ኣቦ ንዲቦራን ባርቅን የተንስእ
እቲ ዕስራ ዓመት ኣብ ትሕቲ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላታት ሓፂን ሲሳራ፥ ዲቦራ ኣብ ትሕቲ ተምራ ፈሪዳ ንባርቅ ምስ ፀውዐት ተወድአ። ንሱ ንሳ እንተ ኸደት ጥራሕ ክኸይድ እዩ፥ ስለዙይ እቲ ኽብሪ ናብ ሰበይቲ ሓለፈ። ኣቦና ነተን ሰረገላታት በተነን፥ ያዔል ከዓ ሽኻ ድንኳን ኣብ ርእሲ እቲ ዝሃድም ዝነበረ ሲሳራ ሰንጠቐቶ።
4 1ናዖድ ምስ ሞተ፥ ደቂ እስራኤል መሊሶም ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበሩ። 2ኣቦና ድማ ናብ ኢድ ኢያቢስ ንጉስ ከነዓን፥ እቲ ኣብ ሓፆር ዝነገሰ፥ ሸጦም። ሓለቓ ሰራዊቱ ኸዓ ሲሳራ ነበረ፤ ንሱ ድማ ኣብ ሓሮሸት ሃጎይም ይነብር ነበረ። 3ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ ኣቦና ኣእወዩ፤ ሲሳራ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላታት ሓፂን ነበሮ እሞ፥ ንዕስራ ዓመት ድማ ኣጨኒቑ ይገፍዖም ነበረ። 4ዲቦራ ዝተብሃለት ነብይት፥ ሰበይቲ ላጲዶት፥ በቲ ጊዜ እቲ ንእስራኤል ትፈርዶም ነበረት። 5ንሳ ኣብ ኰረብታ ኤፍሬም ኣብ መንጎ ራማን ቤቴልን ኣብ ትሕቲ ተምሪ ዲቦራ ትቕመጥ ነበረት፤ ኣብኡ ድማ ደቂ እስራኤል ንፍርዲ ናብኣ ይድይቡ ነበሩ። 6ንሳ ድማ ንባርቅ ወዲ ኣቢኒኤም ካብ ቃዴስ ናይ ንፍታሌም ልኢኻ ፀውዐቶ፤ ከምዙይ ድማ በለቶ፦ “ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ኢሉዶ ኣይኣዘዘካን፦ ‘ናብ እምባ ታቦር ኪድ ገስግስ፤ ካብ ንፍታሌምን ዛብሎንን ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ከዓ ምሳኻ ውሰድ። 7ኣነ ድማ ንሲሳራ ሓለቓ ሰራዊት ኢያቢስ፥ ምስ ሰረገላታቱን ሰራዊቱን፥ ናብ ፈለግ ቂሶን ናባኻ ክስሕቦ፥ ኣብ ኢድካውን ከሕልፎ እየ’።”
8ባርቅ ድማ “ንስኺ ምሳይ እንተ ኸድኪ፥ ክኸይድ እየ፤ ንስኺ ምሳይ እንተ ዘይከድኪ ግና፥ ኣይከይድን እየ” በላ።
9ንሳ ድማ “ብርግፅ ምሳኻ ክኸይድ እየ፤ ኣቦና ግና ንሲሳራ ናብ ኢድ ሰበይቲ ኣሕሊፉ ክህቦ እዩ እሞ፥ በዛ እትኸዳ መንገዲ ኽብሪ ኣይክትረክብን ኢኻ” በለቶ። ዲቦራ ኸዓ ተሲኣ ምስ ባርቅ ናብ ቃዴስ ከደት። 10ባርቅ ድማ ንዛብሎንን ንንፍታሌምን ናብ ቃዴስ ፀውዐ፤ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ድማ ደድሕሪኡ ደየቡ፤ ዲቦራ ኸዓ ምስኡ ከደት። 11ሔቤር ቄናዊ ድማ ካብ ደቂ ሖባብ ሓሙ ሙሴ ሓደ እዩ ነይሩ፤ ንሱ ኸዓ ካብ ቄናውያን ተፈልዩ፥ ድንኳኑ ኽሳዕ እታ ኣብ ፀዕነኒም ዘላ ኦም ኣብ ጥቓ ቃዴስ ተኸለ። 