ኣብ ዔላ መዝሙር፥ ኣብ ልዕሊ ሲሆንን ዖግን ከዓ ዓወት መፀ።
21 1እቲ ኣብ ነጌብ ዝነብር ከነዓናዊ ንጉስ ዓራድ፥ እስራኤል ብመንገዲ ኣታሪም ይመፅእ ከም ዘሎ ምስ ሰምዐ፥ ንእስራኤል ተዋግኦ፤ ገሊኡ ድማ ማረኸ። 2እስራኤል ድማ ንኣቦና ከምዙይ ኢሉ መብፅዓ ተማባፅዐ፦ “ነዝ ህዝቢ እዙይ ብሓቂ ኣብ ኢደይ እንተ ሃብካኒ፥ ንኸተማታቶም ፈፂመ ከጥፍአን እየ።” 3ኣቦና ድማ ድምፂ እስራኤል ሰሚዑ ንከነዓናውያን ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንሳቶም ከዓ ንእኣቶምን ንከተማታቶምን ፈፂሞም ኣጥፍእዎም። ስለዙይ እቲ ቦታ ሔርማ ተብሃለ።
ናይ ነሃስ ተመን
4ካብ እምባ ሆር ተልዒሎም ድማ፥ ንምድሪ ኤዶም ኽዞርዋ ብመንገዲ ቀይሕ ባሕሪ ተጕዓዙ፤ ነፍሲ እቲ ህዝቢ ግና በቲ መንገዲ ጐደለት። 5እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣቦናን ኣብ ልዕሊ ሙሴን ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ “ኣብ ምድረ በዳ ክንመውት ስለምንታይ ካብ ግብፂ ኣውፃእኩምና? እንጀራ የለን፥ ማይ የለን፥ ነዝ ሕሱር ምግቢ እዙይ ከዓ ፀላእናዮ።”
6ሽዑ ኣቦና ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ዘቃፅሉ ኣትማን ለኣኸ፤ ንህዝቢ ኸዓ ነኸስዎም፤ ብዙሓት ካብ እስራኤል ድማ ሞቱ። 7እቲ ህዝቢ ድማ ናብ ሙሴ መፂኦም፦ “ኣብ ልዕሊ ኣቦናን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጢኣት ጌርና ኢና። ነቶም ኣትማን ካባና ምእንቲ ከርሕቕ ናብኡ ፀሊ” በልዎ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ፀለየ።
8ኣቦና ድማ ንሙሴ፦ “ዘቃፅል ተመን ስራሕ፤ ኣብ ዓሞድ ከዓ ግበሮ፤ እቲ ዝተነኽሰ ዅሉ ናብኡ እንተ ጠመተ ብህይወት ክነብር እዩ” በሎ።
9ሙሴ ድማ ናይ ነሃስ ተመን ገይሩ ኣብ ዓሞድ ገበሮ፤ ተመን ንሓደ ሰብ እንተ ነኸሶ ኸዓ፥ ናብቲ ናይ ነሃስ ተመን ጠሚቱ ብህይወት ይነብር ነበረ። a a v9 ኢየሱስ ነዛ ጊዜ እዚኣ ከም ምስሊ ርእሱ ጌሩ ኣመልከተ፦ ከምቲ እቲ ናይ ነሃስ ተመን እቶም ዝመውቱ ዝነበሩ ጠሚቶም ምእንቲ ክነብሩ ልዕል ኢሉ ዝተልዓለ፥ ከምኡ ከዓ ወልድ፥ ኵሉ ብእምነት ናብኡ ዝጥምት ምእንቲ ክነብር፥ ልዕል ኢሉ ተልዓለ (ዮሃንስ 3፥14-15)።
እቲ ናብ ሞኣብ ዝኾነ ጉዕዞ
10ደቂ እስራኤል ድማ ተልዒሎም ኣብ ኦቦት ሰፈሩ። 11ካብ ኦቦት ተልዒሎም ድማ፥ ኣብ መንፅር ሞኣብ ብወገን ምብራቕ ኣብ ዘላ ምድረ በዳ፥ ኣብ ጋይ ዓባሪም ሰፈሩ። 12ካብኡ ተልዒሎም ድማ ኣብ ለሰ ዘሬድ ሰፈሩ። 13ካብኡ ተልዒሎም ድማ ኣብ ማዕዶ ኣርኖን፥ ካብ ወሰን ኣሞራውያን ዝወፀ ምድረ በዳ ሰፈሩ፤ ኣርኖን ደኣ ምስ ኣሞራውያን ዘዋስን ወሰን ሞኣብ እዩ እሞ። 14ስለዙይ መፅሓፍ ውግኣት ኣቦና ከምዙይ ይብል፦ “ዋሄብ ኣብ ሱፋ፥ ከምኡ ኸዓ ሩባታት ኣርኖን፥ 15ናብ ቦታ ዓር ዝዘዙር፥ ናብ ወሰን ሞኣብ ከዓ ዝበፅሕ ፀግዒ ሩባታት።”
16ካብኡ ድማ ናብ ብኤር ከዱ፤ ንሳ እታ ኣቦና ንሙሴ “ንህዝቢ ኣክቦ፤ ማይ ድማ ክህቦም እየ” ዝበለሉ ዒላ እያ።
