ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኵሎም ኣብ በዓል ኣቦ ፅዉዓት እዮም

ሕቶ ድሕሪ ሕቶ ኸም መፈንጠራ ቐረበ — ቐረፅ ቄሳር፥ ሸውዓተ ጊዜ መበለት ዝኾነት ሰበይቲ፥ እቲ ዝዓቢ ትእዛዝ፥ ንኣቦና ብዅሉ ምፍቃር — ነፍሲ ወከፉ ድማ ናብቲ ሓታቲ ተመልሰ። ሽዑ ኢየሱስ ባዕሉ ብዛዕባ ጐይታ ዳዊት ሓተተ፥ ድሕሪ ደጊም ድማ ኽሓቶ ዝደፈረ ሓደ እኳ ኣይነበረን።

ምዕራፍ 22።

ኢየሱስ መሊሱ ብምሳሌ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦

“መንግስቲ ኣቦና ንወዱ መርዓ ዘዳለዎ ንጉስ ትመስል። ነቶም ዕዱማት ናብ መርዓ ኽፅውዑ ድማ ኣገልገልቱ ለኣኸ፤ ንሳቶም ግና ክመፁ ኣበዩ። መሊሱ ኸዓ ኻልኦት ኣገልገልቲ ለኣኸ፥ ከምዙይ ኢሉ፦ ‘ነቶም ዕዱማት ከምዙይ በልዎም፦ እንሆ፥ ድራረይ ኣዳልየ ኣለኹ፤ ኣብዑረይን ስቡሓት ከፍተይን ተሓሪዶም፥ ኵሉ ተዳልዩ ኣሎ። ናብ መርዓ ንዑ።’ ንሳቶም ግና ዕሽሽ ኢሎም ከዱ፤ ሓደ ናብ ግራቱ፥ ካልእ ድማ ናብ ናይ ንግዲ ስራሑ። እቶም ዝተረፉ ኸዓ ነገልገልቱ ሒዞም ኣሳቐይዎምን፥ ቀተልዎምውን። እቲ ንጉስ ተቘጥዐ፤ ሰራዊቱ ልኢኹ ድማ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኦም፥ ከተማኦምውን ኣንደዶ። ሽዑ ነገልገልቱ ኸምዙይ በሎም፦ ‘እቲ መርዓ ተዳልዩ ኣሎ፤ እቶም ዕዱማት ግና ኣይበቕዑን ነበሩ። ስለዙይ ናብ ኣውራ መንገድታት ኪዱ፤ ዝረኸብኩምዎም ኵሎም ድማ ናብ መርዓ ፅውዑ።’ እቶም ኣገልገልቲ ድማ ናብ መንገድታት ወፂኦም፥ ንዝረኸብዎም ዅሎም፥ ክፉኣትን ሰናያትን ኣከቡ፤ እቲ ኣዳራሽ መርዓ ኸዓ ብዕዱማት መልአ።

“እቲ ንጉስ ነቶም ዕዱማት ክርኢ ምስ ኣተወ ግና፥ ክዳን መርዓ ዘይተኸድነ ሰብ ረአየ። ‘ኦ ዓርከይ፥ ክዳን መርዓ እንተይተኸደንካ ኸመይ ኢልካ ናብዙይ ኣቴኻ?’ በሎ፤ ንሱ ኸዓ ሱቕ ኢሉ ተረፈ። ሽዑ እቲ ንጉስ ነቶም ኣገልገልቲ ኸምዙይ በሎም፦ ‘ኣእዳውን ኣእጋርን ኣሲርኩም፥ ናብቲ ናይ ወፃኢ ፀልማት ደርቢይዎ፤ ኣብኡ ብኽያትን ሕርቃም ኣስናን ክኸውን እዩ።’ ፅዉዓት ብዙሓት፥ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም እሞ።”

ነቲ ናይ ኣቦና ዝኾነ ንኣቦና ሃቡ

ሽዑ ፈሪሳውያን ከይዶም፥ ብዘረባኡ ኸመይ ጌሮም ክሕዝዎ ተማኸሩ።

ደቀ መዛሙርቶም ምስ ሄሮድሳውያን ናብኡ ልኢኾም ከምዙይ በልዎ፦ “መምህር፥ ንስኻ ሓቀኛ ምዃንካ መንገዲ እግዚኣብሄር ብሓቂ ኸም እትምህርን ንፈልጥ ኢና፤ ገፅ ሰብ ኣይትርእን ኢኻ እሞ፥ ንሓደ እኳ ኣይተዳልን ኢኻ። እምበኣር እንታይ ከም ዝመስለካ ንገረና፤ ንቄሳር ቐረፅ ምኽፋል ሕጋዊ ድዩ ኣይኮነን?”