12ባርቅ ወዲ ኣቢኒኤም ናብ እምባ ታቦር ደዪቡ ኸም ዘሎ ንሲሳራ ምስ ነገርዎ፥ 13ሲሳራ ድማ ንዅሎም ሰረገላታቱ፥ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላታት ሓፂን፥ ከምኡውን ንዅሉ ሰራዊቱ፥ ካብ ሓሮሸት ሃጎይም ናብ ፈለግ ቂሶን ፀውዐ።
14ዲቦራ ድማ ንባርቅ “ተንስእ! ኣቦና ሎሚ ንሲሳራ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ይህበካ ኣሎ። ኣቦና ቀቅድሜኻዶ ኣይወፀን?” በለቶ። ስለዙይ ባርቅ ካብ እምባ ታቦር ወረደ፤ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ከዓ ደድሕሪኡ ወረዱ። 15ኣቦና ድማ ንሲሳራን ንዅሎም ሰረገላታቱን ንዅሉ ሰራዊቱን፥ ኣብ ቅድሚ ባርቅ ብሰይፊ ሃወኾም፤ ሲሳራ ኸዓ ካብ ሰረገላኡ ወሪዱ ብእግሩ ሃደመ። 16ባርቅ ድማ ነቶም ሰረገላታትን ሰራዊትን ክሳዕ ሓሮሸት ሃጎይም ሰዓቦም፤ ኵሉ ሰራዊት ሲሳራ ኸዓ ብሰይፊ ወደቐ፤ ሓደ ሰብ እኳ ኣይተረፈን።
17ሲሳራ ግና ናብ ድንኳን ኢያዔል፥ ሰበይቲ ሔቤር እቲ ቄናዊ፥ ብእግሩ ሃደመ፤ ኢያቢስ ንጉስ ሓፆር ምስ ቤት ሔቤር ሰላም ነበሮም እሞ። 18ኢያዔል ድማ ንሲሳራ ክትቅበሎ ወፂኣ “ኦ ጐይታይ፥ ናባይ እቶ፥ እቶ፤ ኣይትፍራሕ” በለቶ። ንሱ ኸዓ ናብ ድንኳና ኣተወ፤ ንሳ ድማ ብኣጎዛ ኸደነቶ።
19ንሱ ድማ “በጃኺ ሒደት ማይ ሃብኒ፤ ፀሚአ ኣለኹ” በላ። ንሳ ኸዓ ሓርቢ ፀባ ኸፊታ ኣስተየቶ፤ መሊሳውን ከደነቶ።
20ንሱ ድማ “ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ደው በሊ። ሓደ ሰብ መፂኡ ‘ኣብዙይ ሰብኣይ ኣሎዶ?’ ኢሉ እንተ ሓተተኪ፥ ‘የለን’ በሊ” በላ።
21ኢያዔል ሰበይቲ ሔቤር ግና ሽኻል ድንኳን ምስ መዶሻ ወሲዳ፥ ቀስ ኢላ ናብኡ ቐሪባ፥ ንሱ ደኺሙ ኣፅቂጡ ደቂሱ እንተሎ፥ ነቲ ሽኻል ኣብ ጕንዲ እዝኑ ሰኺዓ ክሳዕ መሬት ኣእተወቶ፤ ንሱ ድማ ሞተ። 22ሽዑ ባርቅ ንሲሳራ እናሰጎጎ መፀ፤ ኢያዔል ከዓ ክትቅበሎ ወፂኣ “ነዓ፥ ነቲ እትደልዮ ሰብኣይ ከርእየካ እየ” በለቶ። ንሱ ድማ ምስኣ ኣተወ፤ እንሆ ኸዓ ሲሳራ ሽኻል ኣብ ጕንዲ እዝኑ ተሰዅዑ ምዉት ወዲቑ ነበረ። 23በታ መዓልቲ እቲኣ ኣቦና ንኢያቢስ ንጉስ ከነዓን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣዋረዶ። 24ኢድ ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ልዕሊ ኢያቢስ ንጉስ ከነዓን እናበርተዐት ከደት፤ ክሳዕ ዘጥፍእዎ ድማ በርትዐት።