ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

መልኣኽ ኣቦ ኣብ ቦኪም

መልኣኽ ኣቦና ንእስራኤል ኣብ ቦኪም፥ ምስ ህዝቢ እታ ምድሪ ሰላም ስለ ዝገበሩ ይገንሖም፤ ንሳቶም ድማ በኸዩ። ወለዶ ኢያሱ ሞተ፤ ንኣቦና ዘይፈልጥ ካልእ ወለዶ ኸዓ ተንሰአ። ኣገባብ እቲ መፅሓፍ ከዓ ተነድፈ፦ ምሕዳግ፥ ዘመትቲ፥ ብምሕረት ዝተልዓለ ፈራዲ፥ ድሕሪኡ ዝገደደ ብልሽውና።

ምዕራፍ 2።

መልኣኽ ኣቦና ካብ ጌልገላ ናብ ቦኪም ደይቡ ከምዙይ በለ፦ “ካብ ግብፂ ናብታ ነቦታትኩም ዝመሓልኩላ ምድሪ ኣደየብኩኹም። ከምዙይ ድማ በልኩ፦ ‘ምሳኻትኩም ዝኣተኽዎ ኪዳን ንዘለኣለም ኣይስዕርን እየ። ‘ምስ ህዝቢ እዛ ምድሪ እዚኣ ኪዳን ኣይትኣትዉን፤ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ።’ ንስኻትኩም ግና ቃለይ ኣይሰማዕኹምን። እንታይ ደኣ ገበርኩም?” “ስለዙይ ሕዚ ከምዙይ እብል ኣለኹ፦ ካብ ቅድሜኹም ኣይሰጎምን እየ፤ ኣብ ጎኒኹም እሾዅ ክኾኑኹም እዮም፤ ኣማልኽቶም ድማ መፈንጠር ክኾኑኹም እዮም።”

መልኣኽ ኣቦና እዝ ዘረባ እዙይ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ምስ ተዛረቦም፥ እቶም ህዝቢ ድምፆም ዓው ኣቢሎም በኸዩ። ነታ ቦታ እቲኣ ድማ ቦኪም ኢሎም ሰመይዋ፤ ኣብኡ ኸዓ ንኣቦና መስዋእቲ ሰውኡ። a a v5 ቦኪም ማለት "በኸይቲ" ማለት እዩ — ኻብ ኣቦኦም ክሳዕ ክንደይ ርሒቖም ከም ዝነበሩ ምስ ሰምዑ ዝተላዕለ ብኽያት ምኽንያት ጌሮም፥ እቶም ህዝቢ ነታ ቦታ ሰመይዋ።

ወለዶ ኢያሱ ይሓልፍ

ኢያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሰናበቶም፥ ደቂ እስራኤል ነፍሲ ወከፎም ነናይ ርስቶም ምድሪ ክወርሱ ኸዱ። እቶም ህዝቢ ብዅሉ ዘመን ኢያሱን በቶም ብድሕሪ ኢያሱ ነዊሕ ዝፀንሑ ዓበይትን፥ እቲ ኣቦና ንእስራኤል ዝገበረሎም ኵሉ ዓብዪ ግብሪ ርእዮም፥ ንኣቦና የገልግሉ ነበሩ። ባርያ ኣቦና ኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ። ኣብ ርስቱ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም፥ ኣብ ሰሜን ጎቦ ጋዓሽ ኣብ ዘላ ቲምናት ሔረስ ድማ ቐበርዎ።

ወለዶ ንኣቦ ይርስዕ

እቲ ዅሉ ወለዶ እቲ ድማ ናብ ኣቦታቱ ተኣከበ፤ ድሕሪኦም ከዓ፥ ንኣቦናን ነቲ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብርን ዘይፈልጥ ካልእ ወለዶ ተንሰአ። ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበሩ፥ ነቶም በዓሊም ኣምለኹ። ነቦና፥ ነቲ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኦም ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓደጉ። ናይቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ህዝብታት ንኻልኦት ኣማልኽቲ ሰዓቡ፤ ሰገዱሎም ከዓ፤ ንኣቦና ድማ ኣቘጥዕዎ። ንኣቦና ሓዲጎም ድማ ንበዓልን ነስታሮትን ኣምለኹ። ስለዙይ ቍጥዓ ኣቦና ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ናብ ኢድ ዘመትቲ ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንሳቶም ድማ ዘመትዎም፤ ናብ ኢድ ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ፀላእቲ ሸጦም፤ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም ደጊም ክቖሙ ኣይከኣሉን። ናብ ዝወፁሉ ዅሉ፥ ከምቲ ዝበሎምን ዝመሓለሎምን፥ ኢድ ኣቦና ንኽፉእ ኣብ ልዕሊኦም ነበረት። ኣብ ከቢድ ፀበባ ድማ ወደቑ።

ሽዑ ኣቦና ካብ ኢድ ዘመትቶም ዘድሕንዎም ፈረድቲ ኣተስአሎም። ንፈረድቶም እኳ ግና ኣይሰምዕዎምን። ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣመንዘሩ፥ ሰገዱሎም ከዓ፤ ካብታ ትእዛዛት ኣቦና ዝሰምዑ ኣቦታቶም ዝኸድዋ መንገዲ ቀልጢፎም ኣግለሱ፤ ከምኡ ክገብሩ ኣይደለዩን። ኣቦና ፈረድቲ ምስ ኣተንስአ፥ ምስ ነፍሲ ወከፍ ፈራዲ ነበረ፤ ብዅሉ ዘመን እቲ ፈራዲ ድማ ካብ ፀላእቶም ኣናገፎም፤ ኣቦና በቲ ብሰንኪ ገፋዕቶም ዝገብርዎ ኣውያት ራህርሀሎም እዩ እሞ። እቲ ፈራዲ ምስ ሞተ ግና፥ ተመሊሶም ካብ ኣቦታቶም ኣዝዮም ተበላሸዉ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ሰዒቦም ኬምልኽዎምን ክሰግዱሎምን። ካብ ተግባራቶምን ካብ ተሪር መንገዶምን ሓደ እኳ ኣይሓደጉን።

ስለዙይ ቍጥዓ ኣቦና ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “እዝ ህዝቢ እዙይ ነቲ ነቦታቶም ዝኣዘዝክዎ ኪዳነይ ስለ ዝሰዓረ፥ ቃለይውን ስለ ዘይሰምዐ፥ ኣነ ድማ ካብተን ኢያሱ ምስ ሞተ ዝሓደገን ህዝብታት፥ ደጊም ሓንቲ እኳ ኣይሰጎን እየ፤ ብእኣተን ገይረ ንእስራኤል ክፍትኖም እየ፤ ከምቲ ኣቦታቶም ዝኸድዋ፥ ንመንገዲ ኣቦና ሓልዮም ዝኸድዋ እንተ ኾይኖም ወይ ዘይኮይኖም ምእንቲ ኽፈልጥ።”

ስለዙይ ኣቦና ነተን ህዝብታት እቲኣን ቀልጢፉ ኸይሰገገን ሓደገን፤ ናብ ኢድ ኢያሱውን ኣይሃበንን።