ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦና ንዘይቲ እታ መበለት የብዝሖ

ኣርባዕተ ታሪኻት ኤልሳዕ፦ ኣቦና ካብ ሓንቲ ዕትሮ ዘይቲ መበለት ነፍሲ ወከፍ ዝተለቅሐ ኣቕሓ ይመልእ፤ ሓንቲ ሱናማዊት ዘይለመነቶ ወዲ ረኸበት፥ ምስ ሞተ ድማ ኤልሳዕ ክሳዕ ዝህንጥስ ኣብ ልዕሊኡ ተዘርግሐ፤ ካብ ሓደ ድስቲ ሞት ወፀ፤ ሚእቲ ሰብ ዕስራ እንጀራ በልዑ።

ምዕራፍ 4።

ሰበይቲ ሓደ ኻብ ደቂ ነቢያት ድማ ናብ ኤልሳዕ ከምዙይ ኢላ ጨደረት፦ “ባርያኻ ሰብኣየይ ሞይቱ፥ ባርያኻ ንኣቦና ይፈርሕ ከም ዝነበረ ድማ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ሕዚ ኸዓ እቲ መለቅሒ ንኽልቲኦም ደቀይ ባሮት ገይሩ ክወስዶም ይመፅእ ኣሎ።”

ኤልሳዕ ከዓ “እንታይ ክገብረልኪ? ኣብ ገዛኺ እንታይ ከም ዘሎ ንገርኒ” በላ። ንሳ ድማ “ባርያኻ ብዘይ ሓደ ዕትሮ ዘይቲ ካልእ የብላን” በለት።

ሽዑ ድማ “ኪዲ፥ ካብ ኵሎም ጐረባብትኺ ኣብ ደገ ኣቑሑ ተለቃሒ፤ ባዶ ኣቑሑ፥ ቑሩብ ዘይኮነ” በላ። ኣቲኺ ድማ ኣብ ድሕሬኺን ድሕሪ ደቅኺን ማዕፆ ዓፅዊ፤ ናብ ኵሎም እዞም ኣቑሑ ዘይቲ ኣፍስሲ። ነፍሲ ወከፍ ምስ መልአ ኸዓ ፈልይዮ።

ካብኡ ተፈልያ ኸዓ ኣብ ድሕሪአን ድሕሪ ደቃን ማዕፆ ዓፀወት፤ ንሳቶም ኣቑሑ የምፅኡ ነበሩ፥ ንሳ ድማ ተፍስስ ነበረት። እቶም ኣቑሑ ምስ መልኡ ድማ ንወዳ “ካልእ ኣምፅአለይ” በለቶ። ንሱ ኸዓ “ካልእ ኣቕሓ የለን” በላ። ሽዑ እቲ ዘይቲ ደው በለ።

ንሳ መፂኣ ድማ ነቲ ናይ ኣቦና ሰብ ነገረቶ፤ ንሱ ኸዓ “ኪዲ፥ ነቲ ዘይቲ ሽጥዮ፥ ዕዳኺ ኸፍሊ፥ ንስኺን ደቅኺን ከዓ በቲ ዝተረፈ ንበሩ” በላ።

ኣቦ ንሱናማዊት ዝኣተዎ ተስፋ

ሓደ መዓልቲ ኤልሳዕ ብሱነም ሓለፈ፤ ኣብኣ ድማ ሓንቲ ሃብታም ሰበይቲ ትነብር ነበረት፤ ንሳ ኸዓ ክዓርፍን ክበልዕን ኣገደደቶ። ኣብኡ ብዝሓለፈ ቝፅሪ ድማ ክበልዕ ኣብኡ ይዓርፍ ነበረ። ንሳ ድማ ንሰብኣያ “እንሆ፥ እዝ ብዙሕ ጊዜ ዝሓልፈና ሰብኣይ ቅዱስ ናይ ኣቦና ሰብ ምዃኑ እፈልጥ ኣለኹ። ኣብ ናሕሲ ዝኸውን ናእሽተይ ክፍሊ ምስ ዓራትን ጠረጴዛን መንበርን መብራህትን ንስራሕሉ፤ ናባና ምስ መፀ ድማ ኣብኡ ይዕረፍ” በለቶ።

ሓደ መዓልቲ ኤልሳዕ ናብኡ መፀ፤ ናብቲ ላዕለዋይ ክፍሊ ኣትዩ ኸዓ ደቀሰ። ንጊያዝይ ኣገልጋሊኡ ድማ “ነዛ ሱናማዊት ሰበይቲ ፀውዓ” በሎ። ፀዊዕዋ ኸዓ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለት። ኤልሳዕ ከዓ “ከምዙይ ኢልካ በላ፦ ‘ነዝ ዅሉ ድኻም ንዓና ኢልኪ ተፃዊርኪ ኢኺ፤ እንታይ ይገበረልኪ? ናብ ንጉስ ወይ ናብ ሓለቓ ሰራዊት ክዛረበልኪዶ?’” በሎ። ንሳ ድማ “ኣብ ማእኸል ህዝበይ እነብር ኣለኹ” ኢላ መለሰት።

