ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ወንጌል ጳውሎስ ኣብ ኢየሩሳሌም ፀደቐ

ጳውሎስ ወንጌሉ ናብ ኢየሩሳሌም ወሰደ፥ እቶም ዓንድታት ድማ ሓንቲ እኳ ኣይወሰኹሉን። ደሓር ከዓ ጴጥሮስ ፈሪሑ ኻብ መኣዲ ኣህዛብ ድሕር ስለ ዝበለ፥ ገፅ ንገፅ ተቓወሞ። ብሕጊ ምሕላው ዝፀድቕ ሓደ እኳ የለን፤ ጳውሎስ ሕዚ ብእምነት ወዲ ኣቦና ይነብር ኣሎ።

ምዕራፍ 2።

ድሕሪ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ድማ፥ ንቲቶስ ተማሊአ፥ ምስ በርናባስ መሊሰ ናብ ኢየሩሳሌም ደየብኩ። ብምግላፅ ከዓ ደየብኩ። ነቲ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዝሰብኮ ወንጌል ድማ፥ ብብሕቲ ነቶም ክቡራት ኣቕረብኩሎም፤ ብኸንቱ ከይጐይ ወይ ከይጐየኹ ኢለ። እቲ ምሳይ ዝነበረ ቲቶስ እኳ ግና፥ ግሪኻዊ ክነሱ፥ ክግረዝ ኣይተገደደን። እዙይ ድማ ስለቶም ብሕቡእ ዝኣተዉ ሓሰውቲ ኣሕዋት ነበረ፤ ንሳቶም ንኣና ባሮት ክገብሩ ኢሎም፥ ነታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘላትና ነፃነት ክስልሉ ተሓቢኦም ኣተዉ። ሓቂ ወንጌል ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽፀንዕ፥ ንቕፅበት ዓይኒ እኳ ኣይተምበርከኽናሎምን። ብዛዕባ እቶም ክቡራት ግና፥ እንታይ ከም ዝነበሩ ንኣይ ፍልልይ የብሉን፤ ኣቦና ብፍርዲ ኣየዳሉን እዩ፤ እቶም ክቡራት ሓንቲ እኳ ኣይወሰኹለይን። እኳ ደኣ፥ ከምቲ ጴጥሮስ ብወንጌል ግሩዛት ዝተኣመነ፥ ኣነ ድማ ብወንጌል ዘይግሩዛት ከም ዝተኣመንኩ ረአዩ። እቲ ኣብ ጴጥሮስ ንሃዋርያነት ግሩዛት ዝሰርሐ፥ ኣባይ ድማ ንኣህዛብ ሰርሐ እዩ እሞ። ያእቆብን ጴጥሮስን ዮሃንስን፥ እቶም ዓንድታት ተባሂሎም ዝፅውዑ፥ ነቲ ዝተውሃበኒ ፀጋ ኣለለዮም፥ ንኣይን ንበርናባስን የማናይ ኢድ ሕብረት ሃቡና፤ ንሕና ናብ ኣህዛብ፥ ንሳቶም ድማ ናብ ግሩዛት ክንከይድ። ነቶም ድኻታት ክንዝክር ጥራሕ ለመኑና፤ እዙይ ድማ ክገብሮ ባዕለይ ብርቱዕ ድልየት ዝነበረኒ እዩ።

ጳውሎስ ኣብ ኣንጾክያ ንኬፋ ተቓወሞ

ጴጥሮስ ናብ ኣንጾክያ ምስ መፀ ግና፥ ተፈሪዱ ስለ ዝነበረ፥ ገፅ ንገፅ ተቓወምክዎ። ካብ ያእቆብ ገለ ሰባት ከይመፁ ከለዉ፥ ምስ ኣህዛብ ይበልዕ ነበረ፤ ምስ መፁ ግና፥ ነቶም ካብ ግርዘት ዝኾኑ ፈሪሑ፥ ድሕር ኢሉ ተፈለየ። a a v12 “እቶም ካብ ግርዘት ዝኾኑ” — እቶም ኣመንቲ ኣህዛብ ምሉእ ብምሉእ ተቐባልነት ምእንቲ ኽረኽቡ ክግረዙ ኣለዎም ኢሎም ዘትረሩ ኣይሁዳውያን ክርስቲያን። እቶም ካልኦት ኣይሁድ ድማ በዝ ግብዝና እዙይ ተሓባበርዎ፤ በርናባስ እኳ በቲ ግብዝናኦም ተሳሕበ። ብሓቂ ወንጌል ቅኑዕ ከም ዘይመላለሱ ምስ ረአኹ ግና፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ንጴጥሮስ ከምዙይ በልክዎ፦ “ንስኻ ኣይሁዳዊ ክነስኻ፥ ከም ኣይሁዳዊ ዘይኮነስ ከም ኣህዛብ እንተ ትነብር፥ ንኣህዛብ ከመይ ገይርካ ከም ኣይሁድ ክነብሩ ትግድዶም?”

ንሕና ባዕልትና ብትውልዲ ኣይሁድ ኢና እምበር፥ ካብ ኣህዛብ ዝኾኑ ሓጥኣን ኣይኮንናን፤ ኮይኑ ግና፥ ሰብ ብግብሪ ሕጊ ዘይኮነስ፥ ብእምነት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፃድቕ ከም ዝኸውን ንፈልጥ ኢና። ንሕናውን ብግብሪ ሕጊ ዘይኮነስ፥ ብእምነት ክርስቶስ ክንፅድቕ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣመንና፤ ብግብሪ ሕጊ ሓደ ሰብ እኳ ኣይፅድቕን እዩ እሞ። ኣብ ክርስቶስ ፃድቃን ክንኸውን እናደለና ግና፥ ንሕና ባዕልትና እውን ሓጥኣን እንተ ተረኺብና፥ ክርስቶስ ድኣ ኣገልጋሊ ሓጢኣትዶ ይኸውን? ከቶ ኣይኹን! ነቲ ዘፍረስክዎ መሊሰ እንተ ሃነፅክዎ፥ ንባዕለይ ጠሓሲ ሕጊ ከም ዝኾንኩ የርኢ እየ እሞ። ኣነ ንኣቦና ምእንቲ ኽነብር፥ ብሕጊ ኣቢለ ንሕጊ ሞትኩ እየ እሞ። ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ እየ። ደጊም ኣነ ዘይኮንኩስ፥ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ። እታ ሕዚ ብስጋ ዝነብራ ዘለኹ ህይወት፥ በቲ ዘፍቀረንን ባዕሉ ምእንታይ ኣሕሊፉ ዝሃበን ወዲ ኣቦና ብምእማን እየ ዝነብራ ዘለኹ። ንፀጋ ኣቦና ኣይነዓቕን እየ፤ ፅድቂ ብሕጊ እንተ ዝኸውን፥ ክርስቶስ ብኸንቱ ምሞተ ነይሩ።