ባርናባስን ሳውልን ተፈለዩ
ኣብ ኣንጾኪያ ዝፆሙ መራሕቲ ንባርናባስን ሳውልን ሰደድዎም። ኣብ ቆጵሮስ ነቲ ገዛኢ ካብ ቃል ኣቦና ዝዓግት ጠንቋሊ ዓወረ። ኣብ ጲስድያ ዘላ ኣንጾኪያ ጳውሎስ ታሪኽ እስራኤል ክሳዕ ትንሳኤ ኣዘንተወ፤ እታ ኸተማ ተኣከበት፥ ቅንኢ ተላዓለ፥ እቶም ክልተ ኸዓ ናብ ኣህዛብ ኣምርሑ።
13 1ኣብታ ኣብ ኣንጾኪያ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ድማ ነቢያትን መምህራንን ነበሩ፦ ባርናባስ፥ እቲ ኔጌር ዝበሃል ስምኦን፥ ሉክዮስ ናይ ቀሬናን፥ ማናኤን (ምስ ሄሮድስ እቲ ሹም ካብ ንእስነቱ ብሓደ ዝዓበየ)፥ ሳውልን።
2ንጐይታና ኢየሱስ እናኣምለኹ ይፆሙ እንተለዉ ድማ፥ መንፈስ ቅዱስ ከምዙይ በለ፦ “ነቲ ዝፀዋዕክዎም ግብሪ፥ ንባርናባስን ንሳውልን ፈልዩለይ።”
3ሽዑ ፆይሞምን ፀሊዮምን ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊኦም ኣንቢሮም ሰደድዎም።
ቃል ኣቦና ናብ ቆጵሮስ በፅሐ
4ብመንፈስ ቅዱስ ተሰዲዶም ናብ ሴሉቅያ ወረዱ፤ ካብኣ ድማ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ተፃዕኑ። 5ናብ ሳላሚስ ምስ በፅሑ ድማ፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ ቃል ኣቦና ሰበኹ። ዮሃንስ ከዓ ሓጋዚኦም ነበረ። 6ብምሉእ እታ ደሴት ሰጊሮም ናብ ጳፎስ ምስ በፅሑ ድማ፥ ባርያሱስ ዝበሃል ኣስማተኛን ነቢይ ሓሰትን ዝኾነ ኣይሁዳዊ ረኸቡ፥ 7ንሱ ድማ ምስቲ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብኣይ ሰርግዮስ ጳውሎስ እቲ ገዛኢ ነበረ። ንሱ ኸዓ ቃል ኣቦና ክሰምዕ ስለ ዝደለየ፥ ንባርናባስን ንሳውልን ፀውዖም። 8ኤሊማስ እቲ ጠንቋሊ፥ ትርጉም ስሙ ኸዓ እዙይ እዩ፥ ነቲ ገዛኢ ካብ እምነት ክመልሶ ፈቲኑ ተቓወሞም። 9ሳውል ግና፥ እቲ ጳውሎስ ዝብሃልውን፥ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኣፅኒዑ ጠመቶ፥ 10ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ኣታ ወዲ ድያብሎስ፥ ፀላኢ ኵሉ ፅድቂ፥ ብኵሉ ተንኰልን ምትላልን ዝመላእካ፥ ነቲ ቅኑዕ መንገዲ ኣቦና ምጥዋይ ከቶ ኣይተቋርፅን ኢኻ? 11ሕዚ ኸዓ እንሆ፥ ኢድ ኣቦና ኣብ ልዕሌኻ ኣላ። ንቑሩብ ጊዜ ፀሓይ ክትርኢ ዘይኽእል ዕውር ክትከውን ኢኻ።” ብኡብኡ ኸዓ ግመን ፀልማትን ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ፤ እናዳህሰሰ ድማ ብኢዱ ዝመርሖ ሰብ ደለየ።
12እቲ ገዛኢ ድማ እቲ ዝኾነ ምስ ረአየ፥ ብትምህርቲ ጐይታና ኢየሱስ እናተገረመ ኣመነ።
ታሪኽ ኣቦና ኣብ ኣንጾኪያ ተሰብከ
13ጳውሎስን ብፆቱን ከዓ ካብ ጳፎስ ተፃዒኖም ናብ ጴርጌ ናይ ጵንፍልያ መፁ፤ ዮሃንስ ግና ሓዲግዎም ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ። 14ካብ ጴርጌ ከዓ ሓሊፎም ናብታ ኣብ ጲስድያ ዘላ ኣንጾኪያ መፁ። ብመዓልቲ ሰንበት ድማ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዮም ተቐመጡ። 15ድሕሪ ምንባብ ሕግን ነቢያትን ድማ፥ እቶም ሓለቓ ቤተ ፀሎት “ኣቱም ኣሕዋት፥ ንህዝቢ እትምዕዱሉ ቃል እንተ ኣልዩኩም፥ ተዛረቡ” ኢሎም ለኣኹ።
