ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ውግእ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተጀመረ

ዮናታን ንሓደ ጭፍራ ወቒዑ፥ ፍልስጥኤማውያን ብዘይ ቍፅሪ ሰረገላታት ተኣኪቦም፥ እስራኤል ድማ ሰይፊ ዝሰርሕ ቀጥቃጢ ሓፂን ስኢኖም ኣብ በዓትታት ተሓብኡ። ሳኦል ሰራዊቱ ፋሕ ክብል እናረአየ፥ ካብ ምፅባይ ነቲ መስዋእቲ ባዕሉ ኣቕረቦ። ትእዛዝ ኣቦኡ ኣይሓለወን፤ መንግስቱ ድማ ኣይክፀንሕን እዩ።

ምዕራፍ 13።

ሳኦል ንጉስ ኽኸውን እንተሎ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ፤ ኣብ እስራኤል ድማ ኣርብዓን ክልተን ዓመት ነገሰ። a a v1 እቲ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘሎ ቍፅርታት ካብቲ እብራይስጢ ወዲቑ እዩ፤ እቲ እብራይስጢ “ሳኦል ወዲ ሓደ ዓመት ነበረ … ክልተ ዓመት ድማ ነገሰ” ኢሉ እዩ ዘንብብ። እዞም ኣብዙይ ዘለዉ ቍፅርታት ነቲ ብዙሓት ናይ ሎሚ መፃሕፍቲ ቅዱሳት ዘንብብዎ ይኽተሉ። ሳኦል ካብ እስራኤል ሰለስተ ሽሕ ሰብኡት ሓረየ፤ ክልተ ሽሕ ምስኡ ኣብ ማክማስን ኣብ ዀረብታ ቤቴልን፥ ሽሕ ድማ ምስ ዮናታን ኣብ ጊብዓ ናይ ብንያም ነበሩ። ነቶም ዝተረፉ ድማ ነፍሲ ወከፍ ናብ ድንኳኑ ሰደዶም። ዮናታን ድማ ነቲ ኣብ ጌባ ዝነበረ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ወቕዖም፤ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ሰምዑ። ሽዑ ሳኦል ኣብ ኵላ እታ ሃገር መለኸት ነፊሑ “ዕብራውያን ይስምዑ!” በለ። ኵሉ እስራኤል ድማ ሳኦል ነቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከም ዝወቕዖም፥ እስራኤልውን ብፍልስጥኤማውያን ከም ዝተፀልአ ሰምዑ። ሽዑ እቲ ህዝቢ ናብ ሳኦል ናብ ጌልገላ ተኣከበ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ክዋግኡ ተኣከቡ፤ ሰለስተ ሽሕ ሰረገላታት፥ ሽዱሽተ ሽሕ ፈረሰኛታት፥ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ዘይቍፀር ህዝብን ነበሮም። ደዪቦም ከዓ ኣብ ማክማስ ብምብራቕ ቤት ኣዌን ሰፈሩ። ሰብኡት እስራኤል ኣብ ጭንቂ ከም ዝኣተዉ ምስ ረአዩ፥ ነቲ ህዝቢ በርቲዕዎም ነበረ እሞ፥ ኣብ በዓትታትን ኣብ ቍጥቋጥን ኣብ ኣኻውሕን ኣብ ጐዳጕድን ኣብ ዒላታትን ተሓብኡ። b b v6 ዒላታት ኣብ ከውሒ ተፈሊፎም ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝተሰርሑ፥ ማይ ዝናም ንምእካብን ንምዕቛርን ዝተዳለዉ መዕቘቢ ነበሩ። ገሊኦም ዕብራውያን ድማ ንዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ምድሪ ጋድን ጊልዓድን ከዱ። ሳኦል ግና ኣብ ጌልገላ ፀንሐ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ እናንቀጥቀጠ ሰዓቦ።

ሳኦል ብዘይ ቃል ኣቦ ገበረ

ከምቲ ሳሙኤል ዝወሰኖ ጊዜ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ተፀበየ፤ ሳሙኤል ግና ናብ ጌልገላ ኣይመፀን፤ እቲ ህዝቢ ድማ ካብኡ ፋሕ በለ። ሳኦል ድማ “ነቲ መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ሰላምን ኣምፅኡለይ” በለ። ነቲ መስዋእቲ ምሕራር ከዓ ሰውአ።

