ታቦት ኣቦና ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ወደቐ
እስራኤል ኣብ ውግእ ተሰዓሩ፥ ስለዙይ ንታቦት ኣቦና ኸም ኣፅዋር ገይሮም ኣምፅእዎ። ፍልስጥኤማውያን ግና ኣብ መወዳእታ ሰዓሩ፦ ሰላሳ ሽሕ ሞቱ፥ እቲ ታቦት ተማረኸ፥ ደቂ ኤሊ ተቐትሉ፥ ኤሊ ኸዓ ነቲ ዜና ሰሚዑ ንድሕሪት ተደፍአ። ሓንቲ እትመውት ዘላ ሰበይቲ ድማ፥ ክብሪ ካብ እስራኤል ረሓቐ ኢላ፥ ንወዳ ኢካቦድ ኢላ ሰመየቶ።
4 1ቃል ሳሙኤል ድማ ናብ ኵሉ እስራኤል በፅሐ። እስራኤል ንፍልስጥኤማውያን ክዋግኡ ወፁ፤ ኣብ ኤብንዔዘር ሰፈሩ፤ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ኣፌቅ ሰፈሩ።
2ፍልስጥኤማውያን ኣብ ቅድሚ እስራኤል ተሰለፉ፤ ውግእ ከዓ ተላዕለ፤ እስራኤል ድማ ብፍልስጥኤማውያን ተስዓሩ፤ ንሳቶም ከዓ ኣብቲ ሜዳ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ሰብኣይ ቀተሉ። 3እቶም ህዝቢ ናብ ሰፈር ምስ ተመለሱ፥ ዓበይቲ እስራኤል ከምዙይ በሉ፦ “ኣቦና ስለ ምንታይ ሎሚ ብፍልስጥኤማውያን ኣስዒሩና? ታቦት ኪዳን ኣቦና ካብ ሴሎ ናብ ኣና ነምፅእ፤ ንሱ ናብ ማእኸልና መፂኡ ካብ ፀላእትና ምእንቲ ኼድሕነና።”
4እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ሴሎ ለኣኹ፤ ታቦት ኪዳን እቲ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዝተቐመጠ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ከዓ ካብኡ ኣምፅኡ። ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፥ ኣፍኒንን ፊንሃስን፥ ምስ ታቦት ኪዳን ኣቦና ኣብኡ ነበሩ። 5ታቦት ኪዳን ኣቦና ናብቲ ሰፈር ምስ ኣተወ፥ ኵሎም እስራኤላውያን ምድሪ ክሳዕ እትርዕድ ዓው ኢሎም ኣእወዩ። 6ፍልስጥኤማውያን ድማ ድምፂ እቲ ኣውያት ሰሚዖም “እዝ ኣብ ሰፈር ዕብራውያን ዝስማዕ ዘሎ ዓብዪ ኣውያት እንታይ እዩ?” ኢሎም ሓተቱ። ሽዑ ታቦት ኣቦና ናብ ሰፈር ከም ዝኣተወ ፈለጡ። 7ፍልስጥኤማውያን ድማ “ኣምላኽ ናብ ሰፈር ኣትዩ!” ኢሎም ስለ ዝበሉ ፈርሑ። ሽዑ ድማ “ወይለና! ከምዙይ ዝበለ ቅድሚ ሕዚ ተፈፂሙ ኣይፈልጥን። 8ወይለና! ካብ ኢድ እዞም ሓያላት ኣማልኽቲ መን ከድሕነና እዩ? እዚኣቶም እቶም ኣብ ምድረ በዳ ንግብፃውያን ብዅሉ መቕሰፍቲ ዝወቕዑ ኣማልኽቲ እዮም። 9ኣቱም ፍልስጥኤማውያን በርትዑ! ሰብኡት ኩኑ፤ እንተዘይኮነ ከምቲ ንሳቶም ዘገልገሉኹም፥ ንስኻትኩም ንዕብራውያን ክተገልግልዎም ኢኹም። ሰብኡት ኩኑ፥ ተዋግኡ! 10ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ፤ እስራኤል ድማ ተስዓሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ናብ ድንኳኑ ሃደመ። ብርቱዕ ጥፍኣት ኮነ፤ ካብ እስራኤል ሰላሳ ሽሕ ኣጋር ድማ ወደቑ።” 11ታቦት ኣቦና ተማረኸ፤ ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፥ ኣፍኒንን ፊንሃስን ከዓ ሞቱ።