16ጳውሎስ ከዓ ተሲኡ ብኢዱ ኣመልኪቱ ከምዙይ በለ፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤልን ንኣቦና እትፈርሑን፥ ስምዑ። 17ኣቦና፥ ኣቦ እዝ ህዝቢ እስራኤል እዙይ፥ ነቦታትና ሓረዮም፤ ኣብ ምድሪ ግብፂ ተቐሚጦም እንተለዉ ኸዓ ኣዕበዮም፤ ብዝለዓለ ቅልፅም ድማ ካብኣ ኣውፅኦም። 18ኣስታት ኣርብዓ ዓመት ድማ ኣብ ምድረ በዳ ዓገሶም። 19ኣብ ምድሪ ከንዓን ሸውዓተ ኣህዛብ ኣጥፊኡ ድማ፥ ምድሮም ርስቲ ገይሩ ሃቦም። 20እዝ ኵሉ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ወሰደ። ድሕሪዙይ ክሳዕ ሳሙኤል ነቢይ ፈራዶ ሃቦም። 21ሽዑ ንጉስ ለመኑ፤ ኣቦና ድማ ንሳኦል ወዲ ቂስ፥ ካብ ነገድ ብንያም ዝኾነ ሰብኣይ፥ ኣርብዓ ዓመት ሃቦም። 22ንእኡ ኣርሒቑ ድማ ንዳዊት ንጉሶም ክኸውን ኣተስኦ፤ ብዛዕባኡ ድማ ከምዙይ ኢሉ መስከረ፦ ‘ንዳዊት ወዲ እሴይ፥ ከም ልበይ ዝኾነ ሰብኣይ፥ ኵሉ ዝደልዮ ዝገብር ረኺበዮ።’ 23ካብ ዘርኢ እዝ ሰብኣይ እዙይ ድማ ኣቦና ኸም ተስፋኡ፥ ንእስራኤል መድሕን ዝኾነ ኢየሱስ ኣምፅአ። 24ንሱ ቅድሚ ምምፅኡ፥ ዮሃንስ ንብዘሎ ህዝቢ እስራኤል ናይ ንስሃ ጥምቀት ሰቢኹ ነበረ። 25ዮሃንስ ከዓ ጒያኡ ክውድእ እንተሎ፥ ከምዙይ በለ፦ ‘ኣነ መን ይመስለኩም? ኣነ ንሱ ኣይኮንኩን። እንሆ ግና፥ ብድሕረይ ሓደ ይመፅእ ኣሎ፤ ኣነ ኣብ ኣእጋሩ ዘሎ ኣሳእን ክፈትሕ እኳ ኣይበቅዕን እየ።’
26“ኣቱም ኣሕዋት፥ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን፥ ካባኻትኩም ንኣቦና ዝፈርሑን፥ እዝ ቃል ድሕነት እዙይ ናባና ተላኢኹ እዩ። 27እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ህዝብን ሓለቕኦምን፥ ንእኡ ኣየለለይዎን፥ ነቲ ኵሉ ሰንበት ዝንበብ ቃላት ነቢያትውን ኣየስተውዓልዎን፤ ፈሪዶምዎ ኸዓ ነቲ ቓላት እቲ ፈፀምዎ። 28ዝቕተለሉ ምኽንያት እኳ እንተ ዘይረኸቡ፥ ንጲላጦስ ክቐትሎ ለመንዎ። 29ብዛዕባኡ እተፅሓፈ ዅሉ ምስ ፈፀሙ ድማ፥ ካብ ዕንፀይቲ ኣውሪዶም ኣብ መቓብር ኣንበርዎ። 30ኣቦና ግና ካብ ምዉታት ኣተስኦ፤ 31ንሱ ድማ ነቶም ካብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ምስኡ ዝደየቡ፥ ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ምስክሩ ዝኾኑ፥ ንብዙሕ መዓልቲታት ተራእዮም። 32ንሕና ኸዓ ነቲ ኣቦና ንኣቦታትና ዝተስፈዎ ብስራት ነበስረኩም ኣለና።
33ኣብ መዝሙር ካልኣይ ድማ ከም ዝተፅሓፈ፥ ንኢየሱስ ብምትሳእ፥ ነዙይ ንዓና ደቆም ፈፀመልና፦ ‘ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ።’
