ዳዊት ነቲ ቅቡእ ኣቦ ራህርሀሉ
ሳኦል ናብታ ዳዊት ዝተሓብአላ በዓቲ ኣተወ። ሰብ ዳዊት ህያብ እዩ በልዎ፤ ንሱ ግና ኣብ ክንድኡ ጫፍ ክዳኑ ቘረፀ፥ እዙይ እኳ ንሕሊናኡ ወቐሶ። ኣብ ወፃኢ ድማ ንሳኦል ኣቦይ ኢሉ ፀውዖ፥ ኣብ መንጎኦም ከዓ ንኣቦና ክፈርድ ሓደገ።
24 1ሳኦል ንፍልስጥኤማውያን ስዒቡ ካብ ምስጓጎም ምስ ተመለሰ፥ “ዳዊት ኣብ ምድረ በዳ ዓይንጋዲ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። 2ሳኦል ንዳዊትን ንሰቡን ኣብ ቅድሚ ኣኻውሕ ጤል በረኻ ክደሊ፥ ካብ ብዘሎ እስራኤል ዝተሓርዩ ሰለስተ ሽሕ ሰብኡት ሒዙ ኸደ። 3ናብቲ ኣብ ጥቓ መንገዲ ዝነበረ ደምበታት ኣባጊዕ በፅሐ፤ ኣብኡ ኸዓ በዓቲ ነበረ። ሳኦል ቀልቀል ክወፅእ ናብቲ በዓቲ ኣተወ፤ ዳዊትን ሰቡን ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ተቐሚጦም ነበሩ። 4ሰብ ዳዊት ድማ፥ “እንሆ፥ ኣቦና ‘ንፀላኢኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ክህበካ እየ፤ ከም ዝደለኻዮ ኸዓ ግበሮ’ ኢሉ ዝበለካ መዓልቲ እዚኣ እያ” በልዎ። ዳዊት ድማ ተሲኡ፥ ጫፍ ክዳን ሳኦል ብሕቡእ ቈረፀ። 5ድሕሪ እዙይ ዳዊት ጫፍ ክዳን ሳኦል ስለ ዝቘረፀ፥ ሕሊናኡ ወቐሶ። 6ነቶም ሰቡ ድማ፥ “ኢደይ ኣብ ልዕሊ ጐይታይ፥ እቲ ንሱ ዝቐብኦ፥ ኣልዒለ ከምዙይ ክገብሮ፥ ኣቦና ይከልክለኒ፤ ንሱ እቲ ኣቦና ዝቐብኦ እዩ እሞ” በሎም። 7ዳዊት በዘን ቃላት እዚኣተን ነቶም ሰቡ ኣብ ልዕሊ ሳኦል ከይትንስኡ ኸልከሎም። ሽዑ ሳኦል ካብቲ በዓቲ ወፂኡ መንገዱ ኸደ። 8ዳዊት ድማ ተሲኡ ካብቲ በዓቲ ወፅአ፥ ደድሕሪ ሳኦል ከዓ “ኦ ጐይታይ ንጉስ!” ኢሉ ፀውዐ። ሳኦል ከዓ ንድሕሪት ምስ ጠመተ፥ ዳዊት ብገፁ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ሰገደ።
9ዳዊት ድማ ንሳኦል፥ “ነቶም ‘እንሆ፥ ዳዊት ክፉእ ክገብረካ ይደሊ ኣሎ’ ዝብሉ ሰባት ቃል ስለ ምንታይ ትሰምዕ?” በሎ። 10ሎሚ ኣቦና ኣብቲ በዓቲ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ከም ዝሃበካ ዓይንኻ ረአየ። ገሊኦም ድማ ክቐትለካ በሉኒ፤ ኣነ ግና ራህርሀልካ እሞ፥ “ንሱ እቲ ኣቦና ዝቐብኦ እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ጐይታይ ኢደይ ኣየልዕልን እየ” በልኩ። 11እንሆ፥ ኣቦይ! ጫፍ ክዳንካ ኣብ ኢደይ እንሆ! ቘሪፀዮ ኣይቀተልኩኻን። ኣብ ኢደይ ክፍኣት ኮነ ክድዓት ከም ዘይብሉ ፈሊጥካ ርአ። ኣነ ኣይበደልኩኻን፤ ንስኻ ግና ነፍሰይ ክትወስዳ ትሃድና ኣለኻ። 12ኣቦና ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፤ ኣቦና ድማ ካባኻ ሕነይ ይፍደየለይ፤ ኢደይ ግና ኣይትንክአካን እያ። 13ከምቲ ናይ ጥንቲ ምስላ “ካብ ሓጥኣን ክፍኣት ይወፅእ” ዝብል፥ ኢደይ ኣብ ልዕሌኻ ኣይትኸውንን እያ። 14ንጉስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ መን እዩ ወፂኡ? ንመን ኢኻ እትሰጕግ ዘለኻ? ንምዉት ከልቢ ድዩ? ንሓደ ቑንጪዶ? 15ኣቦና ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፤ ይርኢ፤ ፍርደይ ይፍረድ ድማ ካብ ኢድካ የናግፈኒ።
16ዳዊት እዝ ቃላት እዚ ንሳኦል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ ሳኦል “ድምፅኻ ድዩ እዚ ወደይ ዳዊት?” በለ፤ ዓው ኢሉ ኸዓ በኸየ። 17ንዳዊት ድማ፥ “ንስኻ ካባይ ትበልፅ ፃድቕ ኢኻ፤ ንስኻ ፅቡቕ ገበርካለይ፥ ኣነ ግና ክፉእ ገበርኩልካ። 18ሎሚ እቲ ዝገበርካለይ ፅቡቕ ኣርኣኻኒ፤ ኣቦና ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሃበኒ፥ ንስኻ ግና ኣይቀተልካንን። 19ሰብ ንፀላኢኡ እንተ ረኺብዎ፥ ብደሓን ይሓድጎዶ? ኣቦና በቲ ሎሚ ዝገበርካለይ ፅቡቕ ይፍደየካ። 20ሕዚ ድማ ብርግፅ ንጉስ ከም እትኸውን፥ መንግስቲ እስራኤልውን ኣብ ኢድካ ፅንዕቲ ኾይና ኸም እትቐውም እፈልጥ ኣለኹ። 21ስለዙይ ብኣቦና መሓለለይ፤ ድሕረይ ንዘርአይ ከም ዘይተጥፍኦ፥ ስመይ ከዓ ካብ ቤት ኣቦይ ከም ዘይትድምስሶ።”
22ዳዊት ድማ ንሳኦል መሓለሉ። ሳኦል ናብ ቤቱ ኸደ፤ ዳዊትን ሰቡን ከዓ ናብቲ ፅኑዕ ቦታ ደየቡ።