ታቦት ኣቦና ናብ እስራኤል ይምለስ
ካህናት ነታ ታቦት ምስ ሕበጥ ወርቅን ኣናፁ ወርቅን፥ ኣብ ሰረገላ ጌይሮም፥ ብኽልተ ምራኹተን ዝተዓፀዉለን ዘጥብዋ ኣላሕም ስሒቦም ናብ ዓዳ ክሰድዎ መኸሩ። እተን ኣላሕም ድማ ድምፀን እናስምዓ ትኹል ናብ ቤትሳሜስ ከዳ። እቶም ዓፃዶ ተሓጐሱ፤ ሽዑ ሰብዓ ሰባት ናብ ውሽጢ ስለ ዝጠመቱ ሞቱ፤ እታ ኸተማ ድማ መን ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክቐውም ይኽእል ኢላ ሓተተት።
6 1ታቦት ኣቦና ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ሸውዓተ ወርሒ ፀንሐ። 2ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንካህናትን ንጠንቈልትን ፀዊዖም ከምዙይ በሉ፦ “ነዚ ታቦት እግዚኣብሄር እንታይ ክንገብሮ? ናብ ቦታኡ ብኸመይ ከም እንመልሶ ንገሩና።”
3ንሳቶም ድማ “ነቲ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንተ መሊስኩም፥ ጥራሑ ኣይትስደድዎ፤ መስዋእቲ በደል ደኣ ብዝኾነ መገዲ ምለሱሉ እምበር። ሽዑ ክትሓውዩ ኢኹም፥ ኢዱ ኻባኻትኩም ስለምንታይ ከም ዘይተመልሰ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም” በሉ።
4ንሳቶም ድማ “እንታይ ዓይነት መስዋእቲ በደል ክንመልሰሉ?” ኢሎም ጠየቑ። ንሳቶም ከዓ “ሓሙሽተ ሕበጥ ወርቅን ሓሙሽተ ኣናፁ ወርቅን፥ ከም ቍፅሪ ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ይኹን፤ ንኵላትኩምን ንሹመኛታትኩምን ሓደ ዓይነት መቕፃዕቲ ስለ ዝወቕዐኩም” ኢሎም መለሱ።
5“ምስልታት ሕበጥኩምን ምስልታት እቶም ነታ ምድሪ ዘጥፍኡ ኣናፁን ግበሩ፤ ንኣምላኽ እስራኤል ድማ ክብሪ ሃብዎ። ምናልባሽ ኢዱ ኻባኻትኩም ካብ ኣማልኽትኹምን ካብ ምድሪኹምን የልዕል ይኸውን። 6ልብኹም ከምቲ ግብፅን ፈርዖንን ዝገበርዎ ስለምንታይ ተትርርዎ? ንሳቶም ድኣ፥ ድሕሪ እቲ ኣትሪሩ ዝገበረሎም፥ ኣብ መወዳእታ ነቲ ህዝቢ በቲ መገዶም ኣይሰደድዎምን ድዮም?”
7“ሕዚ ኸዓ ሓድሽ ሰረገላን ኣርዑት ተፂመን ዘይፈልጣ ኽልተ ዘጥብዋ ኣላሕምን ውሰዱ። ነተን ኣላሕም ናብቲ ሰረገላ ፀምድወን፤ ነቶም ምራኹተን ግና ካባታተን ኣልዪኹም ኣእትውዎም። 8ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ወሲድኩም ኣብቲ ሰረገላ ኣንብርዎ፤ ነቲ መስዋእቲ በደል ገይርኩም እትመልሱሉ ኣቑሑ ወርቂ ድማ ኣብ ሳንዱቕ ገይርኩም ኣብ ጐኑ ኣንብርዎ። ሽዑ ስደድዎ። 9ተመልከቱ፤ በቲ ናብ ዓዱ ዝወስድ መገዲ ናብ ቤትሳሜስ እንተ ደየበ፥ እዝ ዓብዪ መከራ እዙይ ንሱ እዩ ኣምፂኡልና። እንተ ዘይኮይኑ ግና፥ ኢዱ ኸም ዘይወቕዐና፥ እዙይ ብ ኣጋጣሚ ዝኾነ ምዃኑ ክንፈልጥ ኢና።”
