ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ቦኤዝ ኣብ በሪ እታ ኸተማ

ኣብ በሪ እታ ኸተማ ቦኤዝ ነቲ ዝቐርብ ወራሲ ከምርፅ ይገብሮ፥ እቲ ሰብኣይ ከዓ ይስሕብ። ቦኤዝ ነታ ግራት ዓደጋ፥ ንሩት ተመርዓዋ፥ ኣቦና ድማ ወዲ ሃባ። እተን ኣንስቲ ንኑሓሚን ብዘይ ወራሲ ኸም ዘይተረፈት ነገርኣ፤ ዓሌት እቲ ቈልዓ ኸዓ ናብ ዳዊት ይበፅሕ።

ምዕራፍ 4።

ቦኤዝ ናብ በሪ እታ ኸተማ ደዪቡ ተቐመጠ። እቲ ዝተዛረበሉ ወራሲ ሓሊፉ ምስ መፀ ድማ፥ ቦኤዝ “ኦ ዓርከይ፥ ንዓ ኣብዙይ ተቐመጥ” በሎ። ንሱ ኸዓ መፂኡ ተቐመጠ። ሽዑ ኻብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ዓሰርተ ሰባት ወሲዱ “ኣብዙይ ተቐመጡ” በሎም። ንሳቶም ድማ ተቐመጡ። ነቲ ወራሲ ድማ ከምዙይ በሎ፦ “ኑሓሚን እታ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ዝተመለሰት፥ ነቲ ናይ ሓውና ኣቤሜሌክ ዝነበረ ግራት ትሸይጥ ኣላ። ስለዙይ እዙይ ክነግረካ ደለኹ፤ ኣብ ቅድሚ እዚኣቶም ተቐማጦን ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ዓድጎ። ክትዕድጎ እንተ ደሊኻ ዓድጎ፤ እንተ ዘይኮነ ግና ክፈልጥ ንገረኒ፤ ብዘይካኻ ዝዕድጎ የለን እሞ፥ ኣነ ኸዓ ድሕሬኻ እየ።” ንሱ ድማ “ኣነ ኽዕድጎ እየ” በለ።

ቦኤዝ ከዓ “በታ ነቲ ግራት ካብ ኢድ ኑሓሚን እትዕድገላ መዓልቲ፥ ንስም እቲ ምዉት ኣብ ርስቱ ምእንቲ ኸተተንስእ፥ ነታ ሞኣባዊት ሩት መበለት እቲ ምዉት ድማ ክትወስዳ ኢኻ” በለ።

ሽዑ እቲ ወራሲ “ንርስተይ ከየጥፍእ፥ ባዕለይ ክዕድጎ ኣይክእልን እየ፤ ናተይ መሰል ምዕዳግ ንስኻ ውሰዶ፤ ኣነ ኽዕድጎ ኣይክእልን እየ” በለ።

ቀደም ኣብ እስራኤል፥ ንዝኾነ ናይ ምዕዳግ ወይ ናይ ምልውዋጥ ርስቲ ውዕል ንምፅናዕ፥ ሰብ ሳእኑ ኣውፂኡ ነቲ ሓደ ይህቦ ነበረ። እዙይ ድማ ኣብ እስራኤል ነቲ ውዕል የፅንዖ ነበረ። a a v7 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፥ ሳእኒ ምውፃእን ብግልፂ ምርካብን ሕጋዊ ውዕል የፅንዕ ነበረ፤ ከምቲ ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር ውዕል ምፍራም ዝኾነ እዩ። ስለዙይ እቲ ወራሲ ንቦኤዝ “ባዕልኻ ዓድጎ” ምስ በሎ፥ ሳእኑ ኣውፅአ።

ሽዑ ቦኤዝ ነቶም ዓበይትን ንዅሉ ህዝብን ከምዙይ በሎም፦ “ነቲ ናይ ኣቤሜሌክን ኬሌዎንን መሓሎንን ዝነበረ ዅሉ ካብ ኢድ ኑሓሚን ከም ዝዓደግኩ፥ ሎሚ መሰኻኽር ኢኹም። ነታ ሞኣባዊት ሩት መበለት መሓሎን ድማ፥ ንስም እቲ ምዉት ምስ ርስቱ ምእንቲ ኸዕቅቦ፥ ስሙ ኸዓ ካብ ኣሕዋቱን ካብ መዝገብ ዓዱን ምእንቲ ኸይጠፍእ፥ ሰበይተይ ክትከውን ወሲደያ ኣለኹ። ሎሚ መሰኻኽር ኢኹም” በሎም።

ሽዑ ኵሎም እቶም ኣብ በሪ ዝነበሩ ህዝብን ዓበይትን ከምዙይ በሉ፦ “መሰኻኽር ኢና። ኣቦና ነታ ናብ ቤትካ እትኣቱ ዘላ ሰበይቲ፥ ከምተን ንቤት እስራኤል ብሓባር ዝሃነፃ ራሄልን ልያን ይግበራ። ኣብ ኤፍራታ ኸዓ ተዓወት፥ ኣብ ቤተ ልሔም ድማ ፍሉጥ ኩን። በቲ ኣቦና በዛ መርዓት እዚኣ ዝህበካ ዘርኢ፥ ቤትካ ኸም ቤት ፋሬስ፥ እቲ ትእማር ንይሁዳ ዝወለደትሉ፥ ትኹን” በሉ።

ቦኤዝን ሩትን ተመርዓዉ

ስለዙይ ቦኤዝ ንሩት ወሰዳ፥ ሰበይቱ ኸዓ ኾነት። ናብኣ ኣተወ፥ ኣቦና ድማ ክትጠንስ ገበራ፥ ንሳ ኸዓ ወዲ ወለደት። ሽዑ እተን ኣንስቲ ንኑሓሚን “ሎሚ ብዘይ ወራሲ ዘይሓደገኪ ኣቦና ይባረኽ፤ ስሙ ኸዓ ኣብ እስራኤል ፍሉጥ ይኹን! ንሱ ህይወትኪ ኸሐድስ፥ ኣብ እርጋንኪ ኸዓ ኽናብየኪ እዩ፤ እታ እተፍቅረኪ፥ ካብ ሸውዓተ ኣወዳት ንኣኺ ዝበለፀት ሰበይቲ ወድኺ፥ ወሊዳቶ ኣላ እሞ” በላ። ኑሓሚን ድማ ነቲ ህፃን ወሲዳ ኣብ ሕፅና ሓቘፈቶ፥ ናበየቶ ኸዓ። እተን ጎረባብቲ ኣንስቲ ድማ “ንኑሓሚን ወዲ ተወሊዱላ!” ኢለን ስም ኣውፅአሉ፤ “ኢዮቤድ” ኢለን ከዓ ሰመያኦ። ንሱ ኣቦ እሴይ፥ ኣቦ ዳዊት እዩ።

እቲ ትውልዲ ናብ ዳዊት

ትውልዲ ፋሬስ ከምዙይ እዩ፦ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፥ ኤስሮም ንኣራም ወለደ፥ ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ፥ ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ፥ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፥ ሰልሞን ንቦኤዝ ወለደ፥ ቦኤዝ ንኢዮቤድ ወለደ፥ ኢዮቤድ ንእሴይ ወለደ፥ እሴይ ድማ ንዳዊት ወለደ። b b v22 መፅሓፍ ሩት ካብ መጀመርታ ናብዙይ ስም ክምርሽ ፀኒሑ እዩ። ካብ ቤት ዳዊት ድማ ኢየሱስ ክመፅእ እዩ፤ ንሱ ወዲ ዳዊት፥ እቲ ቦኤዝ ብህዱእ ዝኣመተሉ ናይ ሓቂ ዘመድ ወራሲ እዩ።