ናብ ፍቑር ጋይዮስ
ንጋይዮስ ብኣቀባብላኡን ብተኣማንነቱን ዘመጉስ፥ ኣንፃር ክዕብለል ዝደሊ መራሒ ኸዓ ዘጠንቅቕ ውልቃዊ መልእኽቲ።
1 1እቲ ሽማግለ፥ ናብቲ ብሓቂ ዘፍቅሮ ፍቑር ጋይዮስ።
2ኣታ ፍቑረይ፥ ከምቲ ነፍስኻ እትሰልጥ፥ በብዅሉ ኽትሰልጥ ጥዑይውን ክትከውን እልምን ኣለኹ። 3ኣሕዋት መፂኦም፥ ብዛዕባ ተኣማንነትካ ንሓቂ ምስ መስከሩ፥ የመና ተሓጐስኩ፤ ንስኻ ብሓቂ ብእኣ ትመላለስ ኣለኻ እሞ። 4ደቀይ ብሓቂ ኸም ዝመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዝዓቢ ሓጐስ የብለይን።
5ኣታ ፍቑረይ፥ ነሕዋት፥ ነቶም ጓኖት እውን፥ ኣብ እትገብረሎም ዅሉ ብእሙንነት ትዓዪ ኣለኻ። 6ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ፍቕርኻ መስከሩ። ንኣቦና ዝግባእ መገዲ ኣፋንዎም። 7ካብ ኣህዛብ ሓንቲ እኳ እንተይተቐበሉ፥ ምእንቲ እቲ ስም ወፂኦም እዮም እሞ። a a v7 “እቲ ስም” ንኢየሱስ እዩ ዘመልክት፤ እዞም ልኡኻት እዚኣቶም ንእኡ እናወከሉ ወፂኦም፥ ካብ ዘይኣምኑ ገንዘባዊ ደገፍ ከዓ ኣይተቐበሉን። 8ስለዙይ ንሓቂ መዓይይቲ ምእንቲ ኽንከውን፥ ነምሳሎም ዝበሉ ሰባት ክንድግፎም ይግብአና እዩ።
9ናብ ቤተ ክርስቲያን ገለ ነገር ፅሒፈ ነይረ፤ ዲዮጥራጥስ ግና፥ እቲ ኣብ ማእኸሎም ቀዳማይ ክኸውን ዝፈቱ፥ ኣይተቐበለናን። 10ስለዙይ እንተ መፃእኹ፥ እቲ ዝገብሮ ዘሎ፥ ማለት ብኽፉእ ዘረባ ኸም ዘሕምየና ኽቃልዖ እየ። በዙይ እኳ እንተይዓገበ፥ ነሕዋት ምቕባል ኣብዩ፥ ነቶም ክቕበሉ ዝደልዩ ይኽልክሎም፥ ካብ ቤተ ክርስቲያንውን የውፅኦም።
11ኣታ ፍቑረይ፥ ሰናይ ደኣ እምበር ክፉእ ኣይትቕዳሕ። እቲ ሰናይ ዝገብር ካብ ኣቦና እዩ፤ እቲ ክፉእ ዝገብር ግና ንኣቦና ኣይረአዮን። 12ብዛዕባ ዲሜጥሮስ ኵሉ ፅቡቕ ይዛረብ፥ ሓቂ ባዕላ እውን ትምስክረሉ። ንሕናውን ንምስክር ኢና፤ ምስክርነትና ሓቂ ምዃኑ ኸዓ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።
13ናባኻ ዝፅሕፎ ብዙሕ ነይሩኒ፥ ግና ብብርዕን ብቐለምን ክፅሕፈልካ ኣይደልን። 14ቀልጢፈ ኽርእየካ ተስፋ እገብር ኣለኹ፥ ገፅ ንገፅ ከዓ ክንዛረብ ኢና። 15ሰላም ንኣኻ ይኹን። እቶም ኣዕሩኽ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ኣዕሩኽ በብስሞም ሰላም በሎም።