ኣቦ ንሰለስተ ሚእቲ ይሓርይ
ብዙሕ ሰራዊት ንእስራኤል ‘ኢደይ እያ ዘድሓነትኒ’ ኢሉ ኽምካሕ ምኽንያት ስለ ዝኸውን፥ ኣቦና ንኣሽሓት ጌዴዎን ብፍርሓትን ብኣሰታትያ ማይን ናብ ሰለስተ ሚእቲ ኣውረዶም። ጌዴዎን ሕልሚ ፀላኢ ሰሚዑ ሰገደ፥ እቲ ሰፈር ሰይፉ ናብ ነብሱ ምስ መለሰ ኸዓ ብመለኸትን ብመብራህትን ሰዓረ።
7 1ይሩበዓል (ጌዴዎን)ን ኵሉ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ድማ ኣንጊሆም ተሲኦም፥ ኣብ ዓይኒ ማይ ሓሮድ ሰፈሩ፤ ሰፈር ምድያም ከዓ ኣብ ሰሜኖም፥ ኣብቲ ኣብ ለሰ ዘሎ ጐቦ ሞሬ ነበረ።
2ኣቦና ድማ ንጌዴዎን ከምዙይ በሎ፦ “እቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝቢ፥ ንምድያም ኣብ ኢዶም ከሕልፎ የመና ብዙሕ እዩ፤ እንተ ዘይኮይኑ እስራኤል ‘ኢደይ እያ ዘድሓነትኒ’ ኢሉ ኣባይ ክምካሕ እዩ። 3ሕዚ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ‘ዝፈርሐ ዝርዕድን ኵሉ ተመሊሱ ካብ እምባ ጊልዓድ ይኺድ’ ኢልካ ኣውጅ።” ዕስራን ክልተን ሽሕ ድማ ተመለሱ፤ ዓሰርተ ሽሕ ከዓ ተረፉ።
4ኣቦና ድማ ንጌዴዎን ከምዙይ በሎ፦ “እቲ ህዝቢ ገና ብዙሕ እዩ። ናብ ማይ ኣውርዶም፤ ኣብኡ ድማ ክሓሕየልካ እየ። ‘እዝ ምሳኻ ይኺድ’ ዝብለካ ኵሉ ምሳኻ ይኺድ፤ ‘እዝ ምሳኻ ኣይኺድ’ ዝብለካ ኵሉ ድማ ኣይኺድ።” 5ነቲ ህዝቢ ድማ ናብ ማይ ኣውረዶ፤ ኣቦና ኸዓ ንጌዴዎን ከምዙይ በሎ፦ “ነቲ ኸም ከልቢ ብልሳኑ ማይ ዝልሕስ ኵሉ ፍለዮም፤ ነቲ ኽሰቲ ዝንበርከኽ ኵሉ ድማ ከምኡ ግበር።”
6እቶም ብኢዶም ናብ ኣፎም ዘልሐሱ ሰባት ድማ ሰለስተ ሚእቲ ኾኑ፤ እቶም ዝተረፉ ኵላቶም ግና ተንበርኪኾም ማይ ሰተዩ።
7ኣቦና ድማ ንጌዴዎን ከምዙይ በሎ፦ “በቶም ዘልሐሱ ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ከድሕነካን ንምድያም ኣብ ኢድካ ከሕልፎን እየ። ነቲ ዝተረፈ ኵሉ ህዝቢ ነፍሲ ወከፍ ናብ ቦታኡ ኣሰናብቶ።”
8እቲ ህዝቢ ድማ ስንቅን መለኸትን ኣልዓሉ፤ ጌዴዎን ከዓ ነቶም ዝተረፉ እስራኤል ነፍሲ ወከፎም ናብ ድንኳኑ ኣሰናበቶም፤ ነቶም ሰለስተ ሚእቲ ግና ኣትረፈ። ሰፈር ምድያም ከዓ ኣብ ታሕቲ ኣብቲ ለሰ ነበረ።
9በታ ለይቲ እቲኣ ድማ ኣቦና ኸምዙይ በሎ፦ “ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ሂበካ እየ እሞ፥ ተንሲእካ ናብቲ ሰፈር ውረድ። 10ክትወርድ ግና እንተ ፈሪሕካ፥ ምስ ኣገልጋሊኻ ፉራ ናብቲ ሰፈር ውረድ፤
11እንታይ ከም ዝብሉ ድማ ክትሰምዕ ኢኻ፤ ድሕሪኡ ኣእዳውካ ክድልድል እዩ፤ ናብቲ ሰፈር ከዓ ክትወርድ ኢኻ።” ንሱ ድማ ምስ ኣገልጋሊኡ ፉራ ናብ ወሰን እቶም ኣብ ሰፈር ዝነበሩ ዕጡቓት ሰራዊት ወረደ።
12ምድያማውያንን ኣማሌቃውያንን ኵሎም ደቂ ምብራቕን ድማ፥ ኣብቲ ለሰ ኸም ኣንበጣ በዚሖም ነበሩ፤ ኣግማሎምውን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ቍፅሪ ዘይብሎም ነበሩ። 13ጌዴዎን ምስ በፅሐ ኸዓ፥ ሓደ ሰብኣይ ንብፃዩ ሕልሚ ይነግሮ ነበረ። ንሱ ድማ “እንሆ ሓደ ሕልሚ ሓሊመ ነበርኩ፤ ሓደ ኸቢብ ቕጫ ስገም እናተንከባለለ ናብ ሰፈር ምድያም መፀ፤ ነቲ ድንኳን ወቒዑ ኸዓ ኣውደቖ፤ ገምሲሱ ድማ ጥፍሕ ኣበሎ” በለ።