34ከም ብሓድሽ ናብ ምብስባስ ከይምለስ፥ ካብ ምዉታት ከም ዘተስኦ ድማ፥ ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ ‘እቲ ንዳዊት ዝተስፈኽዎ ቅዱስን እሙንን በረከት ክህበኩም እየ።’ 35ስለዙይ ድማ ኣብ ካልእ መዝሙር ከምዙይ ይብል፦ ‘ንቕዱስካ ኣብ መቓብር ክብስብስ ኣይትገድፎን ኢኻ።’ 36ዳዊት ከዓ ብዘመኑ ንፍቓድ ኣቦና ኣገልጊሉ ምስ ደቀሰ፥ ምስ ኣቦታቱ ተቐቢሩ ምብስባስ ረአየ፤ 37እቲ ኣቦና ዘተስኦ ግና ምብስባስ ኣይረአየን። 38እምበኣር ኣቱም ኣሕዋት፥ እዙይ ፍለጡ፤ በዝ ሰብኣይ እዙይ ሕድገት ሓጢኣት ይስበኸልኩም ኣሎ፤ 39ካብቲ ብሕጊ ሙሴ ሓራ ክትወፅኡሉ ዘይከኣልኩም ኵሉ፥ ኵሉ ብእኡ ዝኣምን ብእኡ ሓራ ይወፅእ። 40እምበኣር እቲ ኣብ ነቢያት እተዛረበ ኣባኻትኩም ከይወርድ ተጠንቀቑ፦ 41‘እንሆ፥ ኣቱም መላገፅቲ፥ ተገረሙ ጥፍኡ ከዓ፤ ኣነ ብመዓልቲታትኩም ሓደ ግብሪ እገብር ኣለኹ እሞ፥ ከቶ ዘይተኣምንዎ ግብሪ፥ ሓደ ሰብ እኳ እንተነገረኩም።’”
42ጳውሎስን በርናባስን ክወፁ እንተለዉ፥ እቶም ህዝቢ በታ እትስዕብ ሰንበት ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ መሊሶም ክዛረቡ ለመንዎም። 43እቲ ጉባኤ ቤተ ፀሎት ምስ ተወድአ፥ ብዙሓት ኣይሁድን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ናብ ይሁዲነት ዝኣተዉ ወገናትን ንጳውሎስን በርናባስን ሰዓብዎም፤ ንሳቶም ድማ ተዛሪቦም ኣብ ፀጋ ኣቦና ፀኒዖም ክነብሩ ለመንዎም።
44በታ እትስዕብ ሰንበት፥ ቃል ጐይታና ኢየሱስ ክሰምዑ ዳርጋ ኵላ እታ ኸተማ ተኣከቡ። 45እቶም ኣይሁድ ነቶም ህዝቢ ምስ ረአዩ፥ ቅንኣት መልኦም፤ ነቲ ጳውሎስ ዝዛረቦ ዝነበረ እናተቓወሙ ድማ ፀረፍዎ።
46ጳውሎስን በርናባስን ብትብዓት ከምዙይ በሉ፦ “ቃል ኣቦና ቅድም ንኣኻትኩም ክንገር ነበሮ። ንስኻትኩም ግና ስለ ዝነዓቕኩምዎ፥ ነፍስኹም ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይትበቅዑ ጌርኩም ስለ ዝፈረድኩም፥ እንሆ ናብ ኣህዛብ ንምለስ ኣለና።”
47ኣቦና ኸምዙይ ኢሉ ኣዚዙና ኣሎ እሞ፦ “ናብ ወሰን ምድሪ ምድሓን ምእንቲ ኽተብፅሕ፥ ንኣህዛብ ብርሃን ክትከውን ገይረካ ኣለኹ።”
48እቶም ኣህዛብ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ተሓጐሱ፤ ቃል ጐይታና ኢየሱስ ድማ ኣኽበሩ፤ እቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝተመደቡ ዅሎም ከዓ ኣመኑ። 49ቃል ጐይታና ኢየሱስ ድማ ኣብ ኵሉ እቲ ከባቢ ተዘርግሐ። 50እቶም ኣይሁድ ግና ነተን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሓ ፍሉጣት ኣንስትን ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝለዓሉ ሰብኡትን ኣለዓዒሎም፥ ኣብ ልዕሊ ጳውሎስን በርናባስን ስደት ኣበገሱ፤ ካብ ከባቢኦም ድማ ሰጎግዎም። 51ንሳቶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ዱር ኣእጋሮም ነገፉ፤ ናብ ኢቆንዮን ከዓ ከዱ። 52እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸዓ ብታሕጓስን ብመንፈስ ቅዱስን ተመልኡ።