ክትፍተኑ ተዳሊኹም ንዑ
እቲ ሳልሳይ ምብፃሕ ተወሲኑ ኣሎ፥ በዛ ጊዜ እዚኣ ድማ ጳውሎስ ነቶም ዝቐፀሉ ሓጥኣን ኣይራህርሀሎምን እዩ። ክርስቶስ ብእኡ ከም ዝዛረብ መረዳእታ ደለዩ፥ ስለዙይ ነቲ ፈተና ገልቢጡ፦ ንነፍስኹም ፈትኑ በሎም። ፈሪሱ ካብ ዝመፅእ፥ ብሓይሊ ኣቦና ድኹም መሲሉ ፍፁማት ኮይኖም ክረኽቦም ይመርፅ።
13 1እዝ ናባኻትኩም ዝመፅእ ዘለኹ፥ ሳልሳይ ጊዜ እዩ። “ኵሉ ነገር ብምስክርነት ክልተ ወይ ሰለስተ ምስክር ይረጋገፅ።” 2ነቶም ቀደም ሓጢኣት ዝገበሩን ነቶም ካልኦት ዅሎምን፥ ከምቲ ኣብ ካልኣይ ምብፃሐይ ኣብ ቅድሚኦም ኮይነ ዝበልክዎም፥ ቅድም ኢለ ነጊረዮም እየ፤ ሕዚ ኸዓ ርሑቕ እንተለኹ እነግሮም ኣለኹ፦ ዳግማይ እንተ መፃእኹ፥ ኣይራህርሀሎምን እየ፥ 3ክርስቶስ ብኣይ ከም ዝዛረብ መረዳእታ ትደልዩ ኣለኹም እሞ። ንሱ ናባኻትኩም ድኹም ኣይኮነን፥ ኣብ ማእኸልኩም ደኣ ሓያል እዩ እምበር። 4ብድኻም ተሰቒሉ እዩ እሞ፥ ብሓይሊ ኣቦና ግና ህያው ኮይኑ ይነብር እዩ። ንሕናውን ኣብኡ ድኹማት ኢና፥ ናባኻትኩም ግና ብሓይሊ ኣቦና ምስኡ ክንነብር ኢና።
5ንነፍስኹም ፈትኑ፤ ኣብ እምነት ኣለኹምዶ? ንነፍስኹም መርምሩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ከም ዘሎዶ ኣይትፈልጡን? እንተ ዘይኮይኑ ግና ፈተና ዝወደቕኩም ኢኹም። 6ንሕና ባዕልትና ፈተና ኸም ዘይወደቕና፥ ክትፈልጡ ኢኹም ኢለ እኣምን ኣለኹ።
7ንስኻትኩም ሓንቲ ክፉእ እኳ ከይትገብሩ፥ ንኣቦና ንልምኖ ኣለና፤ እዙይ ከዓ ንሕና ፍቱናት ኮይንና ምእንቲ ክንረአ ዘይኮነስ፥ ንሕና ዘይፍቱናት እኳ እንተ መሰልና፥ ንስኻትኩም እቲ ቅኑዕ ነገር ምእንቲ ክትገብሩ ደኣ እዩ። 8ንሓቂ ኽንፃረር ኣይንኽእልን ኢና እሞ፥ ንሓቂ ደኣ እምበር። 9ንሕና ድኹማት እንተለና ንስኻትኩም ድማ ሓያላት እንተለኹም፥ ንሕጐስ ኢና፤ ፍፁማት ክትኮኑ ድማ ንልምን ኢና። 10ስለዙይ እየ ርሑቕ እንተለኹ እዝ ነገር እዙይ ዝፅሕፍ ዘለኹ፤ እዙይ ከዓ ኣብ ምስ መፃእኹ፥ በቲ ጐይታ ንምህናፅ እምበር ንምፍራስ ዘይሃበኒ ስልጣን ተጠቒመ፥ ብትሪ ከይዛረበኩም ኢለ እየ።
ፍቕርን ሰላምን ኣቦና
11ኣብ መወዳእታ፥ ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ተሓጐሱ፤ ፍፁማት ክትኮኑ ፃዓሩ፤ ንሓድሕድኩም ተፀናንዑ፤ ሓደ ሕሳብ ሓስቡ፤ ብሰላም ንበሩ፤ እቲ ናይ ፍቕርን ሰላምን ኣቦና ኸዓ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ። 12ብቕዱስ ስዕመት ንሓድሕድኩም ሰላም ተበሃሃሉ።
13ኵሎም ቅዱሳን ሰላም ይብሉኻትኩም ኣለዉ።
14ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፍቕሪ ኣቦናን፥ ዓሚቝ ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትኩም ይኹን። a a v14 እዝ መዛዘሚ በረኸት እዙይ፥ ነቶም ሰለስቲኦም ኣካላት ሓቢሩ ይሰምዮም፦ ንወልድ፥ ንኣቦ፥ ንመንፈስ ቅዱስ፤ እዙይ ከዓ ነቲ ስም ኣቦና ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘንበረ ናይ ክህነት በረኸት ዘቃልሕ ናይ ሃዋርያት ድምፂ እዩ።