እቶም ንእስራኤል ክፍትኑ ዝተረፉ ኣህዛብ
ኣህዛብ ኣብ ምድሪ ተሓደጉ፥ እስራኤል ክሰምዑ እንተ ኾይኖም ምእንቲ ኽፍተኑ። እስራኤል ንኣቦኦም ምስ ረስዑ፥ ኩሳን ርሻታይም ክሳዕ ጎቶንያል ዝትስእ ሸሞንተ ዓመት ገዝአ። ድሕሪኡ፥ ብፀጋማይ ኢዱ ዝሰርሕ ናዖድ ኣብ የማናይ ሰለፉ ሰይፊ ሓቢኡ፥ ነቲ ረጒድ ንጉስ ኤግሎን ኣብ ላዕለዋይ ክፍሉ ቀቲሉ፥ ነቲ ማዕፆ ዓፀዎ።
3 1እዚኣቶም እቶም ኣቦና ንእስራኤል ክፍትን ኢሉ ዝሓደጎም ኣህዛብ እዮም፥ ኵሎም እቶም ካብ ውግእ ከነዓን ሓደ እኳ ዘይፈለጡ። 2እዚ ዝገበሮ ድማ፥ እቶም ቅድሚ ሕዚ ውግእ ዘይፈለጡ ወለዶታት እስራኤል ምእንቲ ኽመሃርዎ ጥራሕ እዩ። 3እቶም ኣህዛብ ከዓ፦ ሓሙሽተ መሳፍንቲ ፍልስጥኤማውያን፥ ኵሎም ከነዓናውያን፥ ሲዶናውያን፥ እቶም ኣብ ኣኽራን ሊባኖስ ካብ እምባ በዓል ኣርሞንኤም ክሳዕ መእተዊ ሓማት ዝነብሩ ሔዋውያንን እዮም። 4እዚኣቶም ድማ ንእስራኤል ክፍትኑ ነበሩ፤ ከምቲ ብሙሴ ኣቢሉ ንኣቦታቶም ዝተኣዘዘ ትእዛዛት ኣቦና ዝሕልዉ ወይ ዘይሕልዉ እንተ ኾይኖም ክፈልጡ። 5ስለዙይ ደቂ እስራኤል ኣብ ማእኸል ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሔዋውያንን ይቡሳውያንን ተቐመጡ። 6ካብ ኣዋልድ እዞም ህዝብታት ኣእተዉ፥ ኣዋልዶም ድማ ነወዳቶም ሃቡ፥ ንኣማልኽቶም ከዓ ኣምለኹ።
ኣቦ ንጎቶንያል የተስኦ
7ደቂ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበሩ፥ ንኣቦኦም ረስዕዎ፥ ንበዓሊምን ንኣሸራታትን ከዓ ኣምለኹ። 8ስለዙይ ኵራ ኣቦና ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ናብ ኢድ ኩሳን ርሻታይም ንጉስ ኣራም ናሃራይም ሸጦም፤ እስራኤልውን ንኩሳን ርሻታይም ሸሞንተ ዓመት ኣገልገልዎ። 9ደቂ እስራኤል ናብ ኣቦና ምስ ኣእወዩ፥ መድሕን፥ ጎቶንያል ወዲ ቄኔዝ፥ ወዲ ንእሽተይ ሓዉ ንካሌብ፥ የተስኦሎም፤ ንሱ ኸዓ ኣድሓኖም። 10መንፈስ ኣቦና ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፥ ንእስራኤልውን መርሖም። ናብ ውግእ ወፀ፥ ኣቦናውን ንኩሳን ርሻታይም ንጉስ ኣራም ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ፥ ኢዱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኩሳን ርሻታይም በርትዐ። 11ሽዑ እታ ሃገር ክሳዕ ጎቶንያል ወዲ ቄኔዝ ዝሞተ፥ ኣርብዓ ዓመት ዕረፍቲ ረኸበት።
ኣቦ ንናዖድ የተስኦ
12ደቂ እስራኤል መሊሶም ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበሩ፥ እዚ ክፉእ ስለ ዝገበሩ ድማ፥ ኣቦና ንኤግሎን ንጉስ ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣበርትዖ። 13ኤግሎን ድማ ንደቂ ኣሞንን ንኣማሌቃውያንን ኣኪቡ፥ ከይዱ ንእስራኤል ወቕዖ፥ ነታ ኸተማ ተምሪ ኸዓ ሓዝዋ። 