ጊዜ ከይሓለፈ ተመለሱ
ብዛዕባ እቲ ጲላጦስ ዝገበሮ ህልቂት ምስ ተነግሮ፥ ኢየሱስ እቶም ዝሞቱ ዝገደዱ ሓጥኣን ዝነበሩ ዝብል ግምት ነፀገ፥ ‘ንስሃ እተዉ’ ድማ በለ። ፍረ ዘይብላ በለስ ሓንቲ ዓመት ተወሰኸላ። ብሰንበት ንዝተጐብጠት ሰበይቲ ኣርሓዋ፥ ንሳ ኸዓ ንኣቦና ኣኽበረቶ፤ እቲ ማዕፆ ፀቢቡ ምዃኑ ኣጠንቀቐ፥ በኸየ ድማ።
13 1በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ገሊኦም ሰባት፥ ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ደሞም ምስ መስዋእቶም ዝሓወሶ ገሊላውያን ነገርዎ።
2ንሱ ኸዓ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “እዞም ገሊላውያን እዚኣቶም እዙይ ስለ ዝተሳቐዩ፥ ካብ ኵሎም ካልኦት ገሊላውያን ዝገደዱ ሓጥኣን ዝነበሩ ይመስለኩምዶ? 3ኣይፋልኩምን፥ እብለኩም ኣለኹ፤ ንስሃ እንተ ዘይ ኣቴኹም ግና፥ ኵላትኩም ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም። 4ወይ እቶም እቲ ኣብ ሰሊሆም ዝነበረ ግንቢ ወዲቕዎም ዝሞቱ ዓሰርተ ሸሞንተ ሰባት፥ ካብ ኵሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ሰባት ዝበለፀ በደለኛታት ዝነበሩ ይመስለኩምዶ? 5ኣይፋልኩምን፥ እብለኩም ኣለኹ፤ ንስሃ እንተ ዘይ ኣቴኹም ግና፥ ኵላትኩም ብተመሳሳሊ ኽትጠፍኡ ኢኹም።”
6ሽዑ ኸምዙይ ኢሉ መሰለሎም፦ “ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ ዝተኸለ በለስ ነበሮ። ፍረ ኽደሊ መፂኡ ድማ ሓንቲ እኳ ኣይረኸበን። 7ነቲ ኣላዪ ኣታኽልቲ ድማ ከምዙይ በሎ፦ ‘እንሆ፥ ኣብዝ በለስ እዙይ ፍረ እናደለኹ ሰለስተ ዓመት መፂአ፥ ሓንቲ እኳ ኣይረኸብኩን። ንምንታይ ንምድሪ የድክሞ? ቍረፆ።’ 8ንሱ ግና ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ ‘ኦ ጐይታ፥ ኣብ ዙርያኡ ኵዒተ ድዂዒ ክሳዕ ዝገብረሉ፥ ነዛ ዓመት እዚኣውን ሕደጎ። 9ድሕሪኡ ኣብ ዝመፅእ ዓመት እንተ ፈረየ ፅቡቕ፤ እንተ ዘይኮነ ግና ክትቍርፆ ትኽእል ኢኻ።’”
ጓል ብሰንበት ሓራ ወፀአት
10ብሰንበት ድማ ኣብ ሓደ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ይምህር ነበረ። 11እንሆ ኸዓ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት መንፈስ ዘድከማ ሓንቲ ሰበይቲ ነበረት፤ ተጐቢጣ፥ ፈፂማ ቅንዕ ክትብል ዘይትኽእል ነበረት።
12ኢየሱስ ድማ ምስ ረአያ ፀዊዑ “ኣቲ ሰበይቲ፥ ካብ ሕማምኪ ሓራ ወፂእኪ ኣለኺ” በላ።
13ኣእዳው ድማ ኣብ ልዕሊኣ ኣንበረ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ቀንዕ ኢላ ንኣቦና ኣኽበረቶ።
14እቲ ሓለቓ ቤተ ፀሎት ግና፥ ኢየሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወያ ተቘጢዑ፥ ነቲ ህዝቢ “ዝስራሕ ሽዱሽተ መዓልቲ ኣለዋ፤ በተን መዓልቲታት እቲኣተን መፂእኹም ተሓወዩ እምበር፥ ብሰንበት ኣይኹን” በሎም።
15ጐይታ ድማ ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ኣቱም ግብዛት! ነፍሲ ወከፍኩም ብሰንበት ብዕራዩ ወይ ኣድጉ ካብ ደንበኡ ፈቲሑ፥ ኣውፂኡ ኣየስትዮንዶ እዩ? 16እዛ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃም፥ ብሰንበት ካብዝ ማእሰርቲ እዙይ ክትፍታሕዶ ኣይግብኣን እዩ?”
