ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣብ ቅድሚ ኣቦና ሕቡእ የለን

ኣንፃር ግብዝናን ስስዐን መጠንቀቕታ፥ በቲ ኣብ መዓልቲ ሞቱ ዝዓበዩ ማዕከናት ዝሰርሕ ሓረስታይ ዝተመስረተ። ድሕሪኡ ኸዓ እቲ ተፃራሪ፦ ኣዕዋፍ፥ ኳዃትን ዕምበባታትን፥ ኣቦናውን ዘድልየኩም ይፈልጥ። ባሮት ተኸዲኖምን ነቒሖምን ክፀንሑ ተነግሮም፤ ኢየሱስ ድማ ፈላልይ ከም ዘምፅእ በለ።

ምዕራፍ 12።

ኣብ መንጎ እዙይ፥ ኣሽሓት ህዝቢ ተኣኪቦም ንስንሳቶም እናረጋገፁ እንተለዉ፥ ኢየሱስ ቅድም ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “ካብ ማይ ብሑቕ ፈሪሳውያን፥ ማለት ካብ ግብዝና፥ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። ዘይቕላዕ ክዱን፥ ዘይፍለጥ ድማ ሕቡእ የለን። ስለዙይ እቲ ብፀልማት እትብልዎ፥ ብብርሃን ክስማዕ እዩ፤ እቲ ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ሕሹኽ ዝበልኩምዎ ከዓ፥ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ኽእወጅ እዩ።

“ኣቱም ኣዕሩኽተይ፥ እብለኩም ኣለኹ፤ ነቶም ንስጋ ዝቐትሉ፥ ድሕሪኡ ግና ካልእ ክገብሩ ዘይኽእሉ፥ ኣይትፍርሑ። ንመን ክትፈርሑ ኸም ዘለኩም ከርእየኩም፦ ነቲ ድሕሪ ምቕታል፥ ናብ ገሃነም ከእትወኩም ስልጣን ዘለዎ ፍርሕዎ። እወ፥ እብለኩም ኣለኹ፥ ንእኡ ፍርሕዎ።

ሓሙሽተ ኣዕዋፍዶ ብኽልተ ሳንቲም ኣይሽየጣን? ሓንቲ እኳ ኻብኣተን ግና፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኣይትርሳዕን እያ። a a v6 ኣሳርዮን ዋግኡ ውሑድ፥ ንእሽተይ ናሃስ ሳንቲም ነበረ፤ ክልተ ኻብኡ ሓሙሽተ ኣዕዋፍ ይዕድጋ ነበራ። ኵለን ፀጕሪ ርእስኹም እኳ ቝፁራት እየን። ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ እትበልፁ ኢኹም እሞ፥ ኣይትፍርሑ።

“እብለኩም ድማ ኣለኹ፥ ንዅሉ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝምስክረለይ፥ ወዲ ሰብ ከዓ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣቦና ክምስክረሉ እዩ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኽሕደኒ ግና፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣቦና ኽኽሓድ እዩ። ንዅሉ ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ቃል ዝዛረብ ክሕደገሉ እዩ፤ ነቲ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ቅዱስ ዝፅርፍ ግና ኣይሕደገሉን እዩ። ናብ ኣብያተ ፀሎትን ናብ መራሕትን ናብ ስልጣናትን ከቕርቡኹም እንተለዉ፥ ከመይ ከም እትምጕቱ ወይ እንታይ ከም እትብሉ ኣይትጨነቑ። እቲ ኽትብሉ ዘለኩም፥ መንፈስ ቅዱስ በታ ሰዓት እቲኣ ኽምህረኩም እዩ እሞ።”

እቲ ንኣቦና ዝረሰዐ ዓሻ

ካብቲ ህዝቢ ሓደ ሰብ ድማ “መምህር፥ ንሓወይ ርስቲ ምሳይ ክመቕል ንገሮ” በሎ።

ኢየሱስ ግና “ኣታ ሰብ፥ ኣብ ልዕሌኹም ፈራዲ ወይ ከፋላይ ዝገበረኒ መን እዩ?” በሎ። ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ተጠንቀቑ! ካብ ኵሉ ዓይነት ስስዐ ተጠንቀቑ፤ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ጥሪቱ ኣይኮነትን እሞ።”

ከምዙይ ኢሉ ድማ መሰለሎም፦ “ምድሪ ሓደ ሃብታም ሰብ ፅቡቕ ፍርያት ሃበት።

ንሱ ኸዓ ብልቡ ‘እንታይ ክገብር? ፍርያተይ ዘቐምጠሉ ስፍራ የብለይን’ ኢሉ ሓሰበ። ከምዙይ ድማ በለ፦ ‘ዝገብሮ እንሆ፦ ንማዕከናተይ ኣፍሪሰ ዝዓበዩ ክሰርሕ፥ ኵሉ እኽለይን ጥሪተይን ድማ ኣብኡ ኽእክብ እየ።’ ንነፍሰይ ድማ ‘ኦ ነፍሰይ፥ ንብዙሕ ዓመታት ዝኣክል ብዙሕ ነገር ተዓቚሩልኪ ኣሎ፤ ዕረፊ፥ ብልዒ፥ ስተዪ፥ ተሓጐሲ’ ክብላ እየ።

