እስራኤል ብሳሙኤል ሓዘነ
ናባል ንሰብ ዳዊት ንጓሶቱ ድሕሪ ምሕላዎም ፀረፎም፤ ዳዊት ድማ ኣብ ቤቱ ንዝነበረ ዅሉ ተባዕታይ ክቐትል ሰይፉ ተዓጠቐ። ኣቢግያ ድማ ምግቢ ሒዛ ወፂኣ ኣእመነቶ፦ ኣቦና ናብ ዝፋን ኣብ ዝኸደሉ ኻብ በደል ደም ይከልክሎ ኣሎ። ናባል ድማ ሞተ።
25 1ሳሙኤል ድማ ሞተ፤ ኵሎም እስራኤል ከዓ ተኣከቡ፥ ብዛዕባኡ ሓዘኑ፥ ኣብ ገዛኡ ኣብ ራማ ድማ ቀበርዎ። ዳዊት ከዓ ተሲኡ ናብ በረኻ ፓራን ወረደ።
2ኣብ ማዖን ድማ ሓደ ሰብኣይ ነበረ፤ ጥሪቱ ኸዓ ኣብ ቀርሜሎስ ነበረ። እቲ ሰብኣይ የመና ሃብታም ነበረ፤ ሰለስተ ሽሕ ኣባጊዕን ሽሕ ኣጣልን ነበርዎ። ኣብ ቀርሜሎስ ከዓ ፀጕሪ ኣባጊዑ ይቐርፅ ነበረ። 3ስም እቲ ሰብኣይ ናባል ነበረ፤ ስም ሰበይቱ ኸዓ ኣቢግያ ነበረ። ንሳ ለባም፥ ፅብቕቲ ድማ ነበረት፤ ንሱ ግና ኣብ ኣካይዳኡ ሕሱም፥ ጨካን ድማ ነበረ፤ ካብ ዓሌት ካሌብ እዩ ነይሩ። 4ዳዊት ድማ ኣብ በረኻ እንተሎ፥ ናባል ፀጕሪ ኣባጊዑ ይቐርፅ ከም ዘሎ ሰምዐ። 5ዳዊት ድማ ዓሰርተ መንእሰያት ለኣኸ፤ ነቶም መንእሰያት ከዓ ከምዙይ በሎም፦ “ናብ ቀርሜሎስ ድይቡ፤ ናብ ናባል ከዓ ኺዱ፥ ብስመይ ድማ ሰላም በልዎ። 6ከምዙይ ድማ በልዎ፦ ‘ዕምሪ ይሃብካ። ሰላም ንዓኻ፥ ሰላም ንቤትካ፥ ሰላም ድማ ንዅሉ ዘሎካ ይኹን።’ 7ፀጕሪ ኣባጊዕ ከም እትቐርፅ ሰሚዐ ኣለኹ። ጓሶትካ ምሳና ነበሩ፤ ብሓንቲ እኳ ኣይበደልናዮምን፤ ኣብ ቀርሜሎስ ኣብ ዝነበሩሉ ዅሉ ጊዜ ድማ ሓንቲ እኳ ኣይጎደሎምን። 8ንመንእሰያትካ ጠይቖም፥ ንሳቶም ድማ ክነግሩኻ እዮም። እዞም መንእሰያተይ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ይርከቡ፤ ኣብ በዓል መዓልቲ መፂእና ኣለና እሞ። በይዛኻ ዝርከበካ ንባሮትካን ንዳዊት ወድኻን ሃብ።”
9መንእሰያት ዳዊት ድማ መፂኦም እዝ ዅሉ ቃላት እዙይ ብስም ዳዊት ንናባል ነገርዎ፤ ደው ኢሎም ከዓ ተፀበዩ።
10ናባል ድማ ንባሮት ዳዊት ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ዳዊት መን እዩ? እዝ ወዲ እሴይ ከ መን እዩ? ሎሚ ኻብ ጐይቶቶም ዝፍለዩ ባሮት በዚሖም ኣለዉ። 11ነቲ እንጀራይን ማየይን ነቲ ንቐራፅቲ ኣባጊዐይ ዝሓረድክዎ ስጋን ወሲደ፥ ካበይ ምዃኖም ንዘይፈልጦም ሰባትዶ ክህብ?”
