እስራኤል ኣብ ትሕቲ ምድያም እንተሎ ይጠርዕ
ዘመትቲ ምድያም ነቲ እኽሊ የጥፍእዎ፥ ክሳዕ እስራኤል ኣብ በዓትታት ተሓቢኦም ናብ ኣቦና ዝጠርዑ። መልኣኽ ኣቦና ንጌዴዎን ኣብ መፅመቝ ወይኒ ስርናይ እናኸተኸተ ረኺቡ ሓያል ጅግና በሎ። ጌዴዎን ተማጎተ፥ ብለይቲ ነቲ መሰውኢ በዓል ኣቦኡ ኣፍረሰ፥ ንኣቦና ኸዓ ብፅምሪ በጊዕ ኽልተ ሳዕ ፈተኖ።
6 1እስራኤል ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኽፉእ ገበረ፤ ኣቦና ድማ ኣብ ኢድ ምድያም ሸውዓተ ዓመት ኣሕሊፉ ሃቦም። 2ኢድ ምድያም ንእስራኤል ሓየሎም፤ ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ፅኑዕ ቦታን መዕቘቢ ገበሩ። 3እስራኤል እኽሊ ምስ ዘዝርኡ፥ ምድያምን ኣማሌቅን ደቂ ምብራቕን ናብኣቶም ይድይቡ ነበሩ። 4ኣብኣቶም ሰፊሮም ድማ ፍርያት እታ ምድሪ ኽሳዕ ጋዛ ኣጥፍኡ፤ ንእስራኤል ድማ ኣባጊዕ ኮነ ብዕራይ ኮነ ኣድጊ ዝኾነ ቀለብ ኣይገደፉሎምን። 5ምስ እንስሳኦምን ድንኳናቶምን ይድይቡ ነበሩ፤ ከም ኣንበጣ ድማ ይበዝሑ ነበሩ፤ ንሳቶምን ኣግማሎምን ክቝፀሩ ዘይኽእሉ ነበሩ፤ ነታ ምድሪ ኸጥፍእዋ ድማ ወረርዋ። 6ስለዙይ እስራኤል ብሰሪ ምድያም የመና ተዋረዱ፤ ደቂ እስራኤል ድማ ናብ ኣቦና ጠርዑ።
7ደቂ እስራኤል ብሰሪ ምድያም ናብ ኣቦና ምስ ጠርዑ፥
8ኣቦና ናብ እስራኤል ሓደ ነቢይ ለኣኸ፤ ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ኻብ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ኣደየብኩኹም። 9ካብ ግብፂ፥ ካብ ኵሎም ዘጨንቑኹም ከዓ ኣድሓንኩኹም፤ ካብ ቅድሜኹም ድማ ሰጐግክዎም፤ ምድሮም ከዓ ሃብኩኹም። 10ከምዙይ ከዓ በልኩኹም፦ ኣነ ኣቦኻትኩም እየ፤ ነቶም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘለኹም ኣማልኽቲ ኣሞራውያን ኣይትፍርሑ። ንስኻትኩም ግና ቃለይ ኣይሰማዕኹምን።”
11መልኣኽ ኣቦና መፂኡ ኣብታ ናይ ኣቢዔዝራዊ ኢዮኣስ ኣብ ዖፍራ ዝነበረት ኦም ኮፍ በለ፤ ወዱ ጌዴዎን ድማ ካብ ምድያም ምእንቲ ኽሓብኦ፥ ኣብ መፅመቝ ወይኒ ስርናይ ይኽትክት ነበረ።
12መልኣኽ ኣቦና ድማ ተገልፀሉ፤ “ኦ ሓያል ጅግና! ኣቦና ምሳኻ ኣሎ” ከዓ በሎ።
13ጌዴዎን ድማ “ኦ ጐይታይ፥ በጃኻ፥ ኣቦና ምሳና ኻሎስ፥ ስለ ምንታይ ደኣ እዝ ዅሉ ኣብ ልዕሌና በፅሐ? እቲ ኣቦታትና ‘ካብ ግብፂዶ ኣየደየበናን?’ እናበሉ ዝነገሩና ዅሉ ተኣምራቱኸ ኣበይ ኣሎ? ሕዚ ግና ኣቦና ሓዲጉ፥ ኣብ ኢድ ምድያም ድማ ኣሕሊፉ ሃበና” በሎ።
14ኣቦና ናብኡ ግልፅ ኢሉ “በዝ ሓይልኻ እዙይ ኪድ እሞ ንእስራኤል ካብ ኢድ ምድያም ኣድሕኖም። ኣነዶ ኣይለኣኽኩኻን?” በሎ።
15ንሱ ድማ “ኦ ጐይታይ ኣቦ፥ በጃኻ፥ ንእስራኤል ብኸመይ ከድሕኖም እኽእል? ዓሌተይ ኣብ ምናሴ እቲ ዝደኸመ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ኣብ ቤት ኣቦይ እቲ ዝንእስ እየ” በሎ።
