ናብ ኣቦ ብፀሎት ቅረቡ
ከመይ ከም ዝፅለ ምስ ተሓተ፥ ኢየሱስ ነቲ ቃላት ሃቦም፥ ‘ኣቦ’ ኢሉ እናጀመረ፤ ድሕሪኡ ኸዓ ብዛዕባ ኣብ ፍርቂ ለይቲ ማዕፆ ዝዅሕኵሕ ዓርኪ ዝኾነ ዛንታ። ብብኤል ዜቡል ኣጋንንቲ የውፅእ ኢሎም ምስ ከሰስዎ፥ ነቲ ክሲ መለሰሉ፤ ድሕሪኡ ኸዓ ናብ ፈሪሳውያንን ሊቃውንቲ ሕግን ግልፅ ኢሉ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ፅሩይ ዝመስል ሃይማኖቶም ነዊሕ ወይለ ኣውረደ።
11 1ኣብ ሓደ ቦታ ኾይኑ ይፅሊ ነበረ፤ ምስ ወድአ ድማ፥ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ሓደ “ኦ ጐይታ፥ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ከም ዝመሃሮም፥ ንስኻ ድማ ክንፅሊ ምሃረና” በሎ።
2ንሱ ኸዓ ከምዙይ በሎም፦ “ክትፅልዩ እንተለኹም እዙይ በሉ፦ ኦ ኣቦ፥ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምፃእ። 3ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዕለታዊ እንጀራና ሃበና። 4ሓጢኣትና ድማ ሕደገልና፥ ንሕናውን ባዕልትና ንዝበደሉና ዅሎም ይቕረ ንብለሎም ኢና እሞ። ናብ ፈተናውን ኣይተእትወና።”
5ንሱ ኸዓ ከምዙይ በሎም፦ “መን ኻባኻትኩም እዩ ዓርኪ ዘለዎ፥ ፍርቂ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ ድማ ‘ዓርከይ፥ ሰለስተ እንጀራ ኣለቅሓኒ፥
6ዓርከይ ካብ ጉዕዞ መፂኡኒ እዩ እሞ፥ ዘቕርበሉ ኸዓ ዘይብለይ ስለ ዝኾንኩ፥’
7ንሱ ኸዓ ኻብ ውሽጢ ‘ኣይተፅግመኒ፤ ማዕፆ ድሮ ተዓፅዩ እዩ፥ ደቀይ ድማ ምሳይ ኣብ ዓራት ደቂሶም ኣለዉ፤ ተሲአ ኽህበካ ኣይኽእልን እየ’ ኢሉ እንተ መለሰ?
8እብለኩም ኣለኹ፦ ዓርኩ ስለ ዝኾነ ጥራሕ እቲ ደቂሱ ዘሎ ዓርኪ ተሲኡ ገለ ክህቦ እንተ ኣበየ እኳ፥ እቲ ዝልምን ዓርኪ ብዘይሓፍር ፅንዓቱ ምኽንያት፥ እቲ ደቂሱ ዘሎ ተላዒሉ ዘድልዮ ዅሉ ኽህቦ እዩ።
9እብለኩም ኣለኹ፦ ለምኑ፥ ክወሃበኩም ኸዓ እዩ፤ ድለዩ፥ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ኳሕኵሑ፥ ክኽፈተልኩምውን እዩ።
10ዝለምን ዅሉ ይቕበል፤ ዝደሊ ድማ ይረክብ፤ ነቲ ዝኳሕኵሕ ከዓ ክኽፈተሉ እዩ።
11ካባኻትኩም ወዱ ዓሳ እንተ ለመኖ፥ ኣብ ክንዲ ዓሳ ተመን ዝህቦ ኣቦ መን እዩ፤
12ወይ እንቋቝሖ እንተ ለመኖ፥ ዕንቅርቢት ዝህቦ?
13እምበኣር ንስኻትኩም ክፉኣት ክነስኹም፥ ንደቅኹም ፅቡቕ ህያብ ምሃብ እንተ ፈሊጥኩም፥ ሰማያዊ ኣቦ ድኣ ኽንደይ ኣብሊፁ፥ ነቶም ዝልምንዎ ኻብ ሰማይ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም!”
መንግስቲ ኣቦና መፂኣ እያ
14ሓደ በሃም ዝገበረ ጋኔን የውፅእ ነበረ። እቲ ጋኔን ምስ ወፀ ኸዓ፥ እቲ በሃም ሰብኣይ ተዛረበ፤ እቶም ህዝቢ ድማ ተገረሙ። 15ገሊኦም ግና “ብብኤል ዜቡል፥ በቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፥ ንኣጋንንቲ የውፅኦም ኣሎ” በሉ። 16ካልኦት ድማ ክፍትንዎ ኢሎም፥ ካብ ሰማይ ምልክት ካብኡ ይደልዩ ነበሩ።
17ንሱ ግና ሓሳቦም ፈሊጡ በሎም፦ “ኵሉ ኣብ ርእሱ ዝተፈላለየ መንግስቲ ይጠፍእ፥ ኣብ ርእሳ ዝተፈላለየት ቤት ድማ ትወድቕ።
18ሰይጣንውን ኣብ ርእሱ እንተ ተፈላለየ፥ መንግስቱ ኸመይ ኢላ ደው ክትብል እያ? ብብኤል ዜቡል ንኣጋንንቲ የውፅእ ኣሎ ትብሉ ኣለኹም እሞ።
19ኣነ ብብኤል ዜቡል ንኣጋንንቲ ዘውፅኦም እንተ ኾይነ፥ ደቅኹም ብመን እዮም ዘውፅእዎም? ስለዙይ ንሳቶም ክፈርዱኹም እዮም።
20ኣነ ግና ንኣጋንንቲ ብኣፃብዕቲ ኣቦና ዘውፅኦም እንተ ኾይነ፥ መንግስቲ ኣቦና ናባኻትኩም መፂኣ እያ።
21ሓደ ሓያል ሰብ ብምሉእ ኣፅዋር ተዓጢቑ ናይ ባዕሉ ኣዳራሽ እንተ ሓለወ፥ ንብረቱ ብደሓን ይነብር።
22ካብኡ ዝሕይል ግና መፂኡ ስዒሩ እንተ ወቕዖ፥ እቲ ዝወቕዖ ነቲ እቲ ሓያል ሰብ ዝተኣመኖ ኣፅዋር ይማልኦ፥ ነቲ ምርኮ ድማ ይማቐሎ።
23እቲ ምሳይ ዘይኮነ ፀላእየይ እዩ፤ ምሳይ ዘይእክብ ድማ ይብትን።
24ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወፀ፥ ዕረፍቲ እናደለየ ብደረቕ ቦታታት ይኸይድ። ምስ ሰኣነ ኸዓ ‘ናብታ ዝወፃእኩላ ቤተይ ክምለስ እየ’ ይብል። 25ምስ መፀ ኸዓ፥ ነታ ቤት ተዂስቲራን ተሰሪዓን ይረኽባ።
26ሽዑ ኸይዱ፥ ካብኡ ዝኸፍኡ ኻልኦት ሸውዓተ መናፍስቲ የምፅእ፤ ኣትዮም ድማ ኣብኡ ይነብሩ፤ መወዳእታ እቲ ሰብ እቱይ ከዓ ኻብ ቀዳማይ ይኸፍእ።”
27እዙይ ክብል እንተሎ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ኻብቲ ህዝቢ ዓው ኢላ “እቲ ዝፀወረካ ማህፀንን፥ እተን ዘጥበዋኻ ኣጥባትን ብፁኣት እዮም!” በለት።
28ንሱ ግና “ብሕልፊ እቶም ቃል ኣቦና ሰሚዖም ዝሕልውዎ ብፁኣን እዮም!” በለ።
ካብ ዮናስ ዝዓቢ ኣብዙይ ኣሎ
29እቶም ህዝቢ ኺተኣኻኸቡ እንተለዉ፥ ከምዙይ ክብል ጀመረ፦ “እዝ ትውልዲ እዙይ ክፉእ ትውልዲ እዩ። ምልክት ይደሊ ኣሎ፥ ብዘይ እቲ ምልክት ዮናስ ግና ካልእ ምልክት ኣይወሃቦን እዩ። 30ዮናስ ንሰብ ነነዌ ምልክት ከም ዝኾኖም፥ ወዲ ሰብ ድማ ነዝ ትውልዲ እዙይ ከምኡ ምልክት ክኸውን እዩ። 31ንግስቲ ደቡብ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ ሰብ እዝ ትውልዲ እዙይ ተሲኣ ክትፈርዶም እያ፤ ንሳ ኻብ ወሰን ምድሪ ተላዒላ ንጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ መፂኣ እያ እሞ፤ እንሆ ኸዓ፥ ካብ ሰሎሞን ዝዓቢ ኣብዙይ ኣሎ።
32ሰብ ነነዌ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዝ ትውልዲ እዙይ ተሲኦም ክፈርድዎ እዮም፤ ዮናስ ምስ ሰበኸ ተነሲሖም እዮም እሞ፤ ካብ ዮናስ ዝዓቢ ኸዓ ኣብዙይ ኣሎ።
መብራህቲ ሰብነት
33ሓደ እኳ መብራህቲ ኣብሪሁ ኣብ ጐዳጕዲ ወይ ኣብ ትሕቲ ዕቝ ኣየንብሮን እዩ፤ እቶም ዝኣትዉ ነቲ ብርሃን ምእንቲ ኽርእዩ ደኣ፥ ኣብ ቀዋሚ የንብሮ እምበር። 34መብራህቲ ሰብነትካ ዓይንኻ እዩ፤ ዓይንኻ ጥዑይ እንተ ኾይኑ፥ ኵሉ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን፤ ክፉእ እንተ ኾይኑ ግና፥ ሰብነትካ ፅልመት ይመልኦ።
35ስለዙይ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ፅልመት ከይኸውን ተጠንቀቕ።
36እምበኣር ኵሉ ሰብነትካ ፅልመት ዘለዎ ኽፋል ዘይብሉ ብርሃን ዝመልኦ እንተ ኾይኑ፥ ከምቲ መብራህቲ ብጩራ ብርሃኑ ዘብርሃልካ፥ ኵሉ ብሩህ ክኸውን እዩ።”
ወይለኣ ንከንቱ ኣምልኾ
37ክዛረብ እንተሎ፥ ሓደ ፈሪሳዊ ምስኡ ኽበልዕ ፀውዖ፤ ንሱ ኸዓ ኣትዩ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ። 38እቲ ፈሪሳዊ ኸዓ፥ ቅድሚ ምግቢ ኣቐዲሙ ኸም ዘይተሓፀበ ምስ ረአየ ተገረመ።
39ጐይታ ድማ በሎ፦ “ሕዚ ንስኻትኩም ፈሪሳውያን፥ ንደገ ፅዋእን ሸሓንን ተንፅሑ፥ ውሽጥኹም ግና ስስዐን ክፍኣትን መሊኡ ኣሎ። 40ኣቱም ዓያሹ! እቲ ንደገ ዝገበሮ፥ ንውሽጢውን ዝገበሮ ኣይኮነን ድዩ?
41ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ግና ንድኻታት ሃብዎ፥ ኵሉ ድማ ንኣኻትኩም ንፁህ ክኸውን እዩ።
42ኣቱም ፈሪሳውያን ግና ወይለኹም! ካብ ናዕናዕን ፂግናን ካብ ኵሉ ኣሕምልትን ዕሽር ትህቡ፥ ንፍትሒን ንፍቕሪ ኣቦናን ግና ትሓድግዎ። ነዙይ ኽትገብሩ፥ ነቲ ኻልእ ድማ ከይሓደግኩም ይግባእ ነይሩ።
43ኣቱም ፈሪሳውያን ወይለኹም! ኣብ ኣብያተ ፀሎት ናይ ቅድሚት መንበር፥ ኣብ ኣደባባያት ድማ ሰላምታ ትፈትዉ ኢኹም እሞ።
44ወይለኹም! ከምቲ ምልክት ዘይብሉ መቓብር ኢኹም እሞ፥ ሰባት ድማ እንተይፈለጡ ኣብ ልዕሊኡ ይኸዱ።”
45ሓደ ኻብቶም ሊቃውንቲ ሕጊ ድማ “መምህር፥ እዙይ ብምባል ንኣናውን ትፅረፈና ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።
46ንሱ ኸዓ ከምዙይ በለ፦ “ኣቱም ሊቃውንቲ ሕጊ፥ ንኣኻትኩምውን ወይለኹም! ንሰባት ከቢድ ፅዕነት ተሰክምዎም፥ ባዕላትኩም ግና ነቲ ፅዕነት ብሓንቲ ኣፃብዕትኹም ኣይትትንክፍዎን ኢኹም።
47ወይለኹም! መቓብር ነቢያት ትሰርሑ፥ ዝቐተልዎም ግና ኣቦታትኩም እዮም።
48ስለዙይ ንሳቶም ቀቲሎምዎም፥ ንስኻትኩም ድማ መቓብሮም ትሰርሑ ኢኹም እሞ፥ ንግብሪ ኣቦታትኩም ምስክር ኴንኩም ትሰማምዑሉ ኢኹም።
49ስለዙይ ጥበብ ኣቦናውን ከምዙይ በለት፦ ‘ነቢያትን ሃዋርያትን ክሰደሎም እየ፥ ካብኣቶም ገሊኦም ድማ ክቐትልዎም፥ ከሳጕጕዎምውን እዮም።’
50ካብ ምፍጣር ዓለም ኣትሒዙ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ነቢያት፥ ካብዝ ወለዶ እዙይ ምእንቲ ኽጥየቕ፥
51ካብ ደም ኣቤል ክሳዕ ደም ዘካርያስ፥ እቲ ኣብ መንጎ መሰውእን ቤተ መቕደስን ዝሞተ፤ እወ እብለኩም ኣለኹ፥ ካብዝ ወለዶ እዙይ ክሕተት እዩ።
52ኣቱም ሊቃውንቲ ሕጊ ወይለኹም! መፍትሕ ፍልጠት ወሲድኩም ኢኹም እሞ፥ ባዕላትኩም ኣይኣተኹምን፥ ነቶም ዝኣትዉ ዘለዉ ድማ ከልኪልኩሞም።”
53ካብኡ ምስ ወፀ ድማ፥ ፀሓፍትን ፈሪሳውያንን የመና ክፃረርዎ ጀመሩ፥ ብዛዕባ ብዙሕ ነገር ድማ ክዛረብ ኣዳፍእዎ፥ 54ካብ ኣፉ ዝወፅእ ገለ ነገር ኽሕዝዎ፥ የድብይሉ ነበሩ።