ኣቦና ንእስራኤል ብሳኦል ኣቢሉ የድሕኖ
ናዖስ ንኢያቢስ ገለዓድ ነፍሲ ወከፍ የማናይ ዓይኖም ብምንቛር ሰላም ኣቕረበሎም። ሳኦል እቲ ወረ ምስ መፀ ደድሕሪ ኣብዑሩ ኻብ ግራ ይመፅእ ነበረ፤ መንፈስ ኣቦና ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፥ ንኣብዑሩ ቘራሪፁ ንእስራኤል ፀውዐ፥ ንደቂ ኣሞን ድማ ክሳዕ ንግሆ ሰዓሮም። ነቶም ዝነቐፍዎ ኽቐትል ኣበየ፦ ኣቦና ሎሚ ንእስራኤል ኣድሒኑ።
11 1ሽዑ ናዖስ በዓል ኣሞን ደዪቡ ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ሰፈረ። ኵሎም ሰብ ኢያቢስ ድማ ንናዖስ “ምሳና ኺዳን ተኣታቶ፥ ንሕናውን ክንግዛአልካ ኢና” በልዎ።
2ናዖስ በዓል ኣሞን ድማ “ብኸምዙይ ኺዳን ምሳኻትኩም ክኣቱ እየ፦ ናይ ነፍሲ ወከፍ የማናይ ዓይኒ ክነቍር፥ ኣብ ልዕሊ ኵሉ እስራኤልውን ውርደት ከምፅእ እየ” ኢሉ መለሰ።
3ዓበይቲ ኢያቢስ ድማ “ናብ ኵሉ ወሰን እስራኤል ልኡኻት ክንሰድድ ሸውዓተ መዓልቲ ሃቡና፤ ዘድሕነና እንተ ዘይተረኽበ ኸዓ፥ ናባኻ ክንወፅእ ኢና” በልዎ። 4እቶም ልኡኻት ናብ ጊብዓ ሳኦል በፂሖም፥ ነቲ ዝኾነ ነገር ነቶም ህዝቢ ነገርዎም፤ ኵሎም ድማ ዓው ኢሎም በኸዩ።
5ሽዑ ሳኦል ደድሕሪ ኣብዑሩ ኻብ ግራ መፀ፤ “ነዞም ህዝቢ እንታይ ኴኖም? ስለ ምንታይከ ይበኽዩ ኣለዉ?” ድማ በለ። ንሳቶም ከዓ ነቲ ወረ ሰብ ኢያቢስ ነገርዎ። 6ሳኦል እዘን ቃላት እዚኣተን ምስ ሰምዐ፥ መንፈስ ኣቦና ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፤ ኵራኡ ድማ የመና ነደደ። 7ፅምዲ ኣብዑር ወሲዱ ድማ በብኽፍሉ ቘራረፆም፤ ብልኡኻት ኣቢሉ ኸዓ ናብ ኵሉ ወሰን እስራኤል ሰዲዱ ከምዙይ በለ፦ “ደድሕሪ ሳኦልን ሳሙኤልን ዘይወፀ ዘበለ፥ ኣብዑሩ ኸምዙይ ክግበር እዩ።” ሽዑ ፍርሓት ኣቦና ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ወደቐ፤ ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም ድማ ወፁ። 8ኣብ ቤዜቅ ድማ ቈፀሮም፤ ደቂ እስራኤል ሰለስተ ሚእቲ ሺሕ፥ ሰብ ይሁዳ ኸዓ ሰላሳ ሺሕ ነበሩ። 9ነቶም ዝመፁ ልኡኻት ድማ ከምዙይ በልዎም፦ “ንሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ‘ፅባሕ ፀሓይ ምስ ረስነት፥ ምድሓን ክትረኽቡ ኢኹም’ በልዎም።” እቶም ልኡኻት ከዓ ኸይዶም ንሰብ ኢያቢስ ነገርዎም፤ ንሳቶም ድማ ተሓጐሱ። 10ሰብ ኢያቢስ ድማ “ፅባሕ ናባኻ ክንወፅእ ኢና፤ ከምቲ ዝሰናኣካ ዘበለ ኸዓ ግበረልና” በሉ። 11ንፅባሒቱ ድማ ሳኦል ነቲ ህዝቢ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ መቐሎም፤ ኣብ ሓለዋ ወጋሕታ ኸዓ ናብ ሰፈር ኣትዮም ንደቂ ኣሞን ክሳዕ ሃሩር መዓልቲ ቀተልዎም። እቶም ዝተረፉ ድማ ክልተ ኾይኖም ሓቢሮም ከይተረፉ ፋሕ በሉ።
እቲ መንግስቲ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ተሓደሰ
12እቲ ህዝቢ ድማ ንሳሙኤል “‘ሳኦል ኣብ ልዕሌና ኽነግስዶ እዩ?’ ኢሉ ዝበለ መን እዩ? ነቶም ሰባት ኣምፅኡልና፥ ክንቀትሎም ኢና” በልዎ።
13ሳኦል ግና “ኣቦና ሎሚ ንእስራኤል ኣድሒኑ እዩ እሞ፥ ሎሚ ሓደ እኳ ኣይቕተልን እዩ” በለ።
14ሳሙኤል ድማ ነቲ ህዝቢ “ንዑ፥ ናብ ጌልገላ ንኺድ እሞ ኣብኣ ነቲ መንግስቲ ንሓድሶ” በሎም። 15ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ናብ ጌልገላ ኸይዱ፥ ኣብኣ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ንሳኦል ኣንገስዎ። ኣብኣ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ኣቦና መስዋእቲ ምስጋና ሰውኡ፤ ሳኦልን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ድማ የመና ተሓጐሱ።