10እቶም ሰባት ድማ ከምኡ ገበሩ፤ ክልተ ዘጥብዋ ኣላሕም ወሲዶም ናብቲ ሰረገላ ኣሰርወን፤ ነቶም ምራኹተን ከዓ ኣብ ገዛ ዓፀውዎም። 11ነቲ ታቦት ኣቦናን ነቲ ኣናፁ ወርቅን ምስልታት ሕበጦምን ዝሓዘ ሳንዱቕን ኣብቲ ሰረገላ ገበርዎ። 12እተን ኣላሕም ድማ ናብ ቤትሳሜስ ኣቢለን በቲ ሓደ መገዲ ቀጥ ኢለን፥ እናጋዓራ ንየማን ወይ ንፀጋም እንተየግለሳ ከዳ። ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኽሳዕ ወሰን ቤትሳሜስ ደድሕሪአን ሰዓብወን። 13ሰብ ቤትሳሜስ ድማ ኣብቲ ለሰ ስርናይ የዓፅዱ ነበሩ፤ ኣዒንቶም ቋሕ ኣቢሎም ድማ ነቲ ታቦት ረአዩ፤ ምስ ረአይዎ ኸዓ ተሓጐሱ። 14እቲ ሰረገላ ድማ ናብታ ኣብ ቤትሳሜስ ዘላ ግራት ኢያሱ በፂሑ ኣብኡ ኣብ ጥቓ ዓብዪ እምኒ ደው በለ። ነቲ ዕንፀይቲ እቲ ሰረገላ ድማ ፀጊጎም ነተን ኣላሕም ምሉእ ዝቃፀል መስዋእቲ ገይሮም ንኣቦና ኣቕረቡ። 15እቶም ሌዋውያን ድማ ነቲ ታቦት ኣቦናን ነቲ ኣብ ጐኑ ዝነበረ ኣቑሑ ወርቂ ዝሓዘ ሳንዱቕን ኣውሪዶም ኣብቲ ዓብዪ እምኒ ኣንበርዎም። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሰብ ቤትሳሜስ ንኣቦና ምሉእ ዝቃፀል መስዋእትን ካልእ መስዋእትን ሰውኡ። 16እቶም ሓሙሽተ ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ድማ እዝ ዅሉ ረአዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ናብ ኣቃሮን ተመለሱ። 17እቲ ፍልስጥኤማውያን መስዋእቲ በደል ገይሮም ንኣቦና ዝመለሱሉ ሕበጥ ወርቂ ድማ እዙይ እዩ፦ ንኣዛጦን ሓደ፥ ንጋዛ ሓደ፥ ንኣስቀሎና ሓደ፥ ንጌት ሓደ፥ ንኣቃሮን ሓደ። 18እቲ ኣናፁ ወርቂ ድማ ከም ቍፅሪ ዅለን ከተማታት ፍልስጥኤማውያን ናይቶም ሓሙሽተ ሹመኛታት ነበረ፤ ዝተዓረዳ ከተማታትን ዘይተዓረዳ ቍሸታትን ማዕረ። እቲ ነቲ ታቦት ኣቦና ዘንበሩሉ ዓብዪ እምኒ ድማ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ግራት ኢያሱ ናይ ቤትሳሜስ ምስክር ኮይኑ ይርከብ። 19ኣቦና ግና ናብ ውሽጢ ታቦት ኪዳን ስለ ዝጠመቱ፥ ንገሊኦም ሰብ ቤትሳሜስ ወቕዖም፤ ካብኣቶም ድማ ሰብዓ ሰብ ቀተለ። እቶም ህዝቢ ኸዓ፥ በዚ ዓብዪ መቕሰፍቲ እዙይ ስለ ዝወቕዖም ሓዘኑ። 20ሰብ ቤትሳሜስ ድማ “ኣብ ቅድሚ ኣቦና፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ቅዱስ ኣምላኽ እዙይ፥ መን ደው ክብል ይኽእል? ካባና ናብ መን ክድይብ እዩ እቲ ታቦት?” በሉ።
21ናብ ሰብ ቂርያት የዓሪም ድማ ልኡኻት ልኢኾም “ፍልስጥኤማውያን ነቲ ታቦት ኣቦና መሊሶምዎ ኣለዉ፤ ወሪድኩም ናባኻትኩም ኣደይብዎ” ኢሎም ለኣኹ።