ኣብ ኢቆንዮን ብትብዓት ምምስካር
ኣብ ልስጥራ ሓደ ሓንካስ ሰብኣይ ነጢሩ ተሲኡ፥ እቲ ህዝቢ ድማ ባርናባስን ጳውሎስን ድያን ሄርሜስን ወሪዶም ኢሉ ወሰነ። ንሳቶም ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብቲ ህያው ኣቦ ኣመልከቱ። ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ንጳውሎስ ብእምኒ ቐጥቀጦ፥ ከም ዝሞተ ጌሩ ኸዓ ሓደጎ። ንሱ ግና ተሲኡ ቐፀለ።
14 1ኣብ ኢቆንዮን ድማ ብሓንሳእ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣተዉ፤ ብዙሓት ኣይሁድን ግሪካውያንን ክሳዕ ዝኣምኑ ከዓ ተዛረቡ። 2እቶም ክኣምኑ ዝኣበዩ ኣይሁድ ግና፥ ንልቢ ኣህዛብ ኣለዓዒሎም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣሕዋት ኣመረርዎም። 3ንሳቶም ድማ ብዛዕባ ጐይታ ብትብዓት እናተዛረቡ ብዙሕ ጊዜ ፀንሑ፤ እቲ ጐይታ ኸዓ ብኢዶም ምልክትን ተኣምራትን እናገበረ፥ ነቲ ናይ ፀጋ ቓሉ ኣፅንዐ። 4እታ ኸተማ ግና ተፈላለየት፤ ገሊኦም ምስ ኣይሁድ፥ ገሊኦም ድማ ምስ ሃዋርያት ኮኑ። 5እቶም ኣህዛብን ኣይሁድን ምስ መኳንንቶም ኮይኖም፥ ክግፍዕዎምን ብእምኒ ክቕጥቅጥዎምን ምስ ተላዓሉ፥ 6እዙይ ፈሊጦም ናብተን ናይ ሊቃኦንያ ኸተማታት፥ ልስጥራን ደርቤን፥ ናብ ከባቢአንውን ሃደሙ፤ 7ኣብኡ ድማ ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ።
ኣቦ ኣብ ልስጥራ የሕዊ
8ኣብ ልስጥራ ኣእጋሩ ዝሰኣነ፥ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ሓንካስ ኮይኑ ዝተወልደ፥ ከቶ ተመላሊሱ ዘይፈልጥ ሓደ ሰብኣይ ተቐሚጡ ነበረ። 9ንሱ ድማ ጳውሎስ ክዛረብ እንተሎ ይሰምዕ ነበረ። ጳውሎስ ከዓ ኣትኲሩ ጠሚትዎ፥ ክሓዊ እምነት ከም ዘለዎ ረአየ፤ 10ብዓብዪ ድምፂ ድማ “ብኣእጋርካ ትኵል ኢልካ ደው በል” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ነጢሩ ተንሲኡ ክመላለስ ጀመረ። 11እቶም ህዝቢ እቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ምስ ረአዩ፥ ብቛንቋ ሊቃኦንያ ዓው ኢሎም “ኣማልኽቲ ብመልክዕ ሰብ ናባና ወሪዶም” በሉ። 12ንበርናባስ ድማ ድያ ኢሎም ፀውዕዎ፤ ንጳውሎስ ከዓ ንሱ እቲ ቀንዲ ተዛራባይ ስለ ዝነበረ ሄርሜስ ኢሎም ፀውዕዎ። 13እቲ ኣብ ቅድሚ እታ ኸተማ ቤተ መቕደሱ ዝነበረ ካህን ድያ ድማ፥ ምስቶም ህዝቢ ኽስውእ ስለ ዝደለየ፥ ኣብዑርን ዕንባባን ናብ ደጌታት ኣምፅአ።
14እቶም ሃዋርያት በርናባስን ጳውሎስን ግና እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ክዳውንቶም ቀዲዶም ዓው እናበሉ ናብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ጐየዩ፤ 15ከምዙይ ድማ በሉ፦ “ኣቱም ሰባት፥ ስለ ምንታይ እዙይ ትገብሩ ኣለኹም? ንሕናውን ከማኹም ዝኾነ ባህርይ ዘለና ሰባት ኢና። ካብዘን ከንቱ ነገራት ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ኵሉን ዝፈጠረ ህያው ኣቦ ክትምለሱ፥ ብስራት ነበስረኩም ኣለና። 16ንሱ ኣብቲ ዝሓለፈ ወለዶታት፥ ንዅሎም ኣህዛብ በብመንገዶም ክኸዱ ሓደጎም፤ 17ኮይኑ ግና፥ ፅቡቕ እናገበረ፥ ካብ ሰማይ ዝናምን ፈረይቲ ወቕቲታትን እናሃበኩም፥ ልብኹም ብመግብን ብሓጐስን እናመልአ፥ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን።”
18በዝ ዘረባ እዙይ እኳ፥ ነቶም ህዝቢ ከይስውኡሎም ፀጊሞም ገንሕዎም። 19ካብ ኣንፆክያን ካብ ኢቆንዮንን ዝመፁ ኣይሁድ ግና፥ ነቶም ህዝቢ ኣእሚኖም፥ ንጳውሎስ ብእምኒ ቐጥቂጦም፥ ሞይቱ መሲልዎም ናብ ወፃኢ እታ ኸተማ ጎተትዎ። 20እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸቢቦሞ እንተለዉ ግና፥ ተሲኡ ናብ እታ ኸተማ ኣተወ። ንፅባሒቱ ድማ ምስ በርናባስ ናብ ደርቤ ኸደ።
ንደቀ መዛሙርቲ ምብርታዕ
21ኣብታ ኸተማ እቲኣ ወንጌል ሰቢኾም፥ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ምስ ገበሩ፥ ናብ ልስጥራን ኢቆንዮንን ኣንፆክያን ተመለሱ፤ 22ነፍሲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ እናኣበርትዑ፥ ኣብ እምነት ክፀንዑ ኸዓ እናማሕፀንዎም፥ “ናብ መንግስቲ ኣቦና ብብዙሕ መከራ ኽንኣቱ ይግብአና እዩ” በልዎም። 23ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ድማ ሽማግለታት መዚዞሙሎም፥ ብፆም ፀሊዮም፥ ነቲ ዝኣመኑሉ ጐይታ ኣማሕፀንዎም።
24ብፒስድያ ኣቢሎም ድማ ናብ ጵንፍልያ መፁ። 25ኣብ ጴርጌ ድማ ቓል ተዛሪቦም ናብ ኣጣልያ ወረዱ፤ 26ካብኡ ኸዓ ናብ ኣንፆክያ ብመርከብ ተጓዓዙ፤ ኣብኣ ድማ ነቲ ዝወድእዎ ዕዮ ናብ ፀጋ ኣቦና ተማሕፂኖም ነበሩ። 27ምስ በፅሑ ድማ ነታ ቤተ ክርስቲያን ኣኪቦም፥ ኣቦና ምስኣቶም ኮይኑ ዝገበሮ ዅሉን፥ ንኣህዛብ ከመይ ገይሩ ኣፍ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን ነገርዎም። 28ኣብኡ ድማ ምስ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዙሕ ጊዜ ፀንሑ።