16ኣቦና ድማ “ኣነ ግና ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ንስኻ ኸዓ ንምድያም ከም ሓደ ሰብ ጌርካ ክትወቕዖም ኢኻ” በሎ።
17ጌዴዎን ድማ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ረኺበ እንተ ኾይነ፥ ብሓቂ ንስኻ ምሳይ እትዛረብ ከም ዘለኻ ዘርኢ ምልክት ሃበኒ።
18በጃኻ፥ ክሳዕ ተመሊሰ መባአይ ኣምፂአ ኣብ ቅድሜኻ ዘንብር፥ ካብዙይ ኣይትኺድ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ክሳዕ እትምለስ ክፀንሕ እየ” በሎ።
19ጌዴዎን ኣትዩ ሓደ ማሕስእ ጤለ ኣሰናደወ፤ ካብ ኣስታ ዓሰርተ ኺሎ ሓርጭ ድማ ዘይበዅዐ እንጀራ ገበረ፤ ነቲ ስጋ ኣብ መሶብ፥ ነቲ መረቕ ድማ ኣብ ድስቲ ገይሩ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ናብኡ ኣምፂኡ ኣቕረበሉ።
20መልኣኽ ኣቦና ድማ “ነቲ ስጋን ነቲ ዘይበዅዐ እንጀራን ወሲድካ ኣብ ልዕሊ እዛ ኸውሒ እዚኣ ኣንብሮ፤ ነቲ መረቕ ድማ ኣፍስሶ” በሎ። ንሱ ኸዓ ከምኡ ገበረ።
21መልኣኽ ኣቦና ድማ ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት በትሪ ዘርጊሑ ነቲ ስጋን ነቲ ዘይበዅዐ እንጀራን ተንከፎ። ካብታ ኸውሒ ድማ ሓዊ ወፀ እሞ ነቲ ስጋን ነቲ ዘይበዅዐ እንጀራን በልዖ፤ መልኣኽ ኣቦና ኸዓ ካብ ቅድሚ ኣዒንቱ ተሰወረ።
22ጌዴዎን ድማ መልኣኽ ኣቦና ምዃኑ ምስ ፈለጠ፥ “ዋይ ኣነ፥ ኦ ጐይታይ ኣቦ! ንመልኣኽካ ገፅ ንገፅ ርእየ እየ” በለ።
23ኣቦና ግና “ሰላም ንኣኻ ይኹን፤ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትመውትን ኢኻ” በሎ።
24ጌዴዎን ድማ ኣብኡ ንኣቦና መሰውኢ ሰርሐ፤ “ኣቦና ሰላም እዩ” ኢሉ ኸዓ ሰመዮ። ንሱ ኽሳዕ ሕዚ ኣብ ናይ ኣቢዔዝራውያን ዖፍራ ኣሎ። a a v24 ጌዴዎን ነዝ መሰውኢ እዙይ “ኣቦና ሰላም እዩ” ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ ንኣቦ ብምርኣዩ ኽመውት እየ ኢሉ ተሪቡ እንተሎ ኣቦና ዝተዛረቦ ሰላም ዝዝክር መዘከርታ ኸዓ እዩ።
25በታ ለይቲ እቲኣ ኣቦና “ነቲ ዝራብዕ ኣቦኻ፥ ነቲ ሸውዓተ ዓመት ዝዕድሚኡ ኻልኣይ ዝራብዕ ውሰድ፤ ነቲ ኣቦኻ ንበዓል ዝሰርሖ መሰውኢ ኣፍርሶ፤ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ መምለኺ ዓፀድ ድማ ቝረፆ። 26ሽዑ ኣብ ልዕሊ እዝ ፅኑዕ ቦታ እዚ ንኣይ ንኣቦኻ ግቡእ መሰውኢ ስራሕ። ነቲ ኻልኣይ ዝራብዕ ወሲድካ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ዕንፀይቲ እቲ ዝቘረፅካዮ መምለኺ ዓፀድ ዚሓርቕ መስዋእቲ ጌርካ ኣቕርቦ” በሎ።
