ዳዊት ነቲ ኣቦና ዝቐብኦ መሊሱ ኣይቀተሎን
ዳዊት ኵሎም ደቂሶም እንተለዉ ብለይቲ ናብ ሰፈር ሳኦል ኣትዩ፥ ነቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዝነበረ ዂናት ወሰደ። ኣቢሳ ብሓደ ውርወራ ኽወግኦ ደለየ፤ ዳዊት ግና ነቲ ኣቦና ዝቐብኦ ክትንክፍ ኣበየ። ርሑቕ ኮይኑ ነቲ መረጋገፂ ዓው ኢሉ ኣእወየ፥ ሳኦል ድማ መሊሱ ሓጢአ በለ።
26 1ዚፋውያን ድማ ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ መፂኦም፦ “ዳዊትዶ ኣብ መንፅር የሴሞን ኣብ ዘሎ ዀረብታ ኤኬላ ተሓቢኡ የለን?” በልዎ። 2ሽዑ ሳኦል ተሲኡ፥ ንዳዊት ኣብ ምድረ በዳ ዚፍ ክደሊ፥ ካብ እስራኤል ዝተሓርዩ ሰለስተ ሽሕ ሰብኡት ሒዙ ናብ ምድረ በዳ ዚፍ ወረደ። 3ሳኦል ድማ ኣብ መንገዲ ጥቓ፥ ኣብ መንፅር የሴሞን ኣብ ዘሎ ዀረብታ ኤኬላ ሰፈረ። ዳዊት ግና ኣብ ምድረ በዳ ይቕመጥ ነበረ፤ ዳዊት ከዓ ሳኦል ደድሕሪኡ ናብ ምድረ በዳ ከም ዝሰዓበ ረአየ፤ 4ዳዊት ድማ ሰለልቲ ሰዲዱ፥ ሳኦል ብርግፅ ከም ዝመፀ ፈለጠ። 5ዳዊት ድማ ሳኦል ናብ ዝሰፈረሉ ቦታ ከደ። ሳኦልን ኣበኔር ወዲ ኔር ሓለቓ ሰራዊቱን ዝደቀሱሉ ቦታ ከዓ ረአየ። ሳኦል ኣብ ማእኸል እቲ ሰፈር ደቂሱ ነበረ፤ እቲ ሰራዊት ድማ ኣብ ዙርያኡ ነበረ። 6ዳዊት ድማ ንኣቢሜሌክ እቲ ኬጢያዊን ንኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ሓው ኢዮኣብን “ናብ ሰፈር ሳኦል ምሳይ መን ይወርድ?” በሎም። ኣቢሳ ከዓ “ኣነ ምሳኻ ክወርድ እየ” በለ።
7ዳዊትን ኣቢሳን ድማ ብለይቲ ናብቲ ሰራዊት መፁ። ሳኦል ከዓ ዂናቱ ኣብ ጥቓ ርእሱ ኣብ ምድሪ ተተኺሉ፥ ኣብ ማእኸል እቲ ሰፈር ደቂሱ ነበረ፤ ኣበኔርን እቲ ሰራዊትን ድማ ኣብ ዙርያኡ ነበሩ። 8ኣቢሳ ድማ ንዳዊት “ኣቦና ሎሚ ንፀላኢኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡካ ኣሎ። ስለዙይ በይዛኻ ብሓደ ዂናት ናብ ምድሪ ክወግኦ ሕደገኒ፤ ካልኣይ ጊዜ ኣየድልን እዩ” በሎ።
9ዳዊት ግና ንኣቢሳ “ኣይተጥፍኦ! ኢዱ ናብቲ ኣቦና ዝቐብኦ ዘርጊሑ መን እዩ ካብ በደል ዝነፅህ?” በሎ። 10ዳዊት ድማ “ብህያው ኣቦና፥ ኣቦና ባዕሉ ክቐስፎ እዩ፤ ወይ መዓልቱ መፂኣ ክመውት እዩ፤ ወይ ድማ ናብ ውግእ ወሪዱ ክጠፍእ እዩ። 11ኢደይ ናብቲ ኣቦና ዝቐብኦ ከልዕል፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ከምኡ ከቶ ኣይኹን። ሕዚ ኸዓ ነቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዘሎ ዂናትን ዕትሮ ማይን ወሲድካ ንኺድ” በለ።
12ዳዊት ድማ ነቲ ዂናትን ዕትሮ ማይን ካብ ጥቓ ርእሲ ሳኦል ወሲዱ ኸዱ። ካብ ኣቦና ዝመፀ ከቢድ ድቃስ ኣብ ኵላቶም ወዲቑ ነበረ እሞ፥ ዝረኣዮም ኮነ ዝፈለጠ ኮነ ዝተበራበረ ሓደ እኳ ኣይነበረን።
13ሽዑ ዳዊት ተሳጊሩ፥ ኣብ መንጎኦም ርሑቕ ቦታ ገዲፉ፥ ኣብ ርእሲ ርሑቕ ዀረብታ ደው በለ። 14ዳዊት ድማ ነቲ ሰራዊትን ንኣበኔር ወዲ ኔርን ፀዊዑ “ኣበኔር፥ ኣይትምልስንዶ?” በለ። ኣበኔር ከዓ “ንንጉስ እትፅውዕ ዘለኻ ንስኻ መን ኢኻ?” ኢሉ መለሰ።
15ዳዊት ድማ ንኣበኔር “ንስኻ ሰብኣይዶ ኣይኮንካን? ኣብ እስራኤልከ ከማኻ መን ኣሎ? ስለ ምንታይ ንጐይታኻ ንጉስ ዘይሓለኻዮ? ሓደ ሰብ ንጐይታኻ ንጉስ ከጥፍእ መፂኡ ነበረ። 16ዝገበርካዮ ፅቡቕ ኣይኮነን። ንጐይታኻ ነቲ ኣቦና ዝቐብኦ ስለ ዘይሓሎኹምዎ፥ ብህያው ኣቦና፥ ክትሞቱ ይግብኣኩም እዩ። ሕዚ ኸዓ እቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዝነበረ ዂናት ንጉስን ዕትሮ ማዩን ኣበይ ከም ዘሎ ረአ” በሎ።
17ሳኦል ከዓ ንድምፂ ዳዊት ኣለልዩ “እዙይ ድምፅኻ ድዩ ወደይ ዳዊት?” በለ። ዳዊት ከዓ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ ድምፀይ እዩ” በለ።
18ከምዙይ ድማ በለ፦ “ጐይታይ ስለ ምንታይ ንባርያኡ ይሳጕጎ ኣሎ? እንታይ ገይረ? ኣብ ኢደይከ እንታይ ክፍኣት ኣሎ? 19ሕዚ ጐይታይ ንጉስ ቃል ባርያኡ ይስማዕ፤ ኣቦና ኣባይ ኣልዒሉካ እንተ ኾይኑ፥ መስዋእቲ ይቀበል፤ እዙይ ዝገበሩ ሰባት እንተ ኾይኖም ግና፥ ኣብ ቅድሚኡ ርጉማት ይኹኑ፤ ‘ኺድ፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣምልኽ’ እናበሉ፥ ሎሚ ካብቲ ኣብ ርስቱ ዘሎ ግደይ ሰጕጎምኒ ኣለዉ እሞ። 20ሕዚ ኸዓ ደመይ፥ ካብ ቅድሚ ኣቦና ርሒቑ ኣብ ምድሪ ኣይፍሰስ፤ ንጉስ እስራኤል፥ ከምቲ ኣብ ኣኽራን ጨጓራ ዝሳጐጕ፥ ንሓንቲ ቝንጪ ክደሊ ወፂኡ ኣሎ እሞ” በሎ።
21ሳኦል ድማ “በዲለ ኣለኹ። ወደይ ዳዊት፥ ተመለስ። ሎሚ ነፍሰይ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ክብርቲ ኾይና እያ እሞ፥ ደጊመ ክፉእ ኣይገብረካን እየ። ዓሻ ኾይነ ብዙሕ ተጋጊአ ኣለኹ” በለ።
22ዳዊት ድማ ኢሉ መለሰ “እንሆ ዂናት ንጉስ። ሓደ ጐበዝ መፂኡ ይውሰዶ። 23ኣቦና ንነፍሲ ወከፍ ከከም ፅድቁን እምነቱን ይፈድዮ እዩ፤ ሎሚ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡካ ነበረ፤ ኣነ ግና ኢደይ ናብቲ ዝቐብኦ ከልዕል ኣይደለኹን። 24ሎሚ ከምቲ ኣነ ንነፍስኻ ኣኽቢረ ዝረአኽዋ፥ ከምኡ ኸዓ ኣቦና ንነፍሰይ የኽብራ፤ ካብ ኵሉ መከራ ድማ የድሕነኒ” በለ።
25ሳኦል ድማ ንዳዊት “ወደይ ዳዊት፥ ብሩኽ ኩን፤ ዓበይቲ ነገር ክትገብር ኢኻ፤ ብርግፅ ድማ ክትስዕር ኢኻ” በሎ። ዳዊት ድማ መንገዱ ኸደ፤ ሳኦል ከዓ ናብ ቦታኡ ተመለሰ።