ምሕረትን ሰላምን ነቶም ዝተፀውዑ
ምእንቲ እምነት ኣንፃር እቶም ንፀጋ ዝልውጡ ዝቃለስ፥ ንኣመንቲ ድማ ክፅንዑ ዝፅውዕ ሓፃርን ህፁፅን መልእኽቲ።
1 1ይሁዳ፥ ባርያ ኢየሱስ ክርስቶስን ሓው ያእቆብን፥ ነቶም ዝተፀውዑ፥ ብኣቦና ዝተፈተዉን ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሓለዉን፦ 2ምሕረትን ሰላምን ፍቕርን ኣባኻትኩም ይብዛሕ።
ምእንቲ እታ እምነት ተቓለሱ
3ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓባር ምድሓን ክፅሕፈልኩም ብርቱዕ ድልየት እኳ እንተነበረኒ፥ ነታ ሓንሳእ ንሓዋሩ ንቕዱሳን ዝተውሃበት እምነት ክትቃለሱላ እናማሕፀንኩኹም ክፅሕፈልኩም ተገደድኩ። 4ገሊኦም ሰባት እንተይተፈለጡ ተሓዊሶም ኣትዮም እዮም እሞ፤ እዚኣቶም ካብ ጥንቲ ነዝ ፍርዲ እዙይ ዝተመደቡ ረሲኣን እዮም፤ ነቲ ፀጋ ኣቦና ናብ ፍትወት ርኽሰት ይልውጥዎ፥ ነቲ በይኑ ጐይታናን ሳየትናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ይኽሕድዎ።
5ንስኻትኩም እዝ ዅሉ ትፈልጥዎ እኳ እንተኾንኩም፥ ኢየሱስ ንህዝቢ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኣድሒኑ፥ ድሕሪዙይ ነቶም ዘይኣመኑ ኸም ዘጥፍኦም ክዝክረኩም ደልየ ኣለኹ። a a v5 ገሊኦም ጥንታውያን ቅዳሓት “ጐይታ” ወይ “እግዚኣብሄር” ኢሎም ይነብቡ፤ እቶም ዝጠንተዩን ዝሐየሉን ግና “ኢየሱስ” ኢሎም ይነብቡ። ይሁዳ ነቲ ንእስራኤል ካብ ግብፂ ዘድሓነ፥ ኢየሱስ ኢሉ ይሰምዮ — እቲ ምስ ህዝቡ ብምድረ በዳ ዝተመላለሰ ጐይታ ባዕሉ። 6ነቶም ነቲ ዝተውሃቦም ሽመት ዘይሓለዉ ደኣ፥ ነቲ ዝግብኦም ማሕደሮም ዝሓደጉ መላእኽቲ ኸዓ፥ ንፍርዲ እታ ዓባይ መዓልቲ፥ ኣብ ትሕቲ ድቡቕ ፀልማት፥ ብዘለኣለም ሰንሰለት ሓሊይዎም ኣሎ። b b v6 እዚኣቶም መላእኽቲ፥ ነቶም ካብ ሰማይ ወፂኦም ደቂ ሰብ ዘእተዉ ‘ደቂ እግዚኣብሄር’ ዘመልክቱ ኽኾኑ ይኽእሉ (ዘፍጥረት 6፥1-4)። 7ከምኡ ኸዓ ሶዶምን ጎሞራን እተን ኣብ ጥቓአን ዝነበራ ኸተማታትን፥ ንምንዝርናን ንዘይባህርያዊ ስጋ ምስዓብን ተገዛእተን ስለ ዝኾና፥ መቕፃዕቲ ዘለኣለማዊ ሓዊ እናተቐበላ፥ ኣብነት ኮይነን ኣለዋ። 8ከምኡ ኸዓ እዚኣቶም ሓለምቲ፥ ስጋኦም የርክሱ፥ ንስልጣን ይነዕቑ፥ ንኽቡራት ድማ ይፀርፉ። 9ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ ግና፥ ምስ ድያብሎስ ብዛዕባ ስጋ ሙሴ እናተማጐተ፥ ናይ ፅርፊ ፍርዲ ኣብ ልዕሊኡ ከምፅእ ኣይደፈረን፤ “ኣቦና ይገስፅካ” ደኣ በለ እምበር። c c v9 እዝ ብዛዕባ ሚካኤልን ስጋ ሙሴን ዝተዛረበ ዛንታ፥ ካብ ኣይሁዳዊ ልምዲ (ዕርገት ሙሴ) ዝመፀ እዩ እምበር፥ ካብ ብሉይ ኪዳን ኣይኮነን። 10እዚኣቶም ግና ነቲ ዘይርድእዎ ዅሉ ይፀርፍዎ፤ ነቲ ኸም ዘይምኽሩ እንስሳታት ብባህርዮም ዝርድእዎ ኸዓ፥ የጥፍኦም። 11ወይለኦም! ብመንገዲ ቃየል ከዱ፥ ንዓስቢ ኢሎም ናብ ስሕተት በለዓም ተሃንደዱ፥ ብዓመፅ ቆሬ ድማ ጠፍኡ። 