ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦና ንሳኦል መስፍን ገይሩ ይቐብኦ

ሳሙኤል ዘይቲ ኣብ ርእሲ ሳኦል ኣፍሰሶ፥ ከም ቅቡእ ኣቦና ድማ ብሰለስተ ምልክታት ሰደዶ፤ መንፈስ ኣቦና ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፥ ተነበየ ኸዓ። ድሕሪኡ ዕጫ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ናብኡ ምስ ወደቐ፥ ኣብ መንጎ ኣቑሑ ተሓቢኡ ረኸብዎ። ገሊኦም ድማ እዝ ሰብኣይ እዙይ ከመይ ገይሩ ንመን ከድሕን ይኽእል ኢሎም ሓተቱ።

ምዕራፍ 10።

ሳሙኤል ድማ ብልቃጥ ዘይቲ ኣልዒሉ ኣብ ርእሲ ሳኦል ኣፍሰሶ፤ ሰዓሞ ከዓ ከምዙይ በሎ፦ “ኣቦና ኣብ ልዕሊ ርስቱ መስፍን ገይሩ ኣይቀብአካን ድዩ? ሎሚ ካባይ ምስ ተፈለኻ፥ ኣብ ወሰን ብንያም ኣብ ፄልፃሕ ኣብ ጥቓ መቓብር ራሄል ክልተ ሰባት ክትረክብ ኢኻ። ንሳቶም ድማ ‘እተን ዝደለኻየን ኣእዱግ ተረኺበን፤ ኣቦኻ ንዐአን ሓዲጉ ሕዚ “ብዛዕባ ወደይ እንታይ ክገብር?” እናበለ ብዛዕባኻ ይጭነቕ ኣሎ’ ክብሉኻ እዮም።

ካብኡ ሓሊፍካ ናብ ኦም ታቦር ኪድ፤ ኣብኡ ናብ ኣቦና ናብ ቤቴል ዝድይቡ ሰለስተ ሰባት ክትረክብ ኢኻ፤ ሓደ ሰለስተ ማሕስእ ጤለ፥ ሓደ ሰለስተ እንጀራ፥ ሓደ ድማ ሓርቢ ወይኒ ተሸኪሞም። ሰላም ክብሉኻ፥ ክልተ እንጀራ ድማ ክህቡኻ እዮም፤ ንስኻ ኸዓ ካብ ኢዶም ክትቅበሎ ኢኻ።

ድሕሪኡ ናብ ጊብዓ ኣቦና ክትመፅእ ኢኻ፤ ኣብኡ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ኣሎ። ናብታ ኸተማ ምስ ኣተኻ ድማ፥ መሰንቆን ከበሮን እምቢልታን በገናን ኣብ ቅድሚኦም ተማሊኦም ካብቲ በረኽ እናተነበዩ ዝወርዱ ጉባኤ ነቢያት ክትረክብ ኢኻ። መንፈስ ኣቦና ኣብ ልዕሌኻ ክወርድ እዩ፤ ምሳቶም ድማ ክትንበ ኢኻ፤ ካልእ ሰብ ከዓ ክትከውን ኢኻ። እዞም ምልክታት እዚኣቶም ምስ መፁኻ፥ ኣቦና ምሳኻ እዩ እሞ፥ ኢድካ ዝረኸበቶ ግበር። ቀቅድመይ ናብ ጌልገላ ውረድ። ኣነ ድማ ዝቃፀል መስዋእቲ ከዕርግን መስዋእቲ ሰላም ክስውእን፥ ናባኻ ብርግፅ ክወርድ እየ። ክሳዕ ናባኻ ዝመፅእ፥ እትገብሮ ኸዓ ክሳዕ ዝነግረካ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ተፃበ።”

ምልክታት ኣቦና ይፍፀሙ

ሳኦል ካብ ሳሙኤል ንምኻድ ምስ ዞረ፥ ኣቦና ልቡ ለወጠሉ፤ እዞም ዅሎም ምልክታት እዚኣቶም ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ተፈፀሙ። ኣብ ጊብዓ ጉባኤ ነቢያት ተራኸብዎ፤ መንፈስ ኣቦና ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፤ ኣብ ማእኸሎም ከዓ ተነበየ። እቶም ቀደም ዝፈልጥዎ ዅሎም፥ ምስ ነቢያት ክንበ ምስ ረአይዎ፥ ህዝቢ ንሓድሕዶም “ነቲ ወዲ ቂስ እንታይ ኮይኑ? ሳኦል እውንዶ ኻብ ወገን ነቢያት እዩ?” እናበሉ ተጠያየቑ።

