ቤተ መቕደስ ኣይቍምን እዩ
ቤተ መቕደስ ክፈርስ ምዃኑ ምስ ተነግሮም፥ እቶም ደቀ መዛሙርቲ መዓዝ ከም ዝኸውን ሓተቱ። ኢየሱስ ብዛዕባ ውግኣት፥ ክሕደት፥ ሓሰውቲ መሲሓት፥ ዝዘሓለ ፍቕሪ፥ ከምኡ ድማ ሓደ እኳ ንክዳኑ ኽወስድ ዘይምለሰሉ ህጹፅ ህድማ ይገልፅ። ነታ መዓልቲ ባዕላ ሓደ እኳ ኣይፈልጣን — መላእኽቲ ኣይኮኑ፥ ወልድ ኣይኮነ፥ ኣቦ ጥራሕ እምበር።
24 1ኢየሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ክወፅእ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ህንፃታታ ከርእይዎ ናብኡ መፁ።
2“እዝ ዅሉ ትርእዩ ኣለኹምዶ?” ኢሉ መለሰሎም። “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ ኣብዙይ ሓደ እምኒ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣይተርፍን እዩ፤ ዅሉ ክፈርስ እዩ።”
3ኢየሱስ ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ንበይኖም ናብኡ መፂኦም ከምዙይ በልዎ፦ “እዝ ነገር እዙይ መዓዝ ከም ዝኸውን፥ ናይ ምምፃእካን ናይ መወዳእታ ዓለምን ምልክት ከዓ እንታይ ከም ዝኸውን ንገረና።”
4ኢየሱስ ድማ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ሓደ እኳ ምእንቲ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ።
5ብዙሓት ‘ኣነ ክርስቶስ እየ’ እናበሉ ብስመይ ክመፁ እዮም እሞ፥ ንብዙሓት ከዓ ከስሕቱ እዮም። 6ብዛዕባ ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፤ ኣይትሸበሩ። እዙይ ክኸውን ግድን እዩ፤ መወዳእታ ግና ገና ኣይኮነን። 7ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ ኸዓ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ክትንስእ እዩ፤ ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ክኸውን እዩ። 8እዝ ዅሉ ግና መጀመርታ ሕማም ሕርሲ እዩ።
9ሽዑ ናብ መከራ ኣሕሊፎም ክህቡኹም፥ ክቐትሉኹምን እዮም፤ ኵሎም ህዝብታት ከዓ ምእንቲ ስመይ ክፀልኡኹም እዮም። 10በቲ ጊዜ እቱይ ብዙሓት ክዕንቀፉ እዮም፤ ንሓድሕዶም ድማ ኣሕሊፎም ክህቡን ክፀላልኡን እዮም። 11ብዙሓት ሓሰውቲ ነብያት ድማ ክትንስኡ እዮም፤ ንብዙሓት ሰባት ከዓ ከስሕቱ እዮም። 12ዓመፅ ስለ ዝበዝሕ ከዓ፥ ፍቕሪ ናይ ብዙሓት ክዝሕል እዩ፤ 13እቲ ክሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና ክድሕን እዩ። 14እዝ ወንጌል መንግስቲ እዙይ ንዅሎም ህዝብታት ንምስክር ኣብ ኵሉ ዓለም ክውረ እዩ፤ ሽዑ ድማ መወዳእታ ክመፅእ እዩ።
15እምበኣር እቲ ዳንኤል ነቢይ ዝተዛረበሉ ዘጥፍእ ርዅሰት፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ደው ኢሉ ክትርእይዎ እንተለኹም፥ እቲ ኣንባቢ የስተውዕል፥ 16ሽዑ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ እምባታት ይህደሙ።
17እቲ ኣብ ናሕሲ ዘሎ፥ ካብ ቤቱ ገለ ኽወስድ ኣይውረድ፤ 18እቲ ኣብ ግራት ዘሎ ኸዓ፥ ክዳኑ ኽወስድ ንድሕሪት ኣይተመለስ። 19ኣብተን መዓልቲታት እቲኣተን ንጥኑሳትን ንዘጥብዋ ኣዴታትን ክንደይ ዘፍርሕ ኮን ይኸውን! 20ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይኸውን ፀልዩ። 21ሽዑ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሕዚ ዘይተገብረ፥ ደጊምውን ከቶ ዘይኸውን ዓብዪ መከራ ክኸውን እዩ እሞ። 22እተን መዓልቲታት እቲኣተን እንተ ዘይሓፃራ ነይረ፥ ሓደ እኳ ኣይምደሓነን፤ ምእንቲ እቶም ሕሩያት ኢሉ ግና፥ እተን መዓልቲታት እቲኣተን ክሓፅራ እየን።
23ሽዑ ሓደ ሰብ ‘እንሆ፥ ክርስቶስ ኣብዙይ ኣሎ’ ወይ ‘ኣብቲ ኣሎ’ እንተ በለኩም፥ ኣይትእመኑ። 24ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነብያትን ክትንስኡ እዮም፤ ዝከኣል እንተ ኾይኑ ነቶም ሕሩያት እኳ ኼስሕቱ፥ ዓበይቲ ምልክትን ተኣምራትን ክገብሩ እዮም። 25እንሆ፥ ኣቐዲመ ነጊረኩም ኣለኹ።