ኣቦና ግና ‘ኣታ ዓሻ! ሎም ለይቲ ነፍስኻ ካባኻ ኽትምለስ ትድለ ኣላ፤ እቲ ዘዳለኻዮ ደኣ ናይ መን ክኸውን እዩ?’ በሎ። ንነፍሱ ሃብቲ ዝእክብ፥ ናብ ኣቦና ግና ዘይህብትም ኵሉ፥ ከምዙይ እዩ ዝኾኖ።”

ኣቦና እንታይ ከም ዘድልየኩም ይፈልጥ እዩ

ሽዑ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “ስለዙይ እብለኩም ኣለኹ፥ ብዛዕባ ህይወትኩም እንታይ ከም እትበልዑ፥ ብዛዕባ ስጋኹም ድማ እንታይ ከም እትኽደኑ ኣይትጨነቑ። ህይወት ካብ ምግቢ፥ ስጋ ድማ ካብ ክዳን ይበልፅ እዩ እሞ። ነቶም ኳዃት ተመልከቱ፤ ኣቦና ይምግቦም እምበር፥ ኣይዘርኡ፥ ኣይዓፅዱ፥ መኽዘን ኮነ ማዕከን የብሎምን። ንስኻትኩም ካብ ኣዕዋፍ ክንደይ ኣብሊፅኩም ክቡራት ኢኹም! ካብ ነፍሲ ወከፍኩም ተጨኒቑ ኣብ ዕድሚኡ ሓንቲ ሰዓት ክውስኽ ዝኽእል መን እዩ? እዝ ንእሽተይ ነገር እዙይ እኳ ኽትገብሩ ዘይትኽእሉ ኻብ ኮንኩም ደኣ፥ ስለ ምንታይ ብዛዕባ እቲ ዝተረፈ ትጭነቑ? ዕምበባታት ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዩ ተመልከቱ፤ ኣይፃዕሩ ኣይፈትሉን። ግና እብለኩም ኣለኹ፥ ሰሎሞን እኳ ብዅሉ ክብሩ ኸም ሓደ ኻብዚኣቶም ኣይተኸድነን ነበረ። ኣቦና ነቲ ሳዕሪ መሮር፥ ሎሚ ዘሎ ፅባሕ ከዓ ናብ እቶን ዝድርበ፥ ከምዙይ ገይሩ ዝኸድኖ እንተ ኾይኑ ደኣ፥ ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም፥ ንኣኻትኩምሲ ግዳ ክንደይ ኣዝዩ ዘይኸድነኩም!

እንታይ ከም እትበልዑ ወይ እንታይ ከም እትሰትዩ ኣይትድለዩ፥ ኣይትጨነቑውን። ነዝ ኵሉ ነገራት እዙይ ኣህዛብ ዓለም ይደልይዎ እዮም እሞ፤ ኣቦኻትኩም ድማ ኸም እትደልይዎ ይፈልጥ እዩ። ደኣ ንመንግስቲ ኣቦና ድለዩ፥ እዝ ነገራት እዙይውን ክውሃበኩም እዩ።

“ኣታ ንእሽተይ መጓሰ፥ ኣቦኻትኩም እታ መንግስቲ ኽህበኩም ፈትዩ እዩ እሞ፥ ኣይትፍርሑ። ጥሪትኩም ሽጡ፥ ንድኻታት ድማ ሃቡ። ዘይኣረግ ማሕፉዳ ንርእስኹም ግበሩ፥ ኣብ ሰማያት ዘይውዳእ ሃብቲ፥ ኣብኡ ሰራቒ ዘይቀርቦ፥ ብልዕ ድማ ዘየበላሽዎ። መዝገብኩም ኣብ ዘለዎ፥ ልብኹም ድማ ኣብኡ ክኸውን እዩ እሞ።

ጐይታ ምስ ተመለሰ ተዳሊኹም ፅንሑ

“ሕቅኹም ተዐጢቕኩም ተዳሊኹም ትረኸቡ፥ መብራህትኹምውን ይንደድ፤ ከምቶም ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽምለስ ዝፅበዩ ኣገልገልቲ ኩኑ፤ መፂኡ ማዕፆ ምስ ኳሕኰሐ ቐልጢፎም ክኸፍቱሉ። እቲ ጐይታ ምስ መፀ ነቒሖም ዝረኸቦም ኣገልገልቲ ብፁኣን እዮም። ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንሱ ተዐጢቑ ኬገልግል፥ ኣብ መኣዲ ኸቐምጦም፥ መፂኡ ኸዓ ኬገልግሎም እዩ። ፍርቂ ለይቲ ይኹን ወይ ቅድሚ ወጋሕታ እንተ መፀ፥ ነዞም ኣገልገልቲ ተዳሊዮም እንተ ረኺብዎም ብፁኣን እዮም። እዙይ ግና ፍለጡ፦ እቲ በዓል ገዛ፥ እቲ ሰራቒ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመፅእ እንተ ዝፈልጥ፥ ቤቱ ኽስበር ኣይሓደገን ነይሩ። ንስኻትኩምውን ተዳሊኹም ትረኸቡ፤ ወዲ ሰብ ብዘይትፅበይዋ ሰዓት ይመፅእ እዩ እሞ።”

ጴጥሮስ ድማ “ኦ ጐይታ፥ እዝ ምሳሌ እዙይ ንኣና ዲኻ እትነግር ዘለኻ፥ ወይ ንዅሉ ሰብ?” በሎ።

ጐይታ ኸዓ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “እቲ ጐይታኡ፥ ኣብ ጊዜኡ ቀለቦም ክህቦም፥ ኣብ ልዕሊ ኣሽከር ቤቱ ዝሸሞ እሙን ለባም መጋቢ መን እዩ? ጐይታኡ ምስ ተመለሰ፥ ከምኡ እናገበረ ዝረኸቦ ኣገልጋሊ ብፁእ እዩ። ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንብረቱ ክሾሞ እዩ። እቲ ኣገልጋሊ እቲ ግና ብልቡ ‘ጐይታይ ምምፃእ ደንጕዩ’ ኢሉ፥ ነቶም ኣሽከርን ኣግራድን ክወቕዖም፥ ክበልዕን ክሰትን ክሰክርን እንተ ጀሚሩ፥ ጐይታ እቲ ኣገልጋሊ እቲ፥ ብዘይተፀበያ መዓልቲ፥ ብዘይፈልጣ ሰዓት ክመፅእ እዩ፤ ንኽልተ ኸዓ ክመትሮ፥ ኣብ መንጎ እቶም ዘይእሙናት ድማ ቦታ ክህቦ እዩ። እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ዝፈለጠ፥ ግና ዘይተዳለወ ወይ ከም ፍቓዱ ዘይገበረ ኣገልጋሊ፥ ብዙሕ መግረፍቲ ክግረፍ እዩ። እቲ ዘይፈለጠ ግና፥ መቕፃዕቲ ዝግብኦ እናገበረ፥ ሒደት መግረፍቲ ክግረፍ እዩ። ንዅሉ ብዙሕ ዝተውሃቦ ብዙሕ ክሕተት እዩ፤ እቲ ብዙሕ ዝተኣመነ ኸዓ ዝያዳ ኽሕተት እዩ።

ወልድ ሰላም ዘይኮነ ሓዊ የምፅእ

“ኣብ ምድሪ ሓዊ ክድርቢ መፃእኹ፤ ድሮ እንተ ዝነድድ ክንደይ ምተመነኹ! ግና ዝጥመቓ ጥምቀት ኣላትኒ፥ ክሳዕ እትፍፀም ከዓ ኽንደይ ተጨኒቐ ኣለኹ! ኣብ ምድሪ ሰላም ከምፅእ ዝመፃእኹ ይመስለኩም ድዩ? ኣይኮነን እብለኩም ኣለኹ፥ ፍልልይ ደኣ እምበር። ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ኣብ ሓደ ቤት ዘለዉ ሓሙሽተ ተፈላሊዮም ክኾኑ እዮም፤ ሰለስተ ኣብ ክልተ፥ ክልተ ኸዓ ኣብ ሰለስተ። ክፈላለዩ እዮም፦ ኣቦ ኣብ ወዱ፥ ወዲ ኸዓ ኣብ ኣቦኡ፥ ኣደ ኣብ ጓላ፥ ጓል ከዓ ኣብ ኣዳ፥ ሓማት ኣብ መርዓት፥ መርዓት ከዓ ኣብ ሓማታ ክፈላለዩ እዮም።”

ነቶም ህዝቢ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ደበና ካብ ምዕራብ ክትስእ እንተ ረአኹም፥ ብኡብኡ ‘ዝናም ክመፅእ እዩ’ ትብሉ፤ ከምኡ ኸዓ ይኸውን።

ንፋስ ደቡብ ይነፍስ እንተሎ ኸዓ፥ ‘ክሞቕ እዩ’ ትብሉ፤ ከምኡ ኸዓ ይኸውን። ኣቱም ግብዛት! ገፅ ምድርን ሰማይን ክትፈልጡ ትኽእሉ ኢኹም፤ ነዝ ሕዚ ዘሎ ጊዜ እዙይ ግና ስለ ምንታይ ክትፈልጥዎ ዘይትኽእሉ?

“እቲ ቅኑዕ ነገር ከዓ፥ ባዕልኻትኩም ስለ ምንታይ ዘይትፈርዱ? ምስ መባእስትኻ ናብ ሹም ክትከይድ እንተለኻ፥ ኣብ መንገዲ ምስኡ ኽትዕረቕ ፅዓር፤ እንተ ዘይኮነ ናብ ፈራዲ ከይጎተካ፥ እቲ ፈራዲ ኸዓ ናብ ዓስከር ከየሕልፈካ፥ እቲ ዓስከር ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸየእትወካ። እብለካ ኣለኹ፥ እታ ናይ መወዳእታ ሳንቲም ክሳዕ እትኸፍል፥ ካብኣ ኣይክትወፅእን ኢኻ።”