ኢየሱስ ናብ ጲላጦስ ተኣሕሊፉ ተዋህበ
ጲላጦስ ብቕንኣት ምዃኑ ፈለጠ፥ ኮይኑ ግና እቲ ህዝቢ ንበርባን ምስ ሓረዩ ፍቓዶም ገበረ። ወታደራት ከም ንጉስ ኣባጨዉሉ። ሰዓት ሰለስተ ተሰቕለ፥ ኣምላኽ ከም ዝሓደጎ ኸዓ ጨደረ፥ ኣብ ፀልማት ድማ ሞተ። ሓደ ሓለቓ ሚእትን ዝዕዘባ ዝነበራ ኣንስትን ተረፉ።
15 1ወጋሕታ ምስ ኮነ ድማ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን መምህራን ሕግን ኵሉ እቲ ባይቶን ተማኺሮም፥ ንኢየሱስ ኣሲሮም ወሲዶም ናብ ጲላጦስ ኣሕሊፎም ሃብዎ።
2ጲላጦስ ድማ “ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ኢየሱስ ከዓ “ንስኻ ኢኻ እትብሎ” ኢሉ መለሰሉ።
3ሊቃነ ካህናት ድማ ብብዙሕ ነገር ይኸስዎ ነበሩ። 4ጲላጦስ ከዓ መሊሱ “ዝምልሶ ነገርዶ የብልካን? እንሆ ኽንደይ ዝኣክል ይኸሱኻ ኣለዉ ርኤ” ኢሉ ጠየቖ።
5ኢየሱስ ግና ድሕሪኡ ሓደኳ ኣይመለሰሉን፤ ጲላጦስ ድማ ተገረመ።
6ኣብ በዓል ከዓ፥ እቲ ዝሓተትዎ ሓደ እሱር ይፈትሓሎም ነበረ። 7በርባን ዝበሃል ሰብ ድማ፥ ምስቶም በቲ ዓመፅ ቕትለት ዝገበሩ ዓመፀኛታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነበረ። 8እቶም ህዝቢ ድማ ደይቦም፥ ከምቲ ወትሩ ዝገብሮ ኽገብረሎም ንጲላጦስ ክልምን ጀመሩ። 9ጲላጦስ ከዓ “ንንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኣለኹም?” ኢሉ መለሰሎም፤ 10ሊቃነ ካህናት ብቕንኣት ከም ዘሕለፍዎ ይፈልጥ ነበረሞ። 11ሊቃነ ካህናት ግና፥ ኣብ ክንድኡ ንበርባን ክፈትሓሎም፥ ነቶም ህዝቢ ኣለዓዓልዎም። 12ጲላጦስ ድማ መሊሱ “ነዝ ንጉስ ኣይሁድ እትብልዎ እንታይ ክገብሮ ትደልዩ ኣለኹም?” ኢሉ ጠየቖም።
13ንሳቶም ከዓ “ስቐሎ!” ኢሎም ዓው ኢሎም መለሱ።
14ጲላጦስ ድማ “ስለ ምንታይ? እንታይ ክፉእ ገይሩ?” በሎም። ንሳቶም ግና የመና ዓው ኢሎም “ስቐሎ!” በሉ።
15ጲላጦስ ከዓ ነቶም ህዝቢ ከሐጕስ ደልዩ፥ ንበርባን ፈትሓሎም። ንኢየሱስ ድማ ገሪፉ፥ ክስቀል ኣሕሊፉ ሃቦ።
እቶም ወታደራት ነቲ ንጉስ ኣባጨዉሉ
16እቶም ወታደራት ድማ ናብ ውሽጢ ቤተ መንግስቲ (ማለት ቤት ፍርዲ ገዛኢ) ወሰድዎ፤ ንብዘሎ ጭፍራ ወታደራት ከዓ ኣኪቦም ፀውዕዎም። 17ቀይሕ ክዳን ኣልበስዎ፤ ኣኽሊል እሾዅ ጠሚሮም ድማ ኣብ ርእሱ ገበሩሉ፤ 18“ዋእ ንጉስ ኣይሁድ!” እናበሉ ድማ ሰላም ክብልዎ ጀመሩ። 19ርእሱ ብበትሪ ይወቕዕዎ ነበሩ፤ ተፍዎውን፤ ተምበርኪኾም ድማ ብላግፂ ሰገዱሉ። 20ምስ ኣባጨዉሉ ድማ፥ ነቲ ቀይሕ ክዳን ገፊፎም፥ ናይ ገዛእ ርእሱ ክዳን ኣልበስዎ፤ ክሰቕልዎ ኸዓ ወሰድዎ።
ወልድ ተሰቒሉ
21ሓደ ኻብ በረኻ ዝመፀ ሓላፊ፥ ስምኦን ቀሬናዊ፥ ኣቦ እስክንድሮስን ሩፎስን፥ መስቀሉ ኽስከም ኣገደድዎ። 22ንኢየሱስ ድማ ናብታ ጎልጎታ እትብሃል ቦታ ወሰድዎ፤ ትርጕማ ኸዓ “ቦታ ናላ ርእሲ” ማለት እዩ። 23ብከርበ ዝተሓወሶ ወይኒ ድማ ሃብዎ፤ ንሱ ግና ኣይተቐበሎን።
24ሰቐልዎ፤ ነፍሲ ወከፍ እንታይ ከም ዝወስድ ድማ፥ ዕፃ ኣውዲቖም፥ ክዳኑ ተማቐሉ። 25ክሰቕልዎ እንተለዉ ኸዓ ሰለስተ ሰዓት ናይ ንግሆ ነበረ። 26እቲ ዝተፅሓፈ ዝተኸሰሰሉ ፅሕፈት ድማ፦ “ንጉስ ኣይሁድ” ዝብል ነበረ። 27ምስኡ ድማ ክልተ ዓመፀኛታት፥ ሓደ ብየማኑ ሓደ ኸዓ ብፀጋሙ ሰቐልዎም። a a v27 እቶም ቀዳሞት ቅዳሓት ኣብዙይ ፍቕዲ 28 የብሎምን፤ ዳሕረዎት ቅዳሓት ግና ከምዙይ ይውስኹ፦ “እቲ ‘ምስ ገበርቲ ዓመፅ ተቘፀረ’ ዝብል ቅዱስ ፅሑፍ ከዓ ተፈፀመ።”