ነቲ መስዋእቲ ምሕራር ወዲኡ እንተሎ ድማ፥ ሳሙኤል መፀ፤ ሳኦል ከዓ ክቕበሎ ወፀ፥ ሰላምውን በሎ። “እንታይ ገበርካ?” ኢሉ ሳሙኤል ሓተቶ። ሳኦል ከዓ ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “እቲ ህዝቢ ኻባይ ፋሕ ክብል ረአኹ፤ ንስኻ ድማ በቲ ውሱን ጊዜ ኣይመፃእካን፤ ፍልስጥኤማውያንውን ኣብ ማክማስ ተኣኪቦም ነበሩ፤

ኣነ ድማ ‘ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጌልገላ ናባይ ክወርዱ እዮም፥ ኣነ ኸዓ ገፅ ኣቦና ኣይለመንኩን’ ኢለ ሓሰብኩ። ስለዙይ ተገዲደ ነቲ መስዋእቲ ምሕራር ሰዋእኩ።”

ሳሙኤል ድማ ንሳኦል “ዓሸኻ። ነቲ ኣቦኻ ዝኣዘዘካ ትእዛዝ ኣይሓሎኻዮን። ነዙይ እንተ ትሕልዎ ነይርካስ፥ ኣቦና ንመንግስትኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ምመስረተ፤ ሕዚ ግና መንግስትኻ ኣይፀንሕን እዩ። ኣቦና ነቲ ዝኣዘዘካ ስለ ዘይሓሎኻ፥ ከም ልቡ ዝኾነ ሰብ ንርእሱ ደልዩ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ መራሒ ገይሩ ሾሞ።”

ሳሙኤል ድማ ካብ ጌልገላ ተልዒሉ ናብ ጊብዓ ናይ ብንያም ደየበ። ሳኦል ከዓ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ቘፀሮም፤ ኣስታት ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብኡት ነበሩ።

እስራኤል ብዘይ ኣፅዋር ተሪፎም

ሳኦልን ወዱ ዮናታንን እቲ ምሳታቶም ዝነበረ ህዝብን ድማ ኣብ ጌባ ናይ ብንያም ፀንሑ፤ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ማክማስ ሰፈሩ። እቶም ወረርቲ ድማ ካብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ ኾይኖም ወፁ። ሓደ ኽፍሊ ናብ ዖፍራ ናብ ምድሪ ሹዓል ገፁ፤ ካልእ ኽፍሊ ድማ ናብ ቤትሖሮን ገፁ፤ እቲ ሳልሳይ ከዓ ናብቲ ናብ ለሰ ፀቦዪም ዝጥምት ወሰን፥ ናብ ምድረ በዳ ገፁ። ኣብ ኵሉ እስራኤል ድማ ሰራሒ ሓፂን ኣይተረኽበን፤ ፍልስጥኤማውያን “እንተ ዘይኮነ፥ ዕብራውያን ኣስይፍቲ ወይ ኲናት ክገብሩ እዮም” ኢሎም ነይሮም እዮም እሞ። ስለዙይ ኵሉ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ማሕረሻኡን መዅዓቱን ምሳሩን ማዕፀዱን ክስሕል ናብ ፍልስጥኤማውያን ይወርድ ነበረ። እቲ ዋጋ ኸዓ ከምዙይ ነበረ፦ ማሕረሻን መዅዓትን ሹኻን ንምስሓል ኣስታት ርብዒ ኣውንስ ብሩር፥ ንምሳር ንምስሓልን ንመንሃሪ ከፍቲ መሊስካ ንምስሓልን ድማ ኣስታት ሳምንይቲ ክፋል ኣውንስ ነበረ። c c v21 መንሃሪ ኸብቲ፥ ንኸብቲ ንምድፋእ ዝዓልም፥ ኣብ ርእሱ ዝተሰሓለ ሓፂን ዘለዎ ነዊሕ ዘንግ እዩ ነይሩ። በታ መዓልቲ ውግእ ድማ ኣብቲ ምስ ሳኦልን ዮናታንን ዝነበረ ኵሉ ህዝቢ ሰይፊ ኾነ ኲናት ኣይተረኽበን፤ ኣብ ኢድ ሳኦልን ወዱ ዮናታንን ጥራሕ ደኣ ነበረ እምበር።

ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብቲ መሕለፊ ማክማስ ወፀ።