ኣቦ ብእምነት መንፈስ ይህብ
ጳውሎስ ንገላትያ ሓደ ሕቶ ሓተቶም፦ መንፈስ ብሕጊ ምሕላው ድዩ ወይ በቲ ዝሰምዕዎ ምእማን ዝመፀ? ኣብርሃም ቅድሚ ሲና ብዙሕ ኣቐዲሙ ብእምነት ፃድቕ ኾይኑ ተቘፅረ። እቲ ሕጊ ግዝያዊ ሓላዊ ነበረ፤ ሕዚ ግና ብእምነት ክርስቶስ ደቂ ኣቦናን ወረስቲ ኣብርሃምን ኮይኖም።
3 1ኣቱም ዓያሹ ገላትያ፥ መን ጠንቆለኩም? ኢየሱስ ክርስቶስ ተሰቒሉ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ተራእየ። 2ካባኻትኩም እዙይ ጥራሕ ክፈልጥ እደሊ ኣለኹ፦ መንፈስ ቅዱስ ብግብሪ ሕጊ ድዩ ወይስ ብምስማዕ እምነት ዝተቐበልኩምዎ? 3ክሳዕ ክንድዙይ ዓያሹ ዲኹም? ብመንፈስ ጀሚርኩም፥ ሕዚ ብስጋ ዲኹም ትፍፀሙ ዘለኹም? 4ክንድዙይ ዝኣክል መከራ ብኸንቱ ዲኹም ዝተቐበልኩም፥ ብሓቂ ብኸንቱ እንተ ኾይኑ? 5እምበኣር እቲ መንፈስ ቅዱስ ብልግሲ ዝህበኩም፥ ኣብ ማእኸልኩምውን ተኣምራት ዝገብር ኣቦና፥ እዙይ ብግብሪ ሕጊ ድዩ ወይስ ብምስማዕ እምነት ዝገብሮ? 6ከምዙይ ኸዓ ብዛዕባ ኣብርሃም ኮነ፦ “ብኣቦና ኣመነ፥ ፅድቂ ኾይኑውን ተቘፀረሉ።” 7እምበኣር እቶም እምነት ዘለዎም፥ ንሳቶም ደቂ ኣብርሃም ከም ዝኾኑ ፍለጡ።
8እቲ ፅሑፍ፥ ኣቦና ንኣህዛብ ብእምነት ከም ዘፅድቖም ኣቐዲሙ ርእዩ፥ ንኣብርሃም “ብኣኻ ኵሎም ኣህዛብ ክባረኹ እዮም” ኢሉ ብስራት ኣቐዲሙ ነገሮ።
9እምበኣር እቶም እምነት ዘለዎም፥ ምስቲ ኣማኒ ኣብርሃም በረኸት ይረኽቡ።
10ብግብሪ ሕጊ ዝተኣማመኑ ዅሎም ትሕቲ መርገም እዮም እሞ፤ “ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ተፂሒፉ ዘሎ ዅሉ ገይሩ ዘይፍፅም ኵሉ ርጉም እዩ” ተባሂሉ ተፂሒፉ እዩ። 11ብሕጊ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ዝፀድቕ ሓደ እኳ ኸም ዘየለ ግሉፅ እዩ፦ “ፃድቕ ብእምነት ክነብር እዩ።” 12እቲ ሕጊ ግና ኣብ እምነት ኣይተመስረተን፤ “እቲ ዝገብሮም ብእኦም ክነብር እዩ” ደኣ እዩ እምበር።
13ክርስቶስ ምእንታና መርገም ብምዃኑ፥ ካብ መርገም ሕጊ ተቤዘወና፤ “ኣብ ዕንፀይቲ ዝተሰቕለ ዅሉ ርጉም እዩ” ተባሂሉ ተፂሒፉ እዩ እሞ። 14እዙይ ዝገበረ፥ በረኸት ኣብርሃም ብክርስቶስ ኢየሱስ ናብ ኣህዛብ ምእንቲ ኽመፅእ፥ ንሕናውን ነቲ ተስፋ ዝተውሃበ መንፈስ ቅዱስ ብእምነት ምእንቲ ክንቅበል እዩ።
እቲ ተስፋ ይፀንዕ፥ እቲ ሕጊ የገልግል
15ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ከም ኣዘራርባ ሰብ ክዛረብ፦ ዝፀደቐ ኺዳን ሰብ፥ ሓደ እኳ ኣይስርዞን ኣይውስኸሉንውን። 16እቲ ተስፋ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ተነጊሩ ነይሩ። ብብዙሕ ቍፅሪ “ንዘርእታት” ኣይብልን፥ ብሓደ ቍፅሪ ደኣ “ንዘርእኻ” ይብል እምበር፤ ንሱ ኸዓ ክርስቶስ እዩ። 17እዝ ዝብሎ ዘለኹ እዙይ እዩ፦ ድሕሪ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ዝመፀ ሕጊ፥ ነቲ ኣቦና ኣቐዲሙ ዘፅደቖ ኺዳን፥ ነቲ ተስፋ ንምስራዝ ኣየፍርሶን እዩ። 18እቲ ርስቲ ኻብ ሕጊ እንተ ኾይኑ፥ ደጊም ካብ ተስፋ ኣይኮነን፤ ኣቦና ግና ንኣብርሃም ብተስፋ ገይሩ ሃቦ።
19እምበኣር ሕጊ ስለ ምንታይ? እቲ ተስፋ ዝተውሃቦ ዘርኢ ክሳዕ ዝመፅእ፥ ምእንቲ ኣበሳታት ተወሰኸ፤ ብኢድ ማእኸላይ ብመላእኽቲ ተሰሪዑ ተውሃበ። a a v19 ኣይሁድ ብልምዶም፥ እግዚኣብሄር ነቲ ሕጊ ኣብ ከረን ሲና ብመላእኽቲ ማእኸሎት ገይሩ ንሙሴ ከም ዝሃቦ ይኣምኑ ነበሩ። 20ማእኸላይ ናይ ሓደ ወገን ጥራሕ ኣይኮነን፤ ኣቦና ግና ሓደ እዩ።
21እምበኣር ሕጊ ፀረ ተስፋታት ኣቦናዶ እዩ? ከቶ ኣይኮነን! ህይወት ክህብ ዝኽእል ሕጊ እንተ ዝህሉ፥ ፅድቂ ብሓቂ ኻብ ሕጊ መፅአ ነይሩ። 22እቲ ፅሑፍ ግና፥ እቲ ተስፋ ብእምነት ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ዝኣምኑ ምእንቲ ኽውሃቦም፥ ኵሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ዓፀዎ።
23እምነት ቅድሚ ምምፅኡ፥ እቲ ዝመፅእ እምነት ክሳዕ ዝግለፅ፥ ተዓፂና ኣብ ትሕቲ ሕጊ ተሓለና። 24ስለዙይ እቲ ሕጊ፥ እምነት ምእንቲ ኸፅድቐና፥ ክሳዕ ክርስቶስ ሞግዚትና ኾይኑ ነበረ። 25ሕዚ ግና እምነት ካብ መፀ፥ ደጊም ኣብ ትሕቲ ሞግዚት ኣይኮንናን።
ብእምነት ውሉድ ኣቦ
26ብክርስቶስ ኢየሱስ ብእምነት ኵላትኩም ውሉድ ኣቦና ኢኹም እሞ። 27ናብ ክርስቶስ ዝተጠመቕኩም ዅላትኩም፥ ንክርስቶስ ለቢስኩምዎ ኢኹም እሞ። 28ኣይሁድ ኾነ ግሪኻዊ የለን፥ ባርያ ኾነ ናፃ የለን፥ ተባዕታይን ኣንስተይትን የለን፤ ኵላትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ሓደ ኢኹም እሞ። 29ናይ ክርስቶስ እንተ ኾይንኩም ከዓ፥ ዘርኢ ኣብርሃም፥ ከም ተስፋ ድማ ወረስቲ ኢኹም።