ዳዊት ኣብ ማእኸል ፍልስጥኤማውያን ተዓቚበ
ዳዊት ሳኦል ኣብ መወዳእታ ኸም ዝሕዞ ተኣሚኑ፥ ናብ ኣንኩስ ንጉስ ጌት ኰብሊሉ ፂቅላግ ተዋህቦ። ነቶም ደቡባውያን ህዝቢ ሓደጋ የውድቐሎም፥ ንነፍሲ ወከፍ ምስክር ይቐትል፥ ንኣንኩስ ድማ ንይሁዳ ይወግእ ከም ዘሎ ይነግሮ ነበረ። ኣንኩስ ብምሉእ ኣመኖ። ኣብዙይ ዝንኣድ ነገር የለን፥ እቲ ፅሑፍ ከዓ ኣግሂዱ ይነግሮ።
27 1ዳዊት ድማ “ሓደ መዓልቲ ብኢድ ሳኦል ክጠፍእ እየ። ካብ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ቀልጢፈ ምምላጥስ ዝሕሸኒ የለን። ሽዑ ሳኦል ኣብ ኵሉ ወሰን እስራኤል ደጊም ኣይደልየንን እዩ፤ ካብ ኢዱውን ከምልጥ እየ” ኢሉ ብልቡ ሓሰበ። 2ዳዊት ድማ ተሲኡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባትን ናብ ኣንኩስ ወዲ ማዖክ ንጉስ ጌት ተሳገሩ። 3ዳዊት ድማ ንሱን ሰባቱን ነፍሲ ወከፍ ምስ ቤተ ሰቡ ኾይኖም፥ ምስ ኣንኩስ ኣብ ጌት ተቐመጠ፤ ዳዊት ከዓ ኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤልን እታ መበለት ናባል ዝነበረት ኣቢግያ በዓልቲ ቀርሜሎስን፥ እዘን ክልተ ኣንስቱ ምስኡ ነበራ። 4ዳዊት ናብ ጌት ከም ዝሃደመ ንሳኦል ምስ ነገርዎ ድማ፥ ደጊም ኣይደለዮን።
5ዳዊት ድማ ንኣንኩስ ከምዙይ በሎ፦ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ረኺበ እንተ ኾይነ፥ ኣብ ሓንቲ ኻብ ከተማታት እታ ሃገር ዝቕመጠላ ቦታ ሃበኒ። ባርያኻ ምሳኻ ኣብ ከተማ ንጉስ ስለ ምንታይ ይቕመጥ?” 6በታ መዓልቲ እቲኣ ኣንኩስ ንፂቅላግ ሃቦ፤ ስለዙይ ፂቅላግ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ናይ ነገስታት ይሁዳ ኾይኑ ኣሎ። 7ዳዊት ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ዝተቐመጠሉ ጊዜ ሓደ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ነበረ።
8ዳዊትን ሰባቱን ድማ ደዪቦም ንገሹራውያንን ንጊርዛውያንን ንኣማሌቃውያንን ሓደጋ ኣውደቑሎም፤ እዚኣቶም ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ኣብታ ምድሪ፥ ናብ ሹር ኣቢሎም ክሳዕ ምድሪ ግብፂ ይነብሩ ነበሩ እሞ። 9ዳዊት ነታ ምድሪ ኣብ ዝወቕዓላ ዂሉ ጊዜ፥ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ብህይወት ኣይሓድግን ነበረ፤ ኣባጊዕን ኣብዑርን ኣእዱግን ኣግማልን ክዳውንትን ወሲዱ ድማ ናብ ኣንኩስ ይምለስ ነበረ።
10ኣንኩስ ድማ “ሎሚ ኣበይ ሓደጋ ኣውዲቕኩም?” ኢሉ ይጥይቖ ነበረ። ዳዊት ከዓ “ናብ ደቡብ ይሁዳ፥” “ናብ ደቡብ የራሕምኤላውያን፥” ወይ “ናብ ደቡብ ቄናውያን” ይብል ነበረ።
11ዳዊት ድማ “ብዛዕባና ሐቢሮም ‘ዳዊት ከምዙይ ገበረ’ ከይብሉ” ኢሉ ስለ ዝሓሰበ፥ ናብ ጌት ዘምፅኦ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ብህይወት ኣይሓድግን ነበረ። እዙይ ከዓ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ዝተቐመጠሉ ዂሉ ጊዜ ልማዱ ነበረ።
12ኣንኩስ ድማ “ኣብ ህዝቡ እስራኤል ፈፂሙ ፍንፉን ኮይኑ እዩ እሞ፥ ንዘለኣለም ባርያይ ክኸውን እዩ” ኢሉ ሐሲቡ ንዳዊት ኣመኖ።