ምኽሪ ኑሓሚን
ኑሓሚን ንሩት ለይቲ ናብ ዓውዲ ትሰዳ፥ ንቦኤዝ ጫፍ ክዳኑ ኣብ ልዕሊኣ ክዝርግሕ ክትሓቶ። ንሱ ሰምበደ፥ ሽዑ ድማ ተሓጐሰ፦ ክብርቲ ኢሉ ፀውዓ፥ ብኣቦና ባረኻ፥ ዝቐርብ ዘመድ እንተ ዘይቤዝዋ ድማ ባዕሉ ክቤዝዋ መሓለ።
3 1ኑሓሚን ሓማታ ድማ ከምዙይ በለታ፦ “ጓለይ፥ ፅቡቕ ምእንቲ ኽኾነልኪ፥ መዕረፊ ኣይደልየልክን? 2እቲ ምስ ኣገልገልቱ ዝነበርኪ ቦኤዝ ዘመድና ኣይኮነን? እንሆ ሎሚ ለይቲ ኣብ ዓውዲ ስገም ይኸዪ ኣሎ። 3ተሓፀቢ፥ ተቐቢኢ፥ ክዳንኪ ተኸዲንኪ ድማ ናብ ዓውዲ ውረዲ። እቲ ሰብኣይ በሊዑን ሰትዩን ክሳዕ ዝውድእ ግና ነቲ ሰብኣይ ርእስኺ ኣይተፍልጥዮ። 4ክድቅስ እንተሎ ኸዓ፥ እታ ዝድቅሰላ ስፍራ ኣስተብህሊ፤ ከይድኪ ድማ ኣእጋሩ ቐሊዕኪ ደቅሲ፤ ንሱ እንታይ ክትገብሪ ኸም ዘለኪ ኽነግረኪ እዩ።”
5ሩት ድማ “ኵሉ እቲ እትብልኒ ኽገብር እየ” በለታ። 6ናብ ዓውዲ ድማ ወረደት፤ ከምቲ ሓማታ ዝኣዘዘታ ዅሉ ከዓ ገበረት። 7ቦኤዝ በሊዑን ሰትዩን ልቡ ተሓጐሰ፤ ሽዑ ኣብ ወሰን እቲ ዅምራ እኽሊ ደቀሰ። ንሳ ኸዓ ብሕቡእ መፂኣ፥ ኣእጋሩ ቐሊዓ ደቀሰት። 8ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ፥ እቲ ሰብኣይ ሰምበደ፤ ተገልቢጡ ኸዓ እንሆ ኣብ እግሩ ሰበይቲ ደቂሳ ፀንሐት! 9“ንስኺ መን ኢኺ?” በላ። ንሳ ኸዓ “ኣነ ሩት ገረድካ እየ፤ ንስኻ ናይ ቀረባ ዘመድ ኢኻ እሞ፥ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ልዕሊ ገረድካ ዘርግሕ” በለቶ። a a v9 ጫፍ ክዳን ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ምዝርጋሕ፥ ንሓዳርን ንዕቚባን ምልማን ማለት ነበረ።
10ንሱ ኸዓ “ጓለይ፥ ብኣቦና ብፅእቲ ኢኺ። ድኻ ኾነ ሃብታም መንእሰያት ኣይሰዓብክን ኢኺ እሞ፥ እዝ ዳሕረዋይ ሕያዋይነትኪ ኻብቲ ቐዳማይ ይበልፅ። 11ሕዚ ኸዓ፥ ጓለይ፥ ኣይትፍርሒ። ኵሉ እቲ እትብልኒ ኽገብረልኪ እየ፤ ኵሉ ህዝቢ ዓደይ ክብርቲ ሰበይቲ ምዃንኪ ይፈልጥ እዩ እሞ። 12ሕዚ ኸዓ ኣነ ናይ ቀረባ ዘመድኪ ምዃነይ ሓቂ እዩ፤ ግና ኻባይ ዝቐርብ ካልእ ዘመድ ኣሎ። 13ሎሚ ለይቲ ሕደሪ። ንግሆ ድማ፥ ንሱ ክቤዝወኪ እንተ ደለየ፥ ፅቡቕ፥ ይቤዝወኪ። እንተ ዘይደለየ ግና፥ ኣቦና ህያው ከም ዝኾነ፥ ኣነ ኽቤዝወኪ እየ። ክሳዕ ንግሆ ደቅሲ።”
14ክሳዕ ንግሆ ድማ ኣብ እግሩ ደቀሰት፤ ሰብ ከይላለ ኸሎ ድማ ተሲኣ። ንሱ ኸዓ “ሰበይቲ ናብ ዓውዲ ኸም ዝመፀት ሰብ ኣይፍለጥ” ኢሉ ነበረ እሞ። 15ንሱ ድማ “እዝ ተኸዲንክዮ ዘለኺ ነፀላ ኣምፅኢ እሞ ዘርግሕዮ” በለ። ንሳ ኸዓ ዘርግሐቶ። ሽዱሽተ መስፈሪ ስገም ሰፈረ፤ ኣብ ልዕሊኣ ፀዒኑ ድማ ናብ ከተማ ኣተወ።
16ሩት ናብ ሓማታ ምስ መፀት፥ ኑሓሚን “ጓለይ፥ ከመይ ኮንኪ?” በለታ። ንሳ ኸዓ እቲ ሰብኣይ ዝገበረላ ዅሉ ነገረታ። 17ንሳ ድማ “‘ጥራሕ ኢድኪ ናብ ሓማትኪ ኣይትምለሲ’ ኢሉ፥ እዝ ሽዱሽተ መስፈሪ ስገም እዙይ ሃበኒ” በለት።
18ኑሓሚን ድማ “ጓለይ፥ እቲ ነገር ከመይ ከም ዝኸውን ክሳዕ እትፈልጢ ፅንሒ፤ እቲ ሰብኣይ እዝ ነገር ሎሚ ከይወድአ ኣይዓርፍን እዩ እሞ” በለት።