ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ንይሁዳ ቅድም የደይቦ

ናብ ታሕቲ ዝወርድ ዙረት፦ እቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ይሓድግዎ፥ ናብ ፀላእቶም ይወድቁ፥ የእውዩ፥ ይድሕኑ ድማ፥ ደጋጊሙ። ናይ እዚ መፅሓፍ ዘደንቕ ነገር እቶም ፈራዶ ዘይኮኑስ፥ እቲ ኵሉ ጊዜ ዝምልሰሎም ኣቦ ደኣ እዩ።

ምዕራፍ 1።

ድሕሪ ሞት ኢያሱ፥ ደቂ እስራኤል ንኣቦና ፦ “ንከነዓናውያን ክንወግኦም መን እዩ ቅድም ዝድይበልና?” ኢሎም ሓተትዎ።

ኣቦና ድማ “ይሁዳ ክድይብ እዩ። ነታ ምድሪ ኣብ ኢዱ ሂበዮ ኣለኹ” በለ።

ይሁዳ ድማ ንሓዉ ስምኦን “ናብ ዕፃ ዝበፅሓኒ ምድሪ ምሳይ ደይብ፥ ንከነዓናውያን ድማ ንዋግኦም፤ ኣነውን ናብ ናትካ ምሳኻ ክኸይድ እየ” በሎ። ስምኦን ከዓ ምስኡ ኸደ። ይሁዳ ድማ ደየበ፤ ኣቦናውን ንከነዓናውያንን ንፈሪዛውያንን ኣብ ኢዶም ሃቦም፤ ኣብ ቤዜቅ ከዓ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ወቕዑ። ኣብ ቤዜቅ ድማ ንኣዶኒ ቤዜቅ ረኸብዎ፥ ተዋግእዎ፥ ንከነዓናውያንን ንፈሪዛውያንን ከዓ ወቕዕዎም። ኣዶኒ ቤዜቅ ግና ሃደመ፤ ንሳቶም ከዓ ሰጒጎም ሓዝዎ፥ ዓበዓባይቶ ኣእዳዉን ዓበዓባይቶ ኣእጋሩን ከዓ ቘረፁ። ኣዶኒ ቤዜቅ ድማ “ዓበዓባይቶ ኣእዳዎምን ዓበዓባይቶ ኣእጋሮምን ዝተቘርፁ ሰብዓ ነገስታት፥ ኣብ ትሕቲ ጣውላይ ፍርፋር ይእክቡ ነበሩ። ከምቲ ኣነ ዝገበርኩ፥ ከምኡ እግዚኣብሄር ፈደየኒ” በለ። ናብ ኢየሩሳሌም ድማ ኣምፅእዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ሞተ።

ሰብ ይሁዳ ድማ ንኢየሩሳሌም ተዋግእዋ፥ ሓዝዋ፥ ብሴፍ ወቕዕዋ፥ ነታ ኸተማ ድማ ኣቃፀልዋ። ድሕሪኡ ይሁዳ ነቶም ኣብ ኰረብታን ኣብ ነጌብን ኣብ ለጠቕ ምዕራብን ዝነብሩ ከነዓናውያን ክዋግኦም ወረደ። ይሁዳ ድማ ነቶም ኣብ ኬብሮን (ቀደም ቂርያትኣርባቅ ትብሃል ዝነበረት) ዝነበሩ ከነዓናውያን ቀረቦም፥ ንሴሲን ንኣኪመንን ንተላሚንን ከዓ ወቕዖም።

ካብኡ ድማ ናብቶም ኣብ ዳቤር ዝቕመጡ ዝነበሩ ኸዱ። ስም ዳቤር ከዓ ቀደም ቅርያትሴፌር ነበረ። ካሌብ ከዓ “ነቲ ንቅርያትሴፌር ወጊኡ ዝሕዛ፥ ጓለይ ዓክሳ ሰበይቲ ክትኮኖ ክህቦ እየ” በለ። ጎቶንያል፥ ወዲ ቄኔዝ፥ ወዲ ንእሽተይ ሓዉ ንካሌብ፥ ሓዛ እሞ ካሌብ ንጓሉ ዓክሳ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ።

ናብ ጎቶንያል ምስ መፀት፥ ካብ ኣቦኣ ግራት ክሓትት ኣዳፍአቶ። ካብ ኣድጋ ምስ ወረደት ድማ፥ ካሌብ “እንታይ ትደልዪ?” ኢሉ ሓተታ።