14ደቂ እስራኤል ድማ ንኤግሎን ንጉስ ሞኣብ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ኣገልገልዎ። 15ደቂ እስራኤል መሊሶም ናብ ኣቦና ኣእወዩ፤ ንሱ ኸዓ ንናዖድ ወዲ ጌራ፥ ብፀጋማይ ኢዱ ዝሰርሕ ብንያማዊ፥ ከም መድሕን የተስኦሎም። ብእኡ ኣቢሎም ድማ ንኤግሎን ንጉስ ሞኣብ ግብሪ ለኣኹሉ። 16ናዖድ ድማ ክልተ ኣፍ ዘለዎ ሰይፊ፥ ምንዋሑ ሓደ እመት ዝኾነ ሰርሐ፥ ኣብ ትሕቲ ኽዳኑ ኣብ የማናይ ሰለፉ ድማ ተዓጠቐ። 17ነቲ ግብሪ ድማ ንኤግሎን ንጉስ ሞኣብ ኣቕረበሉ። ኤግሎን ከዓ የመና ሰቡሕ ሰብኣይ ነበረ። 18ናዖድ ነቲ ግብሪ ኣቕሪቡ ምስ ወድአ፥ ነቶም ነቲ ግብሪ ፆይሮም ዝመፁ ህዝቢ ሰደዶም። 19ንሱ ግና ካብቲ ኣብ ጥቓ ጊልጋል ዝነበረ ጣዖታት ተመሊሱ “ኦ ንጉስ፥ ስዉር መልእኽቲ ኣለኒ” በሎ። ንጉስ ድማ “ስቕ በሉ!” በለ፤ ኵሎም ኣገልገልቱ ኸዓ ካብኡ ወፁ።
20ናዖድ ድማ ናብኡ ቐረበ፤ ንሱ ኸዓ በይኑ ኣብቲ ዝዝሕሕ ላዕለዋይ ክፍሊ ተቐሚጡ ነበረ። ናዖድ ድማ “ካብ እግዚኣብሄር ዝተውሃበ ቓል ኣለኒ” በሎ። እቲ ንጉስ ከዓ ካብ መንበሩ ተሲኡ ደው በለ። 21ናዖድ ድማ ፀጋማይ ኢዱ ዘርጊሑ፥ ነታ ኣብ የማናይ ሰለፉ ዝነበረት ሰይፊ ወሲዱ፥ ናብ ከብዲ ኤግሎን ሰኰዓ። 22እታ ኢድ ሰይፊ ድማ ደድሕሪ እታ ኣፍ ሰይፊ ኣተወት፤ ስብሒ ኸዓ ኣብ ልዕሊኣ ተዓፅወ፤ ናዖድ ነታ ሰይፊ ካብ ከብዱ ኣይመልሳን ነበረ እሞ፥ ኣምዑቱ ተዘርገፈ። 23ናዖድ ድማ ናብ ገበላ ወፀ፥ መዓፁ እቲ ላዕለዋይ ክፍሊ ኣብ ድሕሪኡ ዓፀዎም፥ ሸጐሮምውን።
24ንሱ ምስ ወፀ፥ ኣገልገልቱ መፂኦም መዓፁ እቲ ላዕለዋይ ክፍሊ ተሸጊሩ ረኸብዎ፤ “ኣብቲ ዝዝሕሕ ክፍሊ ነብሱ ይገላገል ይህሉ” ድማ በሉ። 25ክሳዕ ዝሓፍሩ ተፀበዩ፥ ንሱ ግና ገና መዓፁ እቲ ላዕለዋይ ክፍሊ ኣይከፈተን ነበረ። ስለዙይ መርሖ ወሲዶም ከፈትዎም፤ ጐይታኦም ከዓ ኣብ ምድሪ ወዲቑ ሞይቱ ረኸብዎ።
26ንሳቶም ክሳዕ ዝድንጕዩ፥ ናዖድ ኣምለጠ። ነቲ ጣዖታት ሓሊፉ ናብ ሴዒራ ኣምለጠ። 27ንሱ ምስ በፅሐ ድማ፥ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም መለኸት ነፍሐ፤ ደቂ እስራኤልውን ካብቲ ኣኽራን ምስኡ ወረዱ፤ ናዖድ ድማ ይመርሖም ነበረ። 28“ኣቦና ንፀላእትኹም ሞኣብ ኣብ ኢድኩም ሂቡ ኣሎ እሞ፥ ስዓቡኒ” በሎም። ደድሕሪኡ ድማ ወረዱ፤ መሳገሪታት ዮርዳኖስ ናብ ሞኣብ ዘእቱ ሓዝዎ፥ ሓደ እኳ ኽሳገር ኣይሓደገን። 29በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ኣስታት ዓሰርተ ሽሕ ሞኣባውያን ወቕዑ፤ ኵሎም ሓያላትን ፅኑዓት ሰብኡትን ነበሩ፤ ሓደ እኳ ኣየምለጠን። 30ስለዙይ በታ መዓልቲ እቲኣ ሞኣብ ኣብ ትሕቲ ኢድ እስራኤል ተዋረዱ፤ እታ ሃገር ድማ ሰማንያ ዓመት ዕረፍቲ ረኸበት።
31ድሕሪ ናዖድ ድማ ሰሜጋር ወዲ ዓናት ተልዓለ። ንሱ ኸዓ ብመውግኢ ኣብዑር ካብ ፍልስጥኤማውያን ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብ ቐተለ። ንእስራኤልውን ኣድሓኖም።