ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኢድ ኣቦና ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን

ፍልስጥኤማውያን ንታቦት ኣቦና ማሪኾም ኣብ ጥቓ ዳጎን ኣንበርዎ፤ ንጣዖቶም ድማ ክልተ ጊዜ ብገፁ ተደፊኡ ረኸብዎ፤ በቲ ኻልኣይ ጊዜ ርእሱን ኣእዳዉን ተሰይሮም ኣብ ድርኵዂት ወዲቖም ነበሩ። ሕበጥን ሽብርን ድማ ደድሕሪ እታ ታቦት ካብ ኣዛጦ ናብ ጌት ናብ ኣቃሮን ሰዓበ፥ ክሳዕ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ክትሰዶ ዝለመነ።

ምዕራፍ 5።

ፍልስጥኤማውያን ንታቦት ኣቦና ማሪኾም፥ ካብ ኣቤንዔዘር ናብ ኣዛጦ ኣምፅእዎ። ፍልስጥኤማውያን ንታቦት ኣቦና ወሲዶም፥ ናብ ቤት ጣዖት ዳጎን ኣእትዮም፥ ኣብ ጥቓ ዳጎን ኣንበርዎ። ሰብ ኣዛጦ ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተሱ፥ እንሆ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት ኣቦና ብገፁ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ወዲቑ ነበረ። ንዳጎን ድማ ወሲዶም ናብ ቦታኡ መለስዎ። ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተሱ፥ እንሆ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት ኣቦና መሊሱ ብግንባሩ ኣብ ምድሪ ወዲቑ ነበረ። ሕዚ ድማ ርእሱን ክልቲኡ ኣእዳዉን ተሰይሮም ኣብ ድርኵዂት ወዲቖም ነበሩ፤ ስጋኡ ጥራሕ ተረፈ። ስለዙይ ክሳዕ ሎሚ፥ ካህናት ዳጎንን ኵሎም ናብ ቤት ጣዖት ዳጎን ኣብ ኣዛጦ ዝኣትዉን፥ ኣብ ድርኵዂት ዳጎን ኣይረግፁን እዮም። ኢድ ኣቦና ኣብ ልዕሊ ሰብ ኣዛጦ ኸበደት፤ ንኣዛጦን ንከባቢኣን ኣባደሞም፥ ብሕበጥ ድማ ወቕዖም። ሰብ ኣዛጦ ነዙይ ምስ ረአዩ ድማ፥ “ኢዱ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ዳጎን ኣምላኽናን ኸቢዳ ኣላ እሞ፥ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ምሳና ኣይፀናሕ” በሉ። ንዅሎም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ፀዊዖም ድማ “ብታቦት ኣምላኽ እስራኤልከ እንታይ ንግበር?” በሉ። ንሳቶም ከዓ “ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብ ጌት ይግዓዝ” ኢሎም መለሱ። ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ድማ ናብኡ ኣግዓዝዎ።

ምስ ኣግዓዝዎ ድማ፥ ኢድ ኣቦና ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ እቲኣ እውን ኮነት፤ የመና ዓብዪ ሽብር ድማ ኣምፅአት። ንሰብ እታ ኸተማ ንኣሽቱን ዓበይትን ወቕዖም፥ ሕበጥ ድማ ወፀሎም። ስለዙይ ንታቦት ኣቦና ናብ ኣቃሮን ሰደድዎ። ታቦት ኣምላኽ ናብ ኣቃሮን ምስ ኣተወ ድማ፥ ሰብ ኣቃሮን “ንኣናን ንህዝብናን ክቐትሉ፥ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናባና ኣምፂኦም!” ኢሎም ኣእወዩ።

ስለዙይ ንዅሎም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ኣከቡ እሞ “ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኸይቀትል፥ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ስደድዎ፤ ናብ ቦታኡ ይመለስ” በሉ። ኣብ ብምሉኣ እታ ኸተማ ዝቐትል ሽብር ነገሰ፤ ኢድ ኣቦና ኣብኡ የመና ኸቢዳ ነበረት። እቶም ዘይሞቱ ድማ ብሕበጥ ተወቕዑ፤ ኣውያት እታ ኸተማ ኸዓ ናብ ሰማይ ደየበ።