27ጌዴዎን ድማ ዓሰርተ ኣገልገልቲ ወሲዱ ኸምቲ ኣቦና ዝበሎ ገበረ። ንስድራ ቤቱን ንሰብ እታ ኸተማን ፈሪሑ ብቐትሪ ኽገብሮ ስለ ዘይከኣለ ድማ፥ ብለይቲ ገበሮ።
28ሰብ እታ ኸተማ ድማ ንጊሓት ተንሲኦም እንተ ረአዩ፥ እንሆ መሰውኢ በዓል ፈሪሱ ነበረ፤ እቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ መምለኺ ዓፀድ ተቘሪፁ ነበረ፤ እቲ ኻልኣይ ዝራብዕ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓድሽ ዝተሰርሐ መሰውኢ ተሰዊኡ ነበረ። 29ንሓድሕዶም ድማ “እዙይ መን ገበሮ?” ተበሃሃሉ። መርሚሮም ሓቲቶም ከዓ፥ “ጌዴዎን ወዲ ኢዮኣስ ገበሮ” ተብሃሉ።
30ሰብ እታ ኸተማ ድማ ንኢዮኣስ “ንበዓል መሰውኢ ኣፍሪሱ፥ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ መምለኺ ዓፀድ ከዓ ቘሪፁ እዩ እሞ፥ ንወድኻ ኽመውት ኣውፅኣዮ” በልዎ። 31ኢዮኣስ ድማ ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣከቡ ህዝቢ “ንስኻትኩምዶ ንበዓል ትማጐቱሉ ኢኹም? ትድሕንዎዶ? እቲ ዝማጐተሉ ኽሳዕ ንግሆ ይመውት። ንሱ ኣምላኽ እንተ ኾይኑ፥ ሰብ መሰውኢኡ ኣፍሪሱ እዩ እሞ፥ ባዕሉ ይማጐቶ” በሎም። 32በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ንበዓል መሰውኢ ስለ ዘፍረሰ፥ “በዓል ይማጐቶ” ማለት “የሩበዓል” ተባሂሉ ተሰምየ።
33ኵሎም ምድያምን ኣማሌቅን ደቂ ምብራቕን ድማ ተኣኪቦም ተሳጊሮም ኣብ ለሰ ኢይዝራኤል ሰፈሩ። 34ሽዑ መንፈስ ኣቦና ንጌዴዎን ከደኖ፤ ንሱ ኸዓ መለኸት ነፍሐ፤ ኣቢዔዝራውያን ድማ ንኺስዕብዎ ተፀውዑ። 35ናብ ኵሉ ምናሴ ድማ ልኡኻት ለኣኸ፤ ንሳቶም ከዓ ደድሕሪኡ ተኣከቡ፤ ናብ ኣሴርን ዛብሎንን ንፍታሌምን ድማ ለኣኸ፤ ንሳቶም ከዓ ኺቕበልዎም ደየቡ።
36ጌዴዎን ድማ ንኣቦና “ከምቲ ዝበልካዮ፥ ንእስራኤል ብኢደይ ገይርካ ኸተድሕኖም እንተ ኾይንካ፥ 37እንሆ፥ ፀጕሪ በጊዕ ኣብ ዓውዲ ኤንብር ኣለኹ። ኣውሊ ኣብታ ፀጕሪ በጊዕ ጥራሕ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ግና ንቑፅ እንተ ኾይኑ፥ ከምቲ ዝበልካዮ ንእስራኤል ብኢደይ ገይርካ ኸም እተድሕኖም ክፈልጥ እየ” በለ።
38ከምኡ ድማ ኾነ። ንፅባሒቱ ንጊሓት ተንሲኡ ነታ ፀጕሪ በጊዕ ፀቒጡ ኻብኣ ኣውሊ ጨመቐ፤ ምሉእ ፃሕሊ ማይ ከዓ ኾነ።
39ሽዑ ጌዴዎን ንኣቦና “ኣይትቈጣዕ፤ ሓንሳእ ጥራሕ ክዛረብ ሕደገኒ። በታ ፀጕሪ በጊዕ ደጊመ ኽፍትን ሕደገኒ፤ እታ ፀጕሪ በጊዕ ንቕፅቲ ትኹን፤ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ድማ ኣውሊ ይኹን” በለ።
40በታ ለይቲ እቲኣ ድማ ኣቦና ኸምኡ ገበረ። እታ ፀጕሪ በጊዕ ጥራሕ ንቕፅቲ ኾነት፤ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ድማ ኣውሊ ወደቐ።