ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ንሰብዓን ክልተን ይሰድዶም

ብኣቦ እቲ ዓፂድ ዝተልኣኹ ሰብዓን ክልተን፥ ኣጋንንቲ ኸም ዝግዝኡሎም ተሓጒሶም ተመለሱ፤ ኢየሱስ ግና ብኻልእ ነገር ደኣ ኽሕጐሱ ነገሮም። ናይ ሓደ ሊቅ ሕጊ ሕቶ፥ መን ብፃይ ምዃኑ ዝሓተ፥ ብሓደ ኣብ መንገዲ ዝነበረ ሳምራዊ ተመለሰ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ መንጎ ኽልተ ኣሓት ባእሲ ኾነ።

ምዕራፍ 10።

ድሕሪ እዙይ፥ ጐይታ ካልኦት ሰብዓን ክልተን መረፀ፤ ባዕሉ ናብ ዝኸዶ ዝሓሰበ ኵላ ኸተማን ቦታን ድማ፥ ክልተ ክልተ ጌሩ ቀቅድሚኡ ሰደዶም።

ከምዙይ ድማ በሎም፦ “እቲ ዓፂድ ብዙሕ እዩ፥ ሰራሕተኛታት ግና ውሑዳት እዮም። ስለዙይ ንኣቦ እቲ ዓፂድ፥ ናብ ዓፂዱ ሰራሕተኛታት ክሰድድ ለምንዎ። ኪዱ! እንሆ ኣነ ኸም ዕያውቲ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ። ኸረጢት፥ ሳንጣ፥ ኣሳእን ኣይትማልኡ፤ ኣብ መንገዲ ድማ ንሓደ እኳ ሰላም ኣይትበሉ። ኣብ ዝኣተኹምዋ ገዛ፥ ቅድም ‘ሰላም ነዛ ገዛ እዚኣ ይኹን’ በሉ። ኣብኣ ሰብ ሰላም እንተ ሃልዩ፥ ሰላምኩም ኣብ ልዕሊኡ ኸዓርፍ እዩ፤ እንተ ዘይኮነ ግና፥ ናባኻትኩም ክምለስ እዩ። ኣብታ ገዛ እቲኣ ፅንሑ፤ ነቲ ዝወሃበኩም ድማ ብልዑ ስተዩን፤ ንሰራሕተኛ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ። ካብ ገዛ ናብ ገዛ ኣይትልወጡ። ኣብ ዝኣተኹምዋ ኸተማ እንተ ተቐቢሎምኹም፥ እቲ ኣብ ቅድሜኹም ዝቐርብ ብልዑ። ኣብኣ ንዝሓመሙ ኣሕውዩ፥ ‘መንግስቲ ኣቦና ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ’ ድማ በልዎም። ዘይቅበለኩም ኸተማ ምስ ኣተኹም ግና፥ ናብ ኣደባባያታ ወፂእኹም ከምዙይ በሉ፦ ‘ነቲ ኻብ ከተማኹም ኣብ ኣእጋርና ዝተጣበቐ ሓመድ እኳ፥ ኣባኻትኩም ንገፎ ኣለና። ኮይኑ ግና መንግስቲ ኣቦና ቀሪባ ኸም ዘላ እዙይ ፍለጡ።’ እብለኩም ኣለኹ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብታ ኸተማ እቲኣ፥ ንሶዶም ዝቐለለ ክኸውን እዩ።

“ወይለኺ ኮራዚን! ወይለኺ ቤተ ሳይዳ! እቲ ኣብ ማእኸልክን ዝተገብረ ተኣምራት ኣብ ጢሮስን ሲዶንን ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ኣብ ወጮን ሓሙዅስትን ተቐሚጠን ቀደም ምተነስሓ ነይረን። ግና ብመዓልቲ ፍርዲ ካባኻትክን፥ ንጢሮስን ሲዶንን ዝቐለለ ክኸውን እዩ። ንስኺ ቅፍርናሆም ከ፥ ናብ ሰማይዶ ኽትልዓሊ ኢኺ? ናብ ሲኦል ክትወርዲ ኢኺ። እቲ ንኣኻትኩም ዝሰምዓኩም፥ ንኣይ ይሰምዐኒ ኣሎ፤ እቲ ንኣኻትኩም ዝነፅገኩም ድማ፥ ንኣይ ይነፅገኒ ኣሎ፤ እቲ ንኣይ ዝነፅገኒ ኸዓ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ ይነፅጎ ኣሎ።”

እቶም ሰብዓን ክልተን ድማ ብሓጐስ ተመሊሶም “ጐይታይ፥ ኣጋንንቲ እኳ ብስምካ ይግዝኡልና ኣለዉ” በሉ።

ንሱ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ንሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ክወድቕ ርኤ። እንሆ ኣብ ተመንን ዕንቅርቢትን ክትረግፁ፥ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ሓይሊ እቲ ፀላኢ ድማ ስልጣን ሂበኩም ኣለኹ፤ ዝጐድኣኩም ዋላ ሓደ የለን። ግና እቶም መናፍስቲ ስለ ዝግዝኡልኩም ኣይትተሓጐሱ፥ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ ዝተፃሕፈ ደኣ ተሓጐሱ እምበር።”

በታ ሰዓት እቲኣ ኢየሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓጒሱ ኸምዙይ በለ፦ “ኦ ኣቦ፥ ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ ነዝ ነገር እዙይ ካብ ጥበበኛታትን ኣስተውዓልትን ሰዊርካ፥ ንሕፃናት ስለ ዝገለፅካዮ፥ ኣመስግነካ ኣለኹ። እወ ኦ ኣቦ፥ እዙይ ከምኡ ኽኸውን ቅድሜኻ ባህ ኢሉካ እዩ እሞ።”

“ኵሉ ኻብ ኣቦይ ተውሂቡኒ ኣሎ። ወልድ መን ምዃኑ፥ ብዘይ ኣቦ ዝፈልጥ የለን፤ ኣቦ መን ምዃኑ ኸዓ፥ ብዘይ ወልድን እቲ ወልድ ክገልፀሉ ዝደለዮን፥ ዝፈልጥ የለን።”

ሽዑ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልፅ ኢሉ ንበይኑ ኸምዙይ በሎም፦ “እዚ እትርእይዎ ዘለኹም ዝርእያ ኣዒንቲ ብፁዓት እየን! ብዙሓት ነቢያትን ነገስታትን እዚ እትርእይዎ ዘለኹም ክርእዩ ደልዮም እናሃለዉ ኣይረአዩን፥ እዚ እትሰምዕዎ ዘለኹም ክሰምዑ ደልዮም እናሃለዉ ኣይሰምዑን እሞ፥ እብለኩም ኣለኹ።”

ምሳሌ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ

ሓደ ሊቅ ሕጊ ተሲኡ ኽፍትኖ “መምህር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክወርስ እንታይ ክገብር ኣለኒ?” ኢሉ ጠየቖ።

ንሱ ድማ “ኣብ ሕጊ እንታይ ተፅሒፉ ኣሎ? ከመይ ጌርካ ኸ ተንብቦ?” በሎ።

ንሱ ኸዓ መሊሱ “ንኣቦኻ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ሓይልኻን ብምሉእ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፥ ንብፅሑኻ ኸዓ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” በለ።

ንሱ ድማ “ቅኑዕ መለስካ፤ እዙይ ግበር ህያው ከዓ ክትከውን ኢኻ” በሎ።

ንሱ ግና ንባዕሉ ከፅድቕ ደልዩ ንኢየሱስ “ብፅሔይ ከ መን እዩ?” በሎ።

ኢየሱስ ድማ ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ሓደ ሰብ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ያሪኮ ይወርድ ነበረ፤ ናብ ማእኸል ጐሓሉት ድማ ወደቐ፤ ንሳቶም ከዓ ቀንጢጦም ወቒዖም፥ ፍርቂ ምዉት ጌሮም ሓዲጎሞ ኸዱ። ብኣጋጣሚ ድማ ሓደ ካህን በቲ መንገዲ እቲ ይወርድ ነበረ፤ ንእኡ ሪኡ ኸዓ ገለል ኢሉ ሓለፈ። ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ናብቲ ቦታ መፂኡ ርኣዮ፤ ገለል ኢሉ ኸዓ ሓለፈ። ሓደ ሳምራዊ ግና በቲ መንገዲ እቲ እናተጓዕዘ ረኸቦ፤ ርእዩ ኸዓ ራህርሀሉ። ናብኡ ድማ ቐሪቡ ንቍስሉ ጠቕለሎ፥ ዘይትን ወይንን ድማ ኣፍሰሰሉ፤ ኣብ ናቱ እንስሳ ፅዒኑ ኸዓ፥ ናብ መሕደሪ ኣጋይሽ ወሲዱ ተኣለዮ። በማግስቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውፂኡ ነቲ ዋና መሕደሪ ኣጋይሽ ሃቦ፥ ከምዙይ ከዓ በሎ፦ ‘ተኣልዮ፤ ካብዙይ ንላዕሊ ዘውፃእኻዮ ዅሉ ኸዓ፥ ክምለስ ከለኹ ክኸፍለካ እየ።’ ካብዞም ሰለስተ እዚኣቶም ነቲ ናብ ማእኸል ጐሓሉት ዝወደቐ ሰብ ብፅሑ ዝኾነ ኣየናይ ይመስለካ?”

ንሱ ድማ “እቲ ምሕረት ዝገበረሉ” በለ። ኢየሱስ ከዓ “ኪድ ንስኻ ኸዓ ከምኡ ግበር” በሎ።

ማርታን ማርያምን

ክጓዓዙ እንተለዉ ድማ፥ ኢየሱስ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኣተወ፤ ማርታ ዝተብሃለት ሓንቲ ሰበይቲ ኸዓ ናብ ገዛኣ ተቐበለቶ። ማርያም እትብሃል ሓብቲ ድማ ነበረታ፤ ንሳ ኸዓ ኣብ እግሪ ጐይታ ተቐሚጣ ትምህርቱ ትሰምዕ ነበረት። ማርታ ግና በቲ ብዙሕ ኣገልግሎት ተፀምደት፤ ናብኡ መፂኣ ድማ “ጐይታይ፥ ሓብተይ በይነይ ከገልግል ሓዲጋትኒ እንተላ፥ ኣይግድሰካንዶ? ክትሕግዘኒ ድማ ንገራ” በለቶ።

ጐይታ ግና ከምዙይ ኢሉ መለሰላ፦ “ማርታ፥ ማርታ፥ ብዛዕባ ብዙሕ ነገር ትጭነቂን ትሽበሪን ኣለኺ፥ ሓደ ነገር ግና የድሊ። ማርያም እቲ ፅቡቕ ግደ መሪፃ፤ ካብኣ ድማ ኣይውሰድን እዩ።”