29እቶም ሓለፍቲ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፥ “ኣንታ ንቤተ መቕደስ እተፍርስ፥ ብሰለስተ መዓልቲ ኸዓ እትሰርሕ፥ ኣሽካዕ!” ኢሎም ፀረፍዎ፤ 30“ንርእስኻ ኣድሕን እሞ ካብ መስቀል ውረድ!” በልዎ።
31ከምኡ ኸዓ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን፥ ኣብ ንስንሳቶም “ንኻልኦት ኣድሓነ፤ ንርእሱ ኣድሒኑ ኽ ኣይኽእልን እዩ። 32ርኢና ምእንቲ ኽንኣምን፥ እቲ ክርስቶስ ንጉስ እስራኤል፥ ሕዚ ኻብ መስቀል ይውረድ” እናበሉ ኣባጨዉሉ። እቶም ምስኡ ዝተሰቕሉ ድማ ፀረፍዎ።
ወዲ ኣቦ ነፍሱ ኣሕለፈ
33ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኮነ ድማ፥ ክሳዕ ሳልሳይ ሰዓት ናይ ድሕሪ ቐትሪ፥ ፀልማት ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ ኾነ።
34ሳልሳይ ሰዓት ናይ ድሕሪ ቐትሪ ድማ፥ ኢየሱስ ዓው ኢሉ “ኤሎሄ፥ ኤሎሄ፥ ለማ ሰበቕታኒ?” ኢሉ ፀውዐ፤ ትርጕሙ ኸዓ “ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ፥ ስለ ምንታይ ሓደግካኒ?” ማለት እዩ።
35ገሊኣቶም ኻብቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ድማ፥ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ “እንሆ ንኤልያስ ይፅውዕ ኣሎ ስምዑ” በሉ።
36ሓደ ድማ ጎዩ፥ ሰፍነግ ብመፂፅ ወይኒ መሊኡ፥ ኣብ ሻምብቆ ገይሩ፥ ከስትዮ ሃቦ። “ኣይትትንክፍዎ፥ ንኤልያስ ከውርዶ ይመፅእ እንተ ኾይኑ ንርአ” ከዓ በለ።
37ኢየሱስ ድማ ዓው ኢሉ እናእወየ፥ ነፍሱ ኣሕለፈ። 38መጋረጃ ቤተ መቕደስ ድማ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ናብ ክልተ ተቐደደ። 39እቲ ኣብ መንፅሩ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ድማ፥ ከመይ ገይሩ ኸም ዝሞተ ርኢዩ፥ “ብሓቂ እዝ ሰብኣይ እዙይ ወዲ እግዚኣብሄር ነበረ” በለ።
40ኣንስቲ ኸዓ ካብ ርሑቕ ይርእያ ነበራ፤ ኣብኣተን ድማ ማርያም መግደላዊትን፥ ማርያም እኖ ናእሽተይ ያእቆብን ዮሳን፥ ሳሎሜን ነበራ። 41እዘን ኣንስቲ እዚኣተን፥ ኣብ ገሊላ እንተሎ ይኽተልኦን የገልግልኦን ነበራ፤ ብዙሓት ካልኦት ድማ፥ እተን ምስኡ ናብ ኢየሩሳሌም ዝደየባ ኣብኡ ነበራ።
ኣብ መቓብር ተቐበረ
42ምሸት ኮይኑ ነበረ፥ መዓልቲ ምድላው ማለት ቅድሚ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ስለ ዝነበረት፤ 43ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ፥ እቲ ባዕሉ መንግስቲ ኣቦና ዝፅበ ዝነበረ ፍሉጥ ኣባል ባይቶ፥ ናብ ጲላጦስ ክኸይድ ደፊሩ ስጋ ኢየሱስ ለመኖ። 44ጲላጦስ ድሮ ከም ዝሞተ ተገረመ፤ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ፀዊዑ ኸዓ፥ ኢየሱስ ካብ ዝመውት ነዊሕ እንተ ኾይኑ ጠየቖ። 45ካብቲ ሓለቓ ሚእቲ ከምኡ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፥ ነቲ ስጋ ንዮሴፍ ሃቦ። 46ዮሴፍ ድማ በፍታ ዓዲጉ፥ ነቲ ስጋ ኣውሪዱ፥ በቲ ኽዳን ጠቕሊሉ፥ ኣብ ኰዅሒ ኣብ ዝተወቕረ መቓብር ኣቐመጦ። ድሕሪኡ ኸዓ ኣብ ኣፍ እቲ መቓብር እምኒ ኣንከባሊሉ ዓፀዎ። 47ማርያም መግደላዊትን እኖ ዮሳ ማርያምን ድማ፥ ኣበይ ከም ዝተቐመጠ ረአያ።