ንሱ ኸዓ “እንታይ ደኣ ይገበረላ?” በለ። ጊያዝይ ድማ “ወዲ የብላን፥ ሰብኣያ ድማ ኣሪጉ እዩ” በለ።

ንሱ ድማ “ፀውዓ” በለ። ፀዊዕዋ ኸዓ ኣብ ኣፍ ደገ ደው በለት። ንሱ ኸዓ “ዓመት ከምዛ ጊዜ እዚኣ ወዲ ክትሓቚፊ ኢኺ” በላ። ንሳ ድማ “ኣይፋሉን፥ ጐይታይ፥ ናይ ኣቦና ሰብ፥ ንባርያኻ ኣይትሕሰዋ” በለት።

እታ ሰበይቲ ድማ ፀኒሳ ከምቲ ኤልሳዕ ዝበላ፥ ዓመት በታ ጊዜ እቲኣ ወዲ ወለደት።

እቲ ቘልዓ ድማ ዓበየ፤ ሓደ መዓልቲ ኸዓ ናብ ኣቦኡ ናብቶም ዓፀድቲ ወፀ። ንኣቦኡ ድማ “ርእሰይ! ርእሰይ!” በሎ። ኣቦኡ ኸዓ ንሓደ ኣገልጋሊ “ናብ እኖኡ ተሸኪምካ ውሰዶ” በሎ።

ተሸኪሙ ድማ ናብ እኖኡ ወሰዶ፤ እቲ ቘልዓ ኸዓ ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ኣብራኻ ተቐሚጡ ሞተ። ንሳ ድማ ደይባ ኣብ ዓራት እቲ ናይ ኣቦና ሰብ ኣደቀሰቶ፤ ኣብ ድሕሪኡ ማዕፆ ዓፅያ ኸዓ ወፀት። ንሰብኣያ ድማ ፀዊዓ “ናብ ናይ ኣቦና ሰብ ጐየ ክኸይድን ክምለስን፥ ሓደ ኣገልጋልን ሓደ ኣድግን ስደደለይ” በለቶ።

ንሱ ኸዓ “ሎሚ ስለምንታይ ናብኡ ትኸዲ? ወርሒ እትወፀላ በዓል ወይ ሰንበት ኣይኮነን” በለ። ንሳ ድማ “ፅቡቕ እዩ” በለት።

ነቲ ኣድጊ ፀዒና ድማ ንኣገልጋሊታ “ኪድ፥ እንተ ዘይነገርኩኻ ንኣይ ኢልካ ኣይተዳንጒ” በለቶ። ተልዒላ ኸዓ ናብ ናይ ኣቦና ሰብ ናብ እምባ ቀርሜሎስ መፀት። እቲ ናይ ኣቦና ሰብ ድማ ካብ ርሑቕ ምስ ረኣያ ንጊያዝይ ኣገልጋሊኡ ከምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ እታ ሱናማዊት ሰበይቲ። ሕዚ ጐየ ኪድ፥ ተቐበላ እሞ፥ ‘ደሓንዶ ኢኺ? ሰብኣይኪ ደሓንዶ? እቲ ቘልዓ ደሓንዶ?’ ኢልካ ሕተታ።” ንሳ ድማ “ኵሉ ደሓን እዩ” ኢላ መለሰት።

ናብ ናይ ኣቦና ሰብ ናብቲ እምባ ምስ በፅሐት ድማ ኣእጋሩ ሓዘት። ጊያዝይ ከዓ ክደፍኣ ቀረበ፤ ንሱ ግና “ነፍሳ መሪራ ኣላ እሞ ሕደጋ፤ ኣቦና ኸዓ ካባይ ሓቢእዎ፥ ኣይነገረንን” በለ።

ንሳ ድማ “ንጐይታይ ወዲ ለሚነዮዶ ነይረ? ‘ኣይተስፍወኒ’ ኢለ ኣይበልኩንዶ?” በለት።

ኤልሳዕ ድማ ንጊያዝይ “ሕቘኻ ተዓጢቕካ፥ በትረይ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኺድ። ንሓደ እንተ ረኺብካ ሰላም ኣይትበሎ፤ ሓደ እንተ ሰላም ኢሉካ ኸዓ ኣይትመልሰሉ። በትረይ ኣብ ገፅ እቲ ቘልዓ ኣንብሮ” በሎ።