14ብፃዩ ድማ “እዝ ሰይፊ ጌዴዎን ወዲ ኢዮኣስ እቲ እስራኤላዊ ጥራሕ እዩ። እግዚኣብሄር ንምድያምን ንብዘሎ ሰፈርን ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሂብዎ እዩ” ኢሉ መለሰ።
15ጌዴዎን ድማ ነቲ ሕልምን ትርጕሙን ምስ ሰምዐ ሰገደ። ናብ ሰፈር እስራኤል ተመሊሱ ኸዓ “ኣቦና ንሰፈር ምድያም ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ሂብዎ እዩ እሞ ተንስኡ” በሎም። 16ነቶም ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ድማ ናብ ሰለስተ ጒጅለ መቐሎም፤ ንነፍሲ ወከፍ ከዓ መለኸት፥ ጥራዩ ዕትሮ፥ ኣብ ውሽጢ እቲ ዕትሮ ድማ ሽግ ኣትሓዞም።
17ጌዴዎን ድማ “ንኣይ ርኣዩኒ፤ ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ግበሩ። ናብ ወሰን እቲ ሰፈር ምስ በፃሕኩ ኸዓ፥ ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ከምኡ ግበሩ” በሎም።
18“ኣነን እቶም ምሳይ ዘለዉ ኵሎምውን መለኸት ምስ ነፋሕና፥ ንስኻትኩምውን ኣብ ዙርያ ብዘሎ ሰፈር መለኸትኩም ንፍሑ፤ ‘ንኣቦናን ንጌዴዎንን!’ ኢልኩም ድማ ዕልል በሉ።”
19ጌዴዎንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሚእቲ ሰባትን ድማ፥ ኣብ መጀመርታ እቲ ማእኸላይ ሓለዋ፥ ልክዕ እቶም ሓለውቲ ምስ ተቐያየሩ፥ ናብ ወሰን እቲ ሰፈር በፅሑ። መለኸት ነፍሑ፤ ነቲ ኣብ ኢዶም ዝነበረ ዕትሮ ኸዓ ሰበሩ። 20እቶም ሰለስተ ኽፍሊ ድማ መለኸቶም ነፍሑ፤ ነቲ ዕትሮ ኸዓ ሰበርዎ፤ ሽጋት ኣብ ፀጋም ኢዶም፥ መለኸት ድማ ኣብ የማን ኢዶም ክንፍሑ ድልዋት ሒዞም፥ “ሰይፊ ንኣቦናን ንጌዴዎንን!” እናበሉ ዕልል በሉ። 21ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ኣብ ቦታኡ ደው በለ፤ ብዘሎ እቲ ሰራዊት ግና ጐይዩ ዓው ኢሉ ሃደመ። 22እቶም ሰለስተ ሚእቲ መለኸት ምስ ተነፍሑ ኸዓ፥ ኣቦና ኣብ ብዘሎ እቲ ሰፈር ሰይፊ ነፍሲ ወከፍ ኣንፃር ብፃዩ ገበሮ። እቲ ሰፈር ድማ ናብ ቤትሺጣ፥ ናብ ሸነኽ ፀረራ፥ ክሳዕ ወሰን ኣቤልምሖላ ኣብ ጥቓ ጣባት ሃደመ። 23ካብ ንፍታሌምን ካብ ኣሴርን ካብ ብዘሎ ምናሴን ዝኾኑ ሰብ እስራኤል ድማ ተፀዊዖም ተኣከቡ፤ ንምድያም ከዓ ሰጐጕዎም። 24ጌዴዎን ድማ ኣብ ብዘሎ ጎቦታት ኤፍሬም ልኡኻት ሰደደ፤ “ናብ ምድያም ውረዱ፤ ነቲ ማያት ቅድሚኦም ክሳዕ ቤትባራን ዮርዳኖስን ሓዝዎ” በለ። ኵሎም ሰብ ኤፍሬም ድማ ተኣኪቦም ነቲ ማያት ክሳዕ ቤትባራን ዮርዳኖስን ሓዝዎ። 25ክልተ ሹመኛታት ምድያም፥ ንሔሬብን ንዜብን ድማ ሓዙ። ንሔሬብ ኣብ ከውሒ ሔሬብ፥ ንዜብ ከዓ ኣብ መፅመቝ ዜብ ቀተልዎም። ንምድያም ድማ ሰጐጕዎም፤ ርእሲ ሔሬብን ዜብን ከዓ ናብ ጌዴዎን ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣምፅኡ።