ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ቦኤዝ ዝተብሃለ ሰብኣይ

ሩት እኽሊ ክትቕርም ወፀት፥ ብዘይ ኣጋጣሚ ኸዓ ናብ ግራት ቦኤዝ፥ ዘመዳ፥ በፅሐት። ንሱ ይከላኸለላ፥ ይምግባ፥ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኣቦና ስለ ዝተዓቘበት ድማ ይባርኻ። ኑሓሚን ነቲ ስም ሰሚዓ፥ ኣብ ቤተሰብ ወራሲ ከም ዘሎ ኣለለየት።

ምዕራፍ 2።

ኑሓሚን ብወገን ሰብኣያ ዘመድ ነበራ፤ ንሱ ኸዓ ካብ ዓሌት ኤሊሜሌክ ዝኾነ፥ ስሙ ቦኤዝ ዝተብሃለ፥ ክቡርን ሃብታምን ሰብኣይ ነበረ። ሩት እታ ሞኣባዊት ድማ ንኑሓሚን “ናብ ግራት ከይደ፥ ኣብ ዓይኑ ሞገስ ኣብ ዝረኽበሉ ሰብ ደድሕሪኡ እኽሊ ክቕርም” በለታ። ንሳ ኸዓ “ኪዲ፥ ጓለይ” በለታ።

ወፂኣ ድማ ደድሕሪ እቶም ዓፀድቲ ቀረመት፤ ናብታ ኻብ ዓሌት ኤሊሜሌክ ዝኾነ ቦኤዝ ዝውንና ግራት ድማ ብኣጋጣሚ መፀት።

እንሆ ኸዓ ቦኤዝ ካብ ቤተ ልሔም መፀ፤ ነቶም ዓፀድቲ ድማ “ኣቦና ምሳኻትኩም ይኹን” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ኣቦና ይባርኽካ” ኢሎም መለሱሉ።

ሽዑ ቦኤዝ ነቲ ሓለቓ ዓፀድቱ “እዛ ጓል እዚኣ ናይ መን እያ?” በሎ።

እቲ ሓለቓ ዓፀድቲ ድማ “እዚኣስ እታ ምስ ኑሓሚን ካብ ሃገር ሞኣብ ዝተመለሰት ሞኣባዊት ጓል እያ” ኢሉ መለሰ። “ንሳ ኸዓ ‘በይዛኻ ክቕርም፥ ደድሕሪ እቶም ዓፀድቲ ኣብ መንጎ እንዳእቲ ኽእክብ ፍቐደለይ’ በለት፤ ካብ ንግሆ ጀሚራ ኽሳዕ ሕዚ ድማ ፀኒሓ፤ ኣብቲ መፀግዒ ንቑሩብ ጊዜ ጥራሕ ዓሪፋ።”

ቦኤዝ ድማ ንሩት “ጓለይ፥ ስምዒ፤ ናብ ካልእ ግራት ከይድኪ ኣይትቕረሚ፤ ካብዙይ ከዓ ኣይትኺዲ፤ ምስ ኣግራደይ ተፀጊዕኪ ተቐመጢ። ነታ ዝዓፅዱላ ግራት ተኰሪ፥ ደድሕሪአን ድማ ስዓቢ። ነቶም መንእሰያት ከይነክኡኺ ኣዚዘዮም ኣለኹ። ምስ ፀማእኪ ኸዓ ናብቲ መንእሰያት ዝመልእዎ ዕትሮ ኸይድኪ ስተዪ።”

ንሳ ኸዓ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደትሉ፤ “ኣነ ጓና እንተለኹ፥ ገፅካ ናባይ ክትመልስ፥ ስለ ምንታይ ኣብ ዓይንኻ ሞገስ ረኺበ?” ድማ በለቶ።

ቦኤዝ ድማ “ድሕሪ ሞት ሰብኣይኪ ንሓማትኪ ዝገበርክዮ ዅሉ፥ ነቦኽን ነዴኽን ንሃገርኪን ሓዲግኪ ቅድም ናብ ዘይትፈልጥዮም ህዝቢ ኸም ዝመፃእኺ፥ ኵሉ ሰሚዐ ኣለኹ። ኣቦና ግብርኺ ይፍደይኪ፤ እቲ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኽትዕቘቢ ዝመፃእኪ ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ምሉእ ዓስቢ ይሃብኪ” ኢሉ መለሰላ።

ንሳ ኸዓ “ኦ ጐይታይ፥ ኣብ ዓይንኻ ሞገስ ክረክብ፤ ኣነ ኸም ሓንቲ ኻብ ኣግራድካ እኳ እንተ ዘይኮንኩ፥ ኣፅናኒዕካንን ንጊልያኻ ፅቡቕ ተዛሪብካንን ኢኻ እሞ” በለቶ።

ብጊዜ ምሳሕ ድማ ቦኤዝ “ናብዙይ ንዒ፥ እንጀራ ብልዒ፥ ቍራስኪውን ኣብቲ ዝመፀፀ ወይኒ ጠምዒ” በላ። ንሳ ኸዓ ኣብ ጥቓ እቶም ዓፀድቲ ተቐመጠት፤ ንሱ ድማ ቆሎ ኣቐበላ። ንሳ ኸዓ በሊዓ ፀገበት፤ ተረፋውን።

ንምቕራም ምስ ተልዓለት ድማ፥ ቦኤዝ ነቶም መንእሰያት “ኣብ መንጎ እንዳእቲ እኳ ትቕረም፤ ኣይተሕፍርዋ። ካብቲ እንዳእቲ ኸዓ ንእኣ ሰሊዕኩም ኣፍስሱላ፤ ክትእርዮ ድማ ሕደግዎ፤ ኣይትገስፅዋ” ኢሉ ኣዘዘ።

ክሳዕ ምሸት ድማ ኣብታ ግራት ቀረመት፤ ነቲ ዝቐረመቶ ኸዓ ወቒዓ ኣውፅአቶ፤ ኣስታት ዕስራ ኪሎ ስገም ኮነ። ኣልዒላ ኸዓ ናብ ከተማ ኣተወት፤ ሓማታ ድማ ዝቐረመቶ ኽንደይ ምዃኑ ረአየት። ነቲ ፀጊባ ምስ በልዐት ዘትረፈቶ ኸዓ ኣውፂኣ ሃበታ።

ሓማታ ድማ “ሎሚ ኣበይ ቀረምኪ? ኣበይከ ሰራሕኪ? እቲ ዝተመልከተኪ ሰብኣይ ብሩኽ ይኹን!” በለታ። ሩት ከዓ ምስ መን ከም ዝሰርሐት ነገረታ፦ “እቲ ሎሚ ምስኡ ዝሰራሕኩ ሰብኣይ ቦኤዝ ይበሃል” በለት።

ኑሓሚን ድማ ንሰበይቲ ወዳ “ነቲ ንህያዋንን ንምዉታትን ምሕረቱ ዘይሓደገ ኣቦና ይባርኾ” በለታ። ኑሓሚን መሊሳ ኸዓ “ንሱ ቐረባ ዘመድና እዩ፤ ካብ ተበጀውትና ሓደ እዩ” በለታ። a a v20 ኑሓሚን ንቦኤዝ ከም ሓደ ኻብ ተበጀውቲ ዘመዶም ትሰምዮ፦ ንሱ እቲ ዝጠፍአ ናይ ምብጃውን ንስድራ ናይ ምምላስን መሰል ዘለዎ ዘመድ እዩ። ግደ ቦኤዝ ኣብዙይ ነቲ ዋጋ ኸፊሉ ናብ ኣቦና ዘምፅኣና ተበጃዊና ኢየሱስ ኣቐዲሙ የመልክት።

ሩት እታ ሞኣባዊት ድማ “ ‘ኵሉ ዓፂደይ ክሳዕ ዝውድኡ፥ ምስ ሰራሕተኛታተይ ፅንሒ’ እኳ በለኒ” በለት።

ኑሓሚን ድማ ንሰበይቲ ወዳ ሩት “ፅቡቕ፥ ጓለይ፤ ኣብ ካልእ ግራት ከይትህረሚ፥ ምስ ኣግራዱ ውፅኢ” በለታ። ክሳዕ ዓፂድ ስገምን ዓፂድ ስርናይን ዝውዳእ ድማ ምስ ኣግራድ ቦኤዝ ተፀጊዓ እናቐረመት ፀንሐት፤ ምስ ሓማታውን ተቐመጠት።