ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦና ብዛዕባ ሓቅነቱ ይዝርዝር

ኣብ ሴኬም፥ ኣቦና ነቲ ዅሉ ታሪኽ ባዕሉ እናተዛረበ ይነግሮ፥ ካብ ኣብርሃም እቲ ኣብ ማዕዶ እቲ ሩባ ዝነበረ ክሳዕ ዘይሰርሕዎ ኣባይቲ። ኢያሱ ምርጫ የገድድ፤ እቶም ህዝቢ ብቐሊሉ ይምባፅዑ፥ ንሱ ኸዓ የጠንቅቖም። ሓደ እምኒ ኸዓ ምስክር ኮይኑ ተተኽለ። ድሕሪኡ ሞተ።

ምዕራፍ 24።

ኢያሱ ድማ ንዅሎም ነገዳት እስራኤል ናብ ሴኬም ኣከቦም፤ ንዓበይቱን ንሓለቕቱን ንፈራዶኡን ንሹመኛታቱን ፀዊዑ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ደው በሉ።

ኢያሱ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ከምዙይ በሎም፦ “ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣቦታትኩም ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ኣብ ማዕዶ ሩባ ኤፍራጥስ ይነብሩ ነበሩ፤ ታራ፥ ኣቦ ኣብርሃምን ናኮርን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ የገልግሉ ነበሩ።’ ንኣቦኹም ኣብርሃም ካብ ማዕዶ እቲ ሩባ ወሲደ፥ ብዅሉ ምድሪ ከንኣን መሪሐዮ፥ ዘርኡ ኣብዚሐ፥ ንይስሓቅ ድማ ሃብክዎ። ንይስሓቅ ድማ ያእቆብን ኤሳውን ሃብክዎ፤ ንኤሳው ከዓ እምባ ሴይር ክወርሶ ሃብክዎ፤ ያእቆብን ደቁን ግና ናብ ግብፂ ወረዱ።

‘ንሙሴን ንኣሮንን ለኣኽኩ፤ ንግብፂ ድማ በቲ ኣብ ማእኸሎም ዝገበርክዎ ወቓዕክዋ፤ ድሕሪኡ ኸዓ ኣውፃእኹኹም።’ ንኣቦታትኩም ካብ ግብፂ ኣውፃእክዎም፤ ናብ ባሕሪ ድማ በፃሕኹም። ግብፃውያን ከዓ ብሰረገላታትን ብፈረሰኛታትን ንኣቦታትኩም ክሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ሰዓብዎም። ናባይ ምስ ኣእወዩ ድማ ኣብ መንጎኹምን ግብፃውያንን ፀልማት ገበርኩ፥ ነቲ ባሕሪ ኣብ ልዕሊኦም ኣምፂአ ኸዓ ኸደንክዎም። ኣዒንትኹም ድማ እቲ ኣብ ግብፂ ዝገበርክዎ ረአያ። ድሕሪኡ ኸዓ ነዊሕ ዘመን ኣብ ምድረ በዳ ተቐመጥኩም።

‘ናብታ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ምድሪ ኣሞራውያን ኣእተኹኹም። ንሳቶም ድማ ተዋግኡኹም፤ ኣነ ኸዓ ናብ ኢድኩም ኣሕሊፈ ሃብክዎም፤ ንምድሮም ድማ ወረስኩም። ካብ ቅድሜኹም ከዓ ኣጥፋእክዎም። ሽዑ ባላቅ ወዲ ሴፎር፥ ንጉስ ሞኣብ፥ ተሲኡ ምስ እስራኤል ተዋግአ። ንኺረግመኩም ድማ ለኣኸ፥ ንበለዓም ወዲ ቢዖር ፀውዐ፤ ኣነ ግና ንበለዓም ክሰምዖ ኣይደለኹን፤ ስለዙይ ደጋጊሙ ባረኸኩም፤ ካብ ኢዱ ኸዓ ኣናገፍኩኹም።

ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ናብ ኢያሪኮ መፃእኹም። ሰብ ኢያሪኮ ኸዓ ተዋግኡኹም፤ ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ጌርጌሳውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን፤ ኣነ ግና ናብ ኢድኩም ኣሕሊፈ ሃብክዎም። ቀቅድሜኹም ድማ ዕኮት ለኣኽኩ፤ ነቶም ክልተ ነገስታት ኣሞራውያን ከዓ ካብ ቅድሜኹም ሰጐጎም፤ እዙይ ከዓ ብሰይፍኹም ወይ ብቐስትኹም ኣይኮነን። ዘይፃዓርኩምላ ምድሪ፥ ዘይሰራሕኩመን ከተማታት ድማ ሃብኩኹም፥ ኣብአን ከዓ ትነብሩ ኣለኹም፤ ካብቲ ዘይተኸልኩምዎ ኣታኽልቲ ወይንን ኣታኽልቲ ዘይትን ድማ ትበልዑ ኣለኹም።’”

