ኣቦ ንዝተነስሐ እስራኤል የድሕን
ድሕሪ ዕስራ ዓመት ሳሙኤል ንእስራኤል ነቶም ባዕዳን ኣማልኽቲ ብምሉእ ልቦም ኣልዮም ናብ ኣቦና ክምለሱ ነገሮም። ኣብ ምፅጳ ተኣኪቦም ፆሙ፥ ተናዘዙ ከዓ፤ ፍልስጥኤማውያን ምስ ወረርዎም ድማ ኣቦና ኣብ ልዕሊኦም ኣንጐድጐደ። ሳሙኤል ከዓ ኤብንዔዘር ዝበሃል እምኒ ኣቝሙ፦ ክሳዕ ሕዚ ኣቦና ረዲኡና።
7 1ሰብ ቅርያት የዓሪም መፂኦም ንታቦት ኣቦና ወሲዶም፥ ናብታ ኣብ ኰረብታ ዘላ ቤት ኣሚናዳብ ኣምፅእዎ፤ ንወዱ ኣልኣዛር ድማ ነቲ ታቦት ኣቦና ክሕሉ ቀደስዎ። 2እታ ታቦት ኣብ ቅርያት የዓሪም ካብ ዝዓረፈትላ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ነዊሕ ዘመን ሓለፈ፤ ዕስራ ዓመትውን ኮነ፤ ኵሉ ቤት እስራኤል ከዓ ሓዘነ፤ ንኣቦናውን ይደልዮ ነበረ። 3ሳሙኤል ድማ ንኵሉ ቤት እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ብምሉእ ልብኹም ናብ ኣቦና እንተ ተመሊስኩም፥ ነቶም ባዕዳን ኣማልኽትን ነተን ኣስታሮትን ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቑ፤ ልብኹም ናብ ኣቦና ኣቕንዑ፥ ንእኡ ጥራሕ ኣምልኹ፤ ንሱ ከዓ ካብ ፍልስጥኤማውያን ከድሕነኩም እዩ።” 4ደቂ እስራኤል ድማ ነቶም በዓሊምን ነተን ኣስታሮትን ኣወገዱ፤ ንኣቦና ጥራሕ ከዓ ኣምለኹ። 5ሳሙኤል ድማ “ንኵሉ እስራኤል ኣብ ምፅጳ ኣክብዎም፤ ኣነ ኸዓ ምእንታኹም ናብ ኣቦና ክፅሊ እየ” በለ። 6ኣብ ምፅጳ ተኣኪቦም ድማ ማይ ቀድሑ፤ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኸዓ ኣፍሰስዎ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ፆሙ፤ “ንኣቦና በዲልና ኢና” ኢሎምውን ተናዘዙ። ሳሙኤል ከዓ ኣብ ምፅጳ ንእስራኤል ፈረዶም። a a v6 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ማይ ምፍሳስ፥ ናይ ፀሎትን ሓዘንን ርእስኻ ምትሕትሓትን ስርዓታዊ ተግባር ነበረ።
7ፍልስጥኤማውያን ደቂ እስራኤል ኣብ ምፅጳ ኸም ዝተኣከቡ ምስ ሰምዑ፥ ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ናብ እስራኤል ደዪቦም ወረርዎም። ደቂ እስራኤል ድማ ምስ ሰምዑ ንፍልስጥኤማውያን ፈርሕዎም። 8ደቂ እስራኤል ድማ ንሳሙኤል “ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ምእንቲ ኸድሕነና፥ ምእንታና ናብ ኣቦና ምጥራዕ ኣይተቛርፅ” በልዎ። 9ሳሙኤል ድማ ሓደ ዝጠቡ ገንሸል ወሲዱ፥ ንኣቦና ምሉእ ዝቃፀል መስዋእቲ ገይሩ ኣቕረቦ። ሳሙኤል ምእንቲ እስራኤል ናብ ኣቦና ጠርዐ፤ ኣቦናውን መለሰሉ። 10ሳሙኤል ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ እናቕረበ እንተሎ፥ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ክዋግእዎም ቀረቡ። በታ መዓልቲ እቲኣ ግና ኣቦና ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ብዓብዪ ድምፂ ኣንጐድጐደ፤ ኣደንገፆም ከዓ፤ ኣብ ቅድሚ እስራኤልውን ተስዓሩ። 11ሰብ እስራኤል ድማ ካብ ምፅጳ ወፂኦም ንፍልስጥኤማውያን ሰዓብዎም፤ ክሳዕ ታሕቲ ቤትካር ከዓ ወቕዕዎም።
12ሳሙኤል ድማ ሓደ እምኒ ወሲዱ፥ ኣብ መንጎ ምፅጳን ሴንን ኣቝሙ፤ “ክሳዕ ሕዚ ኣቦና ረዲኡና” ኢሉ ኸዓ ኤብንዔዘር ኢሉ ሰመዮ። b b v12 ኤብንዔዘር ማለት “እምኒ ረድኤት” ማለት እዩ፤ ሳሙኤል ኣቦና ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝተሸከሞም ንምዝካር ኣቝሞ። 13ከምዙይ ፍልስጥኤማውያን ተዋረዱ፤ ናብ ዶብ እስራኤልውን ከምብሓድሽ ኣይወረሩን፤ ኢድ ኣቦና ድማ ብዅሉ ዘመን ሳሙኤል ፀረ ፍልስጥኤማውያን ኮነት። 14እተን ፍልስጥኤማውያን ዝወሰድወን ከተማታት፥ ካብ ኣቃሮን ክሳዕ ጌት፥ ንእስራኤል ተመልሳ፤ እስራኤል ድማ ዶቡ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን መለሰ። ኣብ መንጎ እስራኤልን ኣሞራውያንን ከዓ ሰላም ኮነ።
15ሳሙኤል ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ንእስራኤል ፈረዶም። 16ዓመት ዓመት ድማ እናዞረ ናብ ቤቴልን ጌልገላን ምፅጳን ይኸይድ፤ ኣብዝ ኵሉ ቦታታት እዙይ ከዓ ንእስራኤል ይፈርዶም ነበረ። 17ናብ ቤቱ ናብ ራማ ተመሊሱ ድማ ኣብኡ ንእስራኤል ይፈርዶም ነበረ። ኣብኡ ኸዓ ንኣቦና መሰውኢ ሰርሐ።