12መንእሰያት ዳዊት ድማ ተመሊሶም፥ ምስ በፅሑ ኵሉ እዝ ቃላት እዙይ ነገርዎ።
13ዳዊት ድማ ንሰቡ “ነፍሲ ወከፍኩም ሰይፉ ይዓጠቕ!” በሎም። ነፍሲ ወከፍ ድማ ሰይፉ ተዓጠቐ፤ ዳዊትውን ተዓጠቐ። ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ድማ ደድሕሪ ዳዊት ደየቡ፤ ክልተ ሚእቲ ኸዓ ምስ ኣቑሑ ተረፉ።
14ሓደ ኻብቶም መንእሰያት ድማ ንኣቢግያ ሰበይቲ ናባል ከምዙይ በላ፦ “ዳዊት ካብ በረኻ ንጐይታና ሰላም ክብሉ ልኡኻት ለኣኸ፤ ንሱ ግና ፀርፊ ደርበየሎም። 15እዞም ሰባት እዚኣቶም የመና ፅቡቓት ነበሩልና። ከቶ ኣይጎድኡናን፤ ምስኣቶም ኣብ መሮር ኣብ ዝዞርናሉ ዅሉ ጊዜ ድማ ሓንቲ እኳ ኣይጎደለናን። 16ኣባጊዕ ክንጓሲ ምስኣቶም ኣብ ዝነበርናሉ ዅሉ ጊዜ፥ ለይትን መዓልትን መንደቕ ኮይኖም ከበቡና። 17ሕዚ ድማ እንታይ ከም እትገብሪ ፍለጢ እሞ ርአዪ፤ ኣብ ልዕሊ ጐይታና፥ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ቤቱ ድማ መዓት ተመዲቡ ኣሎ እሞ። ንሱ ኽፉእ ሰብ እዩ እሞ ዝዛረቦ የለን።”
18ኣቢግያ ድማ ቀልጢፋ ኽልተ ሚእቲ እንጀራን ክልተ ሓርቢ ወይንን ሓሙሽተ ዝተዳለዋ ኣባጊዕን ኣስታት ሓሙሽተ መስፈሪ ቆሎን ሚእቲ ዘለላ ዘቢብን ክልተ ሚእቲ ቍራስ በለስን ወሲዳ፥ ኵሉ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣእዱግ ፅዓነቶ። 19ነቶም ኣገልገልታ ድማ “ቀቅድመይ ኪዱ፤ ኣነ ድማ ክስዕበኩም እየ” በለቶም። ንሰብኣያ ናባል ግና ሓንቲ እኳ ኣይነገረቶን። 20ኣብ ኣድጋ ተቐሚጣ በቲ ስዉር መንገዲ እምባ ክትወርድ እንተላ፥ ዳዊትን ሰቡን ናብኣ እናወረዱ መፁ እሞ ተራኸበቶም።
21ዳዊት ድማ ከምዙይ ኢሉ ነበረ፦ “ኣነ ነቲ እዝ ሰብኣይ እዙይ ኣብ በረኻ ዘለዎ ዅሉ ንኸንቱ ሓሎኽዎ፤ ካብ ናቱ ሓንቲ እኳ ኣይጠፍአትን፤ ንሱ ግና ኣብ ክንዲ ፅቡቕ ክፉእ ፈደየኒ። 22ካብ ኵሎም ናቱ ዝኾኑ ሓደ ተባዕታይ ክሳዕ ወጋሕታ ብህይወት እንተ ኣትሪፈ፥ ኣቦና ንፀላእቲ ዳዊት ከምዙይ ይግበሮም፥ ካብዙይ ዝኸፍአ ድማ ይወስኸሎም።”
23ኣቢግያ ድማ ንዳዊት ምስ ረአየት፥ ቀልጢፋ ካብ ኣድጋ ወሪዳ፥ ብገፃ ተደፊኣ ናብ ምድሪ ሰገደትሉ። 24ኣብ እግሩ ድማ ወዲቓ ከምዙይ በለት፦ “ጐይታይ፥ እቲ በደል ኣባይ ኣብ በይነይ ይኹን። በይዛኻ ኣነ ኣገልጋሊትካ ክዛረበካ ሕደገኒ፤ ቃላት ኣገልጋሊትካ ድማ ስማዕ። 25ጐይታይ፥ በይዛኻ ነዝ ኽፉእ ሰብኣይ ናባል ኣይትቝፀረሉ፤ ንሱ ኸም ስሙ እዩ እሞ፤ ናባል ዓሻ ማለት እዩ፥ ዕሽነትውን ምስኡ ኣሎ። ኣነ ኣገልጋሊትካ ድማ ነቶም ጐይታይ ዝለኣኽካዮም መንእሰያት ኣይረአኽዎምን። 26ሕዚ ድማ፥ ጐይታይ፥ ኣቦና ህያው ከም ዝኾነ ነፍስኻውን ህያው ከም ዝኾነት፥ ኣቦና ደም ካብ ምፍሳስ፥ ብናይ ባዕልኻ ኢድ ሕነ ካብ ምፍዳይ ድማ ከም ዝኸልከለካ፥ ፀላእትኻን ኵሎም ንጐይታይ ክጎድኡ ዝደልዩን ከም ናባል ይኹኑ። 27ሕዚ ድማ እዝ ኣገልጋሊትካ ንጐይታይ ዘምፅአቶ ገፀ በረኸት እዙይ፥ ነቶም ደድሕሪ ጐይታይ ዝኸዱ መንእሰያት ይወሃብ። 