12እዚኣቶም ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ዝተሓብኡ ኻውሕ እዮም፥ ብዘይፍርሓት ምሳኻትኩም እናበልዑ፥ ንርእሶም ጥራሕ ዝጓስዩ፤ ብንፋስ ዝንፈሱ ንቑፃት ደበናታት፥ ዘይፈርዩ ናይ ቀውዒ ኣእዋም፥ ክልተ ጊዜ ዝሞቱ፥ ዝተነቐሉ። 13ሕፍረቶም ዘረፍርፉ ዱር ማዕበል ባሕሪ፥ ዝዀብልሉ ኸዋኽብቲ፥ ንሳቶም ድማ ጣቕ ዝበለ ፀልማት ንዘለኣለም ተሓልይሎም ኣሎ። 14ሄኖክ ድማ፥ እቲ ኻብ ኣዳም ሻብዓይ ዝኾነ፥ ብዛዕባ እዚኣቶም ከምዙይ ኢሉ ተነበየ፦ “እንሆ፥ ጐይታና ኢየሱስ ምስ ኣእላፍ ቅዱሳኑ መፀ፥ d d v14 ይሁዳ ነቲ ጥንታዊ ትንቢት ሄኖክ፥ ናብ ምምፃእ ኢየሱስ የውዕሎ — እቲ ፍትሒ ኽገብር ምስ ቅዱሳኑ ዝምለስ ጐይታ። እቲ ሓድሽ ኪዳን ንኢየሱስ ከም እቲ ምስ መላእኽቱ ብኽብሪ ዝመፅእ ገይሩ ይሰምዮ (ማቴዎስ 25፥31፤ 2 ተሰሎንቄ 1፥7)። 15ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍርዲ ኽፍፅም፥ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ድማ፥ በቲ ብረሲእ መንገዲ ዝፈፀምዎ ዅሉ ረሲእ ግብሮምን፥ በቲ ረሲኣን ሓጥኣን ኣብ ልዕሊኡ ዝተዛረብዎ ዅሉ ተሪር ነገርን ክረትዕ እዩ።” 16እዚኣቶም መጕረምረምትን መማረርትን፥ ደድሕሪ ትምኒቶም ዝኽተሉ እዮም፤ ኣፎም ዓበይቲ ነገር ይዛረብ፥ ንረብሓ ኢሎም ድማ ንሰብ ይሽሕጡ።
ነቲ ኣቐዲሙ ዝተነግረ ዘክሩ
17ኣቱም ፍቑራተይ ግና፥ ነቲ ሃዋርያት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሞም ዝበልዎ ቓል ዘክሩ። 18ከምዙይ ኢሎም ነጊሮምኹም ነይሮም፦ “ኣብ ዳሕረዋይ ዘመን፥ ደድሕሪ ናይ ርኽሰት ትምኒቶም ዝኽተሉ መላገፅቲ ክህልዉ እዮም።” 19እዚኣቶም ፍልልይ ዘምፅኡ፥ ዓለማውያን ሰባት፥ መንፈስ ዘይብሎም እዮም።
20ኣቱም ፍቑራተይ ግና፥ ኣብታ ኣዝያ ቅድስቲ እምነትኩም ንነፍስኹም እናሃነፅኩም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ድማ እናፀለኹም፥ 21ንነፍስኹም ኣብ ፍቕሪ ኣቦና ሓልዉ፥ ነቲ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝመርሕ፥ ምሕረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናተፀበኹም። 22ነቶም ዝጠራጠሩ ድማ ራህርሁሎም፤ 23ንገሊኣቶም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣድሕንዎም፤ ንገሊኣቶም ድማ ብፍርሓት ራህርሁሎም፥ ነቲ ብስጋኦም ዝረኸሰ ኽዳን ከይተረፈ እናፀላእኹም።
ኣቦና ይሕልወኩም
24ሕዚ ድማ ነቲ ኻብ ምስንካል ክሕልወኩም፥ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ድማ ብዓብዪ ሓጐስ ነውሪ ኣልቦ ጌሩ ከቕውመኩም ዝኽእል፥ 25ነቲ መድሓኒ ዝኾነ ኣቦና በይኑ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ቅድሚ ዅሉ ዘመን፥ ሕዚ፥ ንዘለኣለምውን፥ ክብርን ግርማን ግዝኣትን ስልጣንን ይኹኖ። ኣሜን። e e v25 ይሁዳ ንዅሉ ኽብሪ፥ በይኑ እግዚኣብሄርን መድሓንን ንዝኾነ ኣቦና፥ ብወዱ ኢየሱስ ኣቢሉ የቕርብ — ኣቦን ወልድን ዝተፈላለዩ እንተኾኑ፥ ኣብቲ ዝቕበልዎ ኣምልኾ ግና ሓደ እዮም።