እኖ እቲ ቘልዓ ግና “ህያው ኣቦናን ህያው ነፍስኻን፥ ኣይሓድገካን እየ” በለት። ንሱ ኸዓ ተሲኡ ሰዓባ።

ጊያዝይ ድማ ቀቅድሚኦም ከደ፥ ነቲ በትሪ ኸዓ ኣብ ገፅ እቲ ቘልዓ ኣንበሮ፤ ግና ድምፅን ምላሽን ኣይነበረን። ንኤልሳዕ ክቕበሎ ተመሊሱ ኸዓ “እቲ ቘልዓ ኣይተበራበረን” በሎ።

ኤልሳዕ ናብታ ገዛ ምስ ኣተወ ድማ፥ እንሆ እቲ ቘልዓ ሞይቱ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ነበረ። ንሱ ኸዓ ኣትዩ ኣብ ድሕሪ ክልቲኦም ማዕፆ ዓፀወ፤ ናብ ኣቦና ድማ ፀለየ። ደይቡ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ደቀሰ፤ ኣፉ ኣብ ኣፉ፥ ኣዒንቱ ኣብ ኣዒንቱ፥ ኣእዳዉ ኣብ ኣእዳዉ ገበረ። ኣብ ልዕሊኡ ምስ ተዘርግሐ ኸዓ፥ ስጋ እቲ ቘልዓ መውቐ። ተሲኡ ኸዓ ኣብታ ገዛ ሓደ ሻዕ ናብዝን ናብትን ተመላለሰ፤ ደይቡ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ዳግም ተዘርግሐ። እቲ ቘልዓ ድማ ሾብዓተ ሻዕ ነጥሐ፤ ኣዒንቱውን ከፈተ። ኤልሳዕ ድማ ንጊያዝይ ፀዊዑ “ነዛ ሱናማዊት ሰበይቲ ፀውዓ” በሎ። ፀዊዕዋ ኸዓ ናብኡ መፀት፤ ንሱ ድማ “ወድኺ ውሰዲ” በላ።

ንሳ ድማ መፂኣ ኣብ እግሩ ወደቐት፤ ናብ ምድሪ ድማ ሰገደት፤ ወዳ ኣልዒላ ኸዓ ወፀት።

ኣቦ ነቲ ቐታሊ ፀብሒ የሕዊ

ኤልሳዕ ድማ ብጊዜ ጥሜት ናብ ጊልጋል ተመለሰ። ደቂ ነቢያት ኣብ ቅድሚኡ ተቐሚጦም እንተለዉ ኸዓ ንኣገልጋሊኡ “ነታ ዓባይ ድስቲ ስራዕ፤ ንደቂ ነቢያት ድማ ፀብሒ ኣብስለሎም” በሎ።

ሓደ ኻብኣቶም ድማ ሓምሊ ኽቅርም ናብ ግራት ወፀ፤ ናይ በረኻ ኦም ወይኒ ኸዓ ረኸበ። ካብኡ ድማ ምሉእ ሕቑፉ ናይ በረኻ ዱባ ቀሪሙ ተመሊሱ፥ ናብ ድስቲ እቲ ፀብሒ ቘራሪፁ ጨመሮም፤ እንታይ ምዃኖም ዝፈለጠ ኣይነበረን። ነቶም ሰባት ክበልዑ ኣፍሰሱሎም፤ ካብቲ ፀብሒ ክበልዑ እንተለዉ ግና “ናይ ኣቦና ሰብ፥ ኣብታ ድስቲ ሞት ኣሎ!” ኢሎም ጨደሩ። ክበልዕዎ ኸዓ ኣይከኣሉን።

ንሱ ድማ “ሕሩጭ ኣምፅኡ” በለ፤ ናብቲ ድስቲ ኸዓ ደርበዮ፤ “ነቲ ህዝቢ ኽበልዑ ኣፍስሰሎም” ድማ በለ። ኣብቲ ድስቲ ኸዓ ገለ ክፉእ ነገር ኣይተረፈን።

ካብ በዓል ሻሊሻ ዝመፀ ሓደ ሰብኣይ ድማ ንሰብ ኣቦና ናይ በዅሪ እንጀራ፥ ዒስራ እንጀራ ስገምን ኣብ ለቘታኡ ሓድሽ እኽልን ኣምፅአሉ። ኤልሳዕ ከዓ “ነቲ ህዝቢ ኽበልዑ ሃቦም” በለ።

ኣገልጋሊኡ ድማ “ነዙይ ኣብ ቅድሚ ሚእቲ ሰብ ከመይ ጌረ ኸቕርቦ?” በለ። ንሱ ኸዓ መሊሱ “ኣቦና ‘ክበልዑ እዮም፥ ገሊኡ ኸዓ ክተርፎም እዩ’ ይብል ኣሎ እሞ ነቲ ህዝቢ ኽበልዑ ሃቦም” በለ።

ኣብ ቅድሚኣቶም ድማ ኣቐመጦ፤ ከምቲ ኣቦና ዝበሎ ኸዓ በልዑ፥ ኣትረፉውን።