ኣቦ ንሳኦል ናብ ሳሙኤል ይመርሖ
ሳኦል ነቶም ዝጠፍኡ ኣእዱግ ኣቦኡ ክደሊ ከደ፥ ግና ኣይረኸቦምን፤ ሓደ ኣገልጋሊ ኸዓ ነቲ ኣብታ ኸተማ ዘሎ ረኣዪ ክሓቱ መኸሮ። ሳሙኤል ድማ ኣቦና ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ዝገለፀሉ፥ ተፈልዩ ዝተቐመጠ ስጋ ሒዙ ይፅበ ነበረ፤ እቲ እስራኤል ዘኽብሮ ዅሉ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ሳኦል ከም ዝዓርፍ ድማ ኣመልከተ።
9 1ካብ ብንያም ዝኾነ ቂስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ፤ ንሱ ወዲ ኣቢኤል፥ ወዲ ዘሮር፥ ወዲ ቤኮራት፥ ወዲ ኣፍያሕ ነበረ፤ ብንያማዊ ሰብኣይ፥ ሃብታምን ክቡርን ሰብ ነበረ። 2ሳኦል ዝስሙ ወዲ ነበሮ፤ መልክዐኛ መንእሰይ ነበረ፤ ካብ ደቂ እስራኤል ካብኡ ዝመልክዐ ሰብ ኣይነበረን፤ ካብ ማእገሩ ንላዕሊ ድማ ካብ ኵሉ ነውሐ።
3ኣእዱግ ቂስ ኣቦ ሳኦል ጠፍኡ፤ ስለዙይ ቂስ ንወዱ ሳኦል “ሓደ ኻብቶም ኣገልገልቲ ተማሊእኻ ኺድ እሞ ነቶም ኣእዱግ ድለዮም” በሎ። 4ነእምባታት ኤፍሬምን ንምድሪ ሻሊሻን ሓለፈ፥ ግና ኣይረኸብዎምን። ንምድሪ ሻዓሊምውን ሓለፉ፥ ግና እቶም ኣእዱግ ኣብኡ ኣይነበሩን። ንምድሪ ብንያምውን ሓለፈ፥ ግና ከምኡ ኣይረኸብዎምን።
5ናብ ምድሪ ናሲብ ምስ በፅሑ ድማ፥ ሳኦል ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኣገልጋሊ “ነዓ፥ ንመለስ፤ ኣቦይ ብዛዕባ እቶም ኣእዱግ ምጭናቑ ሓዲጉ ብዛዕባና ከይጭነቕ” በሎ።
6እቲ ኣገልጋሊ ግና “እንሆ፥ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ክቡር ናይ ኣቦና ሰብኣይ ኣሎ፤ ዝብሎ ዅሉ ብርግፅ ይፍፀም። ሕዚ ናብኡ ንኺድ፤ ምናልባሽ ኣየናይ መንገዲ ኸም እንኸይድ ክነግረና ይኽእል እዩ” በለ።
7ሳኦል ድማ ነቲ ኣገልጋሊኡ “እንተ ኸድና ግና፥ ንቲ ሰብኣይ እንታይ ክነምፅኣሉ ንኽእል፧ እቲ ኣብ ኣቝሑና ዝነበረ እንጀራ ወዲኡ እዩ፤ ንቲ ናይ ኣቦና ሰብኣይ እነምፅኦ ህያብ የብልናን። እንታይ ኣሎና፧” በሎ።
8እቲ ኣገልጋሊ ድማ ንሳኦል መሊሱ “እንሆ፥ ኣብ ኢደይ ንእሽተይ ብሩር ኣሎኒ፤ ንቲ ናይ ኣቦና ሰብኣይ ክህቦ እየ እሞ፥ መንገድና ክነግረና እዩ” በሎ። 9(ቀደም ኣብ እስራኤል፥ ንኣቦና ክሓትት ዝኸይድ ሰብ “ናብቲ ረኣዪ ንኺድ” ይብል ነበረ፤ እቲ ሎሚ ነቢይ ዝብሃል፥ ቀደም ረኣዪ ይብሃል ነበረ እሞ።)
10ሳኦል ድማ “ፅቡቕ፤ ንኺድ” ኢሉ መለሰ። ስለዙይ ናብታ እቲ ናይ ኣቦና ሰብኣይ ዘለዋ ኸተማ ኸዱ። 11ናብታ ኸተማ ዝወስድ ዓቐብ እናደየቡ እንተለዉ፥ ማይ ክቐድሓ ዝወፃ ኣጓላት ረኸቡ እሞ “እቲ ረኣዪዶ ኣብዙይ ኣሎ፧” ኢሎም ጠየቕወን።
12ንሳተን ድማ “እወ ኣሎ፤ እንሆ ቀቅድሜኹም ኣሎ። እቲ ህዝቢ ኣብቲ በረኽ መስዋእቲ ኣለዎም እሞ፥ ሎሚ ናብ ከተማ መፂኡ እዩ፤ ተሎ በሉ። 13ናብ ከተማ ምስ ኣተኹም ብኡንብኡ፥ ናብ በረኽ ክበልዕ ከይደየበ ኽትረኽብዎ ኢኹም። ንሱ ነቲ መስዋእቲ ክባርኾ ስለ ዘለዎ፥ እቲ ህዝቢ ክሳዕ ዝመፅእ ኣይበልዑን እዮም፤ ድሕሪኡ እዮም እቶም ዕዱማት ዝበልዑ። ሕዚ ደይቡ፤ ብኡብኡ ኽትረኽብዎ ኢኹም።”
14ንሳቶም ድማ ናብ ከተማ ደየቡ። ናብታ ኸተማ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ እንሆ ሳሙኤል ናብ በረኽ ክድይብ እናኸደ ኣንፃሮም መፀ።
15ሳኦል ቅድሚ ምምፅኡ በታ ቅድሚኣ ዝነበረት መዓልቲ ድማ፥ ኣቦና ንሳሙኤል ከምዙይ ገሊፁሉ ነበረ፦
16“ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ፥ ካብ ምድሪ ብንያም ሓደ ሰብኣይ ክሰደልካ እየ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኽኸውን ቅብኣዮ፤ ንሱ ኸዓ ንህዝበይ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕኖም እዩ፤ ንህዝበይ ርእየ እየ እሞ፥ ኣውያቶምውን ናባይ በፂሑኒ።”
17ሳሙኤል ንሳኦል ምስ ረአዮ፥ ኣቦና “እቲ ዝነገርኩኻ ሰብኣይ እንሆ፤ እዝ ሰብ እዙይ ንህዝበይ ከመሓድር እዩ” በሎ።
18ሳኦል ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ናብ ሳሙኤል ቀሪቡ “በይዛኻ ቤት እቲ ረኣዪ ኣበይ ምዃና ንገረኒ” በሎ።
19ሳሙኤል ድማ “እቲ ረኣዪ ኣነ እየ፤ ቅድመይ ናብ በረኽ ደይብ፤ ሎሚ ምሳይ ክትበልዕ ኢኻ፤ ንግሆ ድማ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዅሉ ነጊረ ክሰደካ እየ። 20እቶም ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ዝጠፍኡ ኣእዱግ ተረኺቦም እዮም እሞ፥ ብዛዕባኦም ኣይትጨነቕ። እቲ እስራኤል ዝብህጎ ዅሉ ናይ መን እዩ፧ ናትካን ናይ ኵሉ ቤት ኣቦኻንዶ ኣይኮነን፧” በሎ።
21ሳኦል ድማ “ኣነ ኻብቲ ዝነኣሰ ነገድ እስራኤል ዝኾነ ብንያማዊዶ ኣይኮንኩን፧ ዓሌተይከ ኻብ ኵሎም ዓሌታት ብንያም እቲ ዝነኣሰዶ ኣይኮነን፧ ስለ ምንታይ ደኣ ኸምዙይ ትብለኒ፧” ኢሉ መለሰ።
22ሽዑ ሳሙኤል ንሳኦልን ነቲ ኣገልጋሊኡን ናብ ኣዳራሽ ኣእተዎም፤ ኣብ ርእሲ እቶም ኣስታት ሰላሳ ዝኾኑ ዕዱማት ከዓ ኣቐመጦም። 23ሳሙኤል ድማ ነቲ ኣብሳሊ “እቲ ኣነ ዝሃብኩኻ ብፅሒት፥ እቲ ‘ኣንብሮ’ ዝበልኩኻ ኣምፅኣዮ” በሎ። 24እቲ ኣብሳሊ ድማ ነታ እግርን ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝነበረን ኣልዒሉ፥ ኣብ ቅድሚ ሳኦል ኣንበሮ። ሳሙኤል ከዓ “እንሆ እቲ ተሓልዩልካ ዝነበረ፤ ካብቲ ‘ነዞም ህዝቢ ዓዲመ ኣለኹ’ ዝበልኩሉ ጀሚሩ፥ ነዛ ጊዜ እዚኣ ንኣኻ ተዓቚሩ ነበረ እሞ፥ ብላዕ” በሎ። ስለዙይ ሳኦል በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ሳሙኤል በልዐ።
25ካብ በረኽ ድማ ናብ ከተማ ወረዱ፤ ሳሙኤል ከዓ ኣብ ናሕሲ ምስ ሳኦል ተዛረበ። 26ኣንጊሆም ተሲኦም፤ ኣጋ ወጋሕታ ኸዓ ሳሙኤል ንሳኦል ኣብ ናሕሲ “ክሰደካ እየ እሞ ተንስእ” ኢሉ ፀውዖ። ሳኦል ድማ ተንስአ፤ ክልቲኦም፥ ንሱን ሳሙኤልን፥ ናብ ደገ ብሓባር ወፁ። 27ናብ ወሰን ከተማ እናወረዱ እንተለዉ፥ ሳሙኤል ንሳኦል “ነቲ ኣገልጋሊ ቀቅድሜና ይኺድ በሎ” በሎ፤ ንሱ ኸዓ ኸደ፤ “ንስኻ ግና፥ ቃል ኣቦና ምእንቲ ኽነግረካ፥ ቁሩብ ፀንሕ” በሎ።