ኢየሱስ ብዛዕባ ናይ ሓሶት መምህራን የጠንቅቕ
ሸውዓተ ጊዜ ኢየሱስ ነቶም ንሰባት ፃዕነት ዘሰክሙ፥ ንደገ እቲ ፅዋዕ ዝሕፅቡ፥ መቓብር እቶም ኣቦታቶም ዝቐተልዎም ነቢያት ዘሰልምዑ መምህራን ወይለኹም ይብሎም — ሓደ ኣቦ ጥራሕ ኣብ ሰማይ እኳ እንተለዎም። ኣብ ሓዘን ኢየሩሳሌም፥ ዝኣበየት ኸተማ፥ ጥፍእቲ ዝተሓደገት ቤት ይውዳእ።
23 1ሽዑ ኢየሱስ ነቶም ህዝብን ንደቀ መዛሙርቱን ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦
2“መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ይቕመጡ።
3እምበኣር እቲ ዝብሉኹም ኵሉ ግበሩ ሓልዉውን፤ ከምቲ ግብሮም ግና ኣይትግበሩ፤ ንሳቶም ይሰብኩ፥ ኣይገብሩን ግና። 4ከቢድ ንምፅዋር ዘፀግም ፃዕነት ኣሲሮም ኣብ ማእገር ሰባት የሰክሙ፤ ባዕልቶም ግና ንኸንቀሳቕስዎም ኣፃብዕቶም እኳ ኣየልዕሉን። 5ኵሉ ግብሮም ብሰብ ምእንቲ ኽረአዩ እዮም ዝገብርዎ፤ ናይ ፀሎት ሳፁኖም የስፍሑ፥ ዘፈሮም ድማ የናውሑ፥ a a v5 ናይ ፀሎት ሳፁን፦ ኣብ እዋን ፀሎት ኣብ ግንባርን ኣብ ፀጋም ቅልፅምን ዝእሰሩ፥ ፅሑፋት መፅሓፍ ቅዱስ ዝሓዙ ናእሽቱ ናይ ቘርበት ሳፁናት። 6ኣብ ግብዣ ዝለዓለ መቐመጢ፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ድማ ዝበለፀ መንበር ይፈትዎ፥ 7ኣብ ዕዳጋ ድማ ሰላምታ፥ ብሰብ ‘ረቢ’ ተባሂሎም ክጽውዑ ይፈትዎ። 8ንስኻትኩም ግና ‘ረቢ’ ኣይትበሃሉ፤ መምህርኩም ሓደ እዩሞ፥ ንስኻትኩም ድማ ኵልኻትኩም ኣሕዋት ኢኹም። 9ኣብ ምድሪ ድማ ንሓደ እኳ ‘ኣቦ’ ኢልኩም ኣይትፀውዑ፤ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓደ ኣቦ ኣለኩም እዩሞ። 10‘መራሒ’ ኢልኩም እውን ኣይትፀውዑ፤ ሓደ መራሒ ክርስቶስ ኣለኩም እዩሞ። 11ካብ መንጎኹም እቲ ዝዓቢ ኣገልጋልኹም ክኸውን እዩ። 12ርእሱ ዘልዕል ኵሉ ክዋረድ እዩ፤ ርእሱ ዘትሕት ከዓ ልዕል ክብል እዩ።
13ኣቱም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ግብዛት፥ ንመንግስቲ ኣቦና ኣብ ቅድሚ ሰባት ትዓፅዉ ኢኹም እሞ ወይለኹም! ባዕልኻትኩም ኣይትኣትዉን፥ ነቶም ክኣትዉ ዝደልዩ ዘለዉ እውን ክትኣትዉ ኣይትሓድግዎምን። b b v13 እቶም ጥንታውያን ቅዳሓት ኣብዙይ ፍቕዲ 14 የብሎምን፤ ድሕሪኡ ዝመፁ ቅዳሓት ግና ከምዙይ ይውስኹ፦ “ኣቱም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ግብዛት፥ ኣባይቲ መበለታት ትበልዑ፥ ንምርኣይ ድማ ነዊሕ ፀሎት ትፅልዩ ኢኹም እሞ ወይለኹም፤ ስለዙይ ዝገደደ ፍርዲ ክትቕበሉ ኢኹም።”
15ኣቱም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ግብዛት፥ ንሓደ ሰብ ናብ ሃይማኖትኩም ንምምላስ ባሕርን ምድርን ትሳገሩ ኢኹም እሞ ወይለኹም! ምስ ረኸብኩምዎ ድማ፥ ካባኻትኩም ዕፅፊ ወዲ ገሃነም ትገብርዎ።
16ኣቱም ዕዉራት መራሕቲ፥ ‘ብቤተ መቕደስ ዝምሕል ገለ የብሉን፤ ብወርቂ ቤተ መቕደስ ዝምሕል ግና በቲ ማሕላ ይግደድ’ ትብሉ ኢኹም እሞ ወይለኹም! 17ኣቱም ዕዉራት ዓያሹ፥ እቲ ዝዓቢ ኣየናይ እዩ? እቲ ወርቂ ድዩ ወይስ እቲ ነቲ ወርቂ ዝቕድስ ቤተ መቕደስ? 18‘ብመሰውኢ ዝምሕል ገለ የብሉን፤ ብዝተቐመጠሉ ህያብ ዝምሕል ግና ይግደድ’ ትብሉ ኢኹም። 19ኣቱም ዕዉራት፥ እቲ ዝዓቢ ኣየናይ እዩ? እቲ ህያብዶ ወይ እቲ ነቲ ህያብ ዝቕድስ መሰውኢ? 20እምበኣር እቲ ብመሰውኢ ዝምሕል፥ በኡን በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ኵሉን ይምሓል። 21እቲ ብቤተ መቕደስ ዝምሕል ድማ፥ በኡን በቲ ኣብኡ ዝነብርን ይምሓል። 22እቲ ብሰማይ ዝምሕል ከዓ፥ ብዙፋን ኣቦናን በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቕመጥን ይምሓል።
23ኣቱም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ግብዛት፥ ካብ ሽላንን ሰሊጥን ከሙንን ዕሽር እተውፅኡ፥ ነቲ ዝኸበደ ነገር ሕጊ ግና፥ ማለት ንፍትሕን ምሕረትን እምነትን ዕሽሽ እትብልዎ ኢኹም እሞ ወይለኹም! ነዚ ክትገብሩ ይግባእ ነይሩ፥ ነቱይውን ከይሓደግኩም። 24ኣቱም ዕዉራት መራሕቲ፥ ንጣቃ ተጻርዩ፥ ንገመል ግና ትውሕጡ!
25ኣቱም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ግብዛት፥ ንዋንጫን ሸሓነን ብደገ ተፅርዩ፥ ውሽጦም ግና ብስስዐን ብዘይምግታእን ዝመልአ እዩ እሞ ወይለኹም! 26ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ፥ ነቲ ደገ እውን ፅሩይ ምእንቲ ኽኸውን፥ ቅድም ነቲ ውሽጢ ዋንጫን ሸሓነን ኣፅሪ።
27ኣቱም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ግብዛት፥ ብኖራ ዝተለቕሑ መቓብር ትመስሉ ኢኹም እሞ ወይለኹም፤ ብደገ ፅቡቕ ይመስል፥ ብውሽጡ ግና ኣዕፅምቲ ምዉታትን ኵሉ ርኽሰትን ዝመልአ እዩ። 28ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብደገ ንሰብ ፃድቃን ትመስሉ፥ ብውሽጥኹም ግና ብግብዝናን ብዓመፅን ምሉኣት ኢኹም።
29ኣቱም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ግብዛት፥ መቓብር ነቢያት ትሃንፁ፥ ሓወልቲ ፃድቃን ድማ ተመዓራርዩ ኢኹም እሞ ወይለኹም! 30‘ብዘመን ኣቦታትና እንተ ንነብር ኔርና፥ ኣብ ምቕታል ነቢያት ምሳታቶም ኣይምተሓባበርናን ኔርና’ ትብሉ ኢኹም። 31እምበኣር ንስኻትኩም ውሉድ እቶም ነቢያት ዝቐተልዎም ምዃንኩም፥ ኣብ ልዕሊ ርእስኹም ትምስክሩ ኣለኹም። 32እምበኣር ንስኻትኩም ነቲ ዓቐን ኣቦታትኩም ምልእዎ። 33ኣቱም ኣትማን፥ ኣቱም ውሉድ ኣትማን፥ ካብ ፍርዲ ገሃነም ከመይ ኢልኩም ክተምልጡ ኢኹም? 34እምበኣር እንሆ ነቢያትን ጠቢባንን መምህራን ሕግን ናባኻትኩም እሰድድ ኣለኹ፤ ካባታቶም ክትቐትሉን ክትሰቕሉን ኢኹም፥ ካባታቶም ድማ ኣብ ኣብያተ ፀሎትኩም ክትገርፉን ካብ ከተማ ናብ ከተማ ክትሰጉን ኢኹም፥ 35ኵሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ፅድቂ ዘለዎ ደም ኣብ ልዕሌኹም ምእንቲ ኽመፅእ፥ ካብ ደም ፃድቕ ኣቤል ጀሚሩ ክሳዕ ደም ዘካርያስ ወዲ በራክዮ፥ እቲ ኣብ መንጎ መቕደስን መሰውኢን ዝቐተልኩምዎ። 36ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እዝ ኵሉ ነገር እዙይ ኣብ ልዕሊ እዝ ትውልዲ እዙይ ክመፅእ እዩ።
ኢየሱስ ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ይበኪ
37ኦ ኢየሩሳሌም፥ ኢየሩሳሌም፥ ንነቢያት እትቐትሊ፥ ነቶም ናባኺ ዝተልኣኹ ድማ ብእምኒ እትቕጥቅጢ! ከምቲ ደርሆ ጨቓዊታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክብ፥ ንደቅኺ ክእክብ ክንደይ ጊዜ ደለኹ፥ ንስኺ ግና ኣበኺ። 38እንሆ ቤትኪ ባዲማ ኮይና ትተርፈኪ ኣላ። 39‘በስም ኣቦና ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ’ ክሳዕ እትብሉ፥ ድሕሪ ሕዚ ኸም ዘይትርእዩኒ እብለኩም ኣለኹ።”