ኤሊ ወደቐ፥ ክብሪ ድማ ተልዓለ
12ሓደ ብንያማዊ ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ካብ ሰለፍ ውግእ ናብ ሴሎ ጐየየ፤ ክዳኑ ተቐዲዱ፥ ኣብ ርእሱ ኸዓ ዶሮና ነበረ። a a v12 ክዳን ምቕዳድን ኣብ ርእሲ ዶሮና ምዝራእን፥ ናይ ጥንቲ ምልክት ዓብዪ ሓዘንን ብኽያትን ነበረ። 13ምስ በፅሐ፥ ኤሊ ኣብ መንበሩ ኣብ ጥቓ መንገዲ ኾፍ ኢሉ ይጥምት ነበረ፤ ልቡ ድማ ምእንቲ ታቦት ኣቦና ይርዕድ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ናብ ከተማ ኣትዩ ነገሮም፤ ኵሎም ሰብ እታ ከተማ ኸዓ ኣእወዩ። 14ኤሊ ድማ ድምፂ እቲ ኣውያት ምስ ሰምዐ፥ “እዝ ወኻዕታ እዙይ እንታይ እዩ?” ኢሉ ሓተተ። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ቀልጢፉ መፂኡ ንኤሊ ነገሮ።
15ኤሊ ወዲ ተስዓን ሸሞንተን ዓመት ነበረ፤ ኣዒንቱ ድማ ፈዚዘን ክርኢ ኣይከኣለን። 16እቲ ሰብኣይ ንኤሊ “ኣነ ካብ ውግእ መፂአ፥ ሎሚ ኸዓ ካብ ሰለፍ ውግእ ሃዲመ” በሎ። ኤሊ ድማ “ኣታ ወደይ፥ እንታይ ኮነ?” ኢሉ ሓተተ።
17እቲ ልኡኽ ከዓ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “እስራኤል ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ፤ ኣብ ማእኸል እቶም ህዝቢ ድማ ብርቱዕ ጥፍኣት ኮነ፤ ክልቲኦም ደቅኻ ኣፍኒንን ፊንሃስን ከዓ ሞይቶም እዮም፤ ታቦት ኣቦናውን ተማሪኹ።”
18ንታቦት ኣቦና ምስ ጠቐሰ፥ ኤሊ ኣብ ጥቓ ደገ ኻብ መንበሩ ንድሕሪት ወደቐ፤ ክሳዱ ተሰበረ፥ ሞተ ኸዓ፤ ኣሪጉ ከቢዱን ነበረ እሞ። ንእስራኤል ኣርብዓ ዓመት መሪሑ ነበረ።
19ሰበይቲ ወዱ፥ ሰበይቲ ፊንሃስ ድማ፥ ጠኒሳ ምውላድ ቀሪቡ ነበረ። ታቦት ኣቦና ከም ዝተማረኸ፥ ሓሙኣን ሰብኣያን ከም ዝሞቱ ምስ ሰምዐት፥ ፃዕሪ ወሊድ ስለ ዝሓዛ ተደፊኣ ወለደት። 20ክትመውት እንተላ፥ እተን ኣብ ጥቓኣ ዝነበራ ኣንስቲ “ወዲ ወሊድኺ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ” በላኣ። ንሳ ግና ኣይመለሰትን፥ ኣየቕለበትን ከዓ። 21ነቲ ቍልዓ ድማ “ክብሪ ካብ እስራኤል ተልዒሉ” ኢላ፥ “ኢካቦድ” ኢላ ሰመየቶ፤ እዙይ ከዓ ብዛዕባ ምምራኽ ታቦት ኣቦናን ብዛዕባ ሓሙኣን ሰብኣያን ነበረ። b b v21 እቲ “ኢካቦድ” ዝብል ስም “ክብሪ የለን” ማለት እዩ፦ ክብሪ ኣቦና ምስ ታቦት ካብ እስራኤል ከም ዝተልዓለ ዝኣወየትሉ ናይ እታ ኣደ ኣውያት እዩ። 22ንሳ ድማ “ክብሪ ካብ እስራኤል ተልዒሉ እዩ፥ ታቦት ኣቦና ተማሪኹ እዩ እሞ” በለት።