ጳውሎስ ነቶም ኣመንቲ የፅንዕ
ጳውሎስ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ሓሊፉ ተዛረበ፥ ኣብ መስኰት ዝደቀሰ ሓደ መንእሰይ ድማ ካብ ሳልሳይ ደርቢ ወዲቑ ሞተ፤ ጳውሎስ ወሪዱ ሓቚፉዎ፥ ንሱ ኸዓ ብህይወት ሃለወ። ድሕሪ እዙይ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ማእሰርቲ ከም ዝፅበዮ እናፈለጠ፥ ነቶም ዓበይቲ ኤፌሶን ነቲ መጓሰ ኣቦና ክሕልዉ ነገሮም። ገፁ ደጊም ከም ዘይርእዩ ኸዓ በኸዩ።
20 1እቲ ሁከት ምስ ኣኸተመ፥ ጳውሎስ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ፀዊዑ ኣተባቢዑ ተሰናቢቱ ናብ መቄዶንያ ከደ። 2ነተን ሃገራት እቲኣተን ሓሊፉ፥ ነቶም ኣመንቲ ብዙሕ ምተባባዕ ሂቡ፥ ናብ ግሪኽ መፀ። 3ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ፤ ናብ ሶርያ ብመርከብ ክኸይድ እንተሎ ኸዓ፥ ኣይሁድ ክጐድእዎ ስለ ዝተማኸሩ፥ ብመቄዶንያ ኣቢሉ ክምለስ ወሰነ። 4ሶጳጥሮስ ወዲ ጲሮስ ዓዲ ቤርያ፥ ኣርስጥርኮስን ሰኩንዶስን ዓዲ ተሰሎንቄ፥ ጋይዮስ ዓዲ ደርቤ፥ ጢሞቴዎስ፥ ቲኪቆስን ጥሮፊሞስን ዓዲ እስያ ድማ ኣሰንይዎ። 5እዚኣቶም ኣቐዲሞም ከይዶም ኣብ ጥሮኣስ ተፀበዩና። 6ድሕሪ መዓልቲታት በዓል ቅጫ ኸዓ ካብ ፊልጲ ብመርከብ ተበገስና፤ ኣብ ሓሙሽተ መዓልቲ ናብ ጥሮኣስ ናብኣቶም በፂሕና፥ ኣብኡ ድማ ሸውዓተ መዓልቲ ተቐመጥና።
ኣብ ጥሮኣስ ካብ ሞት ዝተንስአ መንእሰይ
7በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ እንጀራ ክንቘርስ ምስ ተኣከብና፥ ጳውሎስ ተዛረቦም፤ ንፅባሒቱ ክኸይድ ሓሲቡ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ዘረባ ኣንውሐ። 8ኣብቲ ተኣኪብናሉ ዝነበርና ላዕለዋይ ክፍሊ ድማ ብዙሕ መብራህቲ ነበረ። 9ኤውቲኮስ ዝተብሃለ መንእሰይ ድማ ኣብ መስኰት ተቐሚጡ፥ ጳውሎስ ዘረባ ኣንዊሑ እንተሎ፥ ናብ ከቢድ ድቃስ ጠልቀየ። ድቃስ ምስ ሰዓሮ ኸዓ፥ ካብ ሳልሳይ ደርቢ ወዲቑ፥ ሞይቱ ኣልዓልዎ። 10ጳውሎስ ከዓ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ተደፊኡ፥ ሓቚፉ ድማ “ኣይትሸበሩ፤ ህይወቱ ኣብኡ ኣላ” በሎም።
11ተመሊሱ ደዪቡ ኸዓ፥ እንጀራ ቘሪሱ በሊዑ፥ ክሳዕ ወጋሕታ ነዊሕ ጊዜ ምስኣቶም ተዛረበ፥ ሽዑ ኸደ። 12ነቲ መንእሰይ ድማ ብህይወቱ ናብ ቤቱ ኣምፅእዎ፥ የመናውን ተፀናንዑ።
ናብ ሚሊጦስ ዝነበረ ጕዕዞ
13ንሕና ኣቐዲምና ብመርከብ ናብ ኣሶን ከድና፥ ንጳውሎስ ኣብኡ ናብ መርከብ ከነደይቦ ሓሲብና ነበርና፤ ንሱ ብእግሩ ክኸይድ መሪፁ ነበረ እሞ። 14ኣብ ኣሶን ምስ ተራኸበና ኸዓ፥ ናብ መርከብ ኣደይብናዮ ናብ ሚጥሌኔ መፃእና። 15ካብኡ ብመርከብ ተበጊስና ኸዓ፥ ንፅባሒቱ ኣብ መንፅር ኪዮስ በፃሕና፤ ድሕሪኡ ዘሎ መዓልቲ ኣብ ሳሞስ ኣቢልና፥ ኣስዒብና ድማ ናብ ሚሊጦስ በፃሕና። 16ጳውሎስ ኣብ እስያ ጊዜ ምእንቲ ኸየሕልፍ፥ ንኤፌሶን ሓሊፉ ብመርከብ ክኸይድ መዲቡ ነበረ፤ ዝከኣል እንተ ኾይኑ፥ ብመዓልቲ ጰንጠቆስጤ ናብ ኢየሩሳሌም ክበፅሕ ይቕልጥፍ ነበረ እሞ።
17ካብ ሚሊጦስ ከዓ ናብ ኤፌሶን ልኢኹ ንዓበይቲ እታ ቤተ ክርስቲያን ናብኡ ክመፁ ፀውዖም። 18ምስ መፁ ኸዓ ከምዙይ በሎም፦ “ካብታ ናብ እስያ እግረይ ዝረገፅኩላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረ፥ ኵሉ ጊዜ ኣብ መንጎኹም ከመይ ከም ዝነበርኩ ትፈልጡ ኢኹም፤ 19ንጐይታና ኢየሱስ ብፍፁም ትሕትናን ብንብዓትን፥ ብተንኰል ኣይሁድ ኣብ ልዕለይ ብዝወረደ ፈተና እናገልገልኩ ነበርኩ፤ 20ዝጠቕመኩም ነገር ከይሓባእኩ ኸመይ ገይረ ኸም ዝገለፅኩልኩም፥ ብግልፅን ካብ ቤት ናብ ቤትን ድማ ከም ዝመሃርኩኹም ትፈልጡ ኢኹም፤ 21ንኣይሁድ ኮነ ንግሪካውያን፥ ናብ ኣቦና ዝኾነ ንስሃ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ዝኾነ እምነት ድማ እናመስከርኩ። 22ሕዚ ኸዓ፥ ብመንፈስ ተኣሲረ፥ ኣብኡ እንታይ ከም ዘጋጥመኒ እንተይፈለጥኩ፥ ናብ ኢየሩሳሌም እኸይድ ኣለኹ፤ 23ግናኸ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኵላ ኸተማ መቝሕን መከራን ከም ዝፅበዩኒ ይነግረኒ ኣሎ። 24ንህይወተይ ግና ዋጋ ኣይህብን፥ ንባዕለይውን ከም ሃብቲ ኣይቘፅራን እየ፤ ጕያይን ነቲ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ዝተቐበልክዎ ኣገልግሎትን ፈፂመ፥ ብዛዕባ ወንጌል ፀጋ ኣቦና ምእንቲ ኽምስክር ጥራሕ ደኣ እየ።
