ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ንይስሓቅ ዝተሓደሰ ተስፋ

ጥሜት ተመለሰ፥ ይስሓቅ ድማ ብዛዕባ ሰበይቱ ናይ ኣቦኡ ሓሶት ደገመ፥ ተታሕዘ ኸዓ። ኣቦና ባሪኽዎ ስለ ዝነበረ ድማ ሃብተመ፥ ዒላታቱ ኸዓ ሓደ ድሕሪ ሓደ ተመንዝዑ፥ ክሳዕ ዝኾነ ዘይባኣሶ ቦታ ዝዅዕት። ድሕሪኡ እቲ ዝቐንኦ ንጉስ ኪዳን ክሓትት መፀ።

ምዕራፍ 26።

ኣብታ ምድሪ ድማ ጥሜት ኮነ፤ እዙይ ብዘይ እቲ ቅድም ብዘመን ኣብርሃም ዝነበረ ጥሜት እዩ። ስለዙይ ይስሓቅ ናብ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን ኣቢሜሌክ፥ ናብ ጌራራ ኸደ።

ኣቦና ድማ ተገሊፁሉ ከምዙይ በሎ፦ “ናብ ግብፂ ኣይትውረድ፤ ኣብታ ኣነ ዝነግረካ ምድሪ ተቐመጥ። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ተቐመጥ፤ ኣነውን ምሳኻ ኾይነ ክባርኸካ እየ እሞ፤ ነዘን ኵለን ምድሪታት እዚኣተን ንኣኻን ንዘርእኻን ክህበካ እየ፤ ነቲ ኣቦኻ ንኣብርሃም ዝመሓልኩሉ ማሕላ ድማ ክፍፅም እየ። ንዘርእኻ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ፥ ነዘን ኵለን ምድሪታት እዚኣተን ድማ ንዘርእኻ ክህብ እየ፤ ብዘርእኻ ኸዓ ኣህዛብ ኵላ ምድሪ ክባረኹ እዮም፤ ኣብርሃም ቃለይ ስለ ዝሰምዐ፥ መሓለውታይን ትእዛዛተይን ስርዓታተይን ሕግጋተይን ድማ ስለ ዝሓለወ።”

ይስሓቅ ድማ ኣብ ጌራራ ተቐመጠ። ሰብ እታ ቦታ ድማ ብዛዕባ ሰበይቱ ጠየቕዎ፤ ንሱ ኸዓ “ሓፍተይ እያ” ኢሉ መለሰ። “ሰበይተይ” ኢሉ ኽብል ፈሪሑ፥ “እዞም ኣብዙይ ዘለዉ ሰባት ርብቃ መልክዐኛ እያ እሞ ብዛዕባኣ ኽቐትሉኒ እዮም” ኢሉ ሓሰበ። ይስሓቅ ኣብኡ ነዊሕ ጊዜ ምስ ፀንሐ፥ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን ኣቢሜሌክ ብመስኮት ጠሚቱ፥ ይስሓቅ ንሰበይቱ ርብቃ እናላገፀላ ረአዮ። ኣቢሜሌክ ድማ ንይስሓቅ ፀዊዑ “እንሆ ብርግፅ ሰበይትኻ እያ! ከመይ ኢልካ ደኣ ‘ሓፍተይ እያ’ ትብል?” በሎ። ይስሓቅ ከዓ “ብእኣ ከይመውት ስለ ዝሓሰብኩ እየ” ኢሉ መለሰሉ።

ኣቢሜሌክ ድማ “እዝ ንዓና እንታይ ጌርካ? ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ምስ ሰበይትኻ ብቐሊሉ ምደቀሰ ነይሩ፤ በደል ድማ ምኣምፃእካልና ነይርካ” በለ። ኣቢሜሌክ ድማ ንዅሎም እቶም ህዝቢ “ነዝ ሰብኣይ እዙይ ወይ ንሰበይቱ ዝትንክፍ ዅሉ ብርግፅ ክቕተል እዩ” ኢሉ ኣዘዞም።

ይስሓቅ ድማ ኣብታ ምድሪ ዘርአ፤ በታ ዓመት እቲኣ ኸዓ ሚእቲ ዕፅፊ ዓፀደ፤ ኣቦና ባሪኽዎ ነይሩ እዩ እሞ። እቲ ሰብኣይ ድማ ሃብተመ፤ ክሳዕ የመና ሃብታም ዝኸውን ድማ እናበለፀ ኸደ። ኣባጊዕን ኣላሕምን ብዙሓት ኣገልገልትን ነበርዎ፤ ስለዙይ ፍልስጥኤማውያን ቀንእዎ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ነተን ብዘመን ኣቦኡ ኣብርሃም ኣገልገልቲ ኣቦኡ ዝዀዓትወን ዅለን ዒላታት ደፊኖመን ነበሩ። ኣቢሜሌክ ድማ ንይስሓቅ “ካባና ንላዕሊ ኣዝዩ ሓያል ኮይንካ ኢኻ እሞ፥ ካብ ጥቓና ኺድ” በሎ።

ይስሓቅ ድማ ካብኡ ተልዒሉ ኣብ ሽንጥሮ ጌራራ ሰፈረ፤ ኣብኡውን ተቐመጠ። ይስሓቅ ድማ ነተን ብዘመን ኣቦኡ ኣብርሃም ዝተዀዓታ፥ ድሕሪ ሞት ኣብርሃም ከዓ ፍልስጥኤማውያን ዝደፈኑወን ዒላታት ማይ ከም ብሓድሽ ኰዓተ፤ ከምቲ ኣቦኡ ዝሰመየን ድማ በቲ ስም ፀውዐን። ኣገልገልቲ ይስሓቅ ድማ ኣብቲ ሽንጥሮ ኰዒቶም ኣብኡ ዒላ ህያው ፈልፋሊ ማይ ረኸቡ። ጓሶት ጌራራ ድማ ምስ ጓሶት ይስሓቅ “እዝ ማይ ናትና እዩ” ኢሎም ተጓየቑ። ምስኡ ስለ ዝተጓየቑ ኸዓ ነታ ዒላ “ዔሴቅ” ኢሉ ሰመያ። a a v20 ዔሴቅ ዝብል ስም "ባእሲ" ማለት እዩ። ካልእ ዒላ ኸዓ ኰዓቱ፤ ብዛዕባ እቲኣ ድማ ተባእሱ፤ ስለዙይ “ሲጥና” ኢሉ ሰመያ። b b v21 ሲጥና ዝብል ስም "ፅልኢ" ማለት እዩ። ካብኡ ተልዒሉ ኸዓ ካልእ ዒላ ኰዓተ፤ ብዛዕባ እቲኣ ኣይተባእሱን፤ ስለዙይ “ሕዚ ኣቦና ኣርሒቡልና እዩ፤ ኣብዛ ምድሪ ኸዓ ክንፈሪ ኢና” ኢሉ “ርሖቦት” ኢሉ ሰመያ። c c v22 ርሖቦት ዝብል ስም "ርሕበት" ወይ "ገፋሕቲ ቦታታት" ማለት እዩ።

ካብኡ ድማ ናብ ቤርሳቤህ ደየበ።

በታ ለይቲ እቲኣ ድማ ኣቦና ተገሊፁሉ ከምዙይ በሎ፦ “ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃም ኣነ እየ። ኣይትፍራሕ፥ ኣነ ምሳኻ ኣለኹ እሞ። ምእንቲ ባርያይ ኣብርሃም ድማ ክባርኸካ፥ ንዘርእኻውን ከብዝሖ እየ።”

ኣብኡ ድማ መሰውኢ ሰሪሑ ስም ኣቦና ፀውዐ፤ ድንኳኑ ተኺሉ ኸዓ ኣብኡ ኣገልገልቲ ይስሓቅ ዒላ ኰዓቱ።

ኣቢሜሌክ ድማ ምስ ኣኩዛት መኻሪኡን ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱን ካብ ጌራራ ናብኡ መፀ። ይስሓቅ ድማ “ፀሊእኩምኒ ኻባኻትኩም ኣባሪርኩምኒ እናሃለኹም፥ ስለ ምንታይ ናባይ መፃእኹም?” በሎም።

ንሳቶም ከዓ “እግዚኣብሄር ምሳኻ ኸም ዝነበረ ኣፀቢቑ ረአና፤ ስለዙይ ‘ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎናን ማሕላ ይኹን፤ ምሳኻ ኸዓ ኺዳን ንእቶ በልና፤ ከምቲ ንሕና ዘይነኻእናካ፥ ፅቡቕ ጥራሕ ዝገበርናልካ፥ ብሰላም ድማ ዝሰደድናካ፥ ንስኻውን ክፉእ ከይትገብረልና። ንስኻ ሕዚ ብእግዚኣብሄር ዝተባረኽካ ኢኻ’ በሉ።”

ይስሓቅ ድማ ድግስ ገበረሎም፤ ንሳቶም ከዓ በልዑን ሰተዩን። ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ድማ ንሓድሕዶም ተማሓሓሉ፤ ይስሓቅ ድማ ኣፋነዎም፤ ብሰላም ከዓ ኻብኡ ኸዱ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣገልገልቲ ይስሓቅ መፂኦም፥ ብዛዕባ እታ ዝዀዓትዋ ዒላ ነገርዎ፤ “ማይ ረኺብና!” ድማ በሉ። ስለዙይ “ሺበዓ” ኢሉ ሰመያ፤ በዙይ ድማ ስም እታ ኸተማ ኽሳዕ ሎሚ ቤርሳቤህ ይበሃል ኣሎ። d d v33 ሺበዓ "ማሕላ" ማለት እዩ፤ ቤርሳቤህ ከዓ "ዒላ ማሕላ" ማለት እዩ።

ኤሳው ድማ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ኮይኑ፥ ይሁዲት ጓል ቤኤሪ ኬጢያዊ፥ ቤሴሞት ጓል ኤሎን ኬጢያዊ ኣእተወ። ንሳተን ድማ ንይስሓቅን ንርብቃን ሓዘን ኮናኦም።