ኢየሱስ ግና እከዮም ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ግብዛት፥ ንምንታይ ትፍትኑኒ ኣለኹም? እታ ንቐረፅ እትኸፍሉላ ሳንቲም ኣርእዩኒ።” ንሳቶም ድማ ዲናር ኣምፅኡሉ።

ከምዙይ ድማ በሎም፦ “እዝ ምስልን ፅሕፈት ናይ መን እዩ?”

“ናይ ቄሳር” በልዎ። ሽዑ ኸምዙይ በሎም፦ “እምበኣር ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ ናይ ኣቦና ድማ ንኣቦና ሃቡ።”

እዙይ ምስ ሰምዑ ተገረሙ፤ ሓዲጎምዎ ኸዓ ኸዱ።

ኣቦና ኣምላኽ ህያዋን እዩ

በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ትንሳኤ የለን ዝብሉ ሰዱቃውያን ናብኡ መፁ፤ ጠየቕዎ ድማ፥ ከምዙይ በሉ፦ “መምህር፥ ሙሴ፥ ‘ሓደ ሰብ ውሉድ ዘይብሉ እንተ ሞተ፥ ሓዉ ነታ ሰበይቱ ኣእትዩ ንሓዉ ዘርኢ የተንስኣሉ’ ኢሉ ነበረ። ኣብ ማእኸልና ድማ ሸውዓተ ኣሕዋት ነበሩ፤ እቲ ቐዳማይ ተመርዕዩ ሞተ፤ ውሉድ ስለ ዘይነበሮ ኸዓ ሰበይቱ ንሓዉ ሓደጋ። ከምኡ ድማ እቲ ኻልኣይ፥ እቲ ሳልሳይ፥ ክሳዕ እቲ ሻብዓይ ኮኑ። ኣብ መወዳእታ ኸዓ እታ ሰበይቲ ሞተት። እምበኣር በቲ ትንሳኤ፥ ካብቶም ሸውዓተ ናይ መን ሰበይቲ ኽትከውን እያ? ኵላቶም ኣእትዮምዋ እዮም እሞ።”

ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “መፃሕፍቲ ኾነ ሓይሊ ኣቦና ስለ ዘይትፈልጡ ተጋጊኹም ኣለኹም። በቲ ትንሳኤ ኣየእትዉ ኣይዋሃቡን እዮም እሞ፥ ከምቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ መላእኽቲ ደኣ እዮም። ሕዚ ኸዓ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት፥ ኣቦና ዝበለኩም ኣየንበብኩምንዶ፦

‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ እየ’? ንሱ ኣምላኽ ህያዋን ደኣ እምበር፥ ኣምላኽ ምዉታት ኣይኮነን።”

እቶም ህዝቢ ምስ ሰምዑ ድማ፥ ብትምህርቱ ተገረሙ።

ንኣቦኻ ብዘለካ ዅሉ ኣፍቅሮ

ፈሪሳውያን ግና ንሰዱቃውያን ከም ዘፅቀጦም ምስ ሰምዑ፥ ብሓንሳእ ተኣከቡ። ካብኣቶም ሓደ ሊቅ ሕጊ ድማ፥ ክፍትኖ ኢሉ ሓደ ነገር ጠየቖ፦ “መምህር፥ እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ እያ?”

ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ንኣቦኻ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ። እዛ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እዚኣ እያ። እታ ኻልአይቲ ኸዓ ንእኡ ትመስል፦ ‘ንብፃይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።’ ኵሉ ሕግን ነቢያትን ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ተንጠልጢሉ ኣሎ።”

ክርስቶስ ወዲ መን እዩ?

ፈሪሳውያን ተኣኪቦም እንተለዉ፥ ኢየሱስ ጠየቖም፦ “ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም? ወዲ መን እዩ?” ንሳቶም ድማ “ናይ ዳዊት” በልዎ።

ንሱ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “እምበኣር ዳዊት ብመንፈስ ቅዱስ ኮይኑ፥ ከመይ ጐይታ ኢሉ ይፅውዖ፦

‘ኣቦና ንጐይታይ ከምዙይ በሎ፦ “ኣብ የማነይ ተቐመጥ፥ ንፀላእትኻ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ክሳዕ ዘንብሮ።”’?

ዳዊት እምበኣር ንክርስቶስ ጐይታ ኢሉ እንተ ፀውዖ፥ ከመይ ኢሉ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት ክኸውን ይኽእል?” በሎም።

ሓደ እኳ ቃል ክመልሰሉ ዝኸኣለ ኣይነበረን፤ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ደጊም ሓደ እኳ ገለ ክሓቶ ኣይደፈረን።