17ሽዑ እስራኤል እዝ መዝሙር እዙይ ዘመረ፦ “ኦ ዒላ! ፍልፍሊ! ንእኡ ኸዓ ዘምሩሉ! 18እታ መሳፍንቲ ዝዀዓትዋ ዒላ፥ ክቡራት ህዝቢ ብዘንጊታቶምን ብበትሮምን ዝዀዓትዋ።” ድሕሪኡ ኸዓ ካብ ምድረ በዳ ናብ መታና ኸዱ፥ 19ካብ መታና ድማ ናብ ናሃልኤል፥ ካብ ናሃልኤል ከዓ ናብ ባሞት፥ 20ካብ ባሞት ከዓ ናብ እታ ኣብ ጐልጐል ሞኣብ ዘላ ለሰ፥ ናብ ርእሲ ፈስጋ፥ እታ ናብ ምድረ በዳ እትጥምት ከዱ።
ኣቦና ንሴዎን ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ይህብ
21ሽዑ እስራኤል ናብ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን መልእኽተኛታት ልኢኹ ኸምዙይ በሎ፦ 22“ብምድርኻ ኣሕልፈኒ። ናብ ግራት ወይ ናብ ቦታ ወይኒ ኣይንግልስን፥ ማይ ዒላ ኸዓ ኣይንሰትን ኢና። ወሰንካ ኽሳዕ እንሓልፍ ብጐደና ንጉስ ኢና እንኸይድ።”
23ሴዎን ግና ንእስራኤል ብወሰኑ ኽሓልፉ ኣይፈቐደሎምን። ኵሉ ህዝቡ ኣኪቡ ድማ ናብ ምድረ በዳ ናብ እስራኤል ወፀ፤ ናብ ያሃፅ በፂሑ ኸዓ ምስ እስራኤል ተዋግአ። 24እስራኤል ድማ ብኣፈ ሴፍ ቀተሎ፤ ምድሩ ኸዓ ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅ፥ ክሳዕ ደቂ ኣሞን ወረሰ፤ ወሰን ደቂ ኣሞን ድማ ፅኑዕ ነበረ። 25እስራኤል ድማ ንዅለን እዘን ከተማታት እዚኣተን ሓዘ፤ ኣብ ኵለን ከተማታት ኣሞራውያን፥ ኣብ ሓሴቦንን ኣብ ኵለን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ዓድታትን ተቐመጠ። 26ሓሴቦን ደኣ ኸተማ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን ነበረት እሞ፤ ንሱ ነቲ ናይ ቀደም ንጉስ ሞኣብ ተዋጊኡ፥ ኵላ ምድሩ ኽሳዕ ኣርኖን ካብ ኢዱ ወሲዱ ነበረ። 27ስለዙይ እቶም ገጠምቲ ኸምዙይ ይብሉ፦ “ናብ ሓሴቦን ንዑ፤ ክትህነፅ፥ ከተማ ሴዎን ክትቐውም እያ። 28ካብ ሓሴቦን ሓዊ ወፀ እሞ፥ ካብ ከተማ ሴዎን ከዓ ሃልሃልታ ወፀ፤ ንዓር ሞኣብ፥ ንጐይቶት እምባታት ኣርኖን በልዐቶ። 29ኦ ሞኣብ! ወይለኻ! ኣታ ህዝቢ ካሞሽ! ጠፋእካ! ነወዱ ህዱማት፥ ነዋልዱ ኸዓ ንሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን ምሩኻት ገበሮም። 30ንሕና ግና ወቓዕናዮም፤ ሓሴቦን ክሳዕ ዲቦን ጠፍአት። ክሳዕ ኖፋሕ ኣባደምና፥ ንሳ ኽሳዕ ሜድባ ትበፅሕ።”
31ከምዙይ ድማ እስራኤል ኣብ ምድሪ ኣሞራውያን ተቐመጠ። 32ሙሴ ድማ ንኢያዜር ዝስልዩ ሰባት ለኣኸ፤ ንሳቶም ከዓ ንዓድታታ ሓዙ፤ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣሞራውያን ድማ ሰጐግዎም። 33ሽዑ ተመሊሶም ብመንገዲ ባሳን ደየቡ፤ ንጉስ ባሳን ዓግ ድማ ኣብ ኤድሬዒ ኽዋግኦም ምስ ኵሉ ህዝቡ ናባታቶም ወፀ።
34ኣቦና ግና ንሙሴ፦ “ኣይትፍርሃዮ፤ ንእኡን ንዅሉ ህዝቡን ንምድሩን ኣብ ኢድካ ሃብክዎ እየ እሞ። ነቲ ኣብ ሓሴቦን ዝነብር ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን ከም ዝገበርካዮ፥ ንእኡ ኸዓ ግበሮ” በሎ።
35ንእኡን ንደቁን ንዅሉ ህዝቡን ድማ፥ ሓደ እኳ እንተየትረፉሉ ወቕዕዎም፤ ንምድሩ ኸዓ ወረስዋ።