ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ፀጋን ሰላምን ናብ ገላትያ

ጳውሎስ ነቲ ወንጌል ፀጋ፥ ኣብ ልዕሊ እምነት ምሕላው ሕጊ ክውስኹ ኣንፃር እቶም ዝደልዩ ዝገበሮ ብርቱዕ ምክልኻል። ቀንዲ ኣርእስቱ ኸዓ፥ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ነፃነት እዩ።

ምዕራፍ 1።

ጳውሎስ፥ ካብ ሰብ ዘይኮነ፥ ብሰብ ድማ ዘይኮነ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስን በቲ ካብ ምዉታት ዘተስኦ ኣቦናን ዝኾነ ሃዋርያ፥ ምሳይ ዘለዉ ኵሎም ኣሕዋት ድማ፥ ናብተን ኣብ ገላትያ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፦ ፀጋን ሰላምን ካብ ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ንኣኻትኩም ይኹን፤ ንሱ ድማ ከም ፍቓድ ኣቦና፥ ካብዛ ሕዚ ዘላ እክይቲ ዓለም ምእንቲ ኸናግፈና፥ ምእንቲ ሓጢኣትና ርእሱ ኣሕለፈ፤ ንእኡ ኽብሪ ንዘለኣለመ ኣለም ይኹን። ኣሜን።

ካልእ ወንጌል የለን

ካብቲ በቲ ፀጋ ክርስቶስ ዝፀውዓኩም ናብ ካልእ ወንጌል ብኸምዙይ ቀልጢፍኩም ብምዝዋርኩም እገረም ኣለኹ። ካልእ ወንጌል ኣሎ ማለት ኣይኮነን—ገሊኦም ግና ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ክቕይንዎ እናደለዩ፥ የናውፁኹም ኣለዉ። ግና ንሕና ኮነ ኻብ ሰማይ ዝመፀ መልኣኽ፥ ብዘይ እቲ ዝሰበኽናልኩም ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፥ ርጉም ይኹን። ከምቲ ቐዲምና ዝበልናዮ፥ ሕዚ እውን መሊሰ እብል ኣለኹ፦ ሓደ እኳ ብዘይ እቲ እተቐበልኩሞ ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፥ እቱይ ሰብ ርጉም ይኹን።

ሕዚ ሞገስ ሰብ ድየ ዝደሊ ዘለኹ፥ ወይ ሞገስ ኣቦና? ንሰብ ከሕጉስ ድየ ዝደሊ? ገና ንሰብ ከሕጉስ እንተ ዝደሊ ነይረ፥ ባርያ ክርስቶስ ኣይምኾንኩን።

ኣቦ ንጳውሎስ ባዕሉ ፀውዖ

ኣቱም ኣሕዋተይ፥ እቲ ዝሰበኽኩዎ ወንጌል ከም ናይ ሰብ ዘይኮነ ኽትፈልጡ እደሊ ኣለኹ። ኣነ ብምግላፅ ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ እምበር፥ ካብ ሰብ ኣይተቐበልኩዎን፥ ኣይተመሃርኩዎንን። ቀደም ኣብ ይሁዲነት ዝነበረኒ ናብራ ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ ነታ ቤተ ክርስቲያን ኣቦና የመና ኸም ዝሰጐጕክዋን ከጥፍኣ ኸም ዝፈተንኩን። ካብ ብዙሓት ኣብ ወገነይ ዝነበሩ መዛነይ ንላዕሊ፥ ኣብ ይሁዲነት በሊፀ ነይረ፥ ንወግዒ ኣቦታተይ ድማ ኣዝየ ቐኒአ ነይረ። ግና እቲ ኻብ ከርሲ እኖይ ዝፈለየኒ፥ ብፀጋኡ ዝፀውዓኒ ኣቦና ደስ ምስ በሎ፥ ንወዱ ኣባይ ክገልፅ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ድማ ምእንቲ ኽሰብኾ፥ ሽዑ ንሽዑ ምስ ሓደ እኳ ኣይተማኸርኩን፤ ናብ ቅድመይ ናብ ዝነበሩ ሃዋርያት ናብ ኢየሩሳሌም ድማ ኣይደየብኩን፤ ናብ ዓረብ ደኣ ኸድኩ፥ ደጊመ ኸዓ ናብ ደማስቆ ተመለስኩ።

ድሕሪኡ፥ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፥ ንጴጥሮስ ክፈልጦ ናብ ኢየሩሳሌም ደየብኩ፥ ምስኡ ኸዓ ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ፀናሕኩ። ብዘይ ያእቆብ ሓው ጐይታ ግና፥ ካብቶም ካልኦት ሃዋርያት ሓደ እኳ ኣይረአኹን። በቲ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ ነገር፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኣይሕሱን ከም ዘለኹ የረጋግፀልኩም ኣለኹ። ድሕሪኡ ናብ ሃገር ሶርያን ቀሊቅያን ከድኩ። ነተን ኣብ ክርስቶስ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን ይሁዳ ግና፥ ገና ብገፀይ ኣይፈልጣኒን ነበራ። “እቲ ቐደም ዝሰጐገና፥ ነታ ቐደም ከጥፍኣ ዝፈተነ እምነት፥ ሕዚ ይሰብኻ ኣሎ” ዝብል ጥራሕ ይሰምዑ ነበሩ። ብኣይ ምኽንያት ድማ ንኣቦና ኣኽበርዎ።