25ሕዚ ኸዓ፥ ካባኻትኩም እቶም ኣብ መንጎኦም መንግስቲ ኣቦና እናሰበኽኩ ዝተመላለስኩ ሓደ እኳ መሊሱ ገፀይ ከም ዘይርኢ እፈልጥ ኣለኹ። 26ስለዙይ ካብ ደም ኵሉ ንፁህ ከም ዝኾንኩ፥ ሎሚ መዓልቲ እምስክረልኩም ኣለኹ፤ a a v26 ‘ካብ ደም ኵሉ ንፁህ’፦ ጳውሎስ፥ ካብዞም ኣብዙይ ዘለዉ ሓደ እኳ ብመንፈስ እንተ ጠፍአ፥ ንሱ ስለ ዘየጠንቀቖም ከም ዘይኮነ — ሓደ ነገር እኳ ከም ዘይሓብአ — ይዛረብ ኣሎ ማለት እዩ። 27ኵሉ ምኽሪ ኣቦና ኸይገለፅኩልኩም ኣይተቖጠብኩን እየ እሞ። 28ንነፍስኹምን ንዅሉ እቲ መንፈስ ቅዱስ ተዓዘብቲ ዝገበረኩሞ መጓሰን ተጠንቀቑ፤ ነታ ብደም ወዱ ዝዓደጋ ቤተ ክርስቲያን ኣቦና ክትጓስይዋ እዩ። b b v28 እቲ ናይ ግሪኽ ቃል ብቓሉ “ብደም ናይ ባዕሉ” ኢሉ እዩ ዘንብብ፤ FHB ከዓ “ደም ወዱ” ኢሉ ኣቕሪብዎ — ኣቦና ነታ ቤተ ክርስቲያን ብዋጋ ደም ወዱ ኣጥረያ። ጳውሎስ ነዛ ሓቂ እዚኣ ኣብ ሮሜ 8፥32 ይጠቕሳ፦ ኣቦና ንወዱ ኣይበቐቖን ደኣ፥ ምእንቲ ኵላትና ኣሕሊፉ ሃቦ እምበር። 29ድሕሪ ምኻደይ፥ ነቲ መጓሰ ዘይምሕሩ ጨካናት ተዃሉ፥ ናብ ማእኸልኩም ከም ዝኣትዉ እፈልጥ እየ። 30ካባኻትኩም ድማ ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ክስሕቡ፥ ጥዉይ ነገር ዝዛረቡ ሰባት ክትንስኡ እዮም። 31ስለዙይ ተጠንቀቑ፤ ሰለስተ ዓመት መሉእ፥ ለይትን መዓልትን፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ብንብዓት ካብ ምጥንቃቕ ከም ዘይዓረፍኩ ዘክሩ። 32ሕዚ ኸዓ ንኣቦናን ነቲ ኽሃንፀኩምን ኣብ ማእኸል ኵሎም እቶም ዝተቐደሱ ርስቲ ኽህበኩምን ዝኽእል ቓል ፀጋኡን የማሕፅነኩም ኣለኹ። 33ናይ ሓደ እኳ ብሩር ወይ ወርቂ ወይ ክዳን ኣይተመኔኹን። 34እዘን ኣእዳው እዚኣተን ንዘድልየንን ነቶም ምሳይ ንዝነበሩን ከም ዘማልኣ፥ ባዕልኹም ትፈልጡ ኢኹም። 35ከምዙይ እናፀዓርና ንድኹማት ክንሕግዝ ከም ዘለና፥ ነቲ ባዕሉ ‘ካብ ምቕባል ምሃብ ዝያዳ ብፁእ እዩ’ ዝበሎ ቓል ጐይታና ኢየሱስ እናዘከርኩም፥ ብኵሉ ነገር ኣርኣኹኹም።”
36እዙይ ምስ በለ ኸዓ፥ ምስ ኵላቶም ተንበርኪኹ ፀለየ። 37ኵላቶም ድማ በኸዩ፤ ንጳውሎስ ሓቚፎም ሰዓምዎ፤ 38ብፍላይ ነቲ መሊሶም ገፁ ኸም ዘይርእዩ ዝበሎ ቓሉ እናሓዘኑ፥ ናብ መርከብ ኣፋነውዎ።