28ኣቦና ንጐይታይ ነባር ቤት ክሰርሓሉ ብርግፅ እዩ እሞ፥ ናይ ኣገልጋሊትካ በደል ይቕረ በለ፤ ጐይታይ ውግእ ኣቦና ይዋጋእ ኣሎ እዩ እሞ። ብዅሉ ዘመን ህይወትካ ድማ ክፍኣት ኣባኻ ኣይረኸብ። 29ሓደ ሰብ ክሰጎካ፥ ነፍስኻ ድማ ክደሊ እንተ ተልዓለ፥ ነፍሲ ጐይታይ ምስ ኣቦኻ ኣብ ቍፃር ህያዋን ተኣሲራ ብደሓን ክትፅንሕ እያ፤ ነፍሲ ፀላእትኻ ግና ከምቲ ብጉድጓድ ወንጭፍ ዝውርወር ኣርሒቑ ክድርብያ እዩ። 30ኣቦና ነቲ ብዛዕባኻ ተዛሪብዎ ዝነበረ ዅሉ ፅቡቕ ንጐይታይ ምስ ገበረሉ፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድማ ገዛኢ ምስ ገበረካ፥ 31እዙይ ንጐይታይ ብዘይ ምኽንያት ደም ብምፍሳስ ወይ ብናይ ባዕሉ ሕነ ብምፍዳይ ጓህን ዕንቅፋት ልብን ኣይኸውንን። ኣቦና ድማ ንጐይታይ ፅቡቕ ምስ ገበረሉ፥ ንኣገልጋሊትካ ዘክር።”
32ዳዊት ድማ ንኣቢግያ ከምዙይ በላ፦ “እቲ ሎሚ ኽትረኽበኒ ዝለኣኸኪ ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ብሩኽ ይኹን። 33እቲ ፅቡቕ ምኽርኺ ብሩኽ ይኹን፤ ንስኺ ኸዓ ሎሚ ደም ካብ ምፍሳስ፥ ብናይ ባዕለይ ኢድ ሕነ ካብ ምፍዳይ ድማ ዝኸልከልክኒ ብርኽቲ ኹኒ። 34ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ እቲ ኸይጎድኣኪ ዝኸልከለኒ ህያው ከም ዝኾነ፥ ቀልጢፍኪ ኽትረኽብኒ እንተ ዘይመፂእኪ፥ ካብ ናባል ሓደ ተባዕታይ እኳ ክሳዕ ወጋሕታ ኣይምተረፎን ነይሩ።”
35ዳዊት ድማ ነቲ ኣምፂኣትሉ ዝነበረት ካብ ኢዳ ተቐበለ፤ ከምዙይ ከዓ በላ፦ “ብሰላም ናብ ገዛኺ ኪዲ። እንሆ፥ ድምፅኺ ሰሚዐ ልመናኺ ተቐቢለ ኣለኹ።”
36ኣቢግያ ድማ ናብ ናባል ምስ መፀት፥ እንሆ፥ ኣብ ቤቱ ኸም ናይ ንጉስ በዓል ገይሩ ነበረ። ልቡ ኸዓ ተሓጒሱ ነበረ፤ የመና ድማ ሰኺሩ ነበረ እሞ፥ ክሳዕ ወጋሕታ ሓንቲ እኳ ኣይነገረቶን። 37ወጋሕታ ኸዓ፥ ወይኒ ካብ ናባል ምስ ወፀ፥ ሰበይቱ እዝ ዅሉ ነገረቶ። ልቡ ድማ ኣብ ውሽጡ ሞተ፤ ከም እምኒ ድማ ኾነ። 38ኣስታት ዓሰርተ መዓልቲ ድሕሪዙይ ከዓ፥ ኣቦና ንናባል ወቕዖ እሞ ሞተ።
39ዳዊት ድማ ናባል ከም ዝሞተ ምስ ሰምዐ ከምዙይ በለ፦ “ነቲ ናባል ዝፀረፈኒ ፀርፊ ዝተማጎተለይ፥ ንባርያኡ ድማ ኻብ ክፉእ ዝኸልከለ ኣቦና ብሩኽ ይኹን። ኣቦና ድማ ክፍኣት ናባል ናብ ርእሱ መለሶ።” ድሕሪዙይ ዳዊት ኣቢግያ ሰበይቱ ኽትከውን ልኢኹ ተዛረባ።
40ባሮት ዳዊት ድማ ኣብ ቀርሜሎስ ናብ ኣቢግያ መፁ፤ ከምዙይ ከዓ በልዋ፦ “ዳዊት ሰበይቱ ኽንገብረኪ ለኣኸና።”
41ተንሲኣ ድማ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደት፤ “እኒሃ ኣገልጋሊትካ፥ ከተገልግልን ንኣእጋር ኣገልገልቲ ጐይታይ ክትሓፅብን ድልውቲ እያ” ድማ በለት። 42ኣቢግያ ድማ ቀልጢፋ ተሲኣ ኣብ ኣድጋ ተቐመጠት፤ ምስ ሓሙሽተ ኣግራዳ ኸዓ ነቶም ልኡኻት ዳዊት ሰዓበቶም፤ ሰበይቱ ድማ ኾነት። 43ዳዊት ድማ ንኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤል ኣእተዋ፤ ክልቲአን ድማ ኣንስቱ ኾና። 44ሳኦል ከዓ ንሚካል ጓሉ፥ ሰበይቲ ዳዊት፥ ነቲ ኻብ ጋሊም ዝነበረ ጳልጢኤል ወዲ ሌሳ ሃባ።