ንሳ ኸዓ “በረኸት ሃበኒ። ምድሪ ነጌብ ሂብካኒ ኢኻ እሞ፥ ዓይኒ ማይውን ሃበኒ” በለቶ። ካሌብ ድማ ነቲ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ዓይኒ ማይ ሃባ። ደቂ እቲ ቄናዊ፥ ዘርኢ ሓሙ ሙሴ፥ ምስ ሰብ ይሁዳ ኻብ ከተማ ተምሪ ናብ ምድረ በዳ ይሁዳ፥ ኣብ ነጌብ ኣብ ጥቓ ኣራድ ደዪቦም፥ ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ተቐመጡ። a a v16 እታ ኸተማ ተምሪ፥ ኣብ ለሰ ዮርዳኖስ እትርከብ ኢያሪኮ እያ። ይሁዳ ድማ ምስ ሓዉ ስምኦን ከደ፤ ነቶም ኣብ ጼፋት ዝነብሩ ከነዓናውያን ወቕዕዎም፥ ፈፂሞም ከዓ ኣጥፍእዋ፤ ስለዙይ ነታ ኸተማ ሔርማ ኢሎም ሰመይዋ። b b v17 ሔርማ ማለት “ጥፍኣት” ማለት እዩ፤ እቲ ሓድሽ ስም ድማ፥ እታ ኸተማ ፈፂማ ንጥፍኣት ከም እተወፈየት የዘንቱ። ይሁዳ ኸዓ ንጋዛ ምስ ወሰና፥ ንኣስቀሎና ምስ ወሰና፥ ንኣቃሮን ምስ ወሰና ሓዘ። ኣቦና ድማ ምስ ይሁዳ ነበረ፤ ንሱ ኸዓ ነቲ ኰረብታ ወረሶ፥ ነቶም ኣብ ለሰ ዝነብሩ ግና፥ ሰረገላታት ሓፂን ስለ ዝነበሮም፥ ከባርሮም ኣይከኣለን። ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ኸዓ ንኬብሮን ንካሌብ ሃብዎ፤ ንሱ ድማ ንሰለስቲኦም ደቂ ዔናቅ ካብኡ ኣባረሮም። ደቂ ብንያም ግና ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ያቡሳውያን ኣየባረርዎምን፤ ስለዙይ ያቡሳውያን ክሳዕ ሎሚ ምስ ደቂ ብንያም ኣብ ኢየሩሳሌም ይነብሩ ኣለዉ።

ቤት ዮሴፍ ከዓ ናብ ቤቴል ደየቡ፤ ኣቦናውን ምስኣቶም ነበረ። ቤት ዮሴፍ ድማ ንቤቴል ክስልይዋ ሰባት ሰደዱ (ስም እታ ኸተማ ቀደም ሎዛ ይበሃል ነበረ)። እቶም ሰለልቲ ድማ ሓደ ሰብኣይ ካብ እታ ኸተማ ክወፅእ እንተሎ ረአዩ እሞ “እቲ መእተዊ ኣርእየና፥ ፅቡቕ ድማ ክንገብረልካ ኢና” በልዎ። ንሱ ድማ እቲ መእተዊ ኣርኣዮም፥ ነታ ኸተማ ኸዓ ብሴፍ ወቕዕዋ፥ ነቲ ሰብኣይን ንብዘሎ ስድራ ቤቱን ግና ሓደግዎም። እቲ ሰብኣይ ድማ ናብ ምድሪ ኬጢያውያን ከደ፥ ከተማ ሰርሐ፥ ሎዛ ኢሉ ኸዓ ሰመያ፤ ስማ ድማ ክሳዕ ሎሚ እዙይ እዩ።

ምናሴ ነቶም ኣብ ቤትሳንን ታዕናክን ዶርን ይብልዓምን መጊዶን ዝነብሩ ሰባትን ነተን ቍሸታተንን ኣየባረሮምን፤ ስለዙይ ከነዓናውያን ኣብታ ምድሪ እቲኣ ክነብሩ ቘረፁ። እስራኤል ምስ ሓየሉ ኸዓ ንከነዓናውያን ዕዮ ግዴታ ኣግበርዎም፥ ፈፂሞም ግና ኣየባረርዎምን። ኤፍሬም ነቶም ኣብ ጌዝር ዝነብሩ ከነዓናውያን ኣየባረሮምን፤ ስለዙይ ከነዓናውያን ኣብኡ ኣብ ማእኸሎም ይነብሩ ነበሩ። ዛብሎን ነቶም ኣብ ቂጥሮን ዝነብሩ ሰባትን ነቶም ኣብ ናሃሎል ዝነብሩ ሰባትን ኣየባረሮምን፤ ስለዙይ ከነዓናውያን ኣብ ማእኸሎም ነበሩ፥ ዕዮ ግዴታ ግና ኮኑ። ኣሴር ነቶም ኣብ ዓኮንን ሲዶንን ኣሕላብን ኣክዚብን ሔልባን ኣፌቅን ረኣብን ዝነብሩ ኣየባረሮምን፤ ስለዙይ ኣሴራውያን፥ ነቶም ከነዓናውያን ስለ ዘየባረርዎም፥ ኣብ ማእኸል ከነዓናውያን እታ ምድሪ ነበሩ። ንፍታሌም ነቶም ኣብ ቤትሳሜስን ቤትዓናትን ዝነብሩ ኣየባረሮምን፤ ስለዙይ ኣብ ማእኸል ከነዓናውያን እታ ምድሪ ነበሩ፤ እቶም ኣብ ቤትሳሜስን ቤትዓናትን ዝነብሩ ግና ዕዮ ግዴታኦም ኮኑ። ኣሞራውያን ድማ ንደቂ ዳን ናብ ኰረብታ ኣገደድዎም፥ ናብ ጐልጐል ክወርዱ ኣይሓደግዎምን። ኣሞራውያን ኣብ ከረን ሓሬስን ኣብ ኤሎንን ኣብ ሸዓልቢምን ክነብሩ ፀንሑ፤ ኢድ ቤት ዮሴፍ ግና ኣብ ልዕሊኦም ከበደት እሞ፥ ዕዮ ግዴታ ኮኑ። ወሰን ኣሞራውያን ድማ ካብ ዓቐበት ዓቅራቢም፥ ካብ ኰዅሒ ንላዕሊ ነበረ።