17እዙይ ምስ በለ፥ ኵሎም እቶም ተቓወምቱ ሓፈሩ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ኵሉ ግሩም ተግባራት ተሓጐሰ።
መንግስቲ ኣቦና ከም ዘርኢ ይዓቢ
18ስለዙይ ከምዙይ በለ፦ “መንግስቲ ኣቦና ምስ ምንታይ ትመሳሰል? ምስ ምንታይከ ክመስላ? 19ሓደ ሰብኣይ ወሲዱ ኣብ ገነቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ ትመስል፤ ዓብያ ድማ ኦም ኮነት፤ ኣዕዋፍ ሰማይ ከዓ ኣብ ጨናፍራ ሰፈሩ።”
20መሊሱ ድማ “መንግስቲ ኣቦና ምስ ምንታይ ክመስላ? 21ሓንቲ ሰበይቲ ወሲዳ ኣብ ሰለስተ መስፈሪ ሓርጭ፥ ኵሉ ክሳዕ ዝበኵዕ ዝሓብኣቶ ማይ ብሑቕ ትመስል” በለ።
ብፀቢብ ደገ እተዉ
22እናመሃረ ናብ ኢየሩሳሌም እናተጓዕዘ ድማ፥ ብኸተማታትን ዓድታትን ይሓልፍ ነበረ። 23ሓደ ሰብ ድማ “ኦ ጐይታ፥ እቶም ዝድሕኑ ውሑዳት ድዮም?” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸዓ ከምዙይ በሎም፦
24“ብፀቢብ ደገ ኽትኣትዉ ተጋደሉ፤ ብዙሓት ክኣትዉ ክደልዩ እዮም እሞ ኣይኽእሉን እዮም፥ እብለኩም ኣለኹ። 25ብዓል ገዛ ተሲኡ ነቲ ደገ ምስ ዓፀዎ፥ ኣብ ወፃኢ ደው ኢልኩም ማዕፆ እናኳሕኳሕኩም ‘ኦ ጐይታ፥ ክፈተልና’ ክትብሉ ኢኹም። ንሱ ኸዓ ‘ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጥን’ ኢሉ ክመልሰልኩም እዩ። 26ሽዑ ‘ኣብ ቅድሜኻ በሊዕና ሰቲና ኢና፤ ንስኻ ኸዓ ኣብ ኣደባባያት ዓድና መሂርካ’ ክትብሉ ኽትጅምሩ ኢኹም። 27ንሱ ግና ‘ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጥን እብለኩም ኣለኹ፤ ኣቱም ኵሉኹም ገበርቲ እከይ፥ ካባይ ርሓቑ!’ ክብል እዩ። 28ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ኵሎም ነብያትን ኣብ መንግስቲ ኣቦና ምስ ረኣኹም፥ ንስኻትኩም ግና ናብ ወፃኢ ምስ ተደርበኹም፥ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ። 29ካብ ምብራቕ፥ ካብ ምዕራብ፥ ካብ ሰሜን፥ ካብ ደቡብ ድማ ሰባት ክመፁ፥ ኣብ መንግስቲ ኣቦና ኸዓ ኣብ መኣዲ ክቕመጡ እዮም። 30እንሆ ኸዓ፥ ዳሕረዎት ኮይኖም ቀዳሞት ዝኾኑ ኣለዉ፤ ቀዳሞት ኮይኖም ዳሕረዎት ዝኾኑ ኸዓ ኣለዉ።”
ኢየሱስ ንኢየሩሳሌም በኸየላ
31በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ገሊኦም ፈሪሳውያን መፂኦም “ሄሮድስ ክቐትለካ ይደሊ ኣሎ እሞ፥ ካብዙይ ውፃእ ኪድ” ኢሎም በልዎ።
32ንሱ ኸዓ ከምዙይ በሎም፦ “ኬድኩም ነቲ ወኻርያ ‘እንሆ፥ ሎምን ፅባሕን ኣጋንንቲ አውፅእ፥ ንሰባት ከዓ ኣሕዊ፤ ብሳልሳይ መዓልቲ ድማ ክፍፀም እየ’ በልዎ። 33ይኹን እምበር፥ ነብዪ ኻብ ኢየሩሳሌም ወፃኢ ክመውት ስለ ዘይኽእል፥ ሎምን ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ክጓዓዝ ይግብአኒ እዩ።
34ኦ ኢየሩሳሌም! ኢየሩሳሌም! ንነቢያት እትቐትሊ፥ ነቶም ናባኺ ዝተልኣኹ ድማ ብእምኒ እትቕጥቅጢ! ከምቲ ደርሆ ንጨቓዊታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክብ፥ ንደቅኺ ኽእክብ ክንደይ ጊዜ ናፈቕኩ! ንስኺ ግና ኣይፈተኽን! 35እንሆ፥ ቤትኪ ተሪፋትልኪ ኣላ። ‘ብስም ኣቦና ዝመፅእ ብሩኽ እዩ!’ ክሳዕ እትብሊ፥ ኣይክትርእይንን ኢኺ እብለኪ ኣለኹ።”