ካብኡ ሓደ ሰብ ድማ “ኣቦኦም መን እዩ?” በለ። ስለዙይ “ሳኦል እውንዶ ኻብ ወገን ነቢያት እዩ?” ዝብል ምስላ ኾነ። a a v12 እቲ "ኣቦኦም መን እዩ?" ዝብል ሕቶ፥ ነቢያት ፍሉይ ትውልዲ ኸም ዘየድልዮም የመልክት — ዝኾነ ሰብ ነቲ መንፈስ ክቕበሎ ይኽእል። ምንባይ ምስ ወድአ ድማ፥ ናብቲ በረኽ ደየበ።

ሓወቦ ሳኦል ድማ ንእኡን ነቲ ኣገልጋሊኡን “ናበይ ከድኩም?” በሎም። ንሱ ኸዓ “ነተን ኣእዱግ ክንደሊ፤ ኣብኡ ኸም ዘይነበረ ምስ ረአና ድማ ናብ ሳሙኤል መፂእና” በለ።

ሓወቦ ሳኦል ድማ “ሳሙኤል እንታይ ከም ዝበለካ፥ በጃኻ ንገረኒ” በሎ።

ሳኦል ድማ ንሓወቦኡ “እተን ኣእዱግ ከም ዝተረኽባ ኣረጋጊፁ ነጊሩና” በሎ። ሳኦል ግና ሳሙኤል ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ዝበሎ፥ ንሓወቦኡ ኣይነገሮን።

ኣቦና ነቲ ዝሓረዮ ንጉስ ይገልፅ

ሽዑ ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ ናብ ኣቦና ናብ ምፅጳ ፀውዖም።

ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ኣቦ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣነ ንእስራኤል ካብ ግብፂ ኣውፂአ፥ ካብ ኢድ ግብፃውያንን ካብ ኵለን እተን ዝጨቍናኹም ዝነበራ መንግስታትን ኣድሒነኩም።’

ሎሚ ግና ንኣቦኹም፥ ነቲ ባዕሉ ኻብ ኵሉ መከራኹምን ፀበባኹምን ዘድሕነኩም፥ ነዓቕኩምዎ፤ ‘ኣይኮነን፥ ንጉስ ኣንግሰልና’ ኢልኩም ኸዓ። ሕዚ ድማ በብነገድኹምን በብዓሌትኹምን ኣብ ቅድሚ ኣቦና ቕረቡ።” b b v19 እስራኤል ሰብኣዊ ንጉስ ምሕታቶም፥ ብመሰረቱ ነቲ ኣቦኦም ባዕሉ ብፍቕሪ ዝገዝኣሎም ዝነበረ ምንፃግ እዩ ነይሩ።

ሳሙኤል ንዅሎም ነገድ እስራኤል ምስ ኣቕረበ ድማ፥ ነገድ ብንያም ብዕፃ ተሓርየ። ንነገድ ብንያም በብዓሌቱ ምስ ኣቕረቦ ድማ፥ ዓሌት ማጥሪ ተሓርየ፤ ሽዑ ሳኦል ወዲ ቂስ ተሓርየ። ደለይዎ፥ ክረኽብዎ ግና ኣይከኣሉን።

ስለዙይ መሊሶም ንኣቦና “እቲ ሰብ ናብዙይ መፂኡ ድዩ?” ኢሎም ሓተትዎ። ኣቦና ድማ “እንሆ ኣብ ማእኸል ኣቕሑ ተሓቢኡ ኣሎ” በለ።

ጐይዮም ድማ ካብኡ ኣምፅእዎ። ኣብ ማእኸል ህዝቢ ደው ምስ በለ ኸዓ፥ ካብ ማእገሩ ንላዕሊ ኻብ ኵሉ ህዝቢ ነዊሕ ነበረ። ሳሙኤል ድማ ንዅሎም ህዝቢ “ነቲ ኣቦና ዝሓረዮ ርኢኹምዎ ዶ? ካብ ኵሉ ህዝቢ ኸምኡ ዝበለ የለን” በሎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ “ንጉስ ይንበር!” ኢሎም ዓለሉ።

ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ ስርዓት መንግስቲ ነገሮም፤ ኣብ መፅሓፍ ፀሒፉ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኣንበሮ። ሽዑ ሳሙኤል ንዅሎም ህዝቢ ነፍሲ ወከፎም ናብ ቤቱ ኣፋነዎም። ሳኦል እውን ናብ ቤቱ ናብ ጊብዓ ኸደ፤ ምስኡ ድማ እቶም ኣቦና ልቦም ዝተንከፎ ሓያላት ከዱ። ገለ ከንቱ ሰባት ግና “እዝ ሰብ እዙይ ከመይ ኢሉ ኼድሕነና እዩ?” በሉ። ነዓቕዎ ድማ፥ ህያብ ከዓ ኣየምፅኡሉን። ሳኦል ግና ስቕ በለ።