“ሕዚ ድማ ንኣቦና ፍርሑ፥ ብቕንዕናን ብሓቅን ድማ ኣገልግልዎ። ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ማዕዶ እቲ ሩባን ኣብ ግብፅን ዘገልገልዎም ኣማልኽቲ ኣርሕቑ፥ ንኣቦና ኸዓ ኣገልግልዎ። ንኣቦና ምግልጋል ክፉእ ኮይኑ እንተ ተራእየኩም ግና፥ ንመን ከም እተገልግሉ ሎሚ ንነፍስኹም ምረፁ፤ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ማዕዶ እቲ ሩባ ዘገልገልዎም ኣማልኽቲ ኾነ፥ ወይ ነቶም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘለኹም ኣማልኽቲ ኣሞራውያን፤ ኣነን ቤተሰበይን ግና ንኣቦና ኢና እነገልግል።”

እቲ ህዝቢ ድማ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸነገልግል፥ ንኣቦና ፈፂምና ኣይንሓድጎን ኢና። ኣቦና ንኣናን ንኣቦታትናን ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ኣውፂኡና፥ እዞም ዓበይቲ ትእምርቲ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ገይሩ እዩ እሞ። በቲ ዝተጓዓዝናሉ ዅሉ መንገድን ብማእኸል ኵሎም እቶም ዝሓለፍናዮም ህዝብታትን ድማ ሓለወና። ኣቦና ድማ ንዅሎም ህዝብታት፥ ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣሞራውያን ከይተረፈ፥ ካብ ቅድሜና ሰጐጎም። ስለዙይ ንሕናውን ነገልግሎ ኢና፤ ንሱ ኣቦና እዩ እሞ።”

ኢያሱ ድማ ነቲ ህዝቢ “ንኣቦና ኸተገልግሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም፤ ንሱ ቅዱስ ኣምላኽ፥ ቀናእ ኣምላኽ እዩ። ንበደልኩምን ንሓጢኣትኩምን ኣይሓድገልኩምን እዩ። ንኣቦና ሓዲግኩም ንባዕዳን ኣማልኽቲ እንተ ኣገልጊልኩም፥ ድሕሪ እቲ ዝገበረልኩም ሰናይ፥ ተመሊሱ ኽፉእ ከውርደልኩምን ከጥፍአኩምን እዩ” በሎም።

እቲ ህዝቢ ግና ንኢያሱ “ኣይፋሉን! ንኣቦና ኢና እነገልግል” በልዎ።

ሽዑ ኢያሱ ነቲ ህዝቢ “ንኣቦና ኸተገልግልዎ ኸም ዝመረፅኩምዎ፥ ንነፍስኹም ባዕልኹም መሰኻኽር ኢኹም” በሎም። ንሳቶም ከዓ “መሰኻኽር ኢና” በሉ።

“ሕዚ ድማ ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ባዕዳን ኣማልኽቲ ኣርሕቑ፥ ልብኹም ድማ ናብ ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣቕንዑ።”

እቲ ህዝቢ ድማ ንኢያሱ “ንኣቦና ኢና እነገልግል፥ ድምፁ ኸዓ ክንሰምዕ ኢና” በልዎ።

ኢያሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ እቲ ህዝቢ ኪዳን ኣተወ፥ ኣብ ሴኬም ድማ ሕግን ስርዓትን ገበረሎም። ኢያሱ ድማ ነዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ኣቦና ፀሓፈን፥ ዓብዪ እምኒ ኸዓ ወሲዱ ኣብኡ፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጥቓ መቕደስ ኣቦና ዝነበረ ዓብዪ ኦም ኣቘሞ።

ኢያሱ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ “እንሆ፥ እዝ እምኒ እዙይ ነቲ ኣቦና ዝበለና ዅሉ ቃል ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ኣባና ምስክር ክኸውን እዩ። ንኣቦኹም ከይትኽሕዱ ድማ ኣባኻትኩም ምስክር ክኸውን እዩ” በሎም። ሽዑ ኢያሱ ነቲ ህዝቢ፥ ነፍሲ ወከፍ ናብ ርስቱ፥ ሰደዶም።

ኢያሱ፥ ኣገልጋሊ ኣቦና፥ ዓረፈ

ድሕሪ እዙይ ድማ ኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ኣገልጋሊ ኣቦና፥ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ኮይኑ ሞተ። ኣብታ ወሰን ርስቱ፥ ኣብ ቲምናት ሴራ፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም፥ ኣብ ሰሜን ጎቦ ጋዓሽ ድማ ቐበርዎ። እስራኤል ድማ ብዅሉ ዘመን ኢያሱ፥ ከምኡውን ብዅሉ ዘመን እቶም ብድሕሪ ኢያሱ ነዊሕ ዝፀንሑ እሞ እቲ ኣቦና ንእስራኤል ዝገበሮ ዅሉ ግብሪ ዝፈልጡ ዓበይቲ፥ ንኣቦና ኣገልገልዎ። ነቲ ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ዘምፅእዎ ኣዕፅምቲ ዮሴፍ ድማ ኣብ ሴኬም፥ ኣብታ ያእቆብ ካብ ደቂ ኤሞር፥ ኣቦ ሴኬም፥ ብሚእቲ ቕርሺ ብሩር ዝዓደጋ ኽፍሊ ግራት ቐበርዎ፤ ንደቂ ዮሴፍ ድማ ርስቲ ኾነቶም። ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ድማ ሞተ፤ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም፥ ኣብ ጊብዓ፥ እታ ንወዱ ፊንሃስ እተውሃበት ድማ ቐበርዎ።