26እምበኣር ‘እንሆ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣሎ’ እንተ በሉኹም ኣይትውፁ፤ ‘እንሆ፥ ኣብ ውሽጣዊ ክፍሊ ኣሎ’ እንተ በሉ ኣይትእመኑ። 27ከምቲ መብረቕ ካብ ምብራቕ ወፂኡ ክሳዕ ምዕራብ ዘንፀባርቕ፥ ምምፃእ ወዲ ሰብ ከዓ ከምኡ ክኸውን እዩ እሞ። 28ገምቢ ኣብ ዘለዎ ቦታ፥ ኣሞራታት ኣብኡ ክእከቡ እዮም።
29ድሕሪ መከራ እተን መዓልቲታት እቲኣተን ብኡንቡኡ፥ ፀሓይ ክትፅልምት እያ፥ ወርሒ ብርሃን ኣይትህብን እያ፥ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ክወድቁ እዮም፥ ሓይልታት ሰማያትውን ክናወፁ እዮም። 30ሽዑ ምልክት ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ክርአ እዩ፤ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸዓ ንወዲ ሰብ ብሓይልን ብዓብዪ ክብርን ኣብ ደመና ሰማይ ክመፅእ እንተሎ ርእዮም ክበኽዩ እዮም። 31ንሱ ኸዓ ንመላእኽቱ ብዓብዪ ድምፂ መለኸት ክሰዶም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ንሕሩያቱ ኻብ ኣርባዕተ ንፋሳት፥ ካብ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ክእክብዎም እዮም።
32ካብ በለስ እዝ ምሳሌ እዙይ ተምሃሩ፦ ጨንፈር ምስ ለሰለሰ፥ ቆፅሊ ምስ ኣውፅአ፥ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። 33ከምኡውን ንስኻትኩም እዝ ዅሉ ክትርእዩ እንተለኹም፥ ኣብ ኣፍ ደገ ቐሪቡ ኸም ዘሎ ፍለጡ። 34እዝ ዅሉ ኽሳዕ ዝኸውን እዝ ወለዶ እዙይ ከቶ ኸም ዘይሓልፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 35ሰማይን ምድርን ክሓልፉ እዮም፥ ቃላተይ ግና ከቶ ኣይሓልፉን እዮም።
ኣቦ ጥራሕ እዩ ዝፈልጥ
36“ነታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓት እቲኣን ሓደ እኳ ኣይፈልጣን እዩ፤ እቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ መላእኽቲ ኾኑ ወልድ ኣይፈልጡን እዮም፤ ኣቦ ጥራሕ ደኣ እዩ ዝፈልጥ። 37ከምቲ ብመዓልቲታት ኖህ ዝነበረ፥ ምምፃእ ወዲ ሰብ ከዓ ከምኡ ክኸውን እዩ። 38ኖህ ናብ መርከብ ክሳዕ ዝኣተወ መዓልቲ፥ በተን ቅድሚ ማይ ጥፍኣት ዝነበራ መዓልቲታት፥ ሰባት ይበልዑን ይሰትዩን፥ ይምርዓዉን የመርዕዉን ነበሩ እሞ፤ 39ማይ ጥፍኣት መፂኡ ንዅሎም ክሳዕ ዝወሰዶም ከዓ ገለ ኣይፈለጡን፤ ምምፃእ ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ክኸውን እዩ። 40ክልተ ሰባት ኣብ ግራት ክኾኑ እዮም፤ ሓደ ክውሰድ እዩ፥ እቲ ካልእ ከዓ ክተርፍ እዩ። 41ክልተ ኣንስቲ ብመጥሓን ክጥሕና እየን፤ ሓንቲ ክትውሰድ፥ እታ ሓንቲ ድማ ክትግደፍ እያ። 42ስለዙይ፥ ጐይታኹም በየነይቲ መዓልቲ ኸም ዝመፅእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፥ ንቕሑ። 43እዙይ ፍለጡ፦ በዓል ገዛ እቲ ሰራቒ በየነይቲ ሰዓት ለይቲ ኸም ዝመፅእ እንተ ዝፈልጥ ነይሩ፥ ነቒሑ ገዛኡ ኸይስበር ምሓለወ ነይሩ። 44ስለዙይ ንስኻትኩምውን ተዳለዉ፥ ወዲ ሰብ ብዘይ ትፅበይዋ ሰዓት ይመፅእ እዩ እሞ።
45እምበኣር እቲ ጐይታኡ ኣብ ልዕሊ ቤተ ሰቡ ሾይሙ፥ ኣብ ጊዜኡ ምግቢ ኽህቦም ዝኣመኖ እሙንን ለባምን ባርያ መን እዩ? 46ጐይታኡ ምስ ተመለሰ ኸምኡ እናገበረ ዝረኽቦ ባርያ ብፁእ እዩ። 47ኣብ ልዕሊ ኵሉ ጥሪቱ ኸም ዝሾሞ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 48እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ‘ጐይታይ ክመፅእ ደንጕዩ ኣሎ’ ኢሉ ብልቡ እንተ ሓሰበ፥ 49ነቶም ብፃይ ባሮቱ ኽወቕዖም፥ ምስ ሰከራማት ድማ ክበልዕን ክሰትን እንተ ጀመረ፥ 50ጐይታ እቲ ባርያ እቱይ ብዘይ ትፅበያ መዓልቲ፥ ብዘይፈልጣ ሰዓት ክመፅእ እዩ። 51ቆራሪፁ ኸዓ ምስ ግብዛት ከቕምጦ እዩ፤ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።”