ኢዮብ ነታ ዝተወለደላ መዓልቲ ረገማ
ኢዮብ ነታ ዝተወለደላ መዓልቲ ብምርጋም ነቲ ስቕታ ሰበሮ። ነታ ለይቲ እቲኣ ካብ ቍፅሪ መዓልቲታት ክትድምሰስ ይደሊ፥ ነቶም ብምዉቶም ዝተወልዱ ህፃናትን ነቶም ዝሞቱ ነገስታትን ድማ ይቐንኦም፥ መቓብር እንተ ወሓደ ህዱእ እዩ እሞ። ነቲ እግዚኣብሄር ብዙርያ ንዝዓፀዎ ሰብ ስለ ምንታይ ብርሃን ይወሃቦ፥ ኢሉ ይሓትት።
3 1ድሕሪ እዙይ ኢዮብ ኣፉ ከፊቱ ነታ ዝተወለደላ መዓልቲ ረገማ። 2ከምዙይ ከዓ በለ፦ 3“እታ ዝተወለድኩላ መዓልቲ ትጥፋእ፥ እታ ‘ወዲ ተፀኒሱ’ ዝበለት ለይቲ ኸዓ ትጥፋእ። 4እታ መዓልቲ እቲኣ ፀልማት ትኹን! ኣብ ላዕሊ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣይድለያ፥ ብርሃንውን ኣይብራህላ። 5ፀልማትን ድቡን ፅላሎትን ይውረስዋ፤ ደመና ኣብ ልዕሊኣ ይስፈር፤ ፅልመት መዓልቲ ድማ የፍርሃ። 6እታ ለይቲ እቲኣ ግብ ዝበለ ፀልማት ይሓዛ፤ ኣብ መንጎ መዓልቲታት ዓመት ኣይትተሓጎስ፥ ኣብ መንጎ ኣዋርሕ ድማ ኣይትቑፀር። 7እወ፥ እታ ለይቲ እቲኣ መኻን ትኹን፤ ድምፂ ሓጐስ ናብኣ ኣይእቶ። 8እቶም ንመዓልቲታት ዝረግሙ፥ እቶም ንሌዋታን ከተስኦ ድሉዋት ዝኾኑ ይረግምዋ። a a v8 ኣብ ጥንታዊ ዓለም እቶም ብሞያ ዝረግሙ ሰባት፥ ኣብ ልዕሊ ፅቡቓትን ሕማቓትን መዓልቲታት ስልጣን ከም ዘለዎም ይእመን ነበረ። 9ከዋኽብቲ ወጋሕታ ይፅልምቱ፤ ብርሃን ትደሊ እሞ ኣይትረኽብ፤ ናይ ንግሆ ቀዳማይ ጩራ ድማ ከቶ ኣይትርኢ፥ 10ንሳ ነቲ መዓፁ ማህፀን እኖይ ስለ ዘይዓፀወት፥ መከራ ኸዓ ካብ ኣዒንተይ ስለ ዘይሓብአትለይ እዩ። 11ስለ ምንታይ ኣብ ምውላደይ ዘይሞትኩ፥ ካብ ማህፀን ወፂአ ዘይሓለፍኩ? 12ስለ ምንታይ ዝተቐበላኒ ኣብራኽ፥ ወይ ዝጠብወን ኣጥባት ነበራ? b b v12 ኣብ ጥንታዊ ቀረባ ምብራቕ፥ ሓደ ሕድሽ ዝተወለደ ህፃን ኣብ ኣብራኽ ሓደ ዘመድ ምንባር፥ ነቲ ቈልዓ ናይ ምቕባል ወግዓዊ ተግባር ነበረ። 13ሕዚ ኸዓ ብህድኣት ደቂሰ ምሃለኹ፤ ተደቂሰ ኣብ ዕረፍቲ ምሃለኹ፥ 14ምስ ነገስታትን ምስ መኻርቲ ምድርን፥ እቶም ንርእሶም ዑና ዝሰርሑ፥ 15ወይ ምስ መሳፍንቲ፥ እቶም ወርቂ ዝነበሮም፥ ኣባይቶም ብብሩር ዝመልኡ። 16ወይ ስለ ምንታይ ብምዉቱ ተወሊዱ ዝተቐበረ ህፃን ዘይኮንኩ፥ ከምቶም ብርሃን ፈፂሞም ዘይረኣዩ ህፃናት? 17ኣብኡ ረሲኣን ካብ ዋዕዋዕታኦም የቋርፁ፥ ኣብኡ ድማ ዝደኸሙ የዕርፉ። 18ምሩኻት ብሓባር ይዓርፉ፤ ድምፂ ገፋዒኦም ደጊም ኣይሰምዑን እዮም። 19ንኡስን ዓቢይን ኣብኡ ማዕረ እዮም፥ ባርያ ድማ ካብ ጎይታኡ ናፃ እዩ። 20ስለ ምንታይ ኣብ መከራ ንዘሎ ሰብ ብርሃን ይወሃብ፥ ነቲ ነፍሱ ዝመረረት ሰብ ድማ ህይወት ይወሃብ፥ 21ነቲ ዘይመፅእ ሞት ዝናፍቑ፥ ካብ ስዉር መዝገብ ንላዕሊ ኸዓ ዝኹዕትዎ፥ 22ነቲ መቓብር ምስ ረኸቡ ብሓጐስ ዝስራሰሩን ደስ ዝብሎምን? 23መንገዱ ንዝተሰወሮ ሰብ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ብዙርያ ዝዓፀዎ ሰብ ስለ ምንታይ ብርሃን ይወሃብ? 24እህህታይ ቅድሚ እንጀራ ይመፅእ እዩ እሞ፥ ኡይታይ ድማ ከም ማይ ይፈስስ። 25እቲ ዝሰጋእክዎ ነገር ናብ ልዕለይ መፂኡ ኣሎ፥ እቲ ዝፈራሕክዎ ድማ ረኸበኒ። 26ራህዋ የብለይን፥ ህድኣት የብለይን፥ ዕረፍቲ የብለይን፤ ሽግር ጥራሕ ደኣ ኣሎ።”