ሓደ ህዝቢ ካብ ንጉሱ ይግለስ
ደቂ ሳሙኤል ጉቦ ተቐበሉ፤ ስለዙይ ዓበይቲ ከምቲ ዅሎም ኣህዛብ ዝገዝኦም ንጉስ ለመኑ። ኣቦና ድማ ንሳሙኤል ነቲ ዝተነዓቐ ንሱ እምበር ሳሙኤል ከም ዘይኮነ ነገሮ። ሳሙኤል ከዓ ንጉስ እንታይ ከም ዝወስድ፥ ደቆም፥ ኣዋልዶም፥ ገራሁ፥ ዓስራት ኵሉ፥ ኣፀቢቑ ነገሮም፤ እቲ ህዝቢ ግና ገና እወ በሉ።
8 1ሳሙኤል ምስ ኣረገ፥ ንደቁ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ፈራዶ ገይሩ ሾሞም። 2በዅሪ ወዱ ኢዩኤል፥ ካልኣዩ ኸዓ ኣብያ ነበረ፤ ኣብ ቤርሳቤህ ድማ ፈራዶ ኾይኖም የገልግሉ ነበሩ። 3ደቁ ግና ብመንገዱ ኣይከዱን፤ ደድሕሪ ረብሓ ዓመፃ ሰዓቡ፥ መማለጃ ተቐበሉ፥ ንፍርዲ ኸዓ ኣጣመምዎ።
4ሽዑ ዓበይቲ እስራኤል ኵሎም ተኣኪቦም፥ ኣብ ራማ ናብ ሳሙኤል መፁ። 5ንሳቶም ድማ ከምዙይ በልዎ፦ “ንስኻ ኣሪግካ ኢኻ፤ ደቅኻ ድማ ብመንገድኻ ኣይከዱን እዮም። ሕዚ ኸዓ ከምቲ ዅሎም ኣህዛብ፥ ዝገዝአና ንጉስ ሹመልና።” 6“ዝገዝአና ንጉስ ሃበና” ምስ በሉ ኸዓ፥ እዝ ነገርዙይ ኣብ ኣዒንቲ ሳሙኤል ክፉእ ኮነ፤ ሳሙኤል ድማ ናብ ኣቦና ፀለየ።
7ኣቦና ድማ ንሳሙኤል ከምዙይ በሎ፦ “ነቲ ህዝቢ በቲ ዝብሉኻ ዅሉ ስምዖም፤ ንዓኻ ኣይኮኑን ዝነዓቑ፥ ኣነ ኣብ ልዕሊኦም ከይነግስ ደኣ ንዒቖምኒ እዮም። 8ካብታ ኻብ ግብፂ ዘውፃእኽዎም መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ ሎሚ፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እናኣገልገሉ ንዓይ ከም ዝሓደጉ፥ ንዓኻ እውን ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ። 9ሕዚ ኸዓ ስምዖም፤ ኣበርቲዕካ ግና ኣጠንቅቆም፤ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝነግስ ንጉስ ብኸመይ ከም ዝገዝኦም ድማ ንገሮም።”
ሳሙኤል ብዛዕባ መገዲ እቲ ንጉስ የጠንቅቕ
10ሳሙኤል ድማ ነቶም ንጉስ ዝለመንዎ ህዝቢ፥ ኵሉ ቓል ኣቦና ነገሮም። 11ከምዙይ ኢሉ ኸዓ በሎም፦ “እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝነግስ ንጉስ ዝገብሮ እዙይ እዩ፦ ንደቅኹም ወሲዱ ኣብ ሰረገላታቱን ኣብ ፈረሰኛታቱን ይሽይሞም፤ ቀቅድሚ ሰረገላታቱ ኽጐዩ ድማ ይገብሮም። 12ንርእሱ ኸዓ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሓምሳን ገይሩ ይሽይሞም፤ ገሊኦም ግራቱ ኽሓርሱን እኽሊ ኽዓፅዱን፥ ገሊኦም ድማ ኣፅዋር ውግኡን ኣቕሑ ሰረገላኡን ክሰርሑ ይገብሮም። 13ኣዋልድኩም ድማ ሽቶ ዝሰርሓ፥ መግቢ ዝሰርሓ፥ ባኒ ዝስንክታ ክኾና ይወስደን። 14ዘዝበለፀ ግራትኩም፥ ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኣታኽልቲ ኣውሊዕኩምን ወሲዱ፥ ንባሮቱ ይህቦም። 15ካብ እኽልኹምን ካብ ኣታኽልቲ ወይንኹምን ዓስራት ወሲዱ፥ ንሹመኛታቱን ንባሮቱን ይህቦ። 16ባሮትኩም፥ ኣግራድኩም፥ ዝበለፀ መንእሰያትኩምን ኣእዱግኩምን ድማ ወሲዱ፥ ንስራሕ የውዕሎም። 17ካብ ኣባጊዕኹም ዓስራት ይወስድ፤ ንስኻትኩም ባዕልኹም ድማ ባሮቱ ክትኮኑ ኢኹም። 18በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ፥ ብሰሪ እቲ ንባዕልኹም ዝሓረኹምዎ ንጉስ ክተእውዩ ኢኹም፤ ኣቦና ግና በታ መዓልቲ እቲኣ ኣይክምልሰልኩምን እዩ።”
19እቲ ህዝቢ ግና ቃል ሳሙኤል ክሰምዕ ኣበየ። ከምዙይ ኢሎም ከዓ በሉ፦ “ኣይፋል! ኣብ ልዕሌና ዝነግስ ንጉስ ንደሊ ኣለና፥ 20ሽዑ ኸም ኵሎም ኣህዛብ ክንኸውን ኢና፤ ንጉስና ኸዓ ይገዝአና፥ ኣብ ቅድሜና ወፂኡ ይምርሓና፥ ውግእና ድማ ይዋጋእ።”
21ሳሙኤል ኵሉ ቓል እቲ ህዝቢ ምስ ሰምዐ፥ ኣብ እዝኒ ኣቦና ደገሞ።
22ኣቦና ድማ ንሳሙኤል “ስምዖም፤ ንጉስ ድማ ሃቦም” በሎ። ሽዑ ሳሙኤል ንሰብ እስራኤል “ኪዱ፥ ነፍሲ ወከፍ ናብ ዓዱ” በሎም።