ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ሳሙኤል ንእስራኤል ንኣቦና ክፈርሁ ይፅውዖም

ሳሙኤል ነቲ መዝነት ኣረከበ፥ ብዔል ወይ ጉቦ ወሲዱ እንተ ኾይኑ ኸዓ ሓተተ፤ ሓደ እኳ ኽኸሶ ኣይከኣለን። ነቲ ኣቦና ዘናግፈሎም ዝነበረን እስራኤል ዝርስዑን ኣገባብ መሊሱ ነገሮም፤ ሽዑ ምልማን ንጉስ ክፉእ ምዃኑ ኽሕብር፥ ኣብ እዋን ዓፀዳ ስርናይ ነጎዳ ኣውረደ።

ምዕራፍ 12።

ሳሙኤል ንዅሎም እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “በቲ ዝበልኩምኒ ዅሉ ድምፅኹም ሰሚዐ፥ ኣብ ልዕሌኹም ድማ ንጉስ ኣንጊሰ። ሕዚ ኸዓ እቲ ንጉስ ኣብ ቅድሜኹም ይኸይድ ኣሎ። ኣነ ኣሪገ ሸምጊለን ኣለኹ፤ ደቀይ ምሳኻትኩም ኣለዉ። ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ተመላለስኩ። እንሆ ኣነ ኣብዙይ ኣለኹ፤ ኣብ ቅድሚ ኣቦናን ኣብ ቅድሚ መሲሑን መስከሩ ኣብ ልዕለይ። ብዔል መን ወሲደ? ኣድጊ መን ወሲደ? ንመን ሸፊፈ? ንመን ጨቒነ? ኣዒንተይ ዘዕውር ናይ መን ጉቦ ተቐቢለ? ንገሩኒ፥ ኣነ ድማ ክፈድየኩም እየ።”

ንሳቶም ከዓ “ኣይሸፈጥካናን፥ ኣይጨቐንካናን፥ ካብ ኢድ ዝኾነ ሰብውን ዝኾነ ነገር ኣይወሰድካን” በልዎ።

ንሳቶም ድማ “ኣብ ኢደይ ዝኾነ ነገር ከም ዘይረኸብኩም፥ ኣቦና ኣብ ልዕሌኹም ምስክር እዩ፥ መሲሑ ድማ ሎሚ ምስክር እዩ” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ምስክር እዩ” በሉ።

ሽዑ ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ ከምዙይ በሎም፦ “ንሙሴን ንኣሮንን ዝሾሞ፥ ንኣቦታትኩም ከዓ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኦም ኣቦና እዩ። ሕዚ ኸዓ ደው በሉ፤ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ምሳኻትኩም ክማጐት እየ፥ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ንኣኻትኩምን ንኣቦታትኩምን ዝገበሮ ፅድቁ።”

ያእቆብ ናብ ግብፂ ምስ ኣተወ፥ ኣቦታትኩም ናብ ኣቦና ተማህለሉ፤ ንሱ ኸዓ ንሙሴን ንኣሮንን ለኣኸ፤ ካብ ግብፂ ኣውፂኡ ድማ ኣብዙይ ኣቐመጦም። ንኣቦና ግና ረስዕዎ እሞ፥ ናብ ኢድ ሲሳራ ሓለቓ ሰራዊት ሓፆር፥ ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን፥ ናብ ኢድ ንጉስ ሞኣብ ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንሳቶም ድማ ተዋግእዎም።

ናብ ኣቦና ድማ ተማህለሉ፦ “በዲልና ኢና፤ ንኣቦና ሓዲግና ነቶም በዓሊምን ኣስታሮትን ኣምሊኽና። ሕዚ ኸዓ ካብ ኢድ ፀላእትና ኣናግፈና፥ ንሕናውን ከነገልግለካ ኢና።” ኣቦና ድማ ንይሩበዓል፥ ንባርቅ፥ ንዮፍታሔ፥ ንሳሙኤል ለኣኸ፤ ካብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዝነበሩ ፀላእትኹም ኣናገፈኩም እሞ፥ ብሰላም ተቐመጥኩም። a a v11 ይሩበዓል ካልእ ስም ጌዴዎን እዩ፤ ንሱ እቲ መሰውኢ በዓል ናይ ኣቦኡ ዘፍረሰ ፈራዲ እዩ።

ንጉስ ደቂ ኣሞን ናዖስ ናባኻትኩም ይመፅእ ከም ዘሎ ምስ ረአኹም፥ “ኣይፋል፥ ንጉስ ይንገሰና” በልኩምኒ፤ ኣቦና ንጉስኹም ክነሱ። ሕዚ ኸዓ እንሆ እቲ ዝሓረኹምዎን ዝለመንኩምዎን ንጉስ። እንሆ ኣቦና ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ሸመ። ንኣቦና እንተ ፈራሕኩምዎ፥ እንተ ኣገልጊልኩምዎን እንተ ተኣዚዝኩምዎን፥ ትእዛዙ ድማ እንተ ዘይዓመፅኩም፥ ንስኻትኩምን ንጉስኩምን ክልቴኹም ንኣቦና እንተ ሰዓብኩምዎ፥ ኵሉ ፅቡቕ ክኸውን እዩ። ንኣቦና እንተ ዘይተኣዘዝኩም ግና፥ ትእዛዙ ድማ እንተ ዓመፅኩም፥ ኢድ ኣቦና ከምቲ ኣብ ኣቦታትኩም ዝገበሮ ኣባኻትኩም ክትቃወመኩም እያ።

ሕዚ ኸዓ ደው ኢልኩም ነዝ ኣቦና ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ክገብሮ ዝቐረበ ዓብዪ ነገር ርኣዩ። ሎሚ ቐውዒ ስርናይዶ ኣይኮነን? ኣነ ናብ ኣቦና ክፅውዕ እየ፤ ንሱ ድማ ነጐድጓድን ዝናምን ክሰድድ እዩ፤ ንጉስ ንባዕልኻትኩም ብምልማንኩም ኣብ ቅድሚ ኣቦና ዝገበርኩምዎ ክፍኣት ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ ምእንቲ ኽትፈልጡ። b b v17 ኣብ መጀመርታ ሃጋይ ኣብ ጊዜ ቐውዒ ስርናይ ዝናም ከቶ ኣይዘንብን እዩ እሞ፥ እቲ ሃንደበት ዝመፀ ነጐድጓድ ዘይማታእ ምልክት ካብ ኣቦና ነበረ።

ሳሙኤል ናብ ኣቦና ፀውዐ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ነጐድጓድን ዝናምን ለኣኸ፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ ከዓ ንኣቦናን ንሳሙኤልን የመና ፈርሑ።

ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ንሳሙኤል “ከይንመውት፥ ምእንቲ ባሮትካ ናብ ኣቦኻ ፀሊ፤ ንጉስ ብምልማን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሓጢኣትና ክፍኣት ወሲኽና ኢና” በልዎ።

ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ ከምዙይ በሎም፦ “ኣይትፍርሑ። እዝ ዅሉ ክፍኣት ገይርኩም ኢኹም፤ ኮይኑ ግና ካብ ምስዓብ ኣቦና ኣይትለገሱ፤ ብምሉእ ልብኹም ደኣ ኣገልግልዎ። ናብ ከንቱ ጣዖታት ኣይተግልሱ፤ ከንቱ እዮም እሞ፥ ኣይጠቕሙን ኣየናግፉንን እዮም። ኣቦና ምእንቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንህዝቡ ኣይሓድጎን እዩ፤ ንስኻትኩም ህዝቢ ርእሱ ክገብረኩም ፈትዩ እዩ እሞ። ኣነ ድማ ምእንታኻትኩም ካብ ምፅላይ ብምቝራፅ ኣብ ኣቦና ፈፂመ ኣይሓጥእን፤ ነቲ ፅቡቕን ቅኑዕን መንገዲ ኽምህረኩም እየ። ንኣቦና ጥራሕ ፍርሕዎ፥ ብሓቂ ብምሉእ ልብኹም ኣገልግልዎ፥ ነቲ ንኣኻትኩም ዝገበሮ ዓበይቲ ግብርታቱ ድማ ኣስተውዕሉ። ክፍኣት ብምግባር እንተ ፀኒዕኹም ግና፥ ንስኻትኩምን ንጉስኩምን ክልቴኹም